እዚ ኣብ መበል 12 ዓመት ኣገልግሎት ኣዝማሪኖ ዳግመ ምፍጣረይ ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም ብኽብሪ ዝተሰውኡ እውን ሞሳኦምን ዓስቦምን ዝዝከረላ ዕለት ገይረ እወስዳ። ዝሓለፉ ጀጋኑና ድምጾም ዘይተሰምዓሉ ከብቅዕ ቦለኽ ዝበለት ድምጺ ኣዝማሪኖ፣ በቲ ካልእ ድማ እቲ ህልው ኤርትራዊ ህዝቢ ኣብ ከርሲ ሃገሩ ተዓቢሱን ሃጢሙን ኣሎ እሞ ጸሓይና መሊኣ ክትበርቕ ዘበርብር ጸዳል ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ኣዝማሪኖ ዓዋተ ድምጸን ብምዝርጋሕ ነታ ክትጠፍእ ዝተሓንጸጸት ጸሓይ ኤርትራ ብርሃና ኮይነን ኣገልጊለናኣ እየን እሞ ዓዋተ እውን በዚ ሕጂ ንኣዝማሪኖ ተዋሂቡ ዘሎ ዓስቢ ኣገልግሎታ ተሞጒሳ ናታ ኣገልግሎት ጽባሕ ትስለምን ትምጎስን። ዓዋተ ሞሳኣ ኣብ ልቢ ነፍስ-ወከም ከም ዘሎ ክገልጽ እፈቱ።

ናይ ኣዝማሪኖ ኮነ ናይ ተስፋልደት ስልማት ነቲ ኣብ ዝሓለፋ 36 ዓመታት ዝሰመዓኒ ዝነበረ ጓሂ ክጸናናዓኒ ክኢሉ። እተን ክልተ ናይ ተቓውሞ ወብ.ሳይት ኣዝማሪኖን ዓወተን ሳልሰይቲ እውን መስከረም ከይዕበሳ ይፈርሕን ይስከፍን ነይረ። ሓሶትን ሸርሕን እኩይ ፍሕሶ ህግደፍ ስለ ዝፈልጦ ኣዝየ ኢየ ዘስተንትን ነይረ። እወ እተን ክልተ ነቲ ተደጋጋሚ ወራራት ሰጊረንኦ። እታ ሳልሰይቲ ግን ኣይግድን ተንበርኪኻ። ምስቲ ሕቡእን ምስጢራውን ዝካየድ ምዕናው ሃገርና ዝኽተል መስመር ህግደፍ ኮነ ናይ ውልቀ-ሰብ ሸርሒ ዘርዓደኒ ስክፍታታት ኣብ ዓዋተ ስሕት ኢለ ይጽሓፍ እምበር ንኣዝማሪኖ እንተ ብህግርና ወይ ብዕሽነት ክጽሕፍን ክሰድድን ኣይመደብኩን። እዚ እውን ንመርበብ ጸላኢና ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኣዝማሪኖ ክትፍንዎ ትኽእል ሓሶትን መናፍሕን ንህዝብና ከይሃስዮ ዝብል ውልቃዊ ርእይቶይ ነይሩ። ስክፍታተይ ብመዓልቱ ድማ ይግለጽ። ብዙሕ ጭቡጥ ጭብጥታትን መግለጺታትን እውን ኣብ ቦትኡ ኣሎ።  

ኣዝማሪኖ ምልክት ጽንዓትን ምልክት ቀጻልነትን ኢያ። ሓው ተስፋልደት መሓረና ድማ ንድምጺ ህዝቡ ከይዕበስ፣ ሃገር እውን ኣብ ቀጻሊ ጠለባት ህዝባዊ መሰልን ፍትሕን ጠለባ ከይሃስስ ዘበራበረ ንኹሉ ብድሆታት ዝሰገረ ሓያል ኤርትራዊ ወንን ፍቕሪ ሃገርን ዘለዎ ውላድ ህዝቢ ኢዩ። እዚ መግለጺ እዚ ካብ ኣያኻን ዝሕበን ተረፍ እቶም ዝሓለፉ ብጻይ መምህር ተስፉ ዘውደ ኢዩ። ዝተኸፍለ ይከፈል ዝብል ቀጻሊ ጥምጥም ሰጊርካስ ንኹሉ ዘበራብር ስልማት ከም ሓውልቲ ታሪኻውን ነባሪ ስለ ዝኾነ ንዓኻን ንስድራኻን ስላምን ቅሳነትን ነቲ ተፍቅሮ ህዝብኻ ድማ ካብዚ ዘለዎ ናይ ጸማት ዘበን ዘገላግል ድምጽኻን ድምጺ ኣስማሪኖን ኣይተሓባእ እብል። ነቶም ንኹሉ ተቓዋሚ ድምጺ ዘተባብዕ ተበግሶ ወሲዶም ድማ ነዚ ስልማት እዚ ተግባራዊ ዝገበሩ ሓጎሰይ ካብ ልቢ እገልጽ። ከም ኖበል ፕራይዝ በብዓመት ቀጽልዎ እብሎም። ምርቓይ ንኹሉኹም ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ድማ ይብጻሕኩም።

ቪቫ ኣዝማሪኖ።

ተስፉ ዘውደ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...