ሓጺር ጸብጻብ ናይ ሳልሳይ ጽንብል ፕሮጀክት ዳግመ-ህንጻ ሳንጆርጆ

ማሕበር ትምህርታዊ ልምዓት ሳንጆርጆ ኣብ ጀርመን ብዕለት 22/09/2012 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ሳልሳይ ጽንብል ፕሮጀክት ዳግመ-ህንጻ ሳንጆርጆ ብዓወት ኣብዒሉ ። ኣብቲ

ጽንብል ኣስታት 300 ዝኾኑ ግዱሳት ኤርትራውያንን ፈተውቲ ኤርትራን ተኻፊሎም ። እቲ ጽንብል ብዝኽሪ ስዉኣት ተኸፊቱ ። ብድሕሪ’ዚ ብኣቦ-ወንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይ’ቲ

ጽንብል ሓጺር ናይ እንኳዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ተመሓላሊፉ ።

ኣብ መጨረሻ ድማ ብኣቦ-መንበር ማሕበር ሰፊሕ መግለጺን ጸብጻብን ተነቢቡ ። ቀንዲ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ጸብጻብን መግለጺን ኣብዘን ዝስዕባ ዛዕባታት ዘተኮረ ኔሩ ፥

• እቲ ፕሮጀክት ብኸመይን ብመንን ኣብ ኤርትራ ተበጊሱ

• እቲ ፕሮጀክት ብኸመይን ብመንን ኣብ ጀርመን ተጀሚሩ

• ንጥፈታት ማሕበር ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 5 ዓመታት

• ኣብ መወዳእታ 2009 ኣብ'ቲ ፕሮጀክት ዝተኸስቱ ሓደስቲ ምዕባለታት

• ድሕሪ'ዞም ሓደስቲ ምዕባለታት ማሕበር ዘልዓሎም ሕቶታት

• መርገጽ ማሕበር ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተኸስቱ ሓደስቲ ምዕባለታት

• ኣብ ልዕሊ ማሕበር ዝዘንቡ ክስታት እንታይ ይመስሉ ?

• መርገጽ ማሕበር ኣብ ልዕሊ እቶም ዝዘንቡ ክስታት

• መጻኢ ጉዕዞ ማሕበርን ፕሮጀክትን ከመይ ይኹን ?

ድሕሪ ምንባብ መግለጺ ማሕበር፥ እቲ መድረኽ ንሕቶን ርእይቶን ለበዋን መተሓሳሰቢን ተኸፊቱ ። ቅድሚ'ዚ ግን ማሕበር ኣብ ፖለቲካ ሻራ ዘይብሉ ስለዝኾነ ኣብ'ቲ ናይ ሕቶን

መልሲን ግዜ ፖለቲካዊ ሕቶታት ከይልዓሉ ኣተሓሳሲቡ፥ ፖለቲካዊ ሕቶታት ክምልስ ቅሩብ ከምዘይኮነ ድማ ኣብሪሁ ። ክልዓሉ ንዝኽእሉ ፖለቲካዊ ዘረባታት ሓላፍነት ከም ዘይስከም ከኣ

ኣጠንቂቑ ። መድረኽ ንህዝቢ ነጻ ምስ ተኸፈተ ህዝቢ ንማሕበር ሕቶታትን ርእይቶታትን ለበዋታትን ኣቕሪቡ ። ኣካያዲት ኣካል ማሕበር ንኹሉ ሕቶታት ብወግዒ መሊሳ ፥ ለበዋታትን

ርእይቶታትን ድማ ብጽሑፍ መዝጊባ ። ብዙሓት ኣጋይሽ በቲ ዝተዋህበ መግለጺ ማሕበር ዕግበቶም ገሊጾም ፥ ንብድሕሪ ሕጂ'ውን ኣብ ጎድኒ ማሕበርን ዕላማታቱን ደው ከም ዝብሉ

ቃል ኣትዮም ።

መደብ ሕቶን መልሲን ምስ ተዛዘመ ድማ ማሕበር ጸብጻብ ናይ'ቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ባንክ ተኣኪቡ ዘሎ ገንዘብ ኣቕሪቡ። ጸብጻብ ወጻኢታትን ኣታዊታትን ናይ'ቲ ብዕለት

28/05/2011 ኣብ ፍራንክፈርት ዝተገብረ ካልኣይ ጽንብል ስዒቡ ቀሪቡ ።  መድረኽ ማሕበር ካብ ህዝቢ ንዝቐርቡ ስነ-ጽሑፋትን ግጥሚታትን ክፉት እዩ ኔሩ። ነዚ ዕድል'ዚ

ተጠቒሞም ግጥሚታት ዘንበቡ ኣጋይሽ'ውን ኔሮም። ናይ ሙዚቃን ምዝንጋዕን ፕሮግራም ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ቀጺሉ። ብምዝንጋዕን ዕላልን ሰሓቕን ዝተሰነየ ጽቡቕን ሰላማዊን ጽንብል

ሓሊፉ።

Eritreische St. Giorgio Projekt Bildungsverein Deutschland e.V.

ማሕበማሕበር ትምህርታዊ ልምዓት ሳንጆርጆ ኤርትራ ጀርመን

Commerzbank Kto. Nr.: 580369700

Frankfurt am Main BLZ : 50040000

 

ማሕበር ትምህርታዊ ልምዓት ሳንጆርጆ ኣብ ጀርመን ንኹሎም ነቲ ጽንብል ክውንን ዕውትን ንምግባር ዝተዋስኡን ፤ ካብ ርሑቕን ቀረባን መጺኦም ነቲ ጽንብል ዘገረሙን ኣጋይሹ፥

"የቐንየልና ፥ ክብረት ይሃበልና ፥ ኣብ ካሕሳኹም የውዕለና" እንዳበለ ልባዊ ምስጋናኡ ይገልጽ ። ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣብ’ቲ በዓል ክርከቡ ዘይከኣሉ ግዱሳት ኣሓትን

ኣሕዋትን ድማ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ነቲ ዝተነበበ መግለጺ ማሕበር ኣብ ማዕከናት ዜና ኣቕሪቡ ከካፍሎም ምዃኑ ክሕብር ይፈቱ ። ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ራብዓይ ጽንብል

ክሳብ ንራኸብ ኣብ ዘዘለናዮ ዕድመን ጥዕናን ኣሳልጦ ስራሕን ይሃበና ።

 

ምስ ኣኽብሮታዊ ሰላምታ !

ማሕበር ትምህርታዊ ልምዓት ሳንጆርጆ ኣብ ጀርመን ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...