ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት’ዩ እምብኣር፡ እቲ ግዙፍ ዓቕሚ ዝውንን፡ ኣብ ኣቀዋውማ ሃገረ ኤርትራ፡ ካብ ጥንቲ ዕዙዝ ተራ ዝነበሮ ብሄረ ትግርኛ፡ “ብሄራዊ ክብረይ ክዝመት፡ ስለምንታይ ዓይነይ ይዕመት” ኢሉ፡ ቦሎኽ ክብል ናይ ግድን ዝኾኖ። ነቶም ትማል፡ ከም ቀዳማይ ታርገቶም ሰሪዖም፡ ሓቢሩ ምእንቲ ንከይምክቶም፡ ብእኩይ ሜላኦም ክበታትንዎ ዝፈተኑ ጸላእቱ እምቢ ኣይጸዓድን ኢሉ ብሓውን ሓጺንን ዝሎቕመጾም፡ ሎሚ ውን ነዞም “ጫምኡን ዝመስሉ ኣብ እግሩን ዘይኣትዉ” ጠላማት ገዛእቱ፡ እምቢ ንምልኪ ብምባል ኣሰር ኣሕዋቶም ከስዕቦም ኣብ ምሽብሻብዩ ዘሎ።  ከምዚ ዝበለ ኩነታት’ዩ እምብኣር፡ እቲ ግዙፍ ዓቕሚ ዝውንን፡ ኣብ ኣቀዋውማ ሃገረ ኤርትራ፡ ካብ ጥንቲ ዕዙዝ ተራ ዝነበሮ ብሄረ ትግርኛ፡ “ብሄራዊ ክብረይ ክዝመት፡ ስለምንታይ ዓይነይ ይዕመት” ኢሉ፡ ቦሎኽ ክብል ናይ ግድን ዝኾኖ። ነቶም ትማል፡ ከም ቀዳማይ ታርገቶም ሰሪዖም፡ ሓቢሩ ምእንቲ ንከይምክቶም፡ ብእኩይ ሜላኦም ክበታትንዎ ዝፈተኑ ጸላእቱ እምቢ ኣይጸዓድን ኢሉ ብሓውን ሓጺንን ዝሎቕመጾም፡ ሎሚ ውን ነዞም “ጫምኡን ዝመስሉ ኣብ እግሩን ዘይኣትዉ” ጠላማት ገዛእቱ፡ እምቢ ንምልኪ ብምባል ኣሰር ኣሕዋቶም ከስዕቦም ኣብ ምሽብሻብዩ ዘሎ። 

ነቶም “ብሄራዊ ውደባ ሃገር ክበታትን’ዩ” ዝብሉዎ ምስሉያት እሞ ክኣ፡ “ትማል ዘገራህኩሙኒ ይኣኽለኒ፡ “ናይ መንነት ቅልውላው ዘለዎ ሰብ ጥራሕ’ዩ ብሕቶ መንነት ዝስከፍ፡ ንዓይ ግን ብሄረይ መግለጺ መንነተይ’ዩ” እናበለ ኣላሽ ከብሎም ሙኻኑ ኣይጠራጠርን’ዩ። ሰረወታይ’ባ፡ ኣከለጉዘታይ’ባ፡ ሓማሴናይ’ባ  እናበሉ ነቲ ዘይነጻጸል ሓደ ብሄር (ትግርኛ) ፡ ብኣውራጃን ብእንዳን ፈላልዮም ኣብ ምትፍናን ሸሚሞም ከም ዘይበታተንዎ፡  ሕጂ ተጠርኒፉ ክምክቶም ሙኻኑ ምስተረድኡ፡ “ብሄራዊ ውደባ ሃገር ዝበታትን ኣወዳድባ’ዩ” ምባሎም “ኣተፋኒንና ክንገዝኣካ ተጸመመና” ማለቶም’ዶ ኣይመስልን። እቲ ገዛእቲ ስርዓታት፡ ንውልቃዊ ረብሕኦም ክብሉ ዝበታተንዎ ብሄር፡ ሎሚ ነቒሑሎም፡ ሓደ ብሄር’የ፡ ተኣኪበ ንብሄራዊ መሰለይ ክምክት’የ፡ ብኣውራጃ ኣይፈላለ ! ኣይነጻጸል!  ሓደ ብሄር’የ ! ከም ቀደመይ መሰል ኩለን ኣሓት ብሄራት ኤርትራ እናኣኽበርኩ፡ መሰለይ ክኽበረለይ ተወዲበ ክምክትየ ! እምቢ ንሽርሒ ገዛእቲ ! እምቢ ንሽርሒ መለኽቲ ! እምቢ ንህግደፍ ! ስለ ዝበለ ድዩ ምብትታን ተባሂሉ። 

እቶም ብብሄር መልክዕ ተወዲብካ ምቅላስ፡ ከም ምብትታን ሃገር ጌሮም ዝርእዩ ሰባት፡ ገለገሊኦም ካብ ሓልዮት ዝተበገሱ፡ ግን ክኣ ብሄራዊ ውደባን ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ረብሕኡን ብዕምቆት ዘይተረድኡዎ ገርሄኛታት ክኾኑ ከለዉ፡ እቶም ገገለ ግን ዉልቃዊ ረብሕኦም ኣብ “ሜላ ፈላሊኻ ግዛእ” ዝተሞርኮሰ ስለ ዝኾነ፡ ዝተበታተነ ሕብረተሰብ ጥራሕ ስለ  ዘርብሖም፡ ንዝተኣከበ ህዝቢ ክበታትኑ ከይደቀሱ ዝሓድሩ ጎሓላሉ’ዮም። 

ታሪኽን ተሞክሮን ከም ዝምህሩና፡ መሰሉ ዝተነፍጎ ህዝቢ፡ ምስ መረሮ ይበታተን፡ መሰሉ ዝተሓለወሉ ህዝቢ ግን፡ ሓቢርካ ምንባር ሓይሊ ሙኻኑ ስለዝፈልጥ፡ ቀሲኑን ሓቢሩን’ዩ ክነብር ዝመርጽ። 

ንመሰል  ዋጋ ዕዳጋ ዘእትዉን፡ ኣብ ጋል-ነገር ዝህውትቱን ጸረ ብሄራዊ ውደባ ዝኾኑ ሰባት ዘልዕልዎም ሕቶታት እንተርኢና፡ ውን፡ “ብሄረ ትግርኛኸ መን ምስ ጸቐጦ’ዩ ብሄራዊ ቃልሲ ዘለዓዕል” !  “ብሄረ ትግርኛ ድኣ፡ ከም ብዓል ሰራየን ኣከለጉዛይን ሓማሴንን ዝኣመሰላ ሰለስተ ዓበይቲ ኣውራጃታት ሒዙስ፡ ማዕረ’ተን ካልኦት ብሄራት ድዩ ክማቓራሕ ! ኣብ ሓንቲ ኣውራጃ ተሓዋዊሶም ዝነብሩ ዘሎዉ ብሄራትከ  ክትፈላልዮም ይከኣል ድዩ! ወዘተ.. ዝኣመሰሉ ዘይመሰረታውያን ሕቶታት ከልዕሉ ንሰምዕ። 

መጀመርያ፡ ብሄረ ትግርኛኸ መን ምስ ጸቐጦ’ዩ ብሄራዊ ሕቶ ዘልዕል ዝብል ሕቶ ክምለስ ዝግብኦ ይመስለና፡- 

እዚ ስክፍታ’ዚ እቶም ካብ ሓልዮት ዝብገሱ ግሩሃት ዝሓትዎ እንተኾይኑ፡ እዚ ብሄር’ዚ ዝጸቐጦ ካልእ ብሄር ኣይሃሉ እምበር፡ ብርግጽ ዝጸቐጦ ገዛኢ ስርዓት ግን ኣሎ፡፡ ከም ኣብነት ንምጥቃስ ጥራሕ፡ እዞም ምልኪ መሪሩዎም፡ ሃገር ገዲፎም ሃጽ ኢሎም ኣብ ፈቐዶ ባሕርን ምድረ በዳን ዝቕዘፉ ዘለዉ መንእሰያት መብዝሕትኦም ኣባላት ብሄረ ትግርኛ ’ዶ ኣይኮኑን’ዮም። መብዝሕትኡ ስቡሕ መሬት ሕርሻን ጤሳን ከበሳታት ኤርትራ በቲ ስርዓት ዝምንዛዕ ዘሎ መሬት፡ ዋንነቱ ናይ ብሄረ ትግርኛ’ዶ ኣይኮነን’ዩ። ካብ ፓትርያርክ ጀሚርካ ክንደይ ፈለስትን ካህናትን ዝርከብዎ ህዝቢ ትግርኛ ‘ዶ ኣይኮነን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ ዝበሊ ዘሎ፡ በዚ ስርዓት’ዚ ዘይተራኸሰትን ዘይተራሰየትን ገዳም ወይ ደብሪ ኣላድ’ያ ! በዚ ስርዓት’ዚ ሞባኣ ዘይተወርሳ ቤተ-ክርስያን ከ ኣላ ድያ ! ወዘተ............ ወጽዓ’ሞ ክንደይ ኢልካ ክጽብጸብ። 

ብሄረ ትግርኛ፡ እዚ ኩሉ ግፍዒን ግህሰት መሰልን እናወረዶ ክነሱ ግን፡ ነዚ ጨፍላቒ ስርዓት’ዚ ዘገልግል ዘሎ ምስሉይ ባእታ፡ ዋላ ውን ካብ ኩለን ብሄራትና ውሑዳት ጠላማት ህዝቦም ይተሓወስዎ እምበር፡ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ እቲ ዝበዝሔስ ካብ ብሄረ ትግርኛ ስለ ዝኾነ፡ እተን ካልኦት ብሄራትና፡ ክሳብ’ዚ ቀረባ ጊዜ ( ተረኽቦ ሃገራዊ ዋዕላ) ብብሄረ ትግርኛ ተወጺዕና ዝብል ግጉይ መረዳእታን ሒዘን፡ ብሄራዊ ሕቶ ኣልዒለን ክጉስጉሳሉን፡ ንመሰለን ክቃለሳን ተራእየን’የን።  

ብሄረ ትግርኛ ግን፡ ወጻዒኤን ዘይኮነስ፡ ከምኤን ውጹዕን፡ መሰሉ ዝተጋህሰን ብሄር ስለዝኾነ፡ ንሱ ውን ኣንጻር ጨፍለቕቱ ደው ከም ዝብልን፡ መሰሉ ከም ዝሓትትን ብቓልሲ ከረጋግጽ እንተኽኢሉ ጥራሕ’ዩ ባይታ ምትእምማን ዝፍጠር። ስለዚ’ዩ ክኣ፡ ብሄረ ትግርኛ፡ ኣብ ጎኒ ኣሕዋቱ ዝኾና ብሔራት ኤርትራ ደው ኢሉ፡ ኣንጻር’ቲ ንኩለን ብሄራት ኤርትራ፡ ጊዜን ሜላን እናመረጸ፡ በብተራ ዝጭፍልቐን ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ክምክት ዝግብኦ። ሽዑኡ’ዩ ክኣ ብሄረ ትግርኛ ከምኤን ውጹዕ እምበር መሻርኽቲ ናይቲ ዝውጽዔን ዘሎ ስርዓት ከምዘይኮነ ዝእመነሉ። ብኣምር ኣድማሳዊ መሰል ኣህዛብ እንተርኢናዮ ውን፡ እቲ ጉዳይ ሕቶ መሰል ስለ ዝኾነ፡ ብሄረ ትግርኛ ዘይተጨፍለቐ ውን እንተዝነብር፡ ንመሰል ዝተጨፍለቑ ብሄራት ኤርትራ ደው ክብልን ሓቢሩ ክቃለስን ግዴታ ኣሎዎ። 

እቲ ካልኣይ ሕቶ፡ ሰራየን ሓማሴንን ኣከለጉዛይን ዝመስላ ዓበይቲ ኣውራጃታት ዝሓዘ ትግርኛ፡ ማዕረ’ተ ናኣሽቱ ብሄራት፡ ስልጣን ክልል ወይ ዞባ ክማቓራሕ ዝብሃል፡ ውክልና ባይቶታት ብደረጃ ብዝሕኻን ክዉንነትካን ስለዝኸውን፡ ክልል ኦሮሚያስ ማዕረ ቤንሻንጉል ጥራሕ ኣይኮኑን ኣብ ባይቶ ክውከሉ ዝረኤናዮም። ኣብዚ ሕቶ’ዚ ዘይምፍላጥ እንተዘይኮይኑ፡ ዘሰክፍ ነጥቢ ዘሎ ኣይመስለኒን። 

ሳልሳይ ሕቶ፡ ኣብ ሓደ ከባቢ ዝነብሩ ዝተፈላለዩ ብሄራት ብከመይ ክመሓደሩ ትብል ሕቶ’ያ። ከም ቀሊል ኣብነት ኣብ ጎረቤትና ኣብ ኢትዮጵያ ጉዳይ ክልል ደቡብ ህዝቦች ንርኤ። ኣብዛ ክልል እዚኣ ጥራሕ ልዕሊ 50 ናኣሽቱ ብሄራትን ሕብረ-ብሄራትን ኣለዋ፡፡ ከከም ብዝሔን ግን ኣብቶም ባይቶታት ይውከላ፡ ሓቤረን ክኣ ይነብራ ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ናትና ውን ንኩሉ ከከም ዓቐኑ ዘዝግብኦ መሰል እንተሂብካዮን እንተተወኪሉን ብሓባር ኣብታ ኣከባቢኡ ዘይነብረሉ ምኽንያት የብሉን። 

ብሓቂ እንተርኢና፡ መሰልን ረብሓን ብሄረ ትግርኛ ዘገድሶ ሰብ ክሓቶ ዝግብኦ ሕቶ እምብኣር፡ ካልእ’ዩ ዝመስለና። ከም ኣብነት፡ ስለምንታ’ዩ ብሄረ ትግርኛ ብዝመጸ ገዛኢ ስርዓት ከም ቀዳማይ ታርጌት ዝውሰድን ዝህሰን ? ስለምንታ’ዩኸ፡ ዝያዳ ሰቡ እናተወጽዔ ክነሱ፡ ብሰንኪ ውሑዳት ኣጫፈርቲ ናይቶም ገዛእቲ ስርዓታት፡ ብኣልማማ ከም ወጻዒን ጨፍላቒን ብሄር ዝጥመት ? እቲ ኣብ ኤርትራ ይኹን ኣብ ጎረባብቱ፡ ብቁጠባዊ ዓቕሙ፡ መሪሕ ተራ ዝጸንሖ ብሄር ትግርኛ፡ ስለምንታይ ሎሚ ዓቕሙ የንቆልቁልን ሃጽ ኢሉ ዓዱ ገዲፉ ይስደድን ኣሎ? እዚ ንኹለን ብሄራትን ሃይማኖታትን ኤርትራ ብጅምላ ዝጭፍልቐን ዘሎ ስርዓት’ዚኸ፡ ንብሄረ ትግርኛ ክውክል ይኽእል’ድዩ ? በዚ ስርዓት’ዚ፡ ንብሄረ ትግርኛ ካብ ምብትታኑን ምድኻሙን ሓሊፉ፡ ነዚ ብሄር’ዚ ብመርትዖ ክስነ ዝኽእል ዝተለገሰሉ ሓለፋታት ኣሎ ድዩ ? ብሄረ ትግርኛ ውጹዕ እምበር ወጻዒ ከምዘይኮነ፡ ንኣሓት ብሄራቱ ብከመይ’ዩ ከረጋግጸለን ዝግብኦ ? 

እዚኦምን ነዚኦም ዝመስሉ ካልኦት ሕቶታትን ብዕቱብነት ክንምልሶም እንተድኣኮና፡ እዚ ብሄር’ዚ፡ ከም ሰቡ ሰፍ ዘይብሉ ወጽዓታት ስለ ዘለዉዎ፡ ንመሰሉ ተጠርኒፉ ክትንስእን ክሳብ ዝዕወት ክረባረብን ጥራሕ’ዩ እቲ ምርጫ። 

ሎሚ ኣብ ኤርትራ፡ ንኣተሃላልዋና ይኹን ንክዉንነትና ብሓቀኛ መነጽር እንተርኢናዮ፡ መሰል ኩሉ፡ ተር-ከም-ዓተር ዝረጋገጸሉን፡ ጸላእቲ ህዝቢ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዝሰዓሩሉን ኣገባብ ውደባ፡  እምብኣር ብሄራዊ ውደባ ጥራሕ’ዩ ኢልና ንኣምን። ንምንታይ’ሲ ኩሉ በብሄሩ ተጠርኒፉ ገገዝኡ እንተድኣ ኣጽርዩ፡ እዞም ብስም ኩልና፡ ግን ክኣ ንኩልና ዘሳቕዩና ዘለዉ ብዓል ጉራማይለን ጉራምራን መሕብኢ ኣይክረኽቡን’ዮም። መሕብኢ እንተስኢኖም ድማ ወይ ኢዶም ክህቡ’ዮም ወይ ድማ ሂወቶም ንኸድሕኑ ኣርሒቖም (ዑቕባ) ክጠፍኡልና’ዮም።     

         ል..............................    

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...