.......... እተን ብሄራዊ ውደባ ከይዕንትርን ከየስፋሕፍሕን፡ ከም ቁርን ኣስሓይታን ዝፈርህኦ፡ ገለ እዋን ውን፡ ቅዳሕ ጎረባብትና’ዩ እናበላ ዘነኣእስኦ፡ ኤርትራውያን ውድባትን ሰልፍታትን ውን፡ ነዚ ብሄራዊ ውደባ’ዚ ክቃወማ ከለዋ እንታይ የመኽንያ፡ በዓል መንየን ከ ፡ ብከመይከ ይመሳሰላ እስኪ ሓቢርና ንዳህስሰን። 

1.         ሰልፊ ህዝባዊ ግምባር ንዲሞክራሲን ፍትሕን፡ እዚ ሰልፊ’ዚ ካብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝተወልደ፡ ንኹለን ብሄራት ኤርትራ ኣነ ጥራሕ’የ ወኪለን ዝብል፡ ዓው ኢሉ ሕብረ ብሄራዊ ሰልፊ’የ እናበለ ዝንየት፡ ግን ክኣ ውልቃዊ ይኹን ብሄራዊ ናጽነት ዘየፍቕድ፡ ህዝቢ ኩሉ ብሓንቲ ሳንቡእ ከተንፍስ ብሓንቲ ርእሲ-መራሒኡ ጥራሕ ድማ ክሓስብ ኣሎዎ (ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ) ዝብል፡ ብሄር ኣንጻር ካልእ ብሄር፡ ውልቀሰብ ኣንጻር ካልእ ውልቀ ሰብ እናኣተፋነነ፡ ነንሓድሕዱ ብጥርጠራ ክተሓላሎን ክወናጀልን ከም ዝነብር ዝገብር፡ ብረቂቕ ናይ ስልጣን መናውሒ ፖሊሲ፡ ዝምራሕ ሰልፊ’ዩ። 

እዚ ሰልፊ”ዚ፡ ዝኾነ መሰለይ ዝብል፡ ጉጅለ ይኹን ብሄር፡ ክእከብ ወይ ክሓብር እንተርእዩ፡ ካብ ተሞኩሮኡ፡ ውዱብ ሓይሊ ከም ዘድምዕ ስለዝፈልጥ፡ ኣንጻር ውልቃዊ ረብሑኡን፡ ኣንጻር’ታ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝተኾየጣ በትረ ስልጣንን ውን ስለዝኾነ፡ ዓቕሚ እንተረኺቡ ከሎጌና ከቕህሞ፡ እንተጸገሞ ድማ “ጸረ-ሓድነት” ዝብል ቅጽል ኣስማት ኣጠሚቑ ንከዳኽሞ ዘይፈንቀሎ እምኒ ወይ ድማ ዘይፈተኖ ሜላ የለን። ንምንታይሲ ስልጣን ይኹን ናጽነት ንዕኡ ንኢሳያስን ንህግደፍን እምበር ንህዝቢ ኤርትራስ ዝግባእ ኣይመስሎን”ዩ። ስለዝኾነዩ ኸኣ ሎሚ ኣብ ኤርትራ በዚ ሰልፊ’ዚ ዘይባህረረት፣ ዘይተበታተነት፣ በትሪ ህግደፍ ዘየማሰና፣ ሓሶት ህግደፍ ዘየደንቆራ፣ ኣርዑት ህግደፍ ዘይከበዳ ብሄር ዘየላ። እሞ እዚ ሓይሊ’ዚ ንብሄራዊ ውደባ ክቃወም ከሎስ፡ ሓድነት ሃገር ስለ ዘገደሶ ዶ ይኸውን ! ወይስ ካብተን ብሄራትን ብሄረሰባትን ንላዕሊ፡ ንሱ ሓላዪን ተጣባቒን መሰለን ስለዝኾነ’ዩ ! 

2.         ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘለዋ ሕብረ-ብሄራውያን ውድባት፡   

እዘን ውድባት እዚኣተን፡ ገለ ድሕሪ ምብትታን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ቃልሲ ክንቅጽል ኢና ብምባል ዝቖማ ክኾና ከለዋ፡ ገለ ገሊኤን ድማ ካብ ውድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ንኣሰራርሓ ህግደፍ ተቓዊመን ኣብ ደምበ ተቓውሞ ክቃለሳ ዝተሰለፋ ውድባት’የን።ቅድሚ ተ.ሓ.ኤ ምፍራሳ ከም ውድብ ኔርና ኢና ዝብላ ውን ኣይሰኣናን።

ብዝኾነ እዚኤን ይኹና እቲኤን፡ መብዝሕትኤን ብሄራዊ ወጽዓ ኣብ ኤርትራ ከም ዘሎ እናኣመናን ንማዕርነት ብሄራት ንቃለስ ኢና እናበላን ክነሰን፡ ንሙቓም ብሄራዊ ውደባ ግን ከም ቁሪን ኣስሓይታን ክፈርኦኦን፡ ንከይቀውም ኣትሪረን ክከላኸልኦን ይረኣያ።ገልኤን እሞ ክኣ፡  ንመሰል ርእሰ-ውሳኔ ብሄር ብመትከል እናተቐበላን ኣብ ፕሮግራመን ኣነጺረንኦን ክነሰን፡ ነታ ክሳብ ምግንጻል ትብል ናይ መሰል ርእሰ ውሳኔ ሓረግ ጥራሕ ይቃወማ።

መሰል ርእሰ ውሳኔ ተቐቢለንኦ ከብቅዓ፡ ክሳብ ምግንጻል ግን ኣይነፍቅድን ክብላ ኣንታዩ ቁንቁኝኡ ? ፍርቂ መሰል ዝብሃል ኣሎ ድዩ ? ዶስ ካብተን መሰል ርእሰ ውሳኔ ብሄር ዘይቅበላ ውድባት ንሕና ንሓይሽ፣ ንሕና ዲሞክራስያውያን ኢና፣ ካብ ካባኽን ካባና ትሓይሽ ተባሂለን ክንየታሉዩ። መሰል ኣይቁርመም ኣይሽርመም፡ ይግብኣካ ወይ ኣይግብኣካን ጥራሕ’ዩ እቲ መልሲ። እተን ብሄራውያን ውድባት ግን ክንግንጸል ኢና ኣይበላን። ክሳብ ምግንጻል ክብላ ከለዋ፡ ከምቲ ኣቦታትና ጋልን ወዲን ክወሃሃቡ ከለዉ ንመን ይፈልጥ ኢሎም ዋሕስ ዝታኸሉ፡ ኣዚኣተን ውን ንመን ይፈልጥ ኢለን’የን፡ መሰልናን ማዕርነትናን እንተድኣ ብቐጻሊ ተነፊጉና፡ ካልእ ኣማራጺ ከም ዘሎና ፍለጡ፡ ንምባል’የን ውሕስነት ዝሓታ ዘለዋ።      

እቲ ዝገርም፡ እዚኣተን ውን ከምቲ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ንብሄራዊ ሕቶ፡ ንሕና ሕብረ-ብሄራውያን ውድባት  ጥራሕ ኢና ንውክሎ፡ ብሄራዊ ውደባ ጸረ-ሓድነት’ዩ፡ ናይ ኩልና መሰል እንተዘይኮይኑ ናይ በይኑ መሰል ጥራሕ ዝሓትት ውድብ፡ ፖለቲካዊ ስስዔ’ዩ፡ ዝብል መመኽነይታ’የን ዘቕርባ። ብሓቂ ንምዝራብ እንተኾይኑ ግን፡ ከምቲ ግህሰት መሰል ኣብ ልዕሊ ሓደ ዜጋ፡ ግህሰት መሰል ኣብ ልዕሊ ኩሉ’ዩ ተባሂሉ ዝትረት፡ ሓንቲ ብሄር ንመሰላ እንተመኪታ ውን ካልኦት ብሄራት ንመሰለን ደው ክብላ ሙኻነን ጥርጥር የብሉን፡፡  እዚ ዝቐርብ ዘሎ ምስምሳት ግን ንይምሰል’ዩ እምበር፡ እቲ ስዉር ሓቂስ ሕቶ ስግኣት ስልጣን’ዩ። ዋና ብኾፉ እንከሎ፡ ኣነ’የ መሰልካ ዝሓተልካ፣ ኣነ’የ ክኣ ስልጣንካ ዝውንነልካ ዝበለ ድዩ እቲ ስሱዕ፡  ወይስ እቲ ጉዳየይ ባዕለይ ኣሎኹዎ ፣ ንመሰለይ ኣነየ ዝውንኖ፣ ኣነ’የ ክኣ ዝሓተሉ ዝበለ’ዩ ብፖለቲካዊ ስስዔ ክኽሰስ ዝግብኦ ? 

ንስለሓቂ እንተኾይኑ፡ ኣይኮነንዶ ብሄር ወይ ብሄረ-ሰብ ዝኣክል እኩብ ህዝቢ፡ ከምቲ ለባማት  “ግበረለይሲ ኣበላሽወለይ እዩ” ኢሎም ዝምስልዎ፡ ተራ ውልቀ-ሰብ ውን እንተኾነ፡ ንመሰሉ ባዕሉ ጥራሕ’ዩ ክቃለሰላን ክሓተላን ዝግብኦ። ንሕና ኢና ንቃለሰልካ ንዝብሉዎ ጎራሓት፡ ኤእ  ኣይፋልኩምን ከተባላሽዉለይ ፡ ነቲ ጉዳየይሲ ባዕለይ ድኣ፡ ዓገብ !! ጥራሕ’ዩ ክብሎም ዘለዎ፡፡ ንምንታይሲ ጉዳዩ እምበር ጉዳዮም ስለዘይኮነ። 

3.        ሃይማኖታውያን ውድባት ኤርትራ፡

እዚኣተን ውን ምስ ምብትታን ተ.ሓ.ኤ ዝተፈጥራን ገሊኤን ኣብ ኤርትራ እስላማዊ ሃይማኖታዊ መንግስቲ ንክተኽላ ዝቃለሳ፡ ገሊኤን ድማ ንማዕርነት መሰል ሃይማኖት ምስልምና ኢና እንቃለስ ዝብላ ውድባት’የን። ኣወዳድብኤን ፍጹም ኣብ እስላማዊ መርህ ዝተሞርኮሰ ውደባ ኮይኑ ንብሄራዊ ውደባ ከም ዓቢ ስግኣትየን ዝገልጽኦ። ዋላ ድኣ ዓው ኢለን ኣይዛረባሉ እምበር፡ ብውሽጠንስ፡ ኣብ ኩለን ብሄራትና ዘሎዉ ኣመንቲ ሃይማኖት ምስልምና ነናብ ብሄራዊ ውድቦም እንተኸይዶም፡ ንህልውንኤን ከም ዓቢ ስግኣትን ሓደገኛን ጌረን’የን ዝርእይኦ። ስለዚ ንሰን ውን ልክዕ ከምቲ ህ.ግ.ደ.ፍን እተን ካልኦት ሕብረ-ብሄራውያን ኢና ዝብላ ውድባትን ሰልፍታትን፡ ዝህብኦ ዕባራ ምኽንያታት “ብሄራዊ ውደባ ጸረ-ሓድነት ሃገር’ዩ” ኢለን ከመኽንያ ይስምዓ። 

እቲ ዝገርም፡ ኩለን እዘን ብሄራዊ ውደባ ዘሰክፈን፡ ሰልፍታትን ውድባትን እዚኣተን፡ ዋላ ህግደፍ ውን ከይተረፈ፡ ብባህሪ ይኹን ብፖለቲካዊ ፕሮግራመን ዳርጋ መብዝሕትኤን ዘይራኸባ ክነሰን፡ ኣብ ሓንቲ ነጥቢ ግን ይሰማማዓ። “ብሄራዊ ውደባ ጸረ-ሓድነት ሃገር’ዩ” “ ከም ሃገር ክበታትነና’ዩ.....” ኣብ ትብል ነጥቢ ይሰማማዓ። ንገለ ገለ የውሃት ዜጋታት ውን ንግዝይኡ ከደናግራ ክኢለን’የን። እቲ ሓቂ ግን ብኣንጻሩ’ዩ። ዝኾነ ብሄራዊ ውደባ ክብገስ ከሎ፡ ናይ ሓቢርካ ምንባርን ብሰላም ተኸባቢርካ ምንባርን ህርፋንን ድሌትን ስለዘለዎ ጥራሕ’ዩ፡ ነቶም ዘረግቲ ሰላምን ጸረ-ሓድነት ህዝቢን ዝኾኑ ሓይልታት ንምግታእ፡ ብቕዋም ዝተዋሕሰ  መሰል ክህሉ ኣቐዲሙ ዝሓትት። ኣይኮነን’ዶ ኣብ ሃገርን ህዝቢን፡ ኣብ ጉዳይ ሓዳር እክዋ ዋሕስ ይሕተት !! 

እዘን ሕብረ-ብሄራውያን ኢና ስለዝብላና ዘለዋ ውድባትን ሰልፍታትን እዚኣተን፡ ዝመረጽኦ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ክኽተላ፣ በበቲ ዘዋጽኤን ኣገባብ ክውደባ፣ ዝመስለን ርእይቶታትን ኣማራጺታት ቃልሲን ውን ከቕርባ ብማንም ዘይትኮበለን ተፈጥሮኣዊ መሰለን’ዩ። ካልእ ውን፡ ከምቲ ናተን መሰል ከም ዘለዎ ክኣምናን መሰሉ ከኽብራሉን  ግዴትኤን’ዩ። 

እንተዘይኮይኑ ካብቶም ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ኣይጸውርን ኢሎም ዝበታተኑናን፡ ሃገር ካብ ሓደ ንጉስ ኤሱን፡ ሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ ህግደፍን ንላዕሊ ኣይትጸውርን’ያ፡ ኢሎም ዝጨፍለቑና መለኽቲ፡ ብምንታይ’ዮም ክፈላለዩ። 

እዘን ውድባት እዚኣተን ኣብዘን ዝሓለፋ ኣስታት 20 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት (1991-2010)፡ ኣካል ደምበ ተቓውሞ ኮይነን ምልክት ተቓውሞ ከይቅህም ፈኸም ካብ ምባል ሓሊፈን፡ ካልእ ንህዝብና ኣብ ሕቶ ሓድነቱ ይኹን ኣብ ምዕዋት ቃልሱ፡ ዝፈየድኦ ፋይዳ እንተልዩወን፡ ሃየ እስኪ እናፈላለና በብሓደ ንምዘነን። 

1.         እዛ ንሰብኣዊ መሰልን ንዲሞክራሲን ካብ መዝገበ ቃላታ ውን ከይተረፈ ዝደምሰሰቶምን ነዞም ቃላት እዚኣቶም ንዘልዓለ ዜጋ ብገበን እትፍርጅን ስርዓት ህግደፍ፡ ሕብረ-ብሄራዊ ሰልፊ ጥራሕ ብሙኻና፡ ንህዝብታት ኤርትራ፡ ብሄራቱ ይኹና ብሄረሰባቱ፡ ብፍቶተን ከም ማይን ጸባን ኣጸናቢራ፡ መሰለን ሓልያ፡ ብሓድነት ተንብረን ኣላ ድያ ? ብሄራትና ኣብ ዘበን ህግደፍ ዶ ኣይኮናን ዝበታተናን ብጅምላ ንስደት ዘምርሓን ዘለዋ ! እወ ኣብ ዘበን ህግደፍ ዶ ኣይኮናን መንእሰያተን ብጅምላ እናተረሸኑ ኣብ ሓደ ጋህሲ ዝጸንቱወን ዘለዉ ! ኢሂ ኣብ ዘበን ህግደፍ ዶ ኣይኮነን ብስም ግዱድ ሰፈራታት ህዝቢ መሬተን ዝዝረፍ ዘሎ ! 

2.        እዘን ሕብረ-ብሄራውያን ውድባት ወይ ሰልፍታት ኢና እናበላ ዲሞክራስያውያን ንኽመስላ ካባ ዲሞክራሲ ዝለብሳ ንኣድማሳዊ መሰል ውደባ ዝቃወማን ዘለዋ ፖለቲካውያን ውድባት ደምበ ተቓውሞኸ፡ ኣቀዋውምኤን ጥልቕ ኢልና ውሽጠን እንተንፍትሸን፡ ብሓቂ ዶ ሕብረ-ብሄራውያን ሰልፍታት ኮይነን ምረኸብናየን ? ካብቲ ናይ ሓደ ኣውራጃ ውድብ’ያ ዝብል ብሰፊሑ ዝስማዕ ሕሜታታት ነጻ ዶኸ ምኾና ? ተዓዛቢ ህዝቢ እንታይ ከም ዝብለን ዝስሕትኦ ኣይመስለኒን። 

3.         እተን ሃይማኖታውያን ውድባት ዝብሃላ’ሞ ክኣ፡ ከምቲ ስመን ዝሕብሮ ኣቡኡ ዘፍለጠ ናይ ሓደ ሃይማኖት ምትእኽካብ ሙኻነን ዘካትዕ ኣይኮነን። ሳዕቤኑ ውን ብሩህ ይመስለኒ። 

እሞ እዚኣተን ድየን በሉ እተን ንሓድነት ህዝቢ ኢና ንጣበቕን ንቃለስን ዝብላና ዘለዋ። ሃገር ማለት ህዝቢን ዋንነቱን ማለትዶ ኣይኮነንዩ? እዘን ብሄራትን ብሄረሰባትን እዚኣተንከ ነታ ኤርትራ ንብላ ከም ሃገር ዘቖማ ኣህዛብዶ ኣይኮናንየን? መንነትና ይኹን ዋንነትና ይተኣመነልና ምባለንከ ጌጋ ድዩ? 

ብሓደ ክንነብር ምእንቲ ብሄራዊን ብሄረ-ሰባዊን መሰልና ይተሓሎ ምባለን ካብ መዓስ ወይ በየናይ ስነ-ሞገት’ዩ ጸረ-ሓድነት ዝኾነ። መሰልና ዘሔሉ፡ ኣብ ፍቶት ኩልና ዝተሰረተ ሓድነት ንፍጠር ምባልከ በየናይ መዓቀኒዩ ጸረ-ሓድነትዩ ዘበሎ። 

ብኣድልዎን ብግህሰት ብሄራዊን ብሄረሰባዊን መሰላቶም ዝተሳቐዩ ኣህዛብከ፡ ብገዛእቶም ብሓይሊ ብረት ተገዲዶም እንተዘይኮይኖም፡ ብድሌቶም ሓድነቶም ሓልዮም ብሓባር ዝነበሩሉ ኣሎ ድዩ? ኣበየናይ ታሪኽ ወይ ኣበየናይ ፖለቲካ ኢና ክንረኽቦ ? ኣህዛብ ይኹኑ ጉጅሌታት ዋላ ውን ውልቀሰባት፡ ካብ ፍቶቶም ወጻኢ፡ ብንሕና ኢና ንውስነልኩም ዝብሉዎም ገበትቲ ሓይልታት፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝጽዓን ግዱድ ስማዊ ሓድነት፡ ቀሲኖምን ሓቢሮምን ዝነበሩ ኣብ ታሪኽ ኣየንበብናን፡ ዝህልዉ ውን ኣይመስለናን። 

ሓድነት ኩሉ ግዜ ፍቶታዊ ምስ ዝኸውን ጥራሕዩ ነባሪን ማዕባሊን ዝኸውን። ናይ ፍቶት ቅድመ-ኩነት ድማ ምኽባር መሰል’ያ።

ስለዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎዉ ኣህዛብ፡ ብሄራትን ብሄረሰባትን ሙኻኖም ንኣምን እንተኾንና፡ ምእንቲ ተኸባቢሮምን ተወዳዲሮምን ብሓባር ክነብሩ በበቲ ኣቀዋውምኦም መሰሎም ምሕታቶም እንታዩ ነውሪ ዝገብሮ። ስለምንታዩኸ ጸረ-ሓድነት’ዩ ዘብሎ።

እዞም ካብ ጭርሖ ወጻኢ፡ ብተግባር ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ከረጋግጹ ዘይክኣሉ፡ ብኣንጻሩ ግን ከም ገዳይም ማሃንድሳት-ምብትታን ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ ዝፍለጡ፡ ሎሚ ነተን በዚ ኣገባብ’ዚዩ ሓድነት ህዝብና ዝረጋገጽ ኢለን ንህዝቢ ኣማራጺ ብሄራዊ ውደባ ዝቐረባ ውድባት፡ ጸረ-ሓድነትየን ምባሎም መንዩ ክግረም !!፡ መንዩኸ ክኣምን !! ንምንታይሲ እዚኣቶም ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብሓቂ ዘገድሶም እንተዝኸውን፡ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ምብትታንን ምፍንጫልን ኣይምነበሩን፡ ገና ሕጂ ውን ንሓድሽ ኣማራጺታት ኣይምተቓወሙን። 

እምብኣር እቲ እንኮ ምርጫ፡ ህዝቢ ኤርትራ በብብሄሩን በብብሄረ-ሰቡን ተወዲቡ፡ ንመሰሉ እንተተቓሊሱ፡ ዕድመ ስቓዩ ከም ዝሓጽር ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብሄራዊ ፖለቲካዊ መሰላቱ ይኹን ብሄራዊ ጸጋታቱ ብግቡእ ከም ዝማቓርሖ ድማ ዘማትእ ኣይኮነን። ነታ ናይ ሓባር ዝኾነት ካብ ማህጸና ዝፈረየቶ ሃገሩ ውን፡ ብፍቶቱ ብሓባር ከም ዝከላኸለላን ከምዘዕብያን፡ ዘተሓትት ኣይኮነን። ሹዑ ጥራሕ’ዩ ክኣ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ከም ሓጺን ዝተርር። ሹዑ ጥራሕዩ ክኣ ንጸላእትን፡ ንመንነቶም ዘይፍለጥ ተበለጽትን፡ መስሎኺ ቀዳድ ዘይህብን ሰጢሙ ዝምክትን። 

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት’ዩ እምብኣር፡ እቲ ግዙፍ ዓቕሚ ዝውንን፡ ልሉይ ተራ ዝጸንሖ ብሄረ ትግርኛ

 

ይ ቕ ጽ ል …………..     


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...