ዓለም ዕዳጋ! 

ኣቶ ጳውሎስ ናትናኤል “The Revolution Will be Televised, May Be 02/01/2011 asmarino.com” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፣ ብዛዕባ ተኽእሎ ምሕዋስ ኢድ ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኣመልኪቱ፣ ናብ ኣቶ ዮሴፍ ኣቕሪቡወን ዘሎ ሕቶታት ርኢቶይ ክሕውስ። ኣቐዲመ ግን ንኽልቲኦም ጸሓፍቲ ነቲ ዘይነጽፍ ጽሑፎምን ዘይሕለል ጻዕሮምን፣ ኣድንቖተየን ምስጋናይን እገልጸሎም። እስኪ ከም መበገሲ ድማ ካብ ጽሑስ ናይ ኣቶ ጳውሎስ ነዛ ትስዕብ ክጠቅስ፣

 “...He attacks the idea of non-violent resistance but would have no qualms if Ethiopia invades Eritrea tomorrow and gets rid of the regime.  Since Yosief is asking for evidence of any viability of peaceful and non-violent resistance in Eritrea, and trashing the concept as a result, let me turn the table and ask him the following: What evidence is there that (1) Ethiopia is willing to do Yosief's or the opposition's bidding  and invade Eritrea in order to get rid of Isaias Afwerki's regime , and, most importantly, (2) what evidence do Yosief and those who advocate for intervention have that  Ethiopia,  assuming they would be able to depose the current regime, would peacefully and willingly hand over power to Eritreans and get out of Eritrea? I do not question Ethiopia's and TPLF sincerity in regards to their stated policy towards Eritrea's sovereignty. But what guarantees do we have against any outcome of a military intervention? War and violence have a way generating unexpected results. These are important questions the opposition, specially those who advocate for intervention, must answer.” 

ክቡር ኣቶ ጳውሎስ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ከይትወ’ራ ዝብል ስግኣት ሎሚ’ኸ ኣሎ ድዩ? ርሑቕ ከይከድካ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ወሃብቲ ርኢቶ ደጋጊሞም ከምዝበልዎ፣ ድሕሪ ውጽኢት ኲናት ባድመ፣ ንኤርትራ ንምድሃኽ ወይ ድማ ንምህሳይ፣ ናይ ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ምጽናሕ ጥራይ እኹል-ትሩፍ ኢዩ ይብሉ። ስለዝኾነ ድማ ናይ ኢትዮጵያ ጉዕዞ ናበ’ስመራ ኣይድልን’ዩ ይብሉ። እዚ ብሂል’ዚ ድማ ኣብ ተግባር ይርአ’ሎ። ስለ’ዚ ነዚ ዝርአ ዘሎ ህሉው ኩነታት ናይ ኤርትራ፣ ንምልዋጥ ኤርትራውያን ተሃዊኾም ሓገዝ ናይ ኢትዮጵያ እንተዘይለሚኖም፣ ኣብ ኤርትራን ኤርትራውነትን  ክመጽእ ዝኽእል ሳዕቤን ንናይ ሺመልባ-ፖለቲካ ዝግደፍ ይመስለኒ።

ክቡር ኣቶ ጳውሎስ፣ መቸም እዛ ዓለም “ዕዳጋ” እንድያ። ኩልና ከምንፈልጦ ድማ ዕዳጋ ንመኽሰብ’ዩ ዝውዕል። ኢትዮጵያ  እምበኣርከስ ንኤርትራውያን ባህ ከተብል፣ ወይ ድማ ግብረ-ሰናይ መንግስተ-ሰማያት ስለዘእቱ ዘይኮነ፣ ንስትረተጂካዊ ረብሓ ናይ ገዛእ ርእሳ ክትብል ኣብ ህሉው ኩነታት ናይ ኤርትራ ኢዳ ክትሕውስ ትኽእል’ያ። ናይ ግድን ግን ኣይኮነን። ከመይ’ሲ እቲ ዝዓበየ ክፋል ናይ’ዚ ተኽእሎ’ዚ ንኤርትራውያን ዝምልከት’ዩ።

 ምኽንያቱ እዚ ንኹሉ ግዱስ ኤርትራዊ ዘዛርብን ብርኢቶ ዘፈላልን ዘሎ ህሉው ኩነታት ኤርትራ፣ ንናይ ኢትዮጵያ ረብሓ ብኣሉታ ይጸልዎ ከምዘሎ፣ ሓደ ክልተ ኢልካ መርትዖታት ምጽብጻብ ዘድሊ ኣይመስለንን። ንኹሉ ግዱስ ዜጋ ንጹር ኢዩ። ካልእስ ይትረፍ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ዶብ ኤርትራ ኣስፊራቶ ዘላ ሰራዊት ናብ ሲቭላዊ ናብርኡ ክትመልሶ እንተኽኢላ ጥራይ ዓቢ ሰብኣ’ውን ኤኮኖምያ’ውን ረብሓ ኣለዎ። ስለ’ዚ ኢትዮጵያውያን እቲ ጉዳይ መዕለቢ ዝረኽበሉ መንገዲ ሃሰስ ንምባል ኣብ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ኢዶም ክሕውሱ ይኽእሉ እዮም። ኤርትራውያን ድማ  ምእንቲ ረብሐኦም ንሓድሕዶምን ምስ ኢትዮጵያን ክዋስኡ ትጽቢት ይግበረሎም። ስለ’ዚ ድማ ኢዩ፣ እዚ ሜላ’ዚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራውያን ተቓወምትን ወሃብቲ ርኢቶን ናይ መካትዒ ኣርእስትን ናይ መፈላለዪ ረቛሕን ኮይኑ ዝርአ ዘሎ።

መንገዲ ምስ ወዲዓዲ! (ምስላ)

ናብ’ቲ ዘዛርብ ዘሎ ቐንዲ ነጥቢ ንምምላስ እምበኣርከስ፣ ‘መንገዲ ምስ ወዲ ዓዲ’ (ምስላ) ስለዝኾነ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ-ኤርትራ ኢዳ ንኽትሕውስ፣ ደምበ ተቓውሞ ናይ ኤርትራ፣ ማዕረ’ቲ ብኢትዮጵያ ዝውሰድ ስጉምቲ ብእግሩ ክምርሽ ዘኽእል ህላዌ እንተዘንጸባርቕ ኔሩ፣ ተራ ናይ ኢትዮጵያ ምተረአ።

ደምበ ተቓውሞ ንሳ እንተዘይከኣለ ድማ ብናይ ኢትዮጵያ መኻይን ተሳፊሩ ብጽርግያ ራማ-ዓዲዃላ ወይ ድማ ብጽርግያ ዓዲግራት ዛላ’ምበሳ ዘእቱ እስትንፋስ ክሰኩዕ የድልዮ። ክሳብ ሕጂ ግን ደምበ ተቓውሞ ናይ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ ኢዳ ንኽትሕውስ ዘደፋፍር ምዕባለ ዘለዎ ኣይመስልን። እቲ ብኣቶ ዮሴፍ ይኹን ብኻልኦት ግዱሳት፣ ዝበሃል ዘሎ ተኽእሎ፣ ከም ሓሳብ ስለዝተላዕለ ድማ፣ ብሱል ኩነታት ተፈጢሩ’ሎ ትብሉ’ሎኹም’ሞ እስኪ ሃየ ብጭብጢ ግለጽዎ ናብ ዝብል መደምደምታ ዘምርሕ ብሂል ኣይመስለንን።  እታ ዘላ ብሓባር ንርእያ ኣለና። ክሳብ ሕጂ ዝርካባ ንሳ ኢያ።

ኣእዳው ግብጽን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ኤርትራ!

 ግብጽን ኢትዮጵያን ነንረብሐአን ክብላ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኢደን ከምዘእትዋ ዝጠራጠር ኤርትራዊ ዘሎ ኣይመስለንን። ከም ርኢቶይ፣ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ-ኤርትራ ኢድ ንኽትሕውስ ክህሉ ዝኽእል ተኽእሎ፣ ከም ሓሳብ ምልዓሉ  እዋናዊ ኢዩ። ካልእስ ይትረፍ፣ ኣብ ግብጺ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው፣ ንግብጻውያን ብውሕዱ ንግዜኡ፣ ካብ ዝጸንሖምን ዘለዎምን ዞባዊ (ሩባ ኣባይ፣ ቀይሕ ባሕሪ፣ ቀርኒ ኣፍሪቃ)  ሕዱር-ሕማም፣ ከምኡ’ውን ኣብ’ቲ ጉዳይ ካብ ዝነበሮም፣ ናይ ዓብላልነት መንፈስ፣ ዘዘናግዕ ዓቢ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኢዩ። ማለት’ሲ ንግዜኡ ግብጻውያን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳዮም ካብ ምድሃብ ዝሓልፉ ኣይመስሉን።

ስለ’ዚ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኣጋጣሚ ክብለጸሉ ዝኽእል፣ ክገብር ዝተቐረበ ናይ ኤርትራ ተቓዋሚ ሓይሊ እንተዝንብር’ሞ፣ መንግስቲ ክግልብጥ ካብ ትግራይ ናበ’ስመራ’ቢለ እኸይድ ኣሎኹ ኢሉ እንተዝእውጅ፣ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፣ ኢትዮጵያ ኣእዳዋ ኣጣሚራ ጻዕዳ ይጽናሕካ ኢላ መፋነውቶ’ዶ ኔራ ትኸውን? ንኣይ ኣይመስለንን።

 ኣብ’ዚ ዝርአ ዘሎ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ እምበኣርከስ እንታይ ዓይነት ተኽእሎ ይሓልፈና’ሎ ወይ ድማ የምልጠና’ሎ ኢልካ፣ ኢልካ ምትንታንን ምስትንታንን፣ መንይፈልጥ ንዳሕራይ እዋን ትምህርቲ ኪኸውን ይኽእል ይኸውን። ዝሓለፈ ምስ ሓለፈ፣ ዘየጣዕስ ይግበሮ ጥራይ።

 ምናልባት ንሕና ኤርትራውያን፣ ናይ ኢትዮጵያ ይኹን ናይ ካልእ ሓገዝ ኣይንደልን ኢና፣ ጉዳይናን ኢሳያስናን ባዕልና ኣለናዮም፣ ዝብል ትንታኔ’ውን ኣብ ቦትኡ’ሎ፣ በሃልቱን ኣለውዎ። እቲ ፍልልይ፣ መንእሰያት ኣብ ድፋዕ ተኣሲሮም ከምዘለዉ እናፈለጥካ፣ ሽማግለታትን ሕጻናትን ጥራይ ኣብ ዝርከቡሉ ከተማታት ናይ ኤርትራ፣ ከም ናይ ቱኒዝያ ወይ ድማ ከም ናይ ግብጺ፣ ዝዓይነቱ ምንቅስቓስ ምጽባይ፣ ከም ሓደ ዓቢ ነጥቢ ቆጺርካ፣ ንኤርትራ ምስ ቱኒዝያ ወይ ድማ ምስ ግብጺ ብምንጽጻር ተመሳሳሊ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ክመጽእ ይኽእል’ዩ ወይ ድማ ኣይክእልን’ዩ ዝብል ሚዛን፣ ብዙሓት ወሃብቲ ርኢቶ የልዕልዎ ስለዘለዉ፣ ነቲ ምይይጥ ኣትርር ኣቢሉ ንቕድሚት ክደፍኦ ዝኽእል ጸሓፋይ፣ ከም ኣቶ ዮሴፍ እንተተረኺቡ ዓቢ ዕድል ኢዩ።

  ኣብ’ዚ ኩነታት’ዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ነጥቢ’ሎ። ናይ ኤርትራስ ይጽናሕ’ሞ ደሓን፣ እዚ ኣብ ቅድሚ ካመራን ኣብ ቅድሚ ዓለምን ኣብ ከተማታት ናይ ግብጽን ቱኒዝያን ዝርአ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ኣብ በረኻታት ናይ ግብጽን ቱኒዝያን ካብ ሉቸን ካብ ካመራን ርሒቑ ኣብ ጸልማት ወይ ድማ ኣብ ድፋዕ እንተዝፍተን ኔሩ እንታይኮን ምመሰለ ኔሩ? ዝብል ሕቶ ንእዋን ዝግደፍ ሕቶ’ኳ እንተኾነ፣ ብንጽጽር ኣብ ኤርትራ ሰላማዊ ናዕቢ ከባርዑ ዝኽእሉ ክንደይ ኣጋጣሚታት ኣብ ከተማን ኣብ ገጠርን ኣብ ዩኒቨርሲትን ተራእዮም’ዮም። ዝገድፈዎ በሰላ ድማ ቀሊል ኣይኮነን። ብብዙሕ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል፣ ብቐንዱ ግን መንእሰያት ኣብ ድፋዕ ተኣሲሮም ስለዘለዉ፣ እቲ ዝድለ ከም’ቲ ዝድለ ኣይማዕበለን። ንድሕሪ ሕጂ ድማ፣ እንተተረኺቡ፣ ሰላማዊ ፍታሕ ይፍጠረልና።  

ዛጊት ይረአ ከምዘሎ እምበኣርከስ፣ ብፍላይ ኣብ’ዛ ሰዓት’ዚኣ ወላ’ኳ ኢትዮጵያ ኢዳ ንኽትሕውስ ፍቓደኛ እንተትኽውን ኔራ፣ ህሉው ኩነታት ደምበ ተቓውሞ ናይ ኤርትራ ከምዝሕብሮ፣ “የዛሬ ብርድ ከቆማጣ ያስተቃቅፋል” ምስተባህለ “ቆማጣም ቢሆን በግዜ ካላዘጋጁት መች ይገኛል።”  (ምስላ ናይ ኣምሓርኛ) ዝብል ምስላ ካብ ምድጋም ኣይምሓለፈትን።

ዝኾነ ኾይኑ ናብ’ቲ ቐንዲ ጉዳይ ንምምላስ፣ ሎሚ ይኹን ጽባሕ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ-ኤርትራ ኢዳ ክትሕውስ እንተኾይና ብዘይቃልዓለም፣ እዛ ዓለም ዕዳጋ ስለዝኾነት፣ ምእንቲ ረብሓ ኢዩ። ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፣ እሞ ድማ ኣብ’ቲ ናይ ረብሓ-መኣዲ፣ እንተተቐሪብካ ድማ ትሕቴኻን ግደኻን ምሕላው’ዩ። ልዕሊ ኹሉ ድማ ምስ እዋን ምትዕጽጻፍ የድሊ።

ብተወሳኺ ድማ ዋእ! ኢትዮጵያ እንተ ኣትያ’ኸ ንኽትወጽእ እንታይ ውሕስነት ኣሎ? ወይ ድማ እንታይ ገዲፋትልናኸ ክትከይድ’ያ? ወይ ድማ ብጽቡቕ ፍቓድን ብሰላማውን መንገድን ስልጣን ንኤርትራውያን ተረክብዶ ትኸውን? ዝብል ስግኣት ክህሉ ባህርያዊ ኢዩ። ኩሉ ወዮ ካብ ኮነ፣ እሞ እንታይ ይሓይሽ? ካልእስ ይትረፍ እቲ ከም ኣማራጺ ክቐርብ ዝኽእል ኣገባብ ብዝርዝር እንተተመያየጥናሉ ነውሪ የብሉን። ምናልባት ኢትዮጵያ ኢዳ እንተሓዊሳ፣ ኣስመራ ምስበጽሐት ስልጣን ንኤርትራዊ ምሃብ ዘጸግማ ኣይመስለንን። ጀብሃ ሻዕብያ ዋርሳይ ይከኣሎ ዶክቶር ፕሮፈሰር ሓረስታይ ሸቃላይ ወዘተ .. ምዃኑ ብዘየገድስ ኣብ’ታ እዋን ትበስለላ ሰዓት ተቐሪቡ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ክኸውን ይኽእል። ኩሉ “ኣብ እንተ” ዝተመርኮሰ ስለዝኾነ ግን ይጽናሓልና’ሞ፣ እስኪ እዛ ሓጻር ዕላል ከጻውተኩም።

ሓደ መዓልቲ ምስ ሓደ ኤርትራዊ ዓርከይ ክንምሳሕ ናብ ቤት ምግቢ ናይ ሓበሻ ዝርከቦ ናይ ኢትዮጵያውያን ቤት ብልዒ ንኸይድ። ኣብ’ቲ ቤት ብልዒ ከኣ ከማና ክምሳሕ ዝመጽአ ኢትዮጵያዊ ይጸንሓና። ሻቡ ምስ’ቲ ዓርከይ ኣጸቢቖም ይፋለጡ ስለዝነበሩ፣ ሙዉቕ ሰላምታ ይለዋወጡ።

 ኣብ መንጎ ዕላሎም ወዮ ኢትዮጵያዊ፣ “ኣንተ ወንበዴ ለመሆኑ የት ጠፋህ?” ኢሉ ይሓትት።

እቲ ዓርከይ ድማ ኣይሓመቐን፣ “የት እጠፋለሁ ብለህ ነው፣ ጉዳዩ’ኮ ድሮ ጨርሰነዋል።” ኢሉ መለሰሉ። ኣነ ድማ ኣዚ ዓርከይ ነታ ጉዳይ ቀልጢፉ ቆብ ኣቢሉ፣ ብቕጽበት ጽብቕቲ መልሲ ብምሃቡ ኣድንቖተይ ክግልጸሉ ድንድው ክብል እንከሎኹ፣ 

ወዮ ኢትዮጵያዊ “ስማ እንደገና ወደነበራችሁበት መልሱን ለማለትኮ  30 ኣመት በረሃ መግባት እንዳለባችሁ ኣታውቅም’ንዴ።” ዝብል መልሲ ምስሃቦ፣ ቶባእ! ኣንታ ክሳብ ክንድ’ዚ ዲና ተባጺሕና ብምባል ንዓርከይ ኣድንቖተይ ከይገለጽኩሉ ወዮ ዕላል ናብ ናይ ሓባር ሰሓቕ ተቐየረ።

ስለ’ዚ ኢትዮጵያ ንኢሳያስ ከተልግስ ናበ’ስመራ እንተኣትያ ክትወጽእ ድያ፣ ወይ ድማ እንታይ ገዲፋ ክትከይድ’ያ ምባል ጉብእ ኢዩ። ምናልባት መልሱ ድማ ካብ’ዚ ዘሎ ዝኸፍእ’ዶ ከይትገድፍ ደቀይ? ክኽውን ይኽእል። ዝኾነ ኾይኑ ኩሉ ንእዋን ዝግደፍ ሕቶ’ኳ እንተኾነ፣ ‘ክንቡርኩት ከይንቡርኩት’ሲ ኣብ ማይ ዘለዎ’ሞ ንብጻሕ።’ (ምስላ)

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...