ሰላም ንኹሎም ደለይቲ ለውጥን ሰላምን ፍትሕን ደቂ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ስደትን ኣቀዲመ በቲ ንውልቀ መላኺን  ሰዓብቱን ዘባህረረ ወረ ሕማሙን ሞቱን ከም መሸቀጢ ክጥቀሙሉ ዘገደድኩሞም ኣገናዕ! ክብለኩም እፈቱ ወልቀ መላኽን ኤረ-ቲቪን ክጻወትዎ ዝሃቀኑ ንተቃወምትን ደለይቲ ፍትሕን ራህዋን ሰላምን ከም ሓሰውትን ደለይቲ ጉድኣት ሃገርን ህዝብን ኣምሲሉ ንምቅራብን ንምድሃልን ንምጽላምን ዝተዛረቦን ዝበሎን ኩላትና ተኸታቲልናዮ ኢና፡ ግን ውልቀ መላኺ ዘይተረድኦ ነገር እንተሎ ህዝቢ ኤርትራ ብልቡ ጸሊእዎን ፈንፊንዎ ከም ዘሎ ደይ ምእማኑ ኢዩ። ብኣንጻሩ 'ኳ ደኣ ከምቲ ዓረብ ዝብልዎ (እንቀለብ ኣስ'ሕር ዓላ ኣሳ'ሕ'ር) ወዮ ተግባር ጠንቋላይ ናብ ነብሱ ተመሊሱ ።

ኣነ ኣይሓመምኩን! ኣነ ዕድለኛ ኢየ! ወይ ጉድ! ኣንቱም ሰባት ነዚ ዘረባ ዝበለ ፕረሲደንት ናይ ሃገረ ኤርትራ ኢዩ ያኢ! እዝስ ኣሽምባይዶ ፕረሲደንት ናይ ሃገር ኢየ በሃሊ ተራ ሰብ'ኳ እንተበሎ ኣይፋልካን! እዝስ ሃየንታ' ዩ ከምኡ ኣይባሃልን'ዩ ሕማም ከእ ንኹልና ሓደ ኢዩ ዕድለኛን ዘይዕድለኛን የብሉን ኢልካ ትመዕዶን ትመኽሮን ወይ ከኣ ትገንሖ፤ እቲ መስደምም እዞም ወረ ዝነዝሑ ናይ ኢንተርነትን ዘመናዊ መራኸቢታትን ተኽእሎ ኣለዎም ኢሉ ምእማኑ ንገዛእ  ርእሱ ናይ ሕማም ምልክት ምዃኑ ምዝንጋዕ ኢዩ: ውልቀ መላኺ ብጌጋ ዘይ ጥርጠር ፍጡር ጌሮም ዘቅርብዎ መጣቃዕቲ ውሑዳት ኣይኮኑን ግን ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ ሕማሙን ሞቱን ወረ ዝነፈሰለን ቅንያት ቅድሜና ክጸርፍዎን ከላግጹሉን ቀንዮም።

ወዮ ንሱን ዕሱባቱን ዝሓሰብዎ ተንኮልን ንካልኦት ዝደፈንዎ መድፈናን መጻወድያን ባዕሎም ዳኣ ወዲቆሞ ግና ከምቲ(ተረቲዕና ከይብሉ እግባይ) ዝብል ብሂል ናይ ኣበው እነሆ ኣብ ዘይ ሓሰብዎ ደልሃመት ተሸሚሞም።

ከም ኣርእስቲ ናይዛ ሓጻር ጽሕፍተይ መሪጸያ ዘሎኹ ዛንታ ናይ ሓደ ድሒሩ ካብቶም ኢስያስ ከም ቀንዲ ሓለፍትን ገበርትን ሓደግትን ዝመዘዞም ክውንነት ኢያ ግን ሽም ዓድን ሰባትን ኣይክጠቅስን'የ።

ግዜኡ ኣብ መፋርቅ ሰብዓታት ኢዩ ሓደ ካብ ደቂ ዓዲ ......... ስራሕ ክደሊ ንመታሕት ናብ ከተማ ....... ይገይሽ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ናብ ስድራ ዝለኣኽ ገንዘብ ስለ ዘይሓዘ ኣብ ስራሕ ክቅጽል መረጸ ንስድራ ቤቱ እከለ ሞይቱ ዝብል ደብዳቤ ብስም ሓደ መሳርሕቱ ንዓዱ ይሰድድ ቤተ-ሰቡ ኣዝዮም ሓዚኖምን ጉህዮምን ናብቲ ንሱ ዝነበረሉ ዓዲ ደሃይ ከናዲ ሰብ ልኢኾም ወዮ ልኡኽ ስኢንዎ ቀቢጹ ንዓዲ ..... ይምለስ ከም ስርዓት ሓዘኖ ጌሮም ረሲዖሞ ኣብ ዕለታዊ ናብርኦም ተጻሚዶም።

ድሕሪ ሽድሽደተ ወርሒ ወዲ ኣብ ግዜ ጥሪ ንዓዱ ክምለስ መዲቡ ኣውቶቡሳት ተሳፈርቲ ዘውርዳሉ ሓውሲ-ከተማ ካብታ ዝቅመጠላ ዓዲ ቁርብ ፈተት ዝበለ ኢዩ: ኣብኡ ውዒሉ ብጸላም ሰብ ኣብ ጓይላ ምስ ኣድሃበ ነጸላ ተጎልቢቡ ቅድም ንገዝኡ ሰብ ምስ ሳኣነ ትኽ ኢሉ ናብ ዳስ ይመጽእ ብወዝቢ ሓንቲ ካብተን ደቂ ዓዱ ርእያቶ ግን ክሳብ ከበሮ ትሕዝ ሱቅ ኢላ ንሱ ኸኣ ሰብ ደይ ረኣዮ መሲልዎ ገጹ ሸፊኑ ስዕስዕ ኣምሲዩ: ወያ ዝፈለጠቶ ታራኣ በጺሑ ከበሮ ምስ ሓዘት ነዛ ከም ኣርእስቲ መሪጸያ ዘሎኹ ደርፊ ( ደቂ ዓድና ተጣዒሶም ** ካብ ሰማይ ተመሊሶም) ኢላ ትደርፍ ወዮ መታለሊ ዓዲ ጥር ኢሉ ኣንቲ ጓል ተካሊተን ኢሉ ብበትሪ ክሃርማ ይህንጠ ሽዑ ከይተፈለጦ ገጹ ይቀልዕ (ከም ፕረሲደንት) እቲ ዳስ ብፒትሮማኪስ በሪሁ ስለዝነበረ እዚ ኹሉ ሰብ የለልዮ ነታ ጓል ዝበለታ ደርፊ ከኣ ኩሎም ብሓደ ድምጺ ይደርፍዋ ሓቅነቱ ኸእ ይቃላዕ። ስለዚ ሕጂ'ውን ሓቅነት ናይ ውልቀ መላኺ ንኹሎም በቲ ኣርቲፊሻል ሓንጎሉን ሓይሉን ብልሓቱን ዝምክሑ ዝነበሩ ከይተረፈ  ተቃሊዑ! ኣይረድ።

ዕላል ቀዳሞት ጥዑምን መሃርን መለበምን ስልዝኾነ እዛ ትስዕብ ዛንታ ክነግረኩም ፍቀዱለይ፤
ሓደ ሓዲሽ መርዓዊ ምስ ሓማቱ ከይተቓልዐ ከብቲ ሒዙ ብእንዳ ሓምኡ እንዳ ሓለፈ መርዓቱ ከእ እንዳ ኣቦኣ ተመሊሳ ስለ ዝነበረት ሰላም ክብሎም የላግስ፤ (መዓልኩም! ሓማቱን ሓምኡን ወጺኦም ስለ ዝነበሩ ወያ መርዓት ፤ ደሓንዶ ውዒልካ ኢላ ትቅበሎ፤ ኣደይ የለዋን ድየን ኢሉ ይሓትት? የለዋን ትብሎ ሰብኣይ ኣላጊሱ ምስ ሰበይቱ ይራኸብ፤ ከምኣ እንከለዉ ወያ ሓማቱ ደበኽ ትብል፤ ወዲ ዝገብሮ ጠፊኡዎ የሽበድብድ መርዓት ትገብሮ ጨኒቅዋ ንዓ ኣብዚ ቆፎ ታሓባእ ኣደይ ክሳብ ዝእትዋ ትብሉ ብምሒር ታህዋኽ ኣብ ክንዲ ብእግሩ ብርእሱ ኣብታ ቆፎ ይኽተት ሕጂ ወያ ሓማት ርእይ እንተበለት ጥራይ ነብሱ ምልስ ኢላ ኣንቲ መን ዳኣሉ እዚ ኢላ ንጓላ ትሓትት? መርዓት ተቀቢላ፤ ኣያይ ትብላ፤ መን ኣያኺ  ዓይንኺ'ደፈን? ኣያይ ደጊማ፤ ወይ ሓማት ተረዲእወን ወይለይ እቲ  ወዲ ዓዲ እከለ? መርዓት እንዳ ሓፈረት እወ ትብል፤ ሓማት ትቅብል ኣቢላ ክላ በል ውጻእ ዝወደይ (ገጽካ ከይ ረኣና መዓኮርካ ረአና) ኢላቶ ይበሃል ሕጂ'ውን እቶም ንውልቀ መላኺ ሓቀኛ ገጹ ዘይፈልጡ መንእስያትን ህጻናትን ገጹ ከይ ረኣዩ ማዓኮሩ ርእዮም ንብለኩም።

ስለዚ ኣንቱ ንውልቀ መላኺ ተቃልዑ ዘሎኹም ደንበ "ኣለና "ን "ፓይሎትን" ካልኦት ሓቅነቱ እትፈልጡ ኣብቲ ጀሚርኩሞ ዘሎኹም ምእንቲ ምግላልን ውድቀትን ውልቀ መላኺ ክትቅጽሉ መንእሰያት ከኣ ብተናጸል ይኹን ብልፍንቲ ተካይድዎ ዘሎኹም ተቃወምቲ ውድባትን ማሕበራትን ውልቀ-ሰባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ወዮ ንብዙሕ ዓመታት ዝቀጸለ ቃልስኹም ኣዎንታዊ ወጽኢት ከም ዝገበረን ኣነ ጥራሕ ዘይኮነ ውልቀ-መላኺ ብገዛእ ነብሱ ብመልሓሱ ኣሚኑሉ ኢዩ'ሞ ዮሃና ክብለኩም እፈቱ።

ኣንቲ ኤረይ ኩሕሎ
ራህዋኺ ቀሪቡሎ
ወዲ ኣፎም ክዕሎ

ወድ ዓድ ካብ ስደት

ዕለት 1 ማጃ 2012


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...