እዚ ሲዒቡ ዝቀርብ ጽሑፍ፡ ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብኣባላት ኤምባሲ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ጎስጋሳትን፡ እቲ ዛጊት ካብ ኤርትራውያን ነበርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝቀርበሎም ዘሎ ግብረመልስን ከቅርብ ይፍትን። እቶም ብኤምባሲ ዝካየዱ ጎስጋስ፡ በቲ ኣብ ዝሓለፉ ሳምንታት ሓዲሽ ኣምባሳደር ኮይኑ ንደቡብ ኣፍሪቃ ዝመጸ ኣቶ ሳልሕ ዑመር ዝፍጸሙ ኮይኖም፡ እቲ ቀንዲ ዕላማኦም ድማ፡ በዓል 24 ግንቦት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብኽብ ዝበለ ኣገባብ፡ ማለት ብጋይላን ፈጠዝያን ንምጽንባል ዝቀንዐ እዮ። በዚ መሰረት፡ ኣምባሳደር ሳልሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ደቡብ ኣፍሪቃ እናኸደ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ደቡብ ኣፍሪቃ ርክብ ኣካይዱ ኣሎ። ሓደ ካብዚኣቶም፡ እቲ ብቀዳም ዕለት 16 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ዘካየዶ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ እዩ።
እዚ ኣኬባ ዚ፡ ቅድሚ ክለተ ሰሙን ክግበር ምዃኑ ብወግዒ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ተዘርጊሑ እዩ። ነቶም ነቲ ስርዓት ይድግፉን ይደናገጹን ዝብሃሉ ሰባት ድማ ብፍሉይ መንገዲ፡ ማለት ብደብዳቤ፣ ብቴለፎንን ብናይ ሞባይል ቴክሰትን ዕድመ ከም ዝተገብረሎም ይፍለጥ። እዚ ኣኼባ ዚ ግን፡ ካብቶም ቅድም ክብሉ ብኤምባሲ ዝካየዱ ህዝባዊ ኣኼባታት ፍልይ ዝብል’ዩ ዝነበረ። ብሓፈሻኡ ክርኤ እንተኾይኑ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ኣኼባታት እቶም ውሑዳት ተደናገጽቲ እቲ ስርዓት ዝርከብዎ ኮይኑ፡ ንሓድ ሕዶም “ዓወት ንሓፋሽ” “ንሕናን መንግስትናን” ተበሃሂሎም ዝፋነውሉ ኣጋጣሚ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ናይ ቀዳም ኣኼባ ግን ኣዳራሽ ብተሳተፍቲ ካብ ዓቀኑ ንላዕሊ ዝመልኣሉ፡ ኣባላት ናይቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመደበሩ ምንቅስቃስ ኤርትራውያን ዝተረኽብሉ፡ ኣብ መንጎ ተሳተፍቲ ይኹን ኣባላት ኤምባሲ ረጽሚ ንኸይልዓል እዉን፡ ክንዲ ኻላእ ዝኾኑ ኤርትራዊ መበቖል ዘይብሎም ባውንሰርስ ዝዓጀብዎ ፍሉይ ኣጋጣሚ ‘ዩ ኔሩ።

በዚ ዝተፈጥረ ኣጋጣሚ እምበኣር፡ ኣምባሳደር ይኹን ኣዳላውቲ ክሻቀሉ ናይ ግድን እዩ ኔሩ። እቲ ፈለማ፡ መንፈስ ናይቲ ኣኼባ ንምብራዝ ዝተወሰደ ስጉምቲ፡ ብግዜ ንተሳተፍቲ ምድኻም እዩ። ኣኼባ ሰዓት 7 ድሕሪ ቀትሪ ክጅምር እኳ ዝግብኦ እንተነበረ፡ ኣምባሳደር ድሕሪ ሓደ ሰዓትን ፈረቃን ኣብቲ ኣዳራሽ ከም ዝኣቱ ተገብረ። ኣዝዩ ዘሕንኽን ዲሲፕሊን ዝጎደሎን ባህሪ ካብ ኣምባሳደር ኤርትራ።
ኣምባሳደር መደርኡ ምስ ጀመረ እውን እንተኾነ፡ ንሓደ ተሳታፊ ድቃስ እንተዘይኮይኑ ሓድሽ ትምህርቲ ዘየቅርብ፡ ኣብ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ኤርትራ ምርኩስ ዝገበረ ናይ ሰዓታት መደረ ኔሩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ኣምባሳደር ከስምረሉ ዝፈተነ ነጥቢ፡ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ካብ ጥንቲ ኣትሒዘን ክሳብ ሎሚ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ምዃነን እዩ። ሽሕ ‘ዃ እዚ ኣር እሲቲ ዚ ሰዓታት እንተወሰደ፡ ተሳተፍቲ ግን ብዓቕሊ ክሳብ መደርኡ ዛዚመ ዝብል ትም ኢሎም ዝጽበዩ መረጹ። ፍርቂ ልይቲ ገጹ ክኽውን ምስ ቀረበ ድማ፡ ኣምባሳደር መደረኡ ከምዝዛዘመን መድረኽ ድማ ንሕቶን ርእይቶን ከም ዝተገድፈ ቖንስላዊ ጉዳያት ኤርትራ ኣቶ ተወልደ ንተሳተፍቲ ሓበረ። ሽሕዃ ጊዜ ኣዝዩ መስዩ እንተነበረ፡ ኣዳራሽ ግን ከም ፈለማ ሕጂ’ውን ብተሳተፍቲ ዘቕቢባ ኹምር በለት።

ቀጺሉ፡ እቲ ካብ ተሳተፍቲ ዝቀረበ ሓሳባት፡ ከምቲ ናይ ቀደም “ዓወት ንሓፋሽ”፤ “ንሕናን መንግስትናን” “መኸተን” ካልኦት ተመሳሰልቲ ሓረጋትን ዝጠቃለሉ ኣይነበሩን። እንታይ ደኣ፡ ኣዝዩም ዝተፈልዩ እዮም ኔሮም። ሓደ ብሓደ ድማ ነስዕበልኩም፦
ኣቶ ዑቅባይ በርሀ፡
አቶ ዑቕባይ፡ ነቲ ኣምባሳደር ዝሃቦ መልእኽቲ ድሕሪ ምምስጋን፡ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ብመሽረፈት ዝመጸ ከምዘይኮነ ይገልጽ። ብዙሓት ብሉጻት ከም ዝተኸፊሉሉ እውን ሓቡሩ። ቀጺሉ፡ እቲ ጸላእትን ተጻብኦታትን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝበሎ ኣምባሳደ፡ ካብ ቀደም ኣብ ውሽጢ ሃገር ከሎና ንዓሰርተ ዓመት መመላእታ ንሰምዖ ዝነበርና ጉዳይ ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ሕጂ ግን፡ ይብል ኣቶ ዑቕባት፡ ኣብ ኤርትራ ቁልጡፍ ፖለቲካዊ ለውጢ የድሊ ከምዘሎ ገሊጹ።
ካልእ ሽሙ ዘይገለጸ መንእሰይ፡
ቋንቛ ትግርኛ ስለ ዘይክእል ብኣምሓርኛን እንግሊዝኛን እንዳ ሓዋወሰ፡ ኣነ ተኸታሊ እምነት ጴንተኮስታል እየ፡ ጎይታ ተቀቢለ እየ፡ እዚ ኸኣ ንሃገር ይጠቅም እምበር ይጎድእ እዩ ኣይብልን። ኣብ ኤርትራ ግን፡ ተኸተልቲ እዚ እምነት ‘ዚ ካብ መንግስቲ ብዙሕ ጸገማት እዩ ዝወርዶም፡ ስለምንታይ፧ ደሓር ድማ ንምንታይ እዩ ኣብዚ ዓዲ ሰብ ናይ ኣኮለጉዛይ ዶ ገለ እንዳ ተባህለ ዝጽዋዕ፧ በዚ ኸኣ ዝፈላለ፧ ቀጺሉ፡ ኤርትራውያን ብቁጠባ ኣብ ዘለለናዪ ንኽንዓቢ ክንሓስብ ተላብዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ኣሜሪካ ሓያል ናይ ዓለም እያ፡ ካብ ምስኣ ክንዋጠጥ ንፍትን፡ ንምንታይ ብዲፕሎማሲያዊ ኣገባብ ምስ ኣሜሪካ ዘይንረዳዳእ፧

መንእሰይ ሄኖክ ሃይለ፡
ክቡር ኣምባሳደር ነቲ ዝሃብካና መብርሂ የመስግነካ ብምባል መንእሰይ ሄኖክ ዘረባኡ ይፍልም። እወ ናጽነት ካብ ዝረጋገጽ 20 ዓመት ኮይንዎ ኣሎ። ኣብዚ መበል 20 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ከምቲ ናይ ዝሓለፈ 19 ዓመታት ድዩ ብሳዕስዒትን መስተን ክሓልፍ፡ ወይሲ ሓድሽ ለውጢ ከምዘሎ ዝሓዝክሞ ብስራት ኣሎ። ቁጽሪ ህዝቢ ኤርትራ 4 ሚልዮን እዩ። ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ንኹሉ ዘሓጉስ ብስራት ኣለኩም ዶ፧ ንኣብነት እሱራት ተፈቲሖም፡ ስድራቤቶም ድማ ምሳና  ሓቢሮም ተሓጉሶም ንኽውዕሉ ዝገበርክሞ ነገር ኣሎ ድዮ ዋላስ ከም ቀደምኩም ሳዕሲዒት፣ መስተን ዳንኬራን ጥራይ ኢኹም ሒዝኩም ቀሪብኩም ዘለኹም፧ ብተወሳኺ፡ ክሳብ ሕጂ እዛ ሃገር ቅዋም የብላ ምርጫ ኣካይዳ ኣይትፈልጥን እያ። ማዓስ እያ ከተካይድ፧ ንዕስራ ዓመት ብኢሳያስ ጥራይ እያ ትምራሕ ዘላ። ምዓስ እዩ እቲ ኮረሻ ስልጣን ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝርከብ፧ 

ኣቶ ተኽለ
ኣቶ ተኽለ ይብል፡ ቅድሚ ሕጂ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኣልዒለያ ነይረ። እዞም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ሰባት ኩነታቶም ከመይ ኣሎ፧ ክንደ ካብ ኣቶም ከም ዝሞቱን፡ ክንደይ ከኣ ብህይወት ከም ዘለውን ምሓበርካና ዶ፧

ኣቶ ኵሉብርሃን ኣብርሃም፡
ክቡር ኣምባሳደር ድሕሪ ነዊሕ እዋን ከምዚ ዓይነት ዕድል ብፍጣርካ ከመስግነካ እፈቱ። እንቋዕ ድሓን መጻካ። መቸም እዋኑ ከም ቀደም ኣይኮነን። ሳላ ኢንተርነት ሓበሬታ ብቕጽበት ኢና ክንረክብ በቂዕና ዘለና። ዝሕባኣና ዋላ ሓንቲ እኳ የለን። መንግስቲ ኢትየጵያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣውጺዎ ዘሎ መግለጺ በጺሕናዮ ኣሎና። መንግስቲ ኤርትራ ንናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ጸጥታ ኣብ ሓደጋ ይውድቖ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ኢሎም ኣለው። ነዚ ንምፍጻም ድማ ኩሉ ምድላዋት ጌሮም ከም ዘለዎ ብመገዲ ወጻኢ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ጉዳይ እዚ፡ ንዓና ንኤርትራውያን ኣየገድሰናን ድዩ፧ የገድሰና እምበር። ግን ኣምባሳዳር ኣብቲ ዝሃብካዮ መብርሂ ብዛዕባ ‘ዚ ሓንቲ ቃል እኳ ክትጠቅስ ፍቃደኛ ኣይኮንካን። ስለምንታይ፧ ብተወሳኺ፡ ቁጽሪ ኤርትራዊ ስደተኛ እንዳወሰኸ ስለ ዝመጽእ ዘሎ፡ ብኡ መጠን ድማ መዓስከር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ኣርባዕተ ናብ ሓሙሸተ ወሲኹ ኣሎ። እቲ ናብዞም መዓስከራት ዝውሕዝ ዘሎ ሰብ ድማ እቲ ንሃገር ክከላኸል ዓቕሚ ዘለዎ መንእሰይን ወተሃደርን እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት እምበኣር፡ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ስጉምቲ እንተ ተወሲዱስ፡ ክንጸሮ ንኽእል ኢና ዶ ትብል፧ ብተወሳኺ ሓንቲ ክትእረም ዘለዋ ሓሳብ ኣላ። እወ ስርዓታት ኢትዮጵያ ጸላእትና ክኾኑ ይክእሉ እዮም። ህዝቢ ኢትዮጵያ ግን ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ስርዓታት ይመጹ ይኸዱ። እቲ ኻልኣይቲ ከቕርባ ዝደሊ ነጥቢ፡ ኣቦታትና ክምስሉ ከለዉስ “ሓቂ ሒዝካ ሞግት ይብሉ”። እቲ ብዛዕቢ እዚ መንእሰይ ዘቕረብካዮ ሓሳባት ጌጋ እዩ። እዚ መንእሰይ ተታሉሉ እዩ ካብ ዓዲ ዝወጽእ ዘሎ ዝበልካዮ ካብ ሓቂ ዝርሓቀ ምጉት እዩ። ናይ ውሽጢ ኩነታትና ክንድህስስ ከድልየና እዩ። ብዛዕባ እሱራት እውን ክዛረብ ይደሊ። ኣብ ኤርትራ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ እሱራት ኣለዉ። ናይ ፖለቲካ ኣለዉ ብሰንኪ እምነቶም ‘ውን፡ 3000 ዝበጽሑ እሱራት ኣለዉ። እዚ ኸኣ መፍትሒ ክግበረሉ ኣለዎ። ኣብ መጠረሽታ ክብሎ ዝደሊ፡ ንደቡብ ኣፍሪቃ ዝምልከት እዩ። ኣነ ምስ ናይ ስደተኛታት ቤት ጽሕፈት ደቡብ ኣፍሪቃ ቅርበት ስለዘሎኒ ኢየ ዝዛረብ ዘለኹ። ኣብ ዶቡብ ኣፍሪቃ ብዝሒ ስደተኛታት ይውስኽ ስለዘሎ፡ ነዚ ጉዳይ ብጥብቂ ሒዞም እዮም ዝሰርሑሉ ዘለዎ። ስለዚ ከም ስደተኛታት እንታይ ንገብርን ኣይንገብርን ነፍሲ ወከፍና ክንሓስበሉ ከድልየና እዩ።

መንእሰይ ኢያሱ፡
ኣሜሪካ ንመን ትድግፍን ንመን ኣይትድግፍን፡ ነዓና ዘይኮነስ፡ ንዓኣ ዝምልከት ጉዳይ እዩ። ረብሓ እንተለዋ ንኢትዮጵያ ክትመርጽ ትክእል። እዚ ኸኣ ዘገርም ነገር የብሉን። እቲ ናትና ጉዳይ፡ ረብሓታትና ምንጻር እዩ። ከምኡ ውን ረብሓ ህዝብና ንኽረጋገጽ እንታይ ንገብር ነዓና ዝምልከት ነገር እዩ። ንሕና ናይ ቀደም ይኹኑ ናይ ሕጂ ጸላእትና ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና። ሎሚ ክንድ’ዚ ዝኣክል ገዚፍ መግለጺ ዘድልዮ ‘ውን ኣይኮነን። ኣቦታትና ክጽልዩ ከለዉ እንታይ ይብሉ መስለኩም፡ “ካብ ጸላእተይሲ ባዕለይ ኣለኽዎ፡ ካብ ፈተውተይ ጥራይ ሓልወኒ” ይብሉ። ናይ ብሓቂን እቲ ቀዳማይን ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ እምብኣር፡ መንግስቲ ኤርትራ ባዕሉ እዩ። ንስካ ንኣብነት፡ ብዛዕባ እዞም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱ 400 ዝኾኑ ኤርትራውያን ንእሽቶ ከማን ኣይጠቀስካን። ኣንታ እዞም ውጹዓት’ሲ ጸላእትኻ መዓስ ኮይኖም፡ ደቅኻን የሕዋትካን ዶ ኣይኮኑን፧ ቤተሰቦምን ኣሕዋቶም እኮ ሕርር ኩምትር ኢሎም እዮም ዘለዉ። ንሳኻ ግን ሓንቲ ቃል እኳ ብዛዕባኦም ክትጠቅስ ፍቃደኛ ኣይኮንካን። ንምንታይ ድዮም ንኸምዚ ዝበለ ሓደጋ ነብሶም ኣቃሊዖም፧ ብሰንኪ መን እዮም ከ ሞይቶም ዝተረፉ፧ ስለዚ፡ እቲ ሓቂ ካልእ ዘይኮነስ፡ እቲ ቀንዲ  ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ መንግስቲ ኤርትራ ምዃኑ እዩ። ሓንቲ ነገር እሞ ከዕልለኩም ኣብዚ ዘለኹም የሕዋት። ናጽነት ምስ ኮነ፡ “ኣብ መሬትና ከም ድልየትና” ኢልና ምሽ ደሪፍናን ሳዕሲዕናን፧ ግን ኣብ መሬትና ከም ድሌትና ኮይንና ዲና፧ ኢሉ መንእሰይ ኢያሱ ነቲ ኣብቲ ኣዳራሽ ዝነበረ ተሳታፊ ምስ ሓተተ፡ ኣዳራሽ ትቕብል ኣቢሉ “ኣይኮናን” ክብል መሊሱ። ደጊሙ ‘ውን መንእሰይ ኢያሱ፡ “ከም ድሌትና ኮይንና ዲና” ክብል ሓተተ። ኣዳራሽ ከኣ ከም እንደገናን ብዓውታን “ኣይኮናን” ክብል መሊሱ። ስለዚ ኢሉ መንእሰይ እያሱ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጸላኢኡ ባዕሉ መንግስቲ ኤርትራ ኢዩ። ኣቱም ሰባት፡ ሃገርና ከይጠፍኤት ጸላኢና ነለሊ። እቲ ፈቀዱኡ ፋሕ ፋሕ ዘብለና ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ እምበር ካልእ ኣይኮነን፡ ብምባል መንእሰይ ኢያሱ ዘረባኡ ደምደመ። 

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ እምበኣር፡ እቶም ካብ ተሳተፍቲ ናብ ኣምባሰደር ሳልሕ ዝቀረቡ ርእይቶን ሕቶን እዮም። ኣምባሳደር ብዛዕባኦም ክምልሽ ከኣ ናይ ግድን ይኸውን። ግና ኸ፡ ብሓፈሻኡ ክግምገም ከሎ፡ ኣብቲ ከቅርቦ ዝፈተነ መልስታት፡ ሰሓቅን ኣሽከዓላልን ዝተሓወሶ እዪ ኔሩ። “ከም ቀደም ይመስለክን፡ ዉሕጅ ይወስደክን” ከም ዝበሃል ግን፡ ዝስሓቀሉን ዘጣቃዓሉን ተሳታፊ ኣይተረኽበን። ንኣብነት ንጉዳይ ለውጢ ኣመልኪቱ፡ መንግስቲ ዝሓዞ ብስራት ከምዘየለ። እንታይ ደኣ፡ መበል 20 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ከም ቀደሙ ናይ ሳዕስዒትን መስተን ጥራይ ከም ዝኾነ እዩ ኣሚቱ። ኢሰያስ 5 ዓመት እምበር 20 ዓመት ከም ዘይመርሓ ‘ውን ሞጉቱ። ንጉዳይ ኣመንቲ ፐንጠቖስጣል ኣመልኪቱ ድማ፡ እዞም ሰባት ቤተ-ክርስትያን ዘይብሎም ብወግዒ ንኽትፈልጦም ፍጹም ዘይክኣል፡ ኣብ ትሕቲ ገረብን ገዛ ዓጽዮምን ጸሎት ዝገብሩ ሰባት እዮም ኢሉ። ንጉዳይ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣመልኪቱ ድማ፡ ብሲ.ኣይ.ኤ. ተታሊሎም ሃገር ገዲፎም ዝኸዱ፡ መንግስቲ ክሕተተሎም ዝግባእ ኣይኮነን ኢሉ። ንእሱራት ድማ መንግስትን ቤተሰቦምን እምበር፡ ካልእ ሰብ ዝያዳ ከም ዘይሓልየሎም ገሊጹ። ኮታስ ብሓፈሻኡ ክርአ እንከሎ፡ መልሲ ዘይኮነስ፡ ዝያዳ ሕቶ ንኽትሓትት ዘተባብዕ መድረኽ እዩ ኣምባሳደር ከፊቱ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ብዙሓት የእዳው ዝያዳ ሕቶ ንኸቕርባ ምልክት እኳ እንተሃባ፡ ቖንስል ኤምባሲ ኣቶ ተወልደ፡ ኣኼባ ከም ዝተዛዘመ ብዓውታ ገሊጹ። ናይ መወዳእታ ዕድል ድማ ንኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝደተኛ ኾይኖም ዝነብሩ፡ ኣቶ መዓሾ ንክወሃብ ሓቲቱ። ብዙሓት ካብ ተሳተፍቲ ግን ብቑጣዐ፡ ነቲ ኣኼባ ረጊጾምዎ ንኽወጹ ተገዲዶም። ልክዕ ሰዓት ፍርቂ ለይትን ፈረቃን።
ሪፖርታጅ ድምጽ መሰልና ደሊና


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...