ግዜያዊ ዓለም-ሓቆፍ ኮሚቲ ንምምስራት ዝቀረበ ጻዊዒት ብዕለት መጋቢት 2011  ኣብ ኣስማሪኖን ዓርኮብኮባይን ተሓቲሙ ከም ዝወጸ ይዝከር። እምበአርከስ እዛ ካልአይቲ ጽሕፍቲ ነታ ብ ”ምሕጽንታ ንምምስራት ዓለም-ሓቆፍ ግዜያዊት አወሃሃዲት ኮሚቲ ንድሕነት ስደተኛታት” ብዝብል ኣአርእስቲ ዝወጸት ቀዳማይቲ ጽሕፍቲ መወስኽታ ኮይና ከተብቅዕ፣ ግንከስ ብዝስፍሕ ዝበለ ኣገባብ ድማ ንምስረታ እታ ኮሚቲ  እትጽውዕ እያ። ናይ ሓደ ጠርናፊ ኮሚቲ ምምስራት ኣድላይነቱ ዑዙዝ ምዃኑ ካብ ኩልና’ኳ ዝተሰወረ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ድማ ብአማእታት ዝቕጸሩ መንእሰያት  ዶብ ጢሒሶም ካብ ምስዳድ ኣይቛረጹን። ምስዳድ ዘኸተሎን ዘኽትሎ ዘሎን  ሳዕቤንን ንሰምዒኣኡ ዘስደምም ኢዩ።
ብዛዕባ ስደተኛታት ኤርትራ ኣብ እንዛረበሉ እዋን ክልተ ሓቂ ዝሓዘሉ ጉዳያት ንምልከት። ሓደ እቶም መንእሰያት  ናብ አውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ንምስጋር ኣብ ዝገብርዎ ፈተነ ካብ ዘጓንፎም ጸገም ሓደ ብአስገርቲ  ይእሰሩን ይቕተሉን ብምህላዎም ኢዩ። ካብ ጸገሞም ንምንጋፍ ድማ ዘይተኣአደነ ገንዘብ ይሕተቱ። ካብዚ ዝኸፍኤ ድማ  ናውቲ ሰብነቶም ንምህጋር ኣብ ዝግበር መጥባሕቲ ሂወቶም ብኸንቱ ምጥፋኡ ኢዩ።  ቀጺሉ’ውን ተሓቢኦም ንምስጋር ኣብ ዝገብርዎ ፈተነ ሑሱም ሞት ዘጋጥሞም ብዙሓት ኢዮም.። ብሊብያ ክሳገሩ ዝህቅኑ ሰባትውን’ ገሊኦም ብሞት ክገላገሉ ዝተረፉ ድማ ተሸቕሮሮም ከም ዝነብሩ ይግለጽ። ኣብ ሲና ዘሎ ክነታት ግን ካብ ክሉ ዝኸፍኤ ኮይኑ ብሕልፊ ንደቂ ኣንስትዮ ክብረን  ተገፊፉ ከብቅዓ ኣደዳ ጥይቲ መስገርትን ወተሃደራት ግብጽን ምዃነን (ምዃኖም) ካብ ወረ ምዕከናት ንርድእ። እቲ ካልአይን መተሓሳስብን ዝኾነ ነጥቢ ድማ  ብዙሓት ካብ ስደተኛታት ካምፕ ምጭዋይም፡ ኣስዒቡው’ን ከምቲ ኣብ ዘበን እኒእኒ ዝነበረ መሸጣ ባርነት ካብ ሓደ ገዛኢ ናብ ሓደ ገዝኢ ምትሕልላፎም ኢዩ። ግደ ሃቂ ክንዛረብ ብዙሓት ካባታቶም ዘኸትሎ ሳዕቤን ከይፈልጡ ኢዮም ሁሩግ ኢሎም ዝአትውዎ። እምበኣአርከስ እዚ ዘመልክት ለዋሃት ‘ደቂ ማርያም ክሊዓው’ ኣብ ቅድሚኦም ተገቲሩ ዘሎ ሽግር ከየውጠንጠኑ ብዘይሓበሬታ ስለ ዝአትውዎ ምዃኑ ኣይከሓድን። ካብዚ ዝተልዕለ ዕላማ እዛ እትምስረት ኮሚቲ ብዛዕባ ስደተኛታት ምጥብቕ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ስደተኛታት ምምሃርን ምሕባርን ኣብ ዘተኮረ ክኸውን ይግባእ።
እታ ብዓለም-ሓቑፍ ደረጃ ክትምስረት ተሃቂኑላ ዘሎ ኮሚቲ ነዚ ሕጂ በብወገኑ ዝካየድ ዘሎ ነብሲ ኣድሕን ወፈራ ክትትክእ ዘይኮነስ ንንጥፈታት ንምውህሃድ ጥራይ ኢዩ። ክሳብ ለይቲ ሎሚ ብብሕቲ ይኹን ብማሕበር ተወዲቦም ንዝሰርሑን ገና ዝሰርሑ ዘልዉን ባእታት ምስጋናይ ዕዙዝ ኮይኑ ንብድሕሪ ሕጂ’ውን ነጻ ብዝኾነ መንገዲ ንኽሰርሑ ድልየተይን ድለይት ኩሎም ነዚ ዝተቐደሰ ተግባር ዝድፍእሉ ዘልዎ ሰባት ኢዩ። ናይ’ዛ ትምስረት ኮሚቲ ቀንዲ ዕማም ንጥፈታት ምውህሃድ ኮይኑ፡ኮሚቲታትን ውልቀሰባትን ግን በብመዳያቶም ተዋፊሮም ነዚ ኣብ ትሕቲ ዝጥቀስ ዕዮ መደብ ይድግፉ፡ የትባብዑ፡ ከማኡውን’ ተዓወት ኣብ ዝብሃለሉ እዋን ግንባር ቀደም ኮይኖም የግልግሉ። ሰባት ንምድሓን ክእለትን ዓቅምን ኣሎና። ዓቅምናን ክእለትናን ንምውዳድ ድማ ሰናይ መንፈስ ክሕወሶ ይግብእ። ዕስራ ዓመት ይገብር ደቂ ሃገር ኤሬ ቲቪ ንምምስራት ኣብ ዝገበርዎ ምውዳቕ ቀንዲ ኣርኣያ ክኾነና ይግባእ። ዝወጠናዮ ዕላማ ሸቶኡ ንክወቕዕ ድማ እዞም ዝኽተሉ መሰረታውያን ተግባራት ምፍጻም ናይ ግዲ ይኸውን።


ዕዮ መደባትን ናይ አሰራርሓ ሜላታትን
1-    ንድሕነት ስደትኛታት ዝምልከት ዓለም-ሓቝፍ ዝኾነ ጊዜያዊ ኮሚቲ ምምስራት ኣማራጺ ዘይብሉ ጕዳይ ኢዩ። ኣብ ትሕቲ እዛ ኣወሃህዲት ኮሚቲ ድማ ብወልቐ ሰባትን ብኮሚትን ዝቕሙ ኣካላት ምህላው ናይ ግድን ኢዩ። ምኽንያቱ ድማ እቲ ዕማም ዕማም ነፍሲወከፍና ስለዝኾነ። ዝምስረታን ዛጊት ተመስሪተን በዚ ስራሕ ዝነጥፋ ዘለዋ ኮሚቲታት ዘበርክታኦ ሓሳባትን፣ ወለንታዊ ስርሓትን፣ ከማኡ’ውን ንዋያትን ዉሱን ኣይኮነን። ኣብዚ ክበርህ ዘለዎ ነጥቢ እንተሃለወ ዝዋጻእ ገንዘብ ንጅሆ ተሓዝቲ መጎልበቲን መሻደኒን ኣይኮነን። እዚ መልእኽቲ’ዚ ንጅሆ ተሓዝቲን ከማኡ’ውን ንውሱናት ብወለንታኦም ጅሆ ተታሓዝትን ብፍላይ ክበርህ ይግብእ።
2-    ነዘን በብወገነን ተወዲበን ኣብ ስራሕ ተዋፊረን ዝርከባ ኮሚቲታትን ከምኡ’ውን ውልቀ ሰባትን ኣወሃሂድካ ኣብ ዞቦም ክበጽሑ ዝተሰማማዕናሎም ነጥብታት ብሓባር ኣብ ትሕቲ’ዛ ዓለም-ሕቝፍ ኮሚት ክስረሑ ምግባር። ዛጊት’ኳ መንእሰያት ኣብ ኣመሪካን፣ ሽወደንን፣ስዊጸርላንድን፣ሆላንድን፣ጀርመንን ከምኡ’ውን ዓዲ ጣልያንን ዝርከቡ መንእሰያት ብሓቦ ተንሲኦም ንዘሎ ሽግራት ንምፍትሕ ፋሕተርተር ይብሉ ኣለዉ (ምንጪ ራድዮ ኣሰና መጋቢት 22, 2011)
3-    ነዚ ሱር ዝሰደድ ሽግር ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምፍትሕ ዘይተሓለለ ጻዕሪ ክሳብ ምስ መንግስታት ግብጽን ከማኡ’ውን ስልጣን ንምጭባጥ ኣዛዝዩ ምስ ዘሎ ናይ ሊብያ ተቓዋሚ ሓይሊ ተራኺብካ ዲፕሎማሲያዊ ዘመተ ምክያድ። ናይ ግብጺ መንግስቲ ኣብ ሃገሩ ብዜጋታቱ ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊን ናይ ሽፍትነት ስራሓትን ኣቓልቦ ሂብሉ ገበነኛታት ኣብ ቐይዲ ብምእታው ብጅሆ ተታሒዞም ንዘለው ኤርትራውያን ብሁጹጽ ንምልቃቕ ዲፕሎማሲያዊ ወፈራ ምክያድ። ምስ ተቓወምቲ ሊብያ እንተኾነውን ነገር ኣንጺፍካ ምጽናሕ ዝሓሸ ይኸውን።
4-    እዚ ተከሲቱ ዘሎ ሽግር ‘ዘለኣለማዊ’ መፍቲሒ ንምርካብ ብአካል ኣብ ሱዳን ኢትዮጵያን ተረኺቡ መጽንዕቲ ዝገብር ጉጅለ ምስያም ዘይተሓታት ጉዳይ ኢዩ። ጭቡጥ መረዳእታትት ድአ ኣይሃልዉምበር ነዚ እከይ ተግባር ዘካይዱ ደቂ ወጻእተኛታት ጥራይ ዘይኮነስ ደቂ ሃገርውን ከም ዘለውዎ ኢዩ ዝንገር። ኣብ ባይታ እንታይ ከምዘሎ ንምርድእ ናይ ግድን ናይ መጽናዕቲ ጉጅለ ተመስሪታ ዕዮአ ከተካይድ ኣድላይ ይኸውን። መን፣ ኣበይ፣ መኣስ እታ ትምስረት ኮሚቲ ከተፃፍፎ ትኽእል። ኣብዚ ቀንዲ ዘገድስ ንዋያት ምእካብ ጥራይ ኢዩ።
5-    ኣብ መንእስያት ዝፍጸም ዘሎ ገበን ኢሰብአዊ ስለ ዝኾነ ብሞያ ሕጊ ዝተዋፈሩ ደቂ ሃገር ጉዳዩ ብዕቱብ ሒዞም ገበነኛታት ኣብ ፍርዲ ዝበጽሕሉ መንግድታት ሃሰውሰው ንኽብሉ ምድፍፋእ ናይታ ኮሚቲ ግደ ይኸውን። ከምኡ’ውን መንግስታት ኣብ ግዝአተን ዝፍጸም ገበን ንምቕጽጻር ዕሽሽ ብምባልን ከም ዘሕትተን፣ ዝፈረማሉ ናይ ደቂ ሰባት መሰል ምሕላው ብሕቡራት መንግስታት ዝጸደቀ ቻርተር ዘይምኽባረን ዘረጋግጽ ብጭብጢ ምቕራብ ሓደ ካብቲ ናይ ሰብ ሞያ ሕጊ ዕማም ይኸውን።
6-    ኣብ ሃገረ ግብጺ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ክፍትሑ፡ ካባኡ ሓሊፉ ድማ ወይ ናብ ኢትዮጵያ ምናልባት’ውን ኣብ ሱዳን ዝምለስሉ መንገዲ ምንዳይ።
7-    ስደተኛታት ካብ’ዚ ዘስክሕክሕ ናይ ነብሲ ጥፍአት ጉዕዞ ካብ ምውሳድ ክቝጠቡ ኣብዘን ኣገደስቲ ዝኾና ነጥብታት ምትኳር። እቲ ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ብአውራኡ ንመንእስያትን ክስደዱ ንዝግደዱ ኣባጽሕን ምሉኣት ሰብኡትን ኣንስትን ድአ ይኹንምበር፡ ነቶም ኣብ ወሽጢ ሃገር ዘለዉ ወለድውን ዝምልከት ይኸውን። መን ይፈልጥ፡ ምናልባት’ውን ኣብ መንግስትን ከባቢ መንግስትን ንዘለዉ ባእታት ከስቆርቁር ይኽእል።

ዓለም-ሓቖፍ ኮሚቲ ንድሕነት ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ከተካይዶም ዘለዋ ንጥፈታት እዞም ዝኽተሉ ይኾኑ፡-
7.1 ኣብቲ መንእሰያት ግዳይ ክኾኑሉ ዝኽእሉ ኣከባቢ ኳደረ ምዕሳብ። እቲ ኳደረ ወይ ኳደረታት ብሉዙብን ብሜላን መንገዲ ስደት ጡጡሕ ከምዝይኮነን ምምሃር። ሓደ ካብቲ ንስደት ዘንህሮ ዘሎ ሙልእ ሓበረታ ዘይምርካብ ኢዩ።
7.2 ሓበሬታ ብዘተኣማምን መንገዲ ክፍኖ ዝኽእል ናይ ራድዮ ትካላት ክጉልብቱ ከለዉ ኢዩ። ነዚ ብምምርኳስ ነተን ካብ ኣፍሪቃን, ኣመሪካን ከምኡ’ውን ኣውሮጳን ወረ ዝፍንዋ ናይ ኤርትራውያን ራድዮ ማዕከናት ደገፍ ክግበረለን። ብሰፊሑን ብዓሚቑን ንምዝርጋሕ ዘኽእለን ተክኒካዊን ቁሳውን ደገፍ ምግባር ናይ ግድን ይኸውን።
7.3 ካብ ኢትዮጵያ ብመንገዲ ራድዮ ወጋሕታ ዝፍኖ መልእኽትታት ብዙሕ ጠቃሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዚ ንተቓወምቲ ሓይልታት ዝተውህበ ዕድል ብዝተኻእለ መጠን ተጠቒምካ እውነታ ስደት ምቅልሕ ካብቲ ዝዓብየ ተግብራት ወግሕታ ክኸውን ይግባእ። እዚ ንኽፍጸም ድማ እታ ትምስረት ኮሚቲ ብጥብቂ ከተምሕጽን ግቡአ ይኸውን።
7.4 ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጉዳይ ካብ መዕልቲ ናብ መዓልቲ እናኸፍኤ ካብ ዝኸደሉ እዋን ጀሚሮም መፍትሒ ንምንዳይ ህርድግ ዝብሉ ዘለው ናይ ሰብአዊን ስደተኛታትን  መሰል ክጣበቑ ዝሓገዩ ወልቀሰባትን ጉጅለታትን ብፍሉይ ኣብ ዝገብርዎ ንጥፈታት ቁሳዊ ድጋፍ ክግበረሎም
ኣብዞም ዝቐረቡ ናይ መደብ ዕዮታት ዝአክል ኣቓልቦ ምስ ተገብረ ኮሚቲ ምምስራት ቀሊል ይኸውን።
ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ጊዜዊ ሽግር ንምፍትሕ ናይ ኢደይ ኢድካ ምባል ይሓትት። ተኸሲቱ ዘሎ ሽግር ብኣድማሳዊ መልክዕ ምርአይ ናይ ብስለት ምልክት ስለ ዘስምር ጁባናን ልብናን ጋሕ ከነብሎ ንግደድ። ብወገንይ ወገንካ ወይ ብዕሽሽ መንገዲ ዝሕለፍ ኣይኮነን ምኽንያቱ ጠንቂ ናይ’ዚ ተረኺቡ ዘሎ መዓት ኣብ ዝመጽእ ወለዶ ብጉሉሕ ስለ ዝርኤ ኢዩ።
እዛ ጽሕፍቲ ብቋንቋ እንግሊዝ’ውን ተተርጒማ ትርከብ።
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...