ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ስእላዊ መግለጺ ናይ 20 ዓመት ናይ ስራሕ ንጥፈታት ሃገረ ኤርትራ እንዳመላኽዕ ኣእዛን ዝቐድድን ንኣእምሮ ዘናውጽን መናፍሕ ክወቕዕ ወርሑ ኣሕሊፍ ኣሎ። ብሲምፖዚየም ጉዕዞ 20 ዓመት ናጽነት እንዳተባህለ  ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ጉራ ክነዝሕ ንዕዘብ ኣለና። ዋላ ንቐልዓለም እኳ ይኹን እዚ ተጋጊና፣ ካብዚ ተማሂርና ትብል ቅንጣብ ቃል ኣይሞሎቆትን። ከመይ ዝበሉ ብጹኣን ድዮም? ጌና ዓለም ካባና ክትመሃር ኣለዋ ይብሉ ኣለው። ዓለም ብምልእታ ከምዝኸዓበቶም እንዳፈለጡ።
 
ሲምፓዚየም ናይ 20 ዓመት ሕልቂት ኣፍ ከፊቱ እንተትዛረብ እዞም ዳሬክተራት ናይ ሚኒስትሪታትን ምምሕዳራትን  እዚ ጌርና እዚ ፈጢርና ዝብሉ ዘለው ጨለታት እንታይ ምበሉ? እቶም መጣቓዕትን መለስቲ መቓልሕን’ ከ ብኡ ንብኡ’ ዶ ከም ነፋሒቶ ሕብሮም ምቐየሩ? ሓቂ ብሓቂ እቶም ብሰሪ ደረጃ ንቅሓቶምን ፍልጠቶምን ዝህውትቱ ዘለው ግን ርግጸኛታት ኢና ንህ.ግ.ደ.ፍ. ከም ነቲሕ ምጸየንዎ።
 
እዚ ናይ ለንቅነ መርድእ ናይ ልዕሊ 400 መንእሰያት ኤርትራውያን ምስዚ እዋናዊ ጎስጓስ ናይ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንጽንብል ዝኽሪ 20 ዓመት ናጽነት ኣይቃደውን’ ዩ። እዚ ኹሉ ዝሓለፈ ጥፍኣትን ህልቂትን ስደትን ውጽኢት ናይቲ ዝዝመረሉ ዘሎ ናይ 20 ዓመት ግስሩጥ ምሕደራን ምልክን ምዃኑ ንመን ይጠፍኦ? ኤርትራ ከምቲ ዝምድሩላ ትምዕብልን ትብልጽግን ኔራ እንተትኸውን፣ እዚ ኹሉ ክመራመር ዝኽእል ሓንጎልን ክሃንጽ ዝኽእል ጉልበት ኤርትራዊ ዓቅሚ መንእሰይ፣ ሀገሩ ጸሊኡ እዩ ዝስደድ ደሎ ኢሎም ከእምኑና ድዮም ህርድግ ዝብሉ ዘለው ወይስ ዝተሰደደ የብልናን ኢሎም እዮም ዓይንና ከዕውሩና?
 
እዘን ድሕሪ ናጽነት ዝተደኮና ዘይሕጋውያን ኣብያተ ማእሰርቲ ብጋህዲ እጃመን  ኣብ ሲምፓዝየም ጉዕዞ 20 ዓመት ንህዝቢ ኤርትራ እንታይ ምንባሩ እንተዝቃላዕ መደበስታ ኣይምተረኽቦን ኔሩ። እቶም ካብ ጭቆና ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ከምልጡ ዝቕዘፍ ዘለው ዋላ እኳ ከም ንቡር ሓመድ ኣዳም ኣይልበሱ በቲ ኢልካ በቲ መርድእ ቅባጸት ይንገረሎምን ጸሎተ ፍትሃትን ዝኽርን ይግበረሎም ኣሎ። ኣብ ገዛእ ሃገሮም ብጨካናት መራሕቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ተቐፊዶም ሃለዋቶም ካብ ዝጠፍእ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ዘቑጸሩ ከምዘለው ዘይፈልጥ ኣሎ’ ድዩ? ኣይ ምስ ምውታን መንግስተ ሰማይ የዋርሶም ኢልና ክንጽልየሎም፣ ወይ ምስ ህልዋት ጸብጺብና እግዚሄር ይፍታሕኩም ክንብሎም፣ ሓዲግ ሰማይ ሓዲግ ምድሪ ኮይኖም ተሪፎም። እሞ ንሕመቅ ናህና ናይ የሕዋቶም ምውቃስ’ ዶ? ወይስ ንጭካነ መራሕቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ምምራር?
 
እስከ እዞም ከራባታ ሓኒቕኩም ኣብ ጠረጴዛ ላፕቶፕ ገቲርኩም ኣብ ቲቪ ኤሬ ብዛዕባ ሲምፖዝየም 20 ዓመት ትምድሩ ዘለኹም መራሕቲ ህ.ግ.ደ.ፍ፣ ኣብትኣምኑሉ ዕላማ ጸኒዕኩም ንህዝብናን ንሃገርናን ነገልግል ኣለና ዲኹም ትብሉ ዘለኹም ወይስ ኣይምልከተናን እዩ ብላዕሊ ኢና ተኣዚዝና እዩ መልስኹም? ብሰንኪ እዚ መጋበርያ ኮይንኩሞ ዘለኹም ስርዓት ኢሳያስ ኣራእስ ክንደይ ኣዴታት ከምተደርመመ፣ ገጽ ቀያሕቲ ኣሓትና ብማዳ ከምተደወነ፣ ኣሽሓት ህጻውንቲ ከምዝዘኽተሙ ይስቆረኩም’ ዶ? ሎሚ ብዓል ስልጣን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ምዃንካ ትሓፍረሉ፣ ብህዝቢ ተፈንፊንካ ትነዓቐሉን ትድፈረሉን ትጽየነሉን መድረኽ እዩ ተበጺሑ ዘሎ’ ሞ እስኹም ተኻፈልቲ ናይ ግብረ እከይ ንጊዚኡ ንሕልናኹም ብኸመይ ከምተእምኑዎ ዘይኮነ ዘደንጽው፣ ካሳብ ክንደይ ብስስዕ ዓይንኹም ከምዝዓወረ እዩ ዘገርመና።
 
እዞም ብጃምላ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓሊቆም ዘለው፣ ዶብ ኤርትራ ክሰግሩ ከለው ተረኺቦም እንተትነብሩ ብዘይ ንሕስያ ብጥይት መጋበርያ ህግደፍ ምተረሸኑ ኔሮም። ስለዚ ካብኡ ንስክላ ስለዘምለጡ ጉሁይ ልቡ በዚ ናይ ሕጂ ንዓና መርድእ፣ ነቲ ኣረመኔ መራሒ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ  ግን ብስራት ጥዑም ወረ ዝኾነ ኣሰቃቒ ፍጻሜ ልቡ ረስሪሱ ውራይ ዳንኬራ ሲምፖዚየም ይገብር ኣሎ። ክንዲዚኦም ዝኣኽሉ ዜጋታት ናይ ዘመሓድሮ ህዝቢ ሓሊቖም ደቂሱ ዝሓድርን ባዕሎም ጸጊቦም እንዳበለ ዘላግጽ መራሒ ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን። ኣብ ስራሕ ዕደና ኣብ ሰሜን ችለ (northern Chile) ዝተዓብጡ 33 ዜጋታት Chile፣መራሒ እታ ሃገር President Pinera praises  ንሙሉእ ዓለም ብመራኸቢ ብዙሃን ኣናዊጹ፣ ሚልዮናት ዶላራት ኣፍሲሱ ዘድሓነ፣ ንዘለዎ ሓልዮት ህዝቡን ናይ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ተገዳስነትን ከነመዛዝኖ ከለና ኣብ ኤርትራ ዘሎ መራሒ ግዳም-ሓደር በጋሚንዶ ክትብሎ ይቐልል።
 
ጽባሕ መሬት ምስ ወግሐ ብዝሒ ናይቶም ዶብ ክሰግሩ ብጠያይት ዓሻክር ህግደፍ ዝተቀዝፍ መንእሰያትና በማኢት ዘይኮነ ብኣሽሓት ከምዝቁጸር ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቶም ፎቆዱኡ እንተ ብምኽንያት ሃይማኖታዊ እምነቶም ወይ ፖለቲካዊ መርገጾም ተዓፊኖም ምስተወስዱ ብጭካነ ተቀቲሎም ከምዝሞተ ከልቢ ሬስኦም ዝተሸኩዕ ኣስክሬኖም ተኣሪዩ ናብ ግቡእ መዕረፊ ቦትኡ ክኣቱ ከሎ ዘሎ መሪር ብኽያትን ጀለምታ ንብዓትን እዝጊዮ ይሰውረና እዩ ከብል። ብርግጽ ብፋሽሽቲ ኢሳያስ ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ሰብ ምዓልትን ውዕሎን ከለና፣ ልክዕ ከም ሰብ መዓቱ ቆጺሩ ንምጽናትናን ህልቂትናን እጅግኡ ሰብሲቡ ካብዝሰርሕ ንሕና ገርህኛታት ደሓን ዘለና እንዳመሰለና ነዊሕ ገይሩ እዩ። 
 
ጭልቕዓት ቆልዑ “ባንዲራ ውድብ ጨርቂ ኣይኮነትን ናጽነት እያ! ማዕርነት እያ! ሓድነት እያ! ምስ ሙሉእ መሰላ...” ኢሎም እንዳዘመሩ ኣብ ጥራይ ከብዶም ተጋዲሎም ዝተኸሉዋ ባንዲራ ጨርቂ ኮይና ተሪፋ። ምኽንያቱ መሰልካ ዘይክበረሉ ሃገር፣ ዲሞክራሲ ዘይክተል ስርዓት፣ ሕግን ፍትሕን ዘይረኸበ ህዝቢ፣ ሰላምን ርግኣትን ኣሎ ምባል ንትርጉም ናጽነት ምብላል እዩ። 
 
ባንዴራ ምንብልባል ጥራሕ ከም ናጽነት ተረዲኦም ዲዮም ነዚ 20 ዓመት ዝተጨውየ ናጽነት ኤርትራ ንምብዓል ካብ ወጻኢ ሃገራት ንከዳምቑ ዝኸዱ ዘለው’ስ ወይ ንኻልእ ምኽንያታት? ገለ ስኣን ፍላጥን ዓቕምን ንእግረ መንገዶም ኣረጋውያን ስድራቤት ንምብጻሕን ንዝሞቱ ጽንዓት ይሃብኩም ንምባል ወይ መርዓን ካልእ ኣጋጣሚታትን ክኸውን ይኽእል። ገለ ውሑዳት መጣቓዕቲ ሰብ ረብሓ፣ ካብ ኣፍንጭኦም ኣርሒቖም ዘይጥምቱ “ዝበረቐ ጸሓይና ዝነገሰ ንጉስና” እንዳበሉ ከም ሰፍኢ እንዳተገላበጡ ዝነብሩ ምስ ደርግ ዘጋፍሩ ዝነበሩ’ ውን ኣለው። ብኣጠቃላሊ ግን ኣብ ቁጽሪ ዘይኣትው ብመንጽር ሓፋሽ ህዝብና ምስ ዝረኣዩ ብኹሉ መዕቐኒታት ንዑቃት ግምት ዘይወሃቦም እዮም። 
 
ሎሚ ኣብ እዋን ብርቱዕ ቅልውላው ሃገር፣ ኣብ ወቅቲ ምንጋር መርድእ ኣማኢት ዝሓለቁ መንእሰያት ብሲምፖዚየም ጉዕዞ 20 ዓመት ናጽነትን ካልእ ፈንጠዝያን ምድኻር ግን “ወራዙት ከም ዓይበት ይቕደዳ ማእምን ከኣ ጥራጥ ተራእዩዋ!” እዩ ነገሩ። እቲ ሓዘንን እቲ ሉቕሶን ዘይተንከፎ ዓድን ከባብን የለን። ልክዕ ከም 20 ሰነ ሰማያት ኤርትራ ብጣቓ ተሸፊኑ፣ ወዝ ናይቲ ባሕሪ’ ውን ተደዊኑ እዩ ቀንዩ። “ከበሮን እግርን በበይኑ” ከምዝበሃል ኣብ ደገን ኣብ ውሽጥን ዘሎ ህዝብና ምዓንጣ ከብዱ ብሓዘን ሕርር ኩምትር ኢሉ ይቑዝም፤ኣይግዶም እንዳ ህግደፍ ከኣ ፈንጠዝያን ዳንኬራን።
 
ሎሚ ልዕሊ ዝኾነ እዋን መግዛእቲ ህግደፍ ዒቕ ኢልና ኣብዘለወሉ ጊዜ፣ 20 ዓመት ዝተመንጠለ ናጽነትና ንምምላስ መዓንጣና ሸጥ ኣቢልና ንምልካዊ ስርዓት ኢሳያስን ንምስሉያት ኣብ ቱሽቱሽና ዘለው ወከልቱን ካብ ስልጣን ወጊድና ኣብ ሕጊ ንክቐርቡ ንምክተሉ እዋን እንበር ንዛነየሉን ብዝሓለፈ ስራሕና ንደዓዓሰሉ ወቕቲ ኣይኮነን።
 
ልዕልና ሕጊ ይንገስ!
 
ራህዋን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ!
 
ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ
ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ
22 April 2011





Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...