ኤርትራውያን ካናዳውያን ጉዳይ ናይቶም 400 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሃለቑ መንእሰያት ክጻረ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ኤርትራውያን ካናዳውያን ተቐማጦ ቶረንቶን ከባቢኣን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ባይቶ ኦንታርዮ ብምስላፍ፡ ጉዳይ ናይቶም ብ22 መጋቢት ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ 400 ኤርትራውያን ክጽናዕ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

እዞም ጉዳሳት ኤርትራውያን በቲ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ ተቖጢዖም፡ ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ሓደጋ ህልቂት መንእሰያትና ዝኸውን ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ዕድሚኡ ክሓጽር ሓደ ጭርሖ ድሕሪ’ቲ ሓደ ከንጎድጉድዎ ኣርፊዶም። ‘ፍትሒ ኣብ ሃገርና ይንገስ!’ ‘ውድቀት ንስርዓት ኢሳያስ!’ ‘ህዝብና በዚ ኣይንብርከኽን’ዩ፡ ኣደታትና ኣይነብዓን’የን!’ ‘ዝሓበረ ህዝቢ ዝስዕሮ የብሉን፡ ንሕበር!’ ወዘተ ዝብል ጭርሖታት ብሓደ እናድመጹ ኣቓልቦ ፖለቲከኛታትን በጻሕቲን ከምዝረክብ ጌሮም።

ወከልቲ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ምስ ኣባል ባይቶ ሊበራልን ሚኒስተር ኢሚግረሽን ኦንታርዮን ዶ/ር ኢሪክ ሆስኪንስ

ወከልቲ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ምስ ኣባል ባይቶ ሊበራልን ሚኒስተር ኢሚግረሽን ኦንታርዮን ዶ/ር ኢሪክ ሆስኪንስ ብምርኻብ ምኽንያት ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊን ህሉው ኩነታት ሃገርን ሓጺር መብርሂ ሂቦሞ። ኣስታት 400 ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ፣ ገለ ካብኦም ብጥይት ዝተሃርሙ ከምዝነበሩ፣ ኣማውታ ናይቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣጋጣሚ ጥራሕ ክኸውን ከምዘይክእል ወዘተ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ብምቕራብ፡ መንግስቲ ካናዳ ነዚ ንምጽራይ ዝከኣሎ ክገብር ጻውዒት ኣቕሪበምሉ። ዶ/ር ሆስኪንስ ንኩሉ ብጽሞና ድሕሪ ምስማዕ፡ ነዚ ዘሐዝን ፍጻመ ኣቓልቦ ንክረክብ ዝከኣሎ ክገብር ምዃኑ ቃል ኣትዩ። ብድሕሪ’ዚ ናብቶም ሰልፈኛታት ብምቕራብ “ወጽዓኹምን ጻውዒትኩምን ብልክዕ ሰሚዐዮ ኣለኹ፡ ዝከኣለኒ ከኣ ክገብር’የ፡” ኢሉ። ዶ/ር ሆስኪን መደርኡ ብምቕጻል፡ ‘ክንዲ ናትኩም’ኳ እንተዘይኮነ ካብ ዝኾነ ካልእ ካናዳዊ ንላዕሊ ብዛዕባ ኤርትራ ድሓን ዝኾነ ኣፍልጦ ኣለኒ። ኣብ ኤርትራ ከም ሓኪም ኮይነ ክሰርሕ ዕድል ረኺበ ኔረ’የ። ናይ ብሓቂ ሰላምን ቅሳነትን ዝግብኦ ህዝቢ’ዩ፡” ኢሉ።
 
እዚ ካብ ሰዓት 10 ናይ ንግሆ ክሳብ ሰዓት 12 ዝቐጸለ ቅልጡፍ ቆላሕታ ዝረኸበ ሰልፊ፡ ንኩነታት ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጡ ካናዳውያን ዜጋታት መንቋሕቋሕታ ዝፈጠረ ኔሩ። ንኩሎም ኣባላት ባይቶ ኣብ ክልተ ገጽ ዝሰፈረ ንህሉው ኩነታት ሃገርና ዝገልጽ ጽሑፍ ኣብ ቤት-ጽሕፈታቶም ከምዝበጽሖም ተጌሩ።

ኣብ መወዳእታ ሰልፈኛታት፡ ንስውኣት፡ ነቶም ኣብ ባሕሪ ዝሃለቑ መንእሰያትን ካልኦት ግዳያት ገፋዒ ስርዓት ህግደፍ ዝኾኑ ዜጋታትን ንምዝካር ናይ ሓደ ደቒቕ ዝኽረ-ሰማእታት ኣካይዶም። ንቕሓት ህዝቢ ካናዳ ዝያዳ ንምዕባይ ድማ ጎስጓሳቶም ቀጻሊ ክኸውን ሕልንኦም ስሒሎም ናይቲ መዓልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብሰላም ዛዚሞም።

ኣሮን ብርሃነ
ቶረንቶ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...