ናይዛ ጽሕፍተይ ቀንዲ መንቀሊ ብዛዕባ ናይቲ ኣዲስ ኣባባ ዋዕላ ዘምጽኦ ተስፋ ዝህብ ኩነታት ደጋፊ ሓሳባት ንኣንባቢ ከካፍል ኢለ እየ። ኣቐድም ኣቢለውን ኣብ asmarino.com “My take on the Waala Addis” እትብል ብእንግልዚኛ ብዛዕባቲ ዋዕላ ስሚዒተይ ገሊጸ ኔረ። ኣብታ ጽሑፈይ ከም ዘተምባህኩዎ ነታ ኣብታ ዋዕላ ዝተራእየት ናይ ተስፋ ጩራ ናብ  ምሉእ ብርሃን ንኽትልወጥ  ካብ ኩላትና ብዙሕ ሓገዝ ከም ዘድልያ ናይ ግድን እዩ።

ተዳጋጋሚ ደኣ ከይከውን እምበር፤ ገለ ብጾት ነቲ ቅድሚ ዋዕላ ኮነ ኣብቲ ዋዕላ ዝነበረ  ዘይምርድዳኣትን ጉድለታትን ርእዮም ጌና ሕጂውን ዘይዓገቡ ኣሎዉ። ገለ ካብዚኦምውን ነቲ ተረኺቡ ዘሎ ምዕባለ ብዕትበት ከይመርመሩ ምስቲ ወትሩ " እቲ ዝተገብረ ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ" ዝብል ልሙድ ኣባሃህላ ኣዛሚዶም' ስለ ዝርኣይዎ፤ ነቲ ውጽኢት ዋዕላ ዋጋ ዘይሃብዎ እዮም። ሓቂ እዩ "ብተመን ዝሰንበደስ ብልሕጺ ተዳህለ " ከም ዝበሃል ናይ ዝሓለፈ ተመክሮታትና ስምብራት ስለ ዝገደፈልና ይኸውን ከምዚ ዝመሰለ  ምጥርጣራት ዘሕድሩ ዘሎዉ። እዚ ከኣ ባህርያዊ እዩ። ግን ንኹሉ ለውጢ መዓልቲ ስለዘሎዎ ከምኡውን ኣምላኽ ብዝሓለፈ ይኣኽለኩም' ኢሉና ክኸውን ስለ ዝኽእል ነቲ ለውጢ ብቅኑዕ ልቢ ምርኣይ ምሓሸ። በዚ መገድዚ ምስ ረኣኹዎ ከኣ እዩ ንዓይ እዚ ናይ ሎሚ ዋዕላ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣኼባታትን ፍሬኡን ኣዝዩ ዝተፈልየ ኮይኑ ዝተሰማዓኒ።  ኩሉ እቲ ዝግድሶ ሰብ ከኣ ነቲ ዋዕላን ብድሕሪኡ ዝካየድ ዘሎ ምዕባለን ብኹሉ መዳያት ርእዩን መርሚሩን ኣብቲ ዘድልዮ ውሳነ ክበጽሕ ግቡኡን መሰሉን እዩ።

ብዝመስለኒን ብዝኽእሎን መርሚረ ኣነ ኣብ ዕግበት በጺሔ ኣሎኹ። ንኣብነት ንነብሶም ይወክሉ ንማሕበራቶም ብዘየገድስ ብኤርትራውነቶም ጥራሕ እኳ እንተወሰድካ ብብዝሒ (330+) ተኻፈልቲ ኣኻሊ ቁጽሪ እዩ። ኣብ ርእሲ'ዚ ከኣ ብጾታ፡ ብሃይማኖት፡ ብቛንቛ፡ ብዕድመ፡ ብትምህርትን ብተመክሮን፡ ብካብ ዝመጽዎ ዝተፋላለያ ሃገራት፡ ዝተወከላ ናይ ፖለቲካን ናይ ሲቪክ ማሕበራትን ናይ መድያ ማዕከናትን፤ ወዘተ..  እዚ ኣኼባ'ዚ ብቑዕ ኮይኑ ነቲ ናይ ኤርትራ ኩነታት ዘንጸባርቕ እዩ ኔሩ ኢለ እኣምን። ካብዚ ሓሊፉ ከኣ ድሕሪ ሰሙን ምዝታይን ምክታዕን ካብ ዘይፈሸለ፤ ብኣንጻሩ ከኣ ነቲ ኣኼባ ዝተሰማምዑሉ እተተግብር ናይ 53 ሰባት ሽማግለ መሪጹ ብቆጸራ ካብ ደምደሞ፤  እቲ ግቡእ መግለጺ ውጽኢት ናይቲ ዋዕላ 'ዕዉት ኔሩ' ንኽብል ኣኽኢሉኒ ኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ኤርትራውያን ኣኼባ ክሰምዕ ናይ ፈለማይ እዩ። ምናልባት ነዚ ዝዳረጎ እቲ “ብዋዕላ ቤት-ገርግስ” ዝፍለጥ፡ ብግዜኡ ኣካራኻሪ ዝነበረ ዋዕላ ክኸውን ይኽእል።  ነዚ ናይ ሎሚ ኣነ ከም ሓድሽ ምዕራፍ ዝተከፍተ ጌረ እየ ዝቖጽሮ። ብዝኾነ ድሓን ንታሪክ ንግደፎ።

ኣብዚ ክርሳዕ ዘይብሉ ግን፡ ሰብ ኣብ ዝሰርሖ ዘበለ ብዘይ ጎደሎ ዝፍጠር የለን፤ እቲ ዋዕላ'ውን ዝጎደሎ  ኣይነበሮን ማለት ጌጋ እዩ። እቶም ዝተመዙ ሽማግለታት ካብቲ ጌጋ ክመሃሩ ከኣ ተስፋ ኣሎኒ። ካብቲ ዋዕላ ሓሊፍና ኣብዚ ዘሎናዮ ግዜ በጺሕና፡ ማለት ናይ ዝያዳ ክልተ ወርሒ ናይ መምዘኒ ተወሳኺ ግዜ ረኺብና፡ ኣብ እንርእዮ ዘሎና፡ በብወገኑ ካብ ዝነፍስ ንፋስ ግን ብዘይካ ዘተባብዕ ንድሕሪት ዝጎትት ኩነታት ኣይረኣይን ዘሎ። እዚ ከኣ ነቲ ተረኪቡ ዘሎ ተስፋ ዘሔይሎ እዩ።

መዘኻኸሪ፡
ብዛዕባ ዝዕዘቦ ዘሎኹ ኩነታት ናይዞም ኣብ ወጻኢ ዘሎና ክልተ ነጥብታት ኣልዒለ ከዛኻኽር እደሊ፤ እቲ መረዳእታይ ልክዕ እንተዘይኮይኑ ኣንበብቲ ክትእርሙኒ እላቦ።

ቀዳማይ፡   ናይ ሃገርና ጉዳይ እቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኤርትራዊ ጥራይ ኣይኮነን ዝውስኖ። ዝዓበየ ዋንኡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና እዩ ዝብል እምነት እዩ ዘሎኒ። ኣብ diaspora ዘሎና ኤርትራውያን ክንጽሕፍ ክንዛረብን ክንእከብን ስለ እንኽእል ደኣምበር፤ እቲ ቀንዲ ዕማምሲ ኣብ ውሽጢ ሃገርን በቶም ኣብኡ ዘሎዉን እዩ ዝትግበር። ኣብ ደገ ዘሎና ናይቲ ኣብ ውሽጢ ተጸቒጡ ዘሎ ህዝብና ሓገዝትን ወከልትን ደኣምበር ፈጸምቲ ለውጢ ወይ ተቐበልቲ ስልጣን'ውን ኣይኮንናን። (Our mission should be to empower our people and not to usurp power from the people).  ብዛዕባ'ዚ ኣብ ገሊኦም ሰባትን ናይ ፖለቲካ ኮነ ናይ ሲቪክ መራሕትን ዘሎ መረዳእታ ግጉይ እመስለኒ።

ካልኣይ፡ ኣብ ወጻኢ (diaspora) ዘሎና ኣሽንዃይዶ ብብሄራት፡ ብቛንቛታት፡ ብፖለቲካን፡ ብሃይማኖትን ወዘተ ፋሕ ኢልና ተኸፋፊልናስ፤ ንኹሉ ምክፍፋላት ኣሸኒፍና እንተ ንታኣኻከብ'ውን፡ ሓይልና ውሱን፡ ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ክንፈልጥ ኣሎና። ዓቕምና ዘይምፍላጥና ሓደ ካብቲ ንድሕሪት ዝጎተና ዘሎ ባህርያት እዩ ዝመስለኒ። እምበኣር ነቲ ናይ ውሽጢ ሃገር ክንሕግዝ ቁሩብ ዕድል ዘሎና ሓቢርና እንተሰራሕና ጥራይ እዩ፤ እንተዘይኮነ ፋሕ ኢልካ እትገብሮ ትርጉም የብሉን። 

ዕርቂ ከይፈተንካ፡ ብዛዕባ ምፍልላይ ምዝራብ ኣይግድን
እታ ዝበለጸት ፍረ እሞ ከኣ ብዝቐለለ ዋጋ ከተፍርያ እትኽእል ምስ ኣሕዋትካ  ተኸባቢርካ ሓቢርካ  ክትሰርሓ ከሎኻ ጥራይ እያ። እዚኣ ምግባር ግን ዓባይ ምስጢርን ግድልን ኮይናትና መፍትሕ ከይረኸብናላ ክንታረኽ መዋእል ሓሊፉ፡  ህዝብናውን ይጸንት ኣሎ።  ነዛ ሕምቀትና ብምስትውዓል ከኣ እዩ ኣቶ ኢሳያስ ብሕሉፍ ድርቅናን ንዕቀትን "ብዘይካይ ኣብ ኤርትራ ሰብ የለን፤ ኣበይ ዘሎዉ ተቓወምቲ እዮም"  እንዳበለ  ሃገርና ናብ ጸልማት መዓሙቕ ዝኸታ ዘሎ። ኣብ ቅድሚ ዓይንና እንዳረኣና  ንህዝብና ክንሕግዞ ክሳብ ሕጂ ዘይምኽኣልና ብዙሕ የሕዝን።  እንኮ ክንሕግዘላ እንኽእል ህሞት ከኣ  " ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ" ከምዝተባህለ፡ " ምእንቲ ህዝብና" ኢልና ክንትዓጻጸፍ  ሕድገት ከነርኢ ከሎና ጥራይ እዩ። ብዝኾነ እስኪ ሕጂ'ውን ማይ ኣይሓለፎንሞ፤ ብዝሓለፈ ካብ ተመክሮና ንመሃር።  ካብ ምፍልላይ ዝመጽእ ቁም ነገር ካብ ዘየለ፤ ካብ ምቅርራብን ዕርቅን ምትእኽኻብን ግን ዝመጽእ ብዙሕ ጥቕሚ ክህሉ ከምዝኽእል ንረዳእ። ምርዳእ ጥራይ ዘይኮነ ከኣ ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ንጽዓር።
ዝተባእሱን፡ ዘይተሳማምዑን ኣሕዋት፡ ደቂ ማሕበር፡ ምዕራቕ ወይ ምትዕራቕ ዝበሃል ሃብታም ባህሊ ካብ ኣቦታትና ዝወረስናዮ ከም ዘሎ ኣይንረስዕ። ሓቂ እዩ ሕዚ ውርሻ'ዚ ካብ ግዜ ፈደረሽን ንነጀው ከም ኩሉ ባህልታትና እንዳሃሰሰ ከይዱ እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ'ውን ምናዳ ኣብ ግዜ ቃልሲ፡ ብዝገደደ ከኣ ኣብ ግዜ ህግደፍ፡ ዕርቂ ምድላይ "ናይ ፈራሃትን ናይ ፈታሕቲ ስረኦምን" ወይ ናይ ብፖለቲካ ዘይምብሳል መግለጺ ባህርያት ኮይኑ እዩ።  ዕድል ጌርና ግን እንሆ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጋብኡ ለባማት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ነቲ ኣዕናዊን  ዘይባህልናን ጠባያት ጥሒሶም፡  ብባህላዊ ዝኾነ ናይ ሽምግልና ብልሒ ተጠቒሞም ዛጊት ነቲ ጉባኤ ካብ ናይ ፍሽለት መገዲ መንዚዖም ናብ '' ዓወት" ዘምርሕ መሰረት ተኺሎምልና ኣሎው።  በዚ መገዲዚ ከኣ ሓድሽ ምዕራፍ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ተኸፊቱ ኣሎ።
እምበኣር ሃየ ነዚ ሓድሽ ምዕራፍዚ ናይ ጽቡቕ ተመክሮ መመዝገቢ ንግበሮ።  ሕጅውን እንተኾነ ኣብ ምትዕራቕ ናይቶም ተሪፎም ዘሎዉ የሕዋትና ብዘይምሕላል ነዚ ብልሒዚ እንዳተጠቐምና ናብታ ተፈጢራ ዘላ ሓዳስ  ዳስ ንኽንጽንብሮም ንዓኣ ከኣ ከነግፍሓን ከነጸብቓን  ብልቢ ንጽዓር። ሓቂ እዩ ሳዕቤን ናይ ምፍልላይ ንዘይግድሶ፤ ኣጀንድኡ'ውን ኣዚዩ ዝተፈልየ እንተኾይኑ ካብ ምትዕራቕ፡ ተፋላሊኻ መመገድኻ ሒዝካ ክትከይድ ይቐለሉ ይኸውን ።  ግንከ ብሓቂ ንህዝቢ እየ ዝሓስብ ንህዝቢ እየ ዝውክል ትብል እንተኮንካ፡ እቲ ሳዕቤን ብነብስኻ ጥራይ ዘይኮነስ  ብህይወት ናይቲ ተሸጊሩ ዓቕሉ ጸቢቡዎ ዘሎ ህዝብኻ ክትግምቶ ጥራይ እዩ ዘሎካ። ድሮ ንንበይንና ተፈላሊና ዓቕምና ውሱን ምዃኑ ርኢናዮ ኣሎና፤ ስለዚ ምእንቲ ህዝብና ክንብል ብዙሕ ልቦናን ትዕግስትን ሕድገትን ከነርኢ ንግደድ። መንእሰይ ሽማግለን ቆልዓን ሰበይትን ከፊኡዎ ካብ ሃገሩ ኣብ ዝስደደሉ ሰዓት፤ ባህልናን ሃይማኖትናን ካብ ሱር ተበንቚሱ ኣብ ዝድምሰሰሉ ዘሎ ሕማቕ ግዜ ከም ዘሎና ኣይንስሓት። ዝጠፍእ ግዜ የብልናን፤ ምእንቲ ሃገርናን  ህዝብናን ክንብል ኩላትና ምትዕራቕን  ምትዕጽጻፍን ከነዘውትር ኣሎና። ጻውዒት ሃገርና ንኩላትና ደቃ ንቆጸራ ዘይኮነስ  ንኣፈርክቡ ኢዩ ኮይኑ ዘሎ።
እምበኣር ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ብምስትውዓል ለበዋይ ንኹሉ ከምዚ ዝስዕብ ጌረ ዘቕርቦ ዘሎኹ።

ሀ) ለበዋ፡ ንኣባላትን መራሕትን  ኮምሽን ሃገራዊ ጉባኤ፡

1. ከም ጉጅለን ከም ውልቀሰብን ዓቢ ሓላፍነትን፡ ጾርን ተሰኪምኩም ከምዘሎኹም ከም እትፈልጡዎ ዘጣራጥር ኣይኮነን። እዚ ሓላፍነት ደኣምበር ሽመት ከም ዘይኮነ'ውን ከም እትርድእዎ ኣይጠራጥርን እየ። ብጌጋ ወይ ብፍልጠት ከም ሽመት እንተወሲድኩሞ ግን ኣይክትዕወቱን ኢኹም። ከም ሓላፍነት ጌርኩም እንተወሲድኩሞ ግን ባዕሉ እቲ ህዝቢውን ክርድኣኩምን ክሕግዘኩምን እዩ።  ጾርኩም ጾር ህዝቢ ስለዝኾነ ባዕሉ ከቃልለልኩም ምሳኹም ክጓየ እዩ፡፡ ሓድሽ ምዕራፍ ትኸፍቱን ተመዝግቡን ስለ ዘሎኹም ታሪክውን ክፈርደኩም እዩ'ሞ፡ ብዓወት ክትዛዝምዎ ሓደራ፡፡

2. ጌጋ ኣይተገብረን ምባል ንርእሱ ጌጋ እዩሞ፡ ካብ ዝሓለፈ ጌጋታትኩምን ካብቲ ኣብ ጉባኤ ዝነበረ ጉድለታትን ባዕልኹም ብእትፈልጥዎን ንብጾትኩም ሓቲትኩምን ንኸይድገም ብልቢ ክትጽዕሩ ፈትኑ።

3. እቲ ዝስራሕ ዘሎ ዳስ ብዝከኣል መጠን ኣግፍሕዎ፤ ኣይተጽብብዎ። ብዝተኻእለ መጠን ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረኩም ናይ ብሕቲ ቂምን ቅርሕንትን "ምእንቲ ኤርትራ" ኢልኩም ረስዕዎ'ሞ፤ ነቶም ብኽእለቶም ዝተፈልጡ ክሕግዝኹም ዝኽእሉ "ኣብ ዋዕላ ኣይተኻፈሉን ፡ ኣብ ጉዕዞ ምሳና ኣይነበሩን" ወዘተ እንዳበልኩም ኣይተጓንዩዎም። ኽሕግዘኩም ንዝበለ ኩሉ ምስ ምስጋንኡ ተቐበልዎ፤ ኣይትንጸግዎ፡፡ ልቢ ኣዕብዩ፡ ምስ ሓውኻ ምንዕዓቕ ምትህልላኽ ኔው በሉዎ፡፡  ንኤርትራ ናይ ኢሳያስ ትዕቢት ይኣኽላ፡፡ ንስኻትኩም ነቲ ውጹዕ ህዝብኹም በታ ክእለትኩም፡ ብትሕትናን ብቕንዕናን ክትድብስዎ ፈትኑ።

4. ኣብዚ ግዜዚ መንዩ ተዓዊቱ መንዩኸ ዘይተዓወተ ዝበሃለሉ ግዜ ኣይኮነን። ኩሉኹም ኹላትና ኢና ተዓዊትና። እዚ ዘይተረድኦም ብጾት ወይ ጉጅለታት ከም ዘሎዉ ርኡይ እዩ። ዛጊት ዘይገበርኩሞ እንተኾንኩም፤ ኣነ ሓደራ ዝብለኩም ግዜ ከይወሰድኩም ሓንቲ "ናይ ዕርቂ ሽማግለ" ኣቑሙ፤ ንምትዕራቕን ንምርድዳእን ከኣ ዓቢ ሚዛን ሂብኩም፡ ጎኒ ንጎኒ ምስቲ ካልእ ዕማምኩም ኣካይዱዎ። ደገፍትኹም መሲሎም ብዙሕ ዘየድሊ፡ እኳድኣ ዘባእስ ዘረባታትን ጽሑፋትን ዝልግሱ ኣሎዉ፤ ገጽ ኣይትሃብዎም፡ ግደፉ'ውን በልዎም። ኣሽንዃይዶ ፋሕ ኢልካስ ሓቢርካውን እቲ ስራሕ ቀሊል ከም ዘይኮነ ስለ ዘይትስሕትዎ፡ ሃየ እዛ ምዕራፍ'ዚኣ፡ እዛ ሓጻር ግዜ'ዚኣ (ዓመት)፡ ብምትዕራቕናን ብምትሕብባርናን ከም እትልለ ግበሩዋ።

5. ናይ ስራሕኩም ምዕባለ ንህዝብኹም ብዘይ ምቑራጽ ኣፍልጥዎ። ግሉጻት ኩኑ። ስራሕ ክበዝሓኩም ይኽእል ይኸውን ግን በዚሑና ኢልኩም ነቲ ሓበሬታ ኣይትግደፍዎ።  በዚ ግዜ'ዚ ሓበሬታ ካብ ምውሓድ ምብዛሕ ስለ ዝፍቶ ነተን ዘሎዋ መርበባትን ማዕከን ዜናን ብብዝሒ ተጠቐሙለን።

ለ) ለበዋ፡ ንናይ ፖለቲካን ናይ ሲቪክ ማሕበራትን

1. ክሳብ ሕጂ እተን ናይ ፖለቲካ ፓርቲታት ከምኡውን ናይ ሲቪክ ማሕበራት ብዘርኣይኦ ብስለትን ትዕግስትን ተዓጻጻፍነትን ክምስገና እዩ ዘለወን። ኽቕጽልኦ ከማሓይሽኦ ሓደራ።

2. ኣብ ውራይ ዝግበሮ ግዜ ክምቲ ኣብ ሞንጎታትና ዝተራእየ ዘይምርድዳኣት ንኽፍጠር ንቡር እዩ። ዘይንቡር ዝገብሮ ኩነታት ግን፡ ድሕሪ እቲ ውራይ ነቲ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ክትፈትሖ ዘይምፍታን፤ ብዝገደደ ከኣ ነቲ ዝተፈጥረ ጋግ ከተግፍሖ ምፍታን ክርኤ ከሎ እዩ። ጽቡቕ መንፈስ ንዘሎዎ ኩሉ ነቲ ውራይ (ዋዕላ) ይተሓወሶ ኣይተሓወሶ ነቲ ውጽኢቱ ርእዩ ገምጊሙ፤ እንተድለየውን ሕድገታት ጌሩ እዝስ ኣኻሊ ኣይኮነን ግን ከም መስርሒ ክከውን እኽእል እዩ ክብል ከሎ እዩ እቲ ውግዑ። ዓወት እንተኾነ ናይ ኩላትና ኤሪትራውያን ዓወት፤ ፍሽለት እንተዝኸውን'ውን ከም ቀደምና ናይ ኩላትና ሓዘን ምዃኑ ስለ ዘይተርፎ ሃየ ሕድገት ንግበር፤ ቅልጽምና ሓቢርና ነልዕል።

3. ናይዚ ዝፍጠር ዘሎ ሓዲሽ ምዕራፍ ተዓዘብትን ተኻፈልትን ኢናሞ ሃየ እቲ ኣብ ሞንጎናን ኣብ ነንሓድሕድናን ዘሎ ናይ ኣዛራርባን ምምይያጥን ደረጃ ንላዕሊ ክብ ነብሎ። ኣብ ክንዲ ብዝጠቅምን ብዘይጠቕምን፤ ወይ ብዛዕባ ውልቀ-ሰብ ዝመበቆሉ ኣዕናዊ ህልኻትን ክትዓትን እነተኩር፤ ኣብ ኣድማዒ ዝኾነ ኣብ ሃገራዊ ደረጃ ዝተሰርዔ ቁም ነገራት ዝሓዘለ  ዛዕባታት ብቐዳምነት ከነተኩር እላቦ።

4. "ምእንቲ ኤርትራ" ክንብል "ንሕናን ንሳቶምን" ዝብል ድሑር መንፈስ ኣወጊድና፡ ኣብቲ ናይ ሓባር ውራይ ብልቢ ንካፈል። እዚኣ እታ ዝተሓተት ንሃገርና ክንውፍያ እንኽእል ህያብ እያ። ናይ ፓርቲና ወይ ናይ ማሕበርና ኣጀንዳ ሃገርና ኣብ ትዓንወሉ ህዝብና ኣብ ዝጸንተሉ ዘሎ ግዜ ብዙሕ ትርጉም ከም ዘየብሉ ንረዳእ።

ሐ)  ለበዋ፡ ንግዱስ ህዝብና፡

1. ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ኮነ ኣብቲ ውሽጢ ዋዕላ እንታይ ዓይነት ሓርጎጽጎጽን ክንደይ ምፍሕፋሓትን ከም ዝነበረ ነቶም ዋዕለኛታት ንግደፈሎም'ሞ ንሕና ኣብኡ ዘይነበርና በቲ ውጽኢት ጥራይ ንፍረድ ብኡኡውን ንመራሕ። እቶም ዝተመርጹ ወይ ዝተመዘዙ 53 ሽማግለታት ኮነ እታ ኣካያዲት ኣካል ዝውክሉ ኩሎም ኤርትራውያን ብምዃኖም ጌና ብገንኡ ከነታባብዖም እንተዘይኮኑ ኣይነናሽዎም ብጥርጣረ ኣይንርኣዮም። “Let us give them the benefit of the doubt and as far as possible let us reserve from questioning the motives and the love of country of these representatives”

2. ኩሉ እቲ ዕማም ናብዞም ተመዚዞም ወይ ተወፊዮም ዘሎዉ 53 ሽማግለታት  ጥራይ እንተገዲፍናዮ እቲ እንጽበዮ ዓወት ምሉእ ከምዘይከውን ርዱእ እዩ። እቶም ኣብዚ ቅዱስ ስራሕዚ ክሕግዝ ይኽእል እየ፡ ኣድላዪ ክእለት ዓቕምን ትምህርትን ኣሎኒ ዝብሉ፡  ኩሎም ባዕሎም ከይሓፈሩ (ከይብሉኒ ከይበሉ) ክውፈዩን ክሳተፉን ኣሎዎም። እቶም ኣካየድቲ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ  ዝርዝር ዘማልኤ ማህደር (data base) ዘሎዎም ኣይመስለንን።  ስለዚ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኤሪትራውያን ክሳብ ዝሕተቱ ምጽናሕ የብሎምን ባዕላቶም እንታይ ክሕግዝ ኢሎም ናብቲ ኮምሺን ተወፋይነቶም ከማሓላልፉን ከበርክቱን ብወገነይ ሓደራ  እብሎም።

3. ብርዕናን ናይ ቛንቛ ኽእለትናን ኣብ ክንዲ ኣብ ምንቃፍን ነቲ ዘሎን ዘየሎን ዘይምርድዳእ ምንብድባድን፤ ኣብ ዓራቒን ሸምጋልን መዓላ ክንጥቀመሉ ሓደራ እብል።  እንተኽኢልና ክንሃንጽ ከነቃራርብን ክንዓርቕን  ኣሎና። እንተዘይኮነ ከነባእስን ነቲ ነገር ካብቲ ዘሎዎ ንላዕሊ ከነናሃህር ከሎና ናይ ጸላኢምበር ናይ ፈታው ህዝቡን ሃገሩን ኣጀንዳ ነካይድ ከም ዘሎና ንረዳእ። ኩሉ ክነቕፍን ከፍርስን ይኽእል እዩ፤ እቶም ምህናጽ ዝኽእሉ ግን ውሑዳት እዮም። ወለድና "ስቕ ጡዑም" ክም ዝበሉዎ፤ ሃናጺ እንተዘይኮይኑስ ካብ ኣዕናዊ ጽሑፍ ኮነ ዘረባ ስቕ ምባል ዝምረጸሉ ግዜ ሎሚ እዩ። “if you are not part of the solution don’t be part of the problem”

4. ናተይ ባህጊ ነዛ ተኸፊታ ዘላ ናይ ብርሃን ጩራ ብቐሊሉ ክይነሕልፋ እዩ። ጎደሎታት እንተሃልዩዋ፤ ኩሉ ሃናጺ መኣረምታ ነቲ ዝግብኦ ኣካል ከነመሓላልፎ ንመባጻዕ። እታ ጩራ ቀዋሚት (ብርሃን) ቀንዴል ክትኮነልና ኩላትና በብዝከኣለና ሓደራ ንከናኸና ሓቢርና ንህነጻ ።


ምስጋና
ምንምኳ ዛጊት  ነቶም ነቲ ዋዕላ ዘሳናደዉን ንዋዕለኛታትን፤ ንናይ ኢትዮጵያ መንግስትን ህዝብን  ነቲ ዋዕላ ብሞራልን ናውትን ብኩሉ ዘድሊ ጸጥታን ብምድጋፎም፤ ከምኡውን ነተን ኤርትራውያን ናይ ነጻ ማዕከናትብዙሕ ስለ ዝሓገዛ ኣመስጊነየን እንተነበርኩ፤ ኣብዚውን እንደገና ደጊመ ንኹሎም ተዋሳእቲ እንተመስገንኩዎም ነውሪ ኣይመስለንን። እዚ ከኣ እቲ ኩሎም በብግዲኦም ዝተጻወቱዎ ተራ ዘደንቕ ከምዝነበረ፤ ከምኡውን ነቲ ዕማም ጅምር ኮይኑ ከይተርፍ ኣብ መወደእታ ምእንቲ ክበጽሕ ናይ ነፍሲ ወከፎም ዘይቛረጽ ሓገዝ ወሳኒ ምዃኑ ፈሊጦም ሕጂውን ብዝያዳ ክዕጠቕሉ ሓደራ ንክብል ኢለ እየ።

ሰላምን ፍቕርን ምትሕብባርን ምዕባ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...