ኣነ ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ንኽጽሕፍ ዘገደደኒ ምኽንያት፡ ነታ፡ ብዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ ተጻሒፋ፡ ኣብ ሬድዮ ድምጺ መሰልና፡ ብመሮን ኢስቲፋኖአስ ዝተነበበት፡ „ዘይጎነጻዊ ኣግባብ ቃልስን መኸተ ኣንጻር ኤርትራዊ ምልክን“፡ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘለት  ጽሕፍቲ፡ ምስ ሰማዕክዋ፡ እቲ ትሕዝቶ ናይዛ ጽሕፍቲ እዚኣ፡ ኣብ ነንሕድሕዱ ዝጋጮን ሓሳባት ምዃኑ ክግንዘብ ምስ ካኣልኩ እዩ። ካብቲ ኩሉ ዝቀረበ ሓሳባት ብጣዕሚ ዝገረመኒ እንተሎ፡ ሓው ዶ/ር ዳንኤል፡ ኣብ 2ይ. ክፋል ጽሕፉ፡ ኣቀሚጥዋ ዘሎ ሓሳብ እያ። ንሳ ኻኣ፡ „(…) እቲ ዝርካቡ ናይ ቃልሲ ተበግሶታት፡ (…)፡ ናይ ስደት ቃልሲ ኢልካ እትገልጾ መኸተ ኢዩ (…)“፡ እያ ትብል። ኣነ ነዛ ሓሳብ’ዚኣ ምስ ሰማዕኩ፡ እዝነይ ክእምኖ ሰለዘይካኣልኩ፡ ካላኣይ ግዜ ክሰምዖ ተገደደኩ። ሓው ዶ/ር ዳንኤል፡ ነዚ ንስርዓት ውልቀ-መላኺ ኣሊኻ፡ ብዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካእ፡ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ከም ናይ ኣብ ስደት ዘለዉ ኤርትራውያን ቃልሲ ገይሩ ምቅራቡ፡ ብሓቂ እዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ኣብ መንጎ ሰርዓት ኢሳያስን ኣብ ስደት ዝነብር ኤርትራውን ዳኣ እምበር፡ ኣብ መንጎ ዓማጽን ታዓማጽን ኣይኮነን፡ ዝብል ዕግበት ከምዘለዎ እዩ ዘስምዕ። እሞ እዚ እንተ ኾይኑ እቲ ሓቀኛ ኣረዳድኣ ዶ/ር ዳንኤል፡ እዞም/ዘን ብሰንኪ ፖለቲካዊ ዕግበታቶም/ተን፡ ገለ ክቅንጸሉ/ላ እንከለዉ/ዋ፡ እቶም/ተን ዝበዝሑ/ሓ ካኣ ኣብ ቤት ማእሰርትታት ኤርትራ ፍትሓዊ ፍርዲ ስኢኖም/ነን ዝሳቀዩ/ያ ዘለዉ ደቂ ሃገር፡ ኣካል ናይዚ መኸተ’ዚ ኣንጻር ምልኪ ኣይኮኑን/ናን፡ ዝብል ዕግበት እዩ ዘለዎ፡ እንተተባሃለ ጌጋ ዶ ይኸውን ..? ብሕጽር ዝበለ ኣዘራርባ፡ ዶ/ር ዳንኤል፡ ነዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ደቂ ሃገር፡ ከም ኣብ መንጎ ስርዓት ኢሳያስን ኣብ ሰደት ዘሎ ኤርትራዊ ዳኣ እምበር፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ጨዀኒ ስርዓት (Tyranny) ሃገርና ከምዘይኮን ገይሩ እዩ ዝወስዶ፡ እንተበልኩ ተጋጊካ’ዶ ምበለኒ ..?ክቡር ሓው ዶ/ር ዳንኤል፡ ኣብ 1ይ ክፋል መእተዊ ጽሕፉ፡ „ብመሰል ደረጃ፡ ዝተዓመጸ ህዝቢ፣ ካልእ ኩሉ ኣማራጽታት ዝተነፍጎ ህዝቢ፡ ፖሎቲካዊ ኩነታት ዘፍቅደሉ እንተኾይኑ ዕጥቃዊ ቃልሰ ከካይድ ከምዝኽእል ዘከራኽር ኣይኮነን።“ ይብል። ሕጂ ኣብዚ ንኽቡር ሓው ዶ/ር ዳንኤል ዝቀርብ ሕቶ፤ ን-ኣብ ሃገርና ዘሎ ህዝብና፡ ኣንጻሩ ኲናት ዝኣወጀ፣ ሰብ ምዃኑ ፈንፊኑ፡ ደም ህዝብና ክመጺ፡ ናብ ተዂላ ተቀየረ፤ ሕጊ ፈንፊኑ ንህዝቢ ብዓመጽ ኣፈሙዝ ብረት፡ ብመገዲ ኣካላውን ስነ-ኣእምራውን ራዕደ-ሽበራ፡ ኣብ ትሕቲ ውልቀ ድልየታቱን ሕልምታቱን ከንበርክኽ፡ ዝመረጸ፤ ህዝብና ኣብ ህይወቱ ዘይራኣዮን ዘይተጸበዮን ጥልመት ከምዘጋጥሞ፣ ጸልማትን ጨካንን ህይወት ከምዘሕልፍ፣ ብዝተፈላለየ ናይ ጥፍኣት መንገድታት ከምዝጽንት፣ ካብ ኩሉ ካኣ ነታ ብመስዋእቲ 60.ሽሕ ብሉጻት ደቁ ዝመጽኤት ናጽነት መንዚዑ፡ ነታ ብ- „ነብሰ-ዕቀባ (Self-preservation)“ እትፍለጥ፡ ባህርያዊ ዝኾነት፡ ከም ዓለምለኻዊ ሕጊ እትፍለጥ፡ መሰረታዊት ሰብኣዊ መሰል (Right)፡ ኣብ ሓደጋ ከምእትወድቅ፡ ውሕስነት ከምዘይብላ፡ ገይሩ ዘሎ፤ እቲ፡ ስርዓት ውልቀ መላኺ ሃገርና፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና፡ ዝመረጾን ዝጥቀመሉ ዘሎን ፖሎቲካዊ ክውንነት እንዶ ኣይኮነን..? እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ „ፖለቲካዊ ኩነታት“ ህዝብና፡ ክቡር ሓው ዶ/ር ዳንኤል እኹል ኣይኮነን ባሃላይ እንተኾይኑ፡ ኤርትራዊ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ክፍቀደሉ ዝኽእል፡ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሰ ዘሎ „ፖለቲካዊ ኩነታት“ ንላዕሊ፡ እንታይ ከጋጥሞ ኣለዎ፡ ባሃላይ ኮን ይኸውን ..?

ክቡር ሓው ዶ/ር ዳንኤል፡ ኣብ ክለሳ ሓሳቡ (ብ-Theory) ክገልጽ እንከሎ፡ ሓደ ውጹዕ፡ „ኩሉ ኣማራጽታት ዝተነፍጎ፡ ህዝቢ፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ“፡ ከካይድ ከምዝኽእል፡ ዘየካትዕ ነጥቢ ምዃኑ፡ ይሕብር። እሞ’ኸ ዳኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ፡ ብሰንኪ እዚ ሰብ ምዃኑ ፈንፊኑ ናብ ተኲላ ዘተቀየረ ሰርዓት፡ ደሙ ዝምጸ፤ ኣብ ግዜ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘይራኣዮ፡ ብዝተዓጻጸፈ ወጽዓታትን ግፍዕታትን ዝግረፍ፣ ዘሎ፡ እዛ ብኽለሳ ሓሳብ (Theory) ዝቐረበት መሰል ውጹዓት፡ ኽጥቀመላ እንተዳኣ ኮይኑ፡ እቲ ድሕሪ ሕጂ ከጋጥሞ ዘለዎ ወጽዓታትን ግፍዕታትን ከመይ ክመስል ኣለዎ ..? ናዓይ ከም ዝርዳኣኒ፡ ወዲ-ሰብ ይኹን እንስሳ፡ ብባህርያቶም፡ እታ ልዕሊ ኩሉ ነገራት ዝጥምትዋ፣ ውሕስነታ ንምርግጋጽ፡ ኩሉ ዓቅሞም ዘፍቅደሎም ክገብሩ ተገድዶም፡ እዚ ብ-„ነብሰ-ዕቀባ (Self-preservation)“ እትፍለጥ „መሰል (Right)“ እያ። እንስሳ ይኹን ወዲ-ሰብ ሓድጊ ንኽገድፉ ድዮም፣ ዋላ ከም ደቂ-ሰብ መጠን፡ ሰሪሖም፣ ሓሪሶም፣ ነጊዶም፣ ተማሂሮም፣ ንኽነብሩ፡ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን መሰላት፡ እዛ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዋ መሰል ውሕሰነታ ክረጋገጽ ኣለዎ። ብፍላይ ካኣ ደቂ-ሰብ፡ ካብ ባህርያዊ ናብራ (State of nature)፡ ኲናት ነብሰ-ወከፍ ኣንጻር ነብስ-ወከፍ (war of every one against every one) ወጺኦም፡ ብመገዲ ቅዋምን ሕግን መሰረት፡ መንግስቲ ክተኽሉ ዘተገደዱ፡ እዛ ኣብ ህይወትን ሞትን ዝላዓለ ተራ እትጻወት፡ ባህርያውን ሕጋውን ዝኾነት መሰረታዊት „ነብሰ-ዕቀባ-መሰል (Selfpreservation Right) ውሕስነታ ንምርግጋጽ እዩ። ሰለዚ ዶ/ር ዳንኤል ኣብ ኣራዳድእኡ፡ እዚ ኣብ ሃገርና ደም ኤርትራዊ እንዳመጸየ ኣብ ሰልጣኑ ናይ ምብሓት መዋእል ዘረጋግጽ ዘሎ ስርዓት ቶዃሉ፡ ነዛ ናይ ህይወትን ሞትን ወሳኒ ተራ እትጻወት መሰረታዊት መሰል፡ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቅዋ እንከሎ፡ እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ህዝበና፡ „ብኽሳዱ ተረጊጹ፡ ምዕይ ክብለሉ ኣብ ዘይክእል ኩነታት“ ሰለዘሎ፡ ኢዮሱሳዊ ዝኾነ ኣግባብ ቃልሲ ከካይድ ኣለዎ፡ ባሃላይ ዶ’ኾን  ይኸውን…?

እዚ ኮይኑ እቲ ግን፡ ሓሳብ ዶ/ር ዳንኤል መሊሱ ዳኣ ተዋቂዑነ እምበር፡ ክርዳኣን’ስ ኣይካኣለን። ምኽንያቱ፤ ቀዳማይ፡ ነዛ ንህይወትን ሞትን ወሳኒ ተራ እትጻወት „መሰል - ነብሰ - ዕቀባ (Selfpreservation Right)“፡ ከም ናይ ሕጊ ምሁር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ከም ተመራማሪ ኣብ ሓፈሻዊ ሰብኣዊ መሰላት መጠን’ውን፡ ዝተሓተ ትርጉም ሂብዋ፡ ተብሂሉ ዝሕለፍ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሓሳቡ ከም እተረዳእክዎ፡ ኣብ ግምት’ውን ኣየእተዋን። ካብ ኩሉ ካኣ፡ እቲ ሓሳባት ዶ/ር ዳንኤል ንሕድሕዱ ከምዘይቃዶ ኮይኑ ዝተረዳኣኒ፡ ብቀዳማይ ሸነኽ፡ ኣብ 1ይ ክፋል ጽሕፉ፡ „(…) ዝታዓመጸ፣ ኩሉ ኣማራጽታት ዝተነፍጎ፣ ህዝቢ፡ (…) ዕጥቃዊ ቃልሲ ከከይድ (…)“፡ መሰሉ ምዃኑ ይሕብር፡ በቲ ካላኣይ ሸነኽ ካኣ፡ ኣብ 2ይን 5ይን ክፋል ጽሕፍ፡ እዚ ዝካየድ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ፡ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ስደት ዘሎ ኤርትራውን ኣብ መንጎ ስርዓት ኢሳያስን ከም ዝኾነ ገይሩ የቅርቦ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሉ ህዝባና ክዛረብ እንከሎ ካኣ፡ „ብኽሳዱ ተረጊጹ፡ ምዕይ ክብለሉ ኣብ ዘይክእል ኩነታት (…)“፡ ከምዘሎ ገይሩ ይሕብር። ሕጂ እቲ ኣብዚ ዝቀርብ ሕቶ፡ እታ ኣብ 1ይ ክፋል ሰፊራ ዘላ፡ „ዕጥቃዊ ቃልሲ“ እተፍቅድ መሰል፡ መልእክታ ናብ መን ዝዓለመት እያ ..? መልእክታ ናብቲ ኣብ ስደት ዘሎ ኤርትራዊ ዝዓለመት እንተኾይኑ፡ እዚ ኣብ ስደት ዘሎ ወዲ ሃገር ካብ ሰላማዊ ኣግባብ ቃልሲ ምክያድ ሓሊፉ፡ ብዝኮነ መለክዒ፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ከምዘይክእል ንኹሉ ርዱእ እዩ። መልእኽቲ ናይዛ መሰል „ዕጥቃዊ ቃልሲ“ እዚኣ፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ህዝቢ እዩ ትምልከት፡ ከይባሃል ካኣ፡ ክቡር ሓው ዶ/ር ዳንኤል፡ ብዛዕባ ኣብ ሃገር ዘሎ ህዝብና ክሕብር እንከሎ፡ „ብኽሳዱ ተረጊጹ፡ ምዕይ ክብለሉ ኣብ ዘይክእል ኩነታት ከም ዘሎ“፡ እሞ፡ ካብ ሰላማዊ ቃልሲ ኣግባብ ሓሊፉ ካሊእ ኣማራጭ፡ ከምዘየሎ፡ ገይሩ እዩ ዝምህር። ስለዚ፡ „(…)፡ ዝተዓመጸ ህዝቢ፣ ካልእ ኩሉ ኣማራጽታት ዝተነፍጎ ህዝቢ፡ ፖሎቲካዊ ኩነታት ዘፍቅደሉ እንተኾይኑ ዕጥቃዊ ቃልሰ ከካይድ ከምዝኽእል ዘከራኽር ኣይኮነን።“፡ ዝብል ኣስተምህሮ ምሃብ፡ እንታይ ትርጉም ኣለዎ …? ዝታዓመጸ፣ ኩሉ ኣማራጽታት ዝተነፈጎ፣ ህዝቢ፡ ምዕይ ከይብል፡ ብኽሳዱ ስለእተረገጸ፡ በጀካ ሰላማዊ ኣግባብ ቃልሲ ካሊእ ምርጫ፡ ከምዘይበሉ፡ ገርካ ምቅራብ፡ ገንሸላዊ ህይወት ዳኣ እዩ ከሕልፍ ዘለው እምበር፡ መሰል-ነብሰ-ዕቀባ (Selfpreservation Right) ከውሕስ ክካላኽል የብሉን ዝዓይነቱ ቛንቛ ምዝራብ፡ እቲ እብ ኤርትራ ክመጽእ ዝድለ ለውጢ፡ ኣብ ክንዲ መሰረታዊ፡ ጽገናዊ ልውጢ፡ ክኸውን ኣለዎ፡ ክባሃል ሰለዝተደለየ ዶ’ኾን ይኸውን ..?            

እታ ካብ ኩለን ሓሳባት ዶ/ር ዳንኤል ዘስደመመትኒ፡ እሞ ምስ ነብሰይ ከምዝዛረብ፡ ንድሕሪት ምልስ ኢለ፡ ታሪኽ ብረታዊ ቃልስና፡ ንናጽነትን ምርግጋጽ ልኡላውነት ሃገርና፡ ክፍትሽ ዘገደደትኒ፡ እታ ኣብ 5ይ. ክፋል ጽሕፉ ሰፊራ ዝነበረት፡ „ኣብ መጋባእያታት ዓለምን ኣብ ጸለውቲ ሃገራትን ኣብ ከምቲ ዝድለ ተሰማዕነት ክርከብ፡ (…)፡ ጥይትን ቦምባን የድሊ ድዩ ..?“፡ እትብል፡ ከም ሕቶ ዝቀረበት፡ ነጥቢ እያ። ኣብ ዝተኻየደ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልስና፡ ምስቲ ኩሉ ምረቱ፡ ዝነበረ ግጥምያ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዳኣ እምበር፡ ንኢትዮጵያውያን ንኽነዳኽም ይኹን፡ „ኣብ መጋባእያታት ዓለምን ጸለውቲ ሃገራትን (…) ዝድለ ተሰማዕነት ክረክብ“፡ ኣብ ኣሜርካን ኤሮጳን ሃገራት ዓረብን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሱዳን፡ ዝነብር ዝነበረ ኤርትራዊ ኣብ ዝኾነ ጽርግያታትን ኵርናዓትን ናይ ስደት ሃገራት፡ ቦምብታት ከቀምጥ ይኹን ጠያይቲ ክትኩስ ኣይተራኣየን ኣይተሰመዔን። ብሕጽር ዝበለ ኣዘራርባ፡ ብረታዊ ቃልስና ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዳኣ እዩ ነይሩ፡ እምበር፡ ኣብ ስደት ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ጽፉፍን ጽሩይን እዩ ነይሩ፡ እኳ’ዳኣ ዘዅርዕን ዘሕብንን ታሪኽ ቃልሲ እዩ ዘሎና፡ እንተበልኩ’ስ፡ ካብ ሓቂ ዝራሓቅኩ ኣይመስለንን። ኣብዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ እውን እንተኾነ፡ ኣራዳድኣ ናይዞም ኩለንተናዊ ኣግባብ ቃልሲ ዝመረጹ ደቂ ሃገር እንተፈቲሽናዮ፡ ብዝኾነ መምዘኒ ሓደ ሕልና ዘለዎ ሰብ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ኣሊኻ፡ ብዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክትካእ እንተኾይኑ፡ ኣብ ሃገራት ኤሮጳን ኣሜርካን ቦምባታት ኣንዳኣቐመጥካ፣ ጠያይቲ እንዳቶኮስካ፡ ጥራይ እዩ እዚ ለውጢ እዚ ክመጽእ ዝኽእል፡ ዝብል ዕግበት ከምዘይብሎም፡ ኩሉ እቲ ሓቀኛ ስእሊ ናይዚ ኣግባብ ቃልሲ’ዚ ዘለዎ ወዲ ሃገር ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ክመጽእ፡ ጎንጻዊ ቃልሲ’ውን ክንጥቀም ኣሎና፡ ማለት፡ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳን ኣሜርካን ቦምብን ጠያይትን ምቅማጥ፡ ማለት ከምዘይኮነ፡ ክቡር ሓው ዶ/ር ዳንኤል ረዘነ’ውን ዝስሕቶ ኣይኮነን፡ ባሃላይ እየ። ስለዚ፡ ሓው ዶ/ር ዳንኤል፡ ካበየናይ ሎጂክ (Logic)፣ ካበየናይ ኤርትራዊ ተመክሮ፣ ካበየናይ ሓቂ፣ ተበጊሱ እዩ፡ ነዚ ብዝበዝሓ ውድባት\ሰልፍታት ተመሪጹ ዘሎ „ጎነጻዊ“ ዝባሃል ኣግባብ ቃልሲ፡ ከም ኣብ ጽርግያታትን ጐደናታትን ሃገራት ኣውሮጳን ኣሜርካን ቦምብን ጠያይትን ከም ምቅማጥ ማለት ከምዝኾነ፡ ገይሩ ክምህርን ከረድእን ዝፈተን ..? ዋላ’ስ ሓደ ሰብ፡ እቲ ንሱ ዝዓግበሉ ኣግባብ ቃልሲ ክምህርን ከረድእን እንተኮይኑ፡ ናይ ግድን ኣይኮነን ሓቂ ክጥቀመላ፡ ዝብል ተረድኦ ስለዘሎ እዩ ..?

ንኣብነት፡ ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ሃገርና፡ ብዙሓት ኣብ ስደት ዝነብሩ ደቂ ሃገር ኣለዉ፡ ንኩለንተናዊ ኣግባብ ቃልሲ፡ ዝመርጹ። እዞም ደቂ ሃገር እዚኣቶም ነዚ „ኩለንተናዊ“ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣግባብ ቃልሲ ክመርጽዎ እንከለዉ ግን፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ንዝካየድ ኣግባብ ቃልሲ፡ ኣንጻር ምልኪ፡ ብ-መሰረቱ (ብ-Princep) ስለዝድግፍዎን፡ ዕግበቶም ንሱ ስለዝኾነ እዩ። ሰለዚ፡ ነዚ ኣብ ስደት፡ ቃልሲ ኣንጻር ምልካዊ ሰርዓት፡ ዘካይድ ዘሎ ወዲ ሃገር፡ ብዕግበት ነዚ „ኩለንተናዊ ኣግባብ ቃልሲ“ ስለዝመረጸ፡ ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ዓለም ክፈልጦ፡ ኣብ ጽርግያታትን ጐደናታት ሃገራት ኣውሮጳን ኣመሪካን ቦምባታትን ጥያይትን እንዳኣቀመጥካ ኣይኮነን፡ ዝብል ማዕዳ ብሓው ዶ/ር ዳንኤል ክዋሃብ ዝተደለየ፡ በየናይ መለክዒ እዩ ..? ኩለንተናዊ ኣግባብ ቃልሲ ማለት፡ ናዓይ ከም ዝርዳኣኒ፡ ኢድ ንኢድ ጎንጻውን ሰላማውን ኣግባብ ቃልሲ ምክያድ ማለት እዩ። እዚ ኣግባብ ቃልሲ እዚ ኻኣ እቲ ሓቀኛ ክውንነት ስእሊ፡ ዝኻየድ ዘሎ ቃልሲ ኣንጻር ጨቛኒ ሰርዓት ሃገርና፡ ዝገልጽ እዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ኣብ ስደት ኾይኑ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ዝምክት ዘሎ ወዲ ሃገር፡ ካብ ሰላማዊ ኣግባብ ቃልሲ ሓሊፉ፡ ኣብ ጐደናታትን ጽርግያታትን ሃገራት ኤሮጳን ኣመርካን ቦምባታትን ጠያይትን ከቀምጥ ከምዘይክእል፡ ጥዕና ዘለዎ ኣራዳድኣ፡ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። እቲ „ብኽሳዱ ተረጊጹ፡ ምዕይ ክብለሉ ኣብ ዘይክእል ኩነታት ዘሎ“፡ ህዝብና ኣብ ሃገርና ኻኣ፡ ነዛ ብሰንኪ ሕሱምን ጨቛንን ስርዓት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ወዲቃ ዘላ፡ ኣብ ምቅጻል ህይወትን ወይ ካኣ ምጽናት ወሳኒ ተራ እትጻወት፡ መሰል-ነብስ-ዕቀባ (Selfpreservation Right)፡ ውሕስነታ ከረጋግጽ ጎነጽ ክጥቀም፡ ፍቃድ ካባይ ኣይኮነን ክጽበ፡ እንታይ ዳኣ፡ ክውንነት ከገድዶ እዩ። ስለዚ፡ ኣነ፡ እዚ ኣብ ስደት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቱ ተረጋጊጽሉ ኣብ ህይወት ዘጋይጽ ዘሎ ወዲ ሃገር፡ ንኣብ ሃገርና ዘሎ ህዝብና ዘይጎንጻዊ ቃልሲ ከካይድ ምእንቲ፡ ኩሉ ዝግበር ቅትለታትን ግፍዕታትን ኣብ ልዕሊ ዝባኑ፡ ክጻወሮ ኣለዎ፡ ዝብል ማዕዳ ከቅርብ እንተኾይነ፡ ዳርጋ „ዘይኩርምትኻ ጸጸር ቖርጥመሉ“፡ ሰለዘስምዕ፡ እዚ ከም ሓደ ትኽስ ዝበለ እሳተ-ጐሞራ (Volcanic) ኮይኑ ዘሎ ህዝብና፡ መሰል-ነብሰ-ዕቀባ (Selfpreservation Right) ከረጋግጽ፡ ሓደ ማዓልቲ ክትኵስ፣ ኩሉ ዓቅምታቱ ዘፍቅደሉ ኣግባብ ቃልሲ ክጥቀም፡ ኣነ ኣይኮንኩን ክፍቅደሉ፡ እንታይ ዳኣ ክውንነቱ ከገድዶ እዩ። ኣብ ስደት ዘሎ ወዲ ሃገር ካኣ ነዚ ሓቂ እዚ እዩ ዝድግፎ ዘሎ። 

እዘን ኣግባብ ቃልሰን፡ ኣንጻር ውልቀ-መላኺ ሃገርና፡ ጎንጻዊ ክኸውን ዝመረጻ ውድባትን/ሰልፍታትን እንተኾና እውን፡ ከም ኣካል ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ መጠን፡ ኣብ ሃገርና ዘሎ ህዝብና፡ ካብዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጮዃኒ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ክገላገል፣ መሰረታዊ ለውጢ ክመጽእ፣ እንተኾይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ኣቲና ክንቃለሶ ኣሎና፡ ዝብል ምርጫ ካብ ወሰዳ፡ እሞ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣግባብ ቃልሲ ክጥቀማ እንተኾይነን፡ „ፖለቲካዊ ኩነታት“፡ ከፍቅደለን ኣለዎ፡ ዝብል ምኽሪ ክዋሃብ ኣድላይ ኮይኑ ካብ ተረኸበ፡ መን እዩ፣ ማዓስ፡ ጎንጻዊ ኣግባብ ቃልሲ ከካይዳ፡ „ፖለቲካዊ ኩነታት“ ከምዘፍቅደለን ክሕብረን ..? ጎነጻዊ ኣግባብ ቃልሲ ከካይዳ፡ እቲ „ፖለቲካዊ ኩነታት“ ከፍቅደለን ኣለዎ ማለት’ከ፡ ብቀዳምነት እኹል ዕጥቂ፡ ከም መዳፍዕ፣ ታንክታት፣ ወዘተ.፡ ክውንና ኣለወን፡ ክባሃል ሰለዝተደልየ ዶኾን ይኸውን ..? እዘን ውድባትን/ሰልፍታትን ጎነጻዊ ቃልሲ ከካይዳ እንተኾይኑ፡ እኹል ዕጥቂ ክህልወን ኣለዎ፡ ዝብል እንንተኾይኑ እቲ ምኽሪ፡ እምባኣር ኣብ ኣጃማምራ ብረታዊ ቃልስና፡ ንናጽነትን ልኡላውነት ምርግጋጽ ኤርትራን፡ ስዉእ ማሓመድ ኢድሪስ ዓዋተ ምስ 7 ርእሱ 7 ጓንድየ (ጠበንጃ) ሒዙ ምውጽኡ ጌጋ እዩ ነይሩ፡ ዝብል ኣስተምህሮ ክዋሃብ ስለዝተደለየ እዩ፡ እንተበልኩ፡ ተጋጊኻ’ዶ ምተባሃልኩ ..? ናዓይ ከምዝርዳኣኒ፡ ሓደ ብባዕዳውያን ገዛእቲ ይኹን ብሕሱምን ጨካንን ስርዓት ወዲ ሃገር „ብኽሳዱ ተረጊጹ፡ ምዕይ ክብለሉ ኣብ ዘይክእል ኩነታት“ ዘሎ ህዝቢ፡ ህይወቱ ከድሕን፣ ነብሰ-ዕቀባ (Selfpreservation) ከውሕስን ከረጋግጽን፡ ነታ ዝናኣሰትን ዝጸበበትን ዕድል ተጠቂሙ፡ ነዚ ኽውሕጦ ኣፉ ገቲሩ ዘሎ ስርዓት ቶዃሉ፡ ብበትሪ ይኹን ብምሳር ወይ ብጠበንጃ፡ ክከላኸሎን ክገጥሞን፡ መሰሉ እዩ፡ ኢልካ ዝሕለፍ ሓቂ ጥራይ ዘይኮነ፡ ባህርያውን ተፈጥራዊን ግደታ ዳኣ እዩ እምበር፡ ካብ ከማይን ከምዚ ከማይን ዝኣመሰሉ ሓዋርያት፡ ዝፍቀደን ዝክልከልን መሰል ኣይኮነን፡ ዝብል ዕግበት እዩ ዘሎኒ።

ካብ ኩሉ ሓሳብ፡ ሓው ዶ/ር ዳንኤል ረዘነ፡ ዘስደመመትኒ ካኣ፡ እታ ኣብ 4ይ ክፋል ጽሕፉ ዝቀረበት፡ „ሎሚ ኣብ ዓለም እንዳገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኣድማሳዊ ተረድኦ’ውን ምስትብሃል ዘድልዮ ነገር እዩ። ዳርጋ ብምሉኡ ብረት ዓጢቑ ኣንጻር መንግስታት ዝቃለስ ፖለቲካዊ ሓይልታት ከም ግብረ-ሽበራ ተበግሶታት ኣብ ዝራኣየሉ እዋን፡ ነዚ መስመር’ዚ ምርዓም ዘኸትሎ ፖለቲካዊ ክሳራታት ካብቲ ክጭበጥ ዝሕለን ዓወታት ዝዛይድ እዩ“ እትብል ነጥቢ እያ። ኣብዛ ሓሳብ እዚኣ እኳ ብዙሕ ምትንታን ኣየድልየኒን እዩ። ምኽንያቱ፡ ሓው ዶ/ር ዳንኤል ነዛ ሓሳብ እዚኣ ክጥቀመላ ዝተገደደ፡ ብናተይ ግምት፡ ነቲ ቀንዲ ናቱ ከርሲ-ሓሳብ፡ ንኽትሕግዝ ተብሂሉ፡ ከም መቐናጀዊት ምኽንያት (argument) ዝቀረበት ኮይና እዩ ትርዳኣኒ። ካባኡ ዝተረፈ ግን፡ ኣብዛ ነጥቢ እዚኣ፡ ካብ ዘሎኒ ኣፍልቶ ተበጊሰ ክዛረብ እንተኾይነ፡ ጎነጻዊ ቃልሲ ዝጥቀም ዘበለ፡ ውጹዕ ህዝቢ፡ ኣብዚ እዋናት እዚ ጥራይ ዘይኮነ’ስ፡ ቅድሚ 1989ዓ.ም.ፈ ዝነበረ እዋናት፡ ዓለም ኣብ ክልተ ደንበ ተመቂላ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ፡ ብደንበ ርእሰ-ማላውያን ይኹን ኣብ ደንበ ደሳውያን፡ ከም „ግብረ-ሽበራ“ እዩ ዝውሰድ ነሩ። ብፍላይ ካኣ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ክልቲኡ ደንበ ዓርኪ ኣይነበሮን። እኳ ዳኣ ክልቲኡ ደንበ፡ እቲ ርእሰ-ማላዊ (ከም ባዓል ኣመሪካ) ይኹን እቲ ደሳዊ (ከም ባዓል ሩስያ) ኣብ ጽግዒ ኢትዮጵያ ኮይኖም፡ ኣብ ግዜ ስርዓት ሃይለስልሴ ይኹን፡ መንግስቱ ሃይለማርያም፡ ንብረታዊ ቃልስና ክሓቅቅ ወይ ክዳከም ይወቕዕዎ ነይሮም እዮም። ካም ባዓል መንግስቲ ካናዳ (Canada) ንኣብነት፡ ንሰውራ ኤርትራ ካብ ቀደም ኣትሒዙ ከም ግብረ-ሽበራ ኣብ መዝገብ ምስ ኣስፈሮ፡ ክሳብ ሕጂ ከምዘይደምሰሶ እዩ ዝፍለጥ። ዋሕስ ይኹን ናይ ዕጥቅን ስንቅን ምንጪ ሰውራ ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ኣብቲ እዋናት እቲ፡ ዓለም ንጎነጻዊ ኣግባብ ቃልሲ ከም „ግብረ-ሽበራ“ ትርእዮ ካብ ነበረት፡ እዚ ናይ ሒጂ ኣረዳድኣ ዓለም ኣብ ጎነጻዊ ኣግባብ ቃልሲ፡ ካብቲ ናይ ቀደም ብምንታይ ይፍለ ..? እዚ ኾይኑ እቲ ግነ፡ ኣነ ኣብዚ፡ ዶ/ር ዳንኤል ነዛ ምኽንያት እዚኣ ምቅራቡ፡ ሓቀኛ ታሪኽ፡ ዓለም ዝነበራ ኣጣማምታ ኣብ ልዕሊ ሰውራ ኤርትራ፡ ተመሊሱ ክፍትሾ ቁሩብ ስለዘይነበረ እዩ እምበር፡ ጠፊእዎ ኣይኮነን፡ ዝብል ግምት ስለዘሎኒ፡ ነዛ ሓሳብ እዚኣ ኣብዚ ይድምድማ።

ኣብ መጨረሻ ኣነ ከቅርባ ዝደሊ ነጥቢ፡ ዶ/ር ዳንኤል ኣብ 5ይ ክፋል ጽሕፍቱ ዘቅረባ ሓሳብ እያ። ንሳ ኻኣ፣ „ብኸመይ ዝበለ ታኣምር ካብ ኣመሪካን ኤሮጳን ካሊእ ክፋላት ዓለም ተላዒሉ ብረት ክሕንገጥ ንጽበዮ፡ (…) ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሎ (…) መንኣአይ ኩሉ (…) ኣብ ውሑስ ቦታታት ክበጽሕ ሃረርታን ሕልምን ዘለዎ ዳኣ እምበር፡ ተጠውዩ ብረት ተሓንጊጡ ክዋጋእ ቅሩብነት ዘለዎ ኢዩ ኢለ ክኣምን ብወገነይ ኣዚዩ ይኸብደኒ።“ እያ ትብል። ኣብዚ ሓሳብ እዚ ኣነ ምስ ዶ/ር ዳንኤል እሳማማዕ። ኣይኮነን ዶ ኣብዚ እዋናት እዚ፡ ኣብቲ ግዜ፡ ሰውራ ኤርትራ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ዝራባረበሉ ዝነበረ እውን’ውን እንተኾነ፡ ካብ ቃልሲ ንስደት መሪጹ፡ ናብ ሱዳን፣ ሃገራት ዓረብ፣ ከምኡ’ውን ናብ ኤሮጳን ኣመሪካን፣ ዘንቀደ ኤርትራዊ፡ ካብ ስደት ተመሊሱ፣ ብረት ተሓንጊጡ ክዋጋእ ትጽቢት ይግበረሉ ከምዘይነበረ፡ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ንኣብነት፣ ኣብ ኣጀማምራ ብረታዊ ቃልስና ኣብ 1961ዓ.ም.ፈ፡ ምልስ ኢልና እንተ ፈቲሽና እውን፡ ኣብቲ እዋናት እቲ፡ ኣብ ስደት ኮይኖም፡ ንኣብነት ከም ባዓል ወልዳኣብ ወልደማርያም፡ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ዝቃለሱ ኤርትራውያን ነይሮም እዮም፡ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ግን በቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነበረ ህዝብና እዩ ተፈጢሩ። ብረት ታሓንጊጡ፣ ሰውርኡ ኣሔይሉ፡ ንብረትዊ ቃልሲ ኤርትራ፡ ዓወት ከም ዝጓናጸፍ ዝገበረ ኻኣ፡ እቲ ኣብ ውሽጥ ኤርትራ ዝነበረ ህዝብና ከምዝኾነ፡ ከዛኻኽሮ እፈቱ። እዚ ክብል እንከለኩ ግን፡ ካብ ስደት መጺኡ፡ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ብረት ዝታሓንገጠ ኤርትራዊ ኣይነበረን፡ ማለተይ ኣይኮነን። እወ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን፡ ብኣጻብዕቲ ዝቑጸሩ ደቂ ሃገር፡ ካብ ስደት ተመሊሶም ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ይካፈሉ ነሮም እዮም። ኣብ ስደት ዝነበረ ወዲ ሃገር ዓቅሙ ዘፍቅደሉ ሓገዛት የወፊ ከምዝነበረ’ውን፡ ነዚ ሓቂ እዚ ክሰግሮ ሕልናይ ኣይገብረለይን።

ግደ ሓቂ ክንዛረብ እንተኾይኑ ግን፡ ዕጥቃዊ (ብረታዊ) ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከምዝጀመረ፣ እቲ ዝላዓለን ዝዓበየን ተስፍኡ ካኣ፡ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነበረ ህዝቡ ከምዝነበረ፣ ብተኻፋልነትን ጻዕርን ሓይልን ናይቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነበር ህዝብና ኻኣ፡ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም እታዓወተ፡ ታሪኽ ብረታዊ ቃልስና ኤርትራ፡ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ስለዚ፡ እዞም ከማይን ከም ሓው ዶ/ር ዳንኤልን ኣብ ስደት፡ (ኣብ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ኤሮጳ ኣመሪካ) ዘሎና ደቂ ሃገር፡ ብረት ክንሕንገጥ፣ ክንጓነጽ ስለዘይደለና፡ እዚ ኣብ ሃገርና፡ ብሰንኪ ሕሱምን ጨካንን ስርዓት ውልቀ-መላኺ፡ „ብኽሳዱ ተረጊጹ፡ ምዕይ ክብለሉ ኣብ ዘይክእል ኩነታት ዘሎ“፣ እስትንፋስ ከምዝሓጽሮ ዝተገብረ ህዝብና፡ ነዚ „ጎነጻዊ“ ተብሂሉ ዝጽዋዕ ኣግባብ ቃልሲ ኣይከበግስን እዩ፡ ኣብ ዝብል መደምደምታ’ዶ ከብጽሕ የኽእል እዩ ..? ካብ ስነ-ፍልጠት ተበጊሰ ኣነ ክዛረብ እንተኾይነ ኻኣ፡ ወዲ-ሰብ ጎነጻዊ ኣግባብ ቃልሲ ከካይድ ዝግደድ፡ ብፍላይ ካኣ ሓደ ብጨካን ስርዓት ዝግረፍን ዝረግፍን፣ ብድርብ ወጽዓ ዝሳቀ ዘሎ ህዝቢ፣ ወልፊ ወይ’ውን ባህሊ ናይ ምቅትታል ስለዝጸንሖን ዘለዎን ኣይኾነን፡ እንታይ ዳኣ፡ ነታ „ነብሰ-ዕቀባ (Selfpreservation)“ ተብሂላ እትጽዋዕ፡ ባህርያውን ተፈጥራውን ዝኾነት፣ ናይ ህይወትን ቀጻልነትን፣ እተረጋግጽ መሰረታዊት „መሰል“፡ ንምክልኻልን ምውሓስን እዩ። እምባኣር ከምዚ ዝኣመሰለ ሓቅታት ኣብ ጎድኒ ገድፍካ፡ ነቶም ንጎነጻዊ ይኹን ኩለንተናዊ ኣግባብ ቃልሲ ዘመረጹ ደቂ ሃገር፡ „ናይ ኣራዳድኣ ጸገም“፡ ከምዘለዎም ገርካ ምቅራብ ምፍታን፡ ነቲ እዞም ደቂ ሃገር እዚኣቶም ዘለዎም ፍልጠት (Intelligent)፣ ተመክሮ ከምኡ’ውን ኣታሓሳስባ፣ ኣብ ዝታሓተ ደረጃ ከምምቅማጥ፣ ብጣዕሚ ድሑር ደረጃ ጭውነት (very primitiv) ከምዘለዎም፣ ገርካ ምቅራብ ስለዝተደለየ እዩ፡ ዶ ኣየስምዕን ..?

እዚ ኾይኑ እቲ ግን፡ ሓሳበይ ቅድሚ ምዝዛመይ፡ ኣብዚ ሕጽር ዝበለ መታሓሳሰቢ ከቀምጥ ይመርጽ። ኣነ ነዚ ሓሳብ እዚ ክጽሕፍ ዘገደደኒ ምኽንያት፡ ክቡር ሓው ዶ/ር ዳንኤል ዘቀመጦ ሓሳብ ስለዘይተቀበልክዎ፣ ኣብ ንሕድሕዱ ዝጋጮ፣ ኮይኑ ስለዝተረዳኣኒ እምበር፡ ንጎነጻዊ ኣግባብ ቃልሲ ዝመረጸ ውድብ/ሰልፊ ከሕጉስ፡ ንሰላማዊ ኣግባብ ቃልሲ ዝመረጸ ካኣ ክነቅፍ ኣይኮነን። ኣነ ዝመርጾ ኣግባብ ቃልሲ ጎነጻዊ ወይ’ውን ሰላማዊ ዝብል ኣይኮነን፡ እንታይ ዳኣ፡ ከምቲ ሓው ዶ/ር ዳንኤል ኣብ ገለ ሓሳቡ ኣቀሚጥዎ ዘሎ፡ እቶም ኣብ ስደት ዘለና ደቂ ሃገር፡ ብቀዳምነት ኣድማዒ ቃልሲ ኣንጻር ስርዓት ውልቀ-መላኺ ክነካይድ፡ ንኹላትና ብሓባር ከዋሳኣና ዝኽእል ናይ መቃለሲ ባይታ ክንፈጥር ኣሎና፡ ነዚ ምስ ፈጠርና ካኣ፡ በየናይ ኣግባብ ቃልሲ ንምልካዊ ስርዓት ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምክቶ፡ ክንውስን ዘሎና፡ ዝብል ዕግበት እዩ ዘሎኒ። እንዳበልኩ ሓሳበይ ኣብዚ ያዓጹ።

ክብርን ዝክርን ምስጋናን ንስዉኣትና
ዓወት ነቲ ዝተጠለመን ድርብ ጭቖና ዘሕልፍ ዘሎ ህዝብና 
ዓወት ነቲ ንስርዓት ውልቀ-መላኺ ብስርዓት ዲሞክራሲ ክትክእ ዝቃለስ ዘሎ ወዲ ሃገር
ውድቀት ንጠላም ሕድሪ ስዉኣት ስርዓት ኢሳያሱን ኣፍወርቅን ጭፍርኡን 
ካብ ኣስፋሃ ተስፋሚካኤል (ሃገር ጀርመን) 03. 09. 2009  


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...