ካብ “ምውናን” ዝብል ዝተወስደ ስም እዩ። ህይወት ሃገር ናብራ ጉዳይ ስራሕ ፖለቲካ ሰም ክውንኖም ኣብ ምውሳኖም ተራ ክጻወትን ባህርያዊ ትዕልድቱ እዩ።

ንሃገረ ኣሜሪካ ዘቆሙ መስረትቲ ኣቦታት ንቅዋም ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ነዲፎምን ኣጽዲቆምን ንኻብ 200 ዓመታት ንላዕሊ እናተመሓየሸን እናተዓረየን ንክኸይድ መስርሕ ሰሪቶም ሓሊፎም። ኣብ ደሞክራስያውያን ሃገራት ነዚ መስርሕ ብዝተፈላለየ መንገዲ ይብጽሕዎ እምበር እቲ ኣምር ሓደ እዩ።

ብውልቀ ሰብ ደረጃ ብምስታፍ ብሕዝቢ ደረጃ ድማ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ኣብ ውክልና ዝተመስረተ መንግስቲ ንዝሓልፉ ውሳነታት ብምድጋፍን ምንጻግን ምዕራይን ምዕባይን ምክትታልን ተራ ኣለዎ።

ኣብ ኤርትራ ሕዝቢ “ዋኒን” ካብ ዝሕደግ ነዊሕ ኮይኑ። ሎሚ ነዚ “ዋኒን” እዚ ናብ ዋና ክምለስ ምእንቲ ከመይ ኢሉ ከም ዝጠፍአን ከመይ ኢሉ ከምዝምለስን ንኩል ግዜ ከም ዘይሕደግን ዝግበር ትካላውን ልሰነ ሓሳብውን መስርሓውን ታሪኻዊ ኣብነታትን ንምስራጽን ንምቅጻልን ዝብገስ ዘሎ ዓምዲ እዩ።

እታ ቀዳመይቲ ከመይ ኣብዚ ተበጹሑ ንዝብል ኣብ ሓሶትን ናይ ሽዑን ሎምን ዲክተተር ቆራጽነትን ዝተመስረተ “ውዲት” ምስ “ሃገራዊ” “ነጻነት”ን ተኣሳሲሩ እታ “ደሞክራሲያውነት”ን መሰል ናይ ደቅ ሰብ ኣብ ተገባረ መዓልታዊ ናብራን ከይተኣሳሰረ ስለዝተረፈ እዩ። እዚ በሪሁ እዩ። ብኹሉ ሸነኹ እንተተተንተነ ድማ ኣይጽላእን፣ ታሪኽ ስለዝኾነ። ፍሉይነት ናይ ዲክታተርነት ኢሳያስ ክንዲ ጽንጽያ ይኹን ፍረ ጣፍ ዝኸውን ሓደጋ ዘየጻውርን ዘይጻወርን ኣብ ኣንነት ናይ ሓደ ውልቀ ሰብ ዝተመስረተ ኣገባብ ጥራሕ እዩ።

ስለዚ ናይ ሰናይን ደሞክራሲያዊ ኣሰራርሓ ዜጋታት ካብታ ዝነኣሰት ተግባር ባዕላቶም ንሕጊ ዘይኣተግበርዎን ዘይተቖጻጸርዎን ዲክታተርነት ክትኣታቱ ይጅምር። ምስትውዓልን ኣስተምህሮ ምቕባልን ምምሃርን ህላውኡ ዓቢ ጸጋ እዩ። ስለዚ ከኣ እዩ ኣብ ደሞክራስያውያን ሃገራት ኣብ ነንሕድሕደን ኲናት ኣይውልዓን ኣይገብራን ኣይሓስብኦኳ። ዘየረዳድእ እንተሃለወ ብኮሚተ ይፍታሕ። ዘተ ይግበር ነገራት ይትንተኑ መፍትሒ ይርከብ። ብዝተረፈ ኣብ ነንሕድሕዳዊ ጥቕሚ ዝተመስረተ ንግዲ የካይዳ።

በዚ መሰረት ብቕዓት ዘለዎም ሰባት ናይ ምምራጽን ምቕናይን ክሳብ ስርዓተ ዓመት ናይ ጉዳዮም ተወዲኡ ናብ ካልኦት ብሕዝቢ ዝተመርጹ ንኸመሐላልፉ ዕድልን ሰላምን ዝድለ። መስርሕ እዩ ደሞክራሲ። ንመስርሕ ዝጻባእ ስለምንታይ ተባሂሉ ይሕተት። ኣብ ነፍስ ወከፍ ዓዲ ከተማ ወረዳ ኣውራጃ ምምሕዳራዊ ኣተገባብራ ኣሎ። ብመስርሕ ስርዓተ ሕጊ ክኸውን ድማ ከምዝኽእል ርዱእ እዩ። ሎሚ ኣብ ግብሪ ዘይመውዓሊኡ እቶም ኣብ ኩሉ ደርቢ ናይ ስርዓተ መንግስቲ፣ ብውልቃዊ ባህርያቶም ከም ኣገልገልቲ ስርዓተ ኢሳያስ ተመዚዞም፣ የመሓድሩ ምህላዎም እዩ። ናይዚኣቶም ህላወ ምስ ናይ ስርዓት ስለዝተሓሓዝ ምልላዮም ጥራሕ እዩ ኣብዚ እዋን ዝድለ።

ኣብ ወጻእን ኣብ ትሕተ ደሞክራሲያዊ ስርዓታት ዝርከብ መበቆሉ ኤርትራዊ ዝኾነ ነፍስ ወከፍ ካብ ርእሱ ከምዝጀመረን እቲ ህሞት ድማ ኣብ መስርሕ ደሞክራሲ ብምእማን ከይዱን ኪኖ ሩቢኮን ተበጹሑ ከምዘሎ በዚ ለማቕነ ዝርአ ዘሎ ምህውታት ክዕዘብ ተኻኢሉ ኣሎ። ከምቲ ኤፍ. ዲ. ኣር. (ፕረሲደንት ሩዝቨልት) ኣብ ግዜ ቁጠባዊ ቁልውላው ስልጣን ስለዝተረከበ ዝበሎ፣ “እቲ ኣውራ ዘፍርሓና፣ ንባዕሉ ፍርሒ ጥራሕ እዩ”። "The only thing we have to fear is fear itself."


 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...