ቀንዲ ክጽሕፈሉ ዘንቀለኒ ጉዳይ ነዚ ኣብዚ ቀረባ ማዓልታት ክካየድ፡ ተኣንጎት ተሸብሸብ ዝባሃለሉ ዘሎ ጎዳይ ኣንጻር ባይቶ ጸጥታ ዝቀንዐ ሰላማዊ ሰልፊ ገለ መነቃቕሒ ወስ ከብል ስለዝደለኹ እዩ።

ወዮ ድኣ እና ፈለጠ ዝደቀሰስ፡ ነቅኒቕካዮ ነይሰምዕ እዩ ነገሩ እምበር፡ ብሓቂዶ ሎምስ ዝደናገር ወይ ዝሰሓተ ይህሉ። ብዝኾነ፡ ብዝዓባ እቲ እገዳ፡ ቀንዲ ጠንቁን ናብ መን ዝኣንፈተን ምዃኑ ነስተብህለሉ ዶ ኣለና? ህዝቢን ሃገር ኤርትራ እንታይ ተርኦም?

መንቀሊ እቲ እገዳ ብቀንዱ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘዉዲ ዉልቀ መላኽነት ደፊኡ፡ ነቲ እሩሩ ኢሉ ካብ በረኻታት ሳሕል ናብ መሪሕነት ሃገር ዘብቀዖ ህዝቢ ኤርትራ ፍጹም ረሲዑ፡ መጀመርያ ከምሕንቁቅ ቆልዓ፡ ድሒሩ ከምሕማም መንድዓት፡ ኣብ ዝባን ህዝቢ ተወጢሑ፡ ካብ ጥፍኣት ናብ ዝባኣሳ ጥፍኣት ተዘይኮይኑ፡ ካብ ጌጉኡ ዘይማሃር ኣብዲ ስርዓት ህግደፍ ዘስዓቦ፡ ኣንፈቱ ዘጥፈአ፡ ኣብ ዉሻጢ ሃገር ከይኣክል፡ ንዉርምንኡ ዶቦታ ሰጊሩ፡ ዞባ ምስ ኣነዓዓበ ዝሳዓበ ዘይተርፍ ዝነበረ መግናሕቲ እዩ።

እዚ ንጌግኡ ብጌጋ ክእርም ዝጽዕር ስርዓት እቲ ዝባሃል ዘሎ ክስታት ኣይወዓልክዎን እኳ እንተበለ፡ ንኻልእ ክመስሎ ይኽእል ይኸወን ነዓና ንኤርትራዉያን ግን ኣይጠፍኣናን እዩ። ከመሲ ባዓል ተስፋልደት ምስ ብጾቱ ኣብ ኮምብሽታቶ ወይ ፎርቶ(እንዳ ዜና) ኣይኮኑን ተማሪኾም። እቶም ስምቀይሮም፡ ህዝቢ ዘይፈልጦም እሞ መሳርሒ ዝኾኑ ኣሕዋት ኣዲኦም ትቁጸሮም። እቲ ጠልቀፍቀፍ ብዙሕ መመኽነይታ ክዋሃቦ ይኽል ይኸዉን፡ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ግን ናይ ህወትን ንዋትን ተወሳኺ ጥፍኣት ተዘይ ኮይኑ ቅንጣብ ረብሓ ኣይነበሮን ክህልዎ ዉን ኣይክእልን።

ንወያነ ንምርካብዶ ንኣሜሪካ ንምድጋም ዝባሃል ንዓሻ ይመስሎ ዓዘፍዘፍ ሃንደስቱ ከይተረፈ ዓቅሊ ጽበታዊ ፈተነ ተዘይኮይኑ ዝርከቦ ፋይዳ ከምዘይነበረ ኣጸቢቆም ዝፈልጥዎ ሓቂ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኣንፈቱ ካብ ዝስሕት ልዕሊ 10 ዓመት ኮይኑ ዘሎ፡ ብናይ ኣእምሮ ጸገም ዝሳቀ ዘሎ ዉልቀ ሰብ ዝምራሕ ጉጅለ ምጽሓፍ ትፈልጥዎ ጽንጽዋይ ምድጋም ከይከዉን ይኣኽሎ።

ብሓጺሩ ወደን ከይሓንቃስ... ወያነዶ ኣሜሪካ፡ ብሓቂ ከምኤርትራዉያን ክንሓቶ ዝግባኣና ሕቶ ግን ስለምንታይ እቲ ብስም ሃገርን ህዝብን ዘሽካዕልል ዘሎ ጉጅለ፡ ነዚ ቀይድ በተኽ፡ ሃላሊ ኣካይዳ ብስቅታ ተዓዚብናዩ፡ ክሳብ ማዓስ ብስምና ክሽቀጥ እዩ? ሕሉፍ ሓሊፍናስ ድማ በጃኹም ነዚ ልጓሙ በቲኹ ዝዕንድር ዘሎ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝእግዶ ልዕሊ 10 ዓመት ገይሩ ዘሎ ጉጅለ ኣይትኣግዱ ክንብል። ወዮ ኣጋዲ ተረኺብዎ? ወዮ ህዝቢ ኤርትራ ዘራይ ረኺቡ!!!

ኣቱም ኣብዛ ብታሪኽ ብጸሊም ነጥቢ ኣብ ዝዝከር ዋዕላ ክትሳተፉ ትሓስቡ ዘለኹም ሰባት ደጊምኩም ሕሰቡ። እዚ እገዳ ነቲ ኣብ ረብሓ ሃገር ክዉዕል ዝግብኦ ዝነበረ ብዝተፈላለየ መኽንያት ዝተኣከበ ገንዘብን፡ ደቅኻ ኣህዲምካ ተባሂሉ ካብ ስድራቤታት ዝሰገረን ዝተረፈን ድኻ ዝተመንዘዐ ገንዘብ ስለዝደስከለ ንስኹም እንታይ ሓበጠኩም። መግለጺ ኤርትራዉነት ካን ክሕደት ህዝብኻን ስዉኣትካን ኮይኑ፡ ካብ ማዓስ እዩ ምስ ዓመጸኛታት፡ ረገጽቲ ፍትሕን፡ መጥፋእቲ ሃገርን ምድኻር ኮይኑ ኤርትራዉነት???

ልክዕ እዩ፡ ካብ ሃገር ምስ ረሓቕካ ናፍቆትን ሃገርካን ህዝብኻን ዘንቀሎ ጽቡቅ ተዘይኮይኑ ክፉእ ክሰምዕ ኣይትደልን። ካብ ሃገር ምርሓቅ ልቢ ምርሓቅ ክኸዉን ኣይግብኦን። እስኪ ናብ ሃገር ምልስ ኢልና ንተዓዘብ፡ ነተን ሓሮሮ ቡን ስኢነን የዕንተን ዝቖለዐ ኣዴታት፡ ዝሕግዞም ስኢኖም ኣብ ገበላ ዝተኾርመዩ ኣቦታት፡ ዝናብዮም ዝሳኣኑ ዝጠምዩን ዝዓረቁን ህጻናት ነስተዉዕል። ንስኻትኩም ብብዝሒ ዓይነታት ተልዕልዎ ናብ ዝጠፍኣኩም ሱፐር ማርኬታት ክትኣትዉ ንሳቶም ግን ባኒ ሓሪምዎም ብጥምየት ይሳቀዩ ኣለዉ። ኣብ ሃገርና ዘሎ ሽግር መሰረታዊ ሃለኽቲ፡ ኣብታ መንግስቲ የብላን ትብሃል ሶማል እኳ ኣይተራእየን።

ጉዳይ ኤርትራዉያን ካብ ፖለቲካዊ ናብ ሰብኣዊ ጉዳያት ካብ ዝሳገር ነዊሕ ኮይኑ። ሎሚ ኣብ ሃገርና ከምቲ ኣብ ኣስመራ ብሰፊሑ ዝዝረበሉ ኢንፍጅን፡ ማለት ካብ ወጻኢ ዝርከብ ሓገዝ ዘይብሉ ሰብ፡ ከመይ ዝበለ ጥምየትን መከራን የሕልፍ ከምዘሎ ከነስተብህል ይግባእ። ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ህዝቢ እተን ትነብሩለን ዘለኹም ሃገራት መሰል ሰብ ወዲኡ መሰል እንስሳ ይጣበቅ ኣሎ፡ ኤርትራዊ ግን ይቅተል፡ ይእሰር፡ ይጋፋዕ፡ ይስደድ፡ ዝጣበቀሉ ኮነ ዘእዉየሉ ግና የለን፡ ኤርትራዉነት ትሕቲ መሰል እንስሳ ድዩ ዝቁጸር??

እቶም ኣብ ስደት ግዜ ዝወሰድኩም፡ ንምድንጋር ኣብ ቀረባ ምዃንኩም ተገሚቱ፡ ሃገር ቁጠባኣ በረዉረዉ ኣንዳበለ፡ ኣብ ዓረብ ሳትን ካልእን ኣማኢት እሻሓት ዶላራት እና ተኸፍለ ብቲቪ ኤረ ዝማሓላለፍ ጎስጋስ ንምዕዋንኩም ዝዓለመ እምበር፡ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዘሎስ፡ እቲ ሓቅታት ስለዝፈልጦ መደብ ህጻናት ርእዩ’ዩ ቲቪ ኤረ ዘጥፍኣ። ናጀራዉያን ክምስሉ፡ ብቀትሪ እንቁርዖብ ተርኢኻ ብድሕሪኣ ሓደጋ(ተመን) ከምዘሎ ኣረጋግጽ ከምዝብልዎ፡ ሃገሩ ተትጥዕሞ እዚ ብስደት ክብሪ ወሰን ሒዙ ዘሎ መንእሰይ ብኣፍ መላጸ ሓሊፉ ኣይምተሰደን ኔሩ። እቶም ንገለ እዋና ረብሓታት ማለት መሬት ይኹን ካልእ ረብሓታት ንምርካብ ኢልኩም ተጣቕዑ ዘለኹም እሞ፡ ብሓቂ ዓያሹ ኢኹም፡ ጽባሕ ደቂ ሓዋቦኹም ኣብ በረኻታት እንከለዉ ትማስሕዎ ዘለኹም መሬት፡ ብሰላም’ዶ ትሰፍርዎ ትኾኑ? ላም ሓደ ጎና ሰቢሓ እቲ ሓደ ኣይዓብርን እዩ፡ በይንኹም ምስባሕ፡ ጽባሕ ንሪኦ?

እምባኣር ሓሳበይ ክድምድም፡ እዚ እገዳ ንህዝቢ ኤርትራ፡ እግዚኣቢሄር ኣዉያቱን ምህለልኡን ሰሚዕሉ ምባል ይሓይሽ፡ ከመይ ህዝቢ ካብ ዝእገድ ቀሊል ኣይኮነን፡ ሕጂ ድማ ኣጽዋር ተተረፈ፡ እቶም ንክትመርሖም እኳ ንጋዳ ጉጅለ ካብ መገሻ ተተሓረሙ ደይ ናብ ከምቀዛፍን፡ ኢራንን፡ ግብረ ሽበራዉያንን ሶማልን ተዘይኮይኑ ናብይ ክገሹ ተራእዩም ኮፍ ተበሉ እኳ ይሓይሽ። እቲ ዝድስክል ገንዘብ ድማ፡ ድሓን ብስም መቅርቦም ዘመዝገብዎ ይኣኽሎም ህዝቢ ኤርትራ ግን ኣይነበሮ ኣይጠፍኦ። ስለዚ ኤርትራዊ እየ፡ ስቃይን ወጽዓ ህዝበይን መጻኢ ሃገረይን የገድሰኒ ትብል ተኾንካ፡ ካብዚ ወድኽ ደኽ ብኣካል ኮነ ሕልና ተወገድ፡ ነገሩ ኣሓ ምስ ሓራዲአን ማይ ይሰትያ ስለዝኾነ። ኣጋዲ ተተኣገደ፡ እንታይ ገደሰካ ዘዉደ???

ዓወት ንፈተዉቲ ፍትሒ!!!

ካብ ኤርትራዊ ብሕልና


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...