ገበተ ዝብል ቃል ትግሪኛ ነታ ዲክታቶር እትብል ናይ ወጻኢ-ቃል ጽቡቕ ገይራ ኢያ ትገልጻ። ብሓጺር ኣገላልጻ ገበተ ማለት ንኩሉ ናተይ ዝብል ስሱዕ ኢያ ተመልክት፤ ስለዚ ኣብዛ ጽሕፍተይ ነቲ ልሙድ ኣበሃህላ ዲክታቶር ትትክእ።

„መኸተ ንምንዋሕ ዕድመ ገበተ“ ብዝብል ኣርእስቲ ንክጽሕፍ ቀንዲ ዘተሓሳሰበኒ ምኽንያት በዚ ብገባቲ ስርዓተ-ኢሳያስ ንሕዝቢ ንምድንጋር ዝግበር ዘሎ ናይ ፕሮፖጋንዳ ዘመተ ኣንጻር እዚ ናይ ዓለም ናይ እገዳ ብይን ፡ ግበረ መልሲ ንምሃብ ኢዩ፡፡

እተን በዘይካ ቃለ-ኢሳያስ ካልእ ዘየመሓላልፋ መራኸቢ-ውሑዳት ተለቪጅኖምን ራድዮታቶምን ከጉራዓ ጀሚረን ኣለዋ። ቀንዲ ናይ ፕሮፖጋንደአን ዘመተ ንዓለም ከም ናይ ኣመሪካ ግዝኣት ገቢርካ ብምቕራብ፤ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ድማ  ከም ናይ ኣመሪካ መሳርሒ: ኣመሪካ ዝበለተን ጥራይ ኣብ ግበሪ ከምዝትርጉማ ገቢርካ ምርኣይ ኢዩ። ገባቲ ስርዓት ኢሳያስ ክኣ እቲ ሓደ ንርትዕን ፍትሕን ዝቃለስ ስርዓት ገቢርካ ንምርኣይን እውን ኢዩ። ሎሚ በዚ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ሰሚዑ ዝዳናገር እንተሃሊዩ ግን ከምቲ „ብግዜ ውቤ ዝጸመመስ ውቤ ክብል ሞተ“ ዝተባህለ፤ እዚ ብግዜ ኢሳያስ ዝጸመመ ክኣ ኢሳያስ እናበለ ክመውት ኢዩ ማለት ኢዩ።

ሎሚ ግዜ ገባቲ ስርዓት ኢሳያስ ግብሩ ተፈሊጡን: ተኸሺሑን ብዘይካ ንዕኡ ዝመስላ ሓደ ክልተ ሃገራት፣ ካብ ምሉእ ዓለም ተነጺሉ ኢዩ።

ገባቲ ስርዓት ኢሳያስ ነዚ ዓለም ለኻዊ እገዳ ደልዩን ሓሲቡን ዘምጽኦ እገዳ ኢዩ በሃላይ ኢየ፤ ምኽንያቱ እዚ ገባቲ ስርዓት እዚ ብሃገራዊ ይኹን ብኣህግራዊ ሕግታት ተቐይዱ ክኸይድ ድሌት የብሉን። ገባቲ ስርዓት ኢሳያስ መዋእሉ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ምስራሕ ኢዩ ለሚዱ፤ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ንዕኡ ሕማም ርእሲ ኢዩ። ዘይሕጋዊ ስርሓትን ተግባራትን ከም ቀንዲ መናዊሒ ስልጣኑን ከም ቀንዲ ምንጪ መእተዊ ገንዘቡን ኢዩ ዝሪኦ።

ንገባቲ ስርዓት ኢሳያስ ዓለም ብዙሕ ተዓጊሳቶን፡ ተጸቢያቶን: ኣጠንቂቓቶን፡ ብዙሕ ዕድላት እውን ሂባቶን ኢያ። ገባቲ ስርዓት ኢሳያስ ግን ካብቲ ስርሓይ ኢሉ ተታሓሒዝዎ ዘሎ ዘይሕጋዊ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ህዝብናን፡ ጎረባቢቲ ሃገራትን፡ ዓለምን፡ ምእራም ከም ሓመድ-ድበ ገባቲ ስርዓቱ ገይሩ ስለ ዝሪኦ፤ ካብ ናብ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ምምላስ፤ ካብ ዓለም ምንጻል መሪጹ ኣሎ።

ኣሰር ናይ ኪም ደዩን ናይ ሰሜን ኮረያ መራሒ ኢዩ ዝኽተል ዘሎ። እቲ እገዳውን እንተኾነ ገባቲ ስርዓት ሕጊ-ግደፍ ቀደም ባዕሉ ኢዩ ጀሚርዎ፡ ንኣብነት ንምጥቃስ፥
  • እገዳ ገባቲ ስርዓት ሕጊግደፍ ኣብ ልዕሊ ዓለም ለኻውያን ማሕበራትን ትካላትን
  • እገዳ ኣብ ልዕሊ ዘይመንግስታውያን ናይ ረድአት ማሕበራት (NGO)
  • እገዳን ምስጓጉን ናይ ዓለም ናይ ሰላም ሰራዊት
  • እገዳ ኣብ ልዕሊ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ረድኤት ማሕበራት
  • እገዳ ኣብ ልዕሊ ናይ ሃይማኖት ማሕበራትን ትካላትን
  • እገዳ ናጻ ምንቅስቓስ ኣብ ልዕሊ ናይ ወጻኢ ኤምባስታትን ጋዜጠኛታትን ወጻእተኛታት በጻሕትን
  • እገዳን ምውራስን ናይ ወጻእተኛታት ንብረት ወዘተ……..

እገዳ ገባቲ ስርዓት ሕጊ-ግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና

  •  እገዳ ቅዋም ሕዝቢ ኤርትራ
  • እገዳ ስርዐተ ሕጊ እንዳባ
  • እገዳ መሰል እሱራት
  • እገዳ ናጻ ፖሊቲካዊ ምንቅስቃስ ኣብ ኤርትራ
  • እገዳ መሬት ሕዝቢ ኤርትራ
  • እገዳ ናጻ እምነት
  • እገዳ ናጻ ምንቅስቓስ ሕዝቢ ኤርትራ
  • እገዳ ንናይ ፖሊቲካ እሱራት ምብጻሕ
  • እገዳ መንእሰያት ንከይመሃሩን ናጻ ዜጋታት ኮይኖም ከይሰረሑ ብስም ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተጸሚዶም
  • እገዳ ኣብ ቃሕ ዝበለካ ቦታ ናይ ምንባር
  • እገዳ መሰል ወለዲ ኣብ ልዕሊ ደቆም
  • እገዳ ሰላማዊ ሰልፊ
  • እገዳ ናጻ ፖሊቲካዊ ርእይቶኻ ምግላጽ
  • እገዳ ተቓወምቲ ሰባትን ውድባትን ሃገሮምን ቤተሰቦምን ንኸይበጽሑ  ወዘተ…..

ሎሚ ናይዚ ገባቲ-ስርዓት ሕጊ-ግደፍ ኢሰብኣዊ ዝኾነ ኣሳራርሓ ዘይፈልጥ ኣሎ ኢለ ኣይግምትን ግን ከምቲ ምስላ ኣበው ዝብሎ „ፈሊጡ ዝደቀሰስ ሓርማዝ ነይንቕንቖ“ ዝበሃል፤ እቶም ብዝተፈላለየ ረብሓ፡ ብዕሽነት፡ ብወገንነት: ተታሊልኩም ጌና ምስ ሕጊ-ግደፍ እተጣቕዑ ዘሎኹም ካብቲ ፈሊጥኩም ደቂስኩሞ ዘሎኹም ድቃስ ክትባራብሩ ኣምላኽ ይሓግዝኩም::

እንተ እዚ ገባትን ሕጊ ኣልቦን ዝኾነ ስርዓት ግን ብሕዝብናን፡ ብኩለን ኣብ ኣካባቢና ዝርከባ ሃገራትን፡ ብምሉእ ኣፍሪቃን፡ ብምሉእ ዓለም ተኾኒኑ እገዳ ተበይንሉ ኣሎ። ዘይረብሕ ሕጊ-ኣልቦ ዝኾነ ስርዓት ምዃኑ ካብዚ ዝዓቢ መረጋገጺ የለን።

ስለዚ ነዚ ገባቲ ስርዓት እዚ ንምደሓን ሰላማዊ ሰልፍን ካልእ ምንቅስቃሳትን ንምግባር ላዕልን ታሕትን እትብሉ ዘሎኹም ዳግመ ግምት እንተትገብሩ ምሓሸ፤ እንተዘይኮይኑ ግን ውዒልኩም ሓዲርኩም ምስዚ ገባቲ ስርዓት´ዚ ኣብ ናይ ታሪኽ ጎሓፍ ክትድርበዩ ምዃንኩም ኣይትዘንገዑ።
 
ውድቀት ንገባቲ ስርዓት
ዓወት ንጩቁን ህዝብና


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...