መራሒ ስርዓት ህግደፍ ሓንትን ናይ መወዳእታን ተሪፋቶ ዝነበረት ኣቃልቦ ህዝቢ ተርክበኒ እያ ዝበላ ወረ ኣናፊሱ፣ ሕፍስ ዝበለ ኣቃልቦ ብምርካቡ ንገለ ሳምንትን ኣብ ጉንበት መመደርን ዝኾኖ ዛዕባ ከምዝረኸበ ተዓዚብና። ኣቦታትና ክምስሉ ከምኡ ዝገብር ከምኡ ይነግር ከምዝብልዎ፣ ኢሰያስ ወትሩ ኣብ መደርኡ ከምዝጠቕሶ ጭንቀት፣ ምድንጋር፣ ምትላል፣ ምጥምዛዝ ሓበሬታ ዝብሉ ቃላት ይደጋግም። እቲ ዘገርም በዚ ጸገማት እዚ ዝሳቀ ሰብ እንተሎ፣ ቀዳማይ መራሒ ህግደፍ፣ እንሓንሳብ ኣነ እቲ ዝሓቶ ዘሎ ጋዜጠኛ ኔረ ተዝኸዉንሲ መስትያት ጥራይ መቕረብክሉ እሞ ባዕሊ ምፈረደ ትብል። ብምሁራት ስነልቦና ብፍላይ Psychodynamics ንኸምዚ ዝኣመሰ ተርእዮታት Projection ይብልዎ። ብሓጺሩ ሓደ ሰብ ንሱ ዝገብሮ ንኻልእ ክጥቅን ዝፍትኖ ግልቡጥ ምጉት ማለት እዩ።

መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኩሉ መደረታቱ ኣሰልቻዉን ተስፋ ዘቁርጽን ብምዃኑ እንትርፎ ሒደት ናይ ምምዝዛን ብቅዓት ትጎድሎም ኣቃልቦ ዝህቦ ሰብ ኣይነበረን። ቲቪ ኤረን እዝኒ ዓያሹን እንተዘይኮይኑ ኩሉ ካብ ቁጽጽሩ ወጺኡ ነገራት ፋሕፋሕ ከምዝበሎ ንኹሉ ጽፍሕታት ብምዕዛብ ምርዳእ ይከኣል። ጭንቀት ኢሰያስ ኣብ ጥርዙ ዘብጸሐ ፍሉይ ምዕባላታት ሓደ፣ ኣብዚ ቀረባ ሳምንታት ብኢትዮጵያ ዝተወስደ ወታሃደራዊ ስርሒት እዩ። ኢሰያስ ኣብዚ ሕጂ እዋን ስልጣኑ ከዉሕሰሉ ዝኽእል ዓቅሚ ሰራዊት ከምዘይብሉ ስለዝፈልጥ፣ ንገለ ገርሀኛታት ዓለም ትጻበኦ ከምዘላ መሲሉ ቀሪቡ ህዝባዊ ደገፍ ብመጠኑ ተረኸበ ዝዓለመ እዩ።  ካብዚ ብዘይፍለ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከባ ማዕከናት ዜና ኤርትራዉያን ኣብ ዝተፋላለየ ጽፍሕታት ዝነበሩ፣ ገለ ከበድቲ ሚስጢራት ኢሰያስ ዝፈልጡ ዜጋታት ብምዕዳም ምስጢራት ከቃልዓ ስለዝጀመራ፣ ኣንፈት ተኸታተልተን ንምጥዋይ ተተኻኢሉ ዉን ተኣማምነተን ኣጥፊአን ሰማዕቲ ክስእና ዝዓለመ እዩ።

እቲ ካልኣይ ብጭንቀት ዝሳቀ ዘሎ ወገን ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ኢሰያስ ኣብ ዓለም ብዝጸንሐን ቁጽሪ ማዓልታት ሕሰምን መከራን ቅዝፈትን ኣሻሓት ኤርትራዉያን ምዉሳኽ ማለት እዩ። ካብዚ ንላዕሊ እሞ እንታይ ኣሎ ዘጨንቅ። እወ ቀላዓለም ዘይብላ ሞይቱ ከይከዉን ምስ ተባህለ ዝተኾልፈ ኩሉ ዕድላት ክምለስ ካብ ዓዘቅቲ ስቃይ ክንወጽእ ተመኒና። ስለዝኾነ  ኣብ ዝሰፍሐ ኣካል ሕብረተሰብና ናይ ተስፋን መስተርሆትን መንፈስ ተቀላቂሉ። ንገለ ደገፍቲ እዚ ስርዓት ድማ ምናልባት መስቲ ዝኸፈልዎ ገንዘብን ብዘካየድዎ ሓሽለኹለኹን ብዝታኣሳሰር ናይ ምስንባድን ራዕድን መንፈስ ዝወረሶም ዉሑዳት ተዓዚብና።  ሞት ኢሰያስ ማለት ክብረት ኤርትራዉያን ማለት እዩ። ከመይ ኣብ ፈቀዶ ኣብያት ማእሰርቲ ዝማስኑ ዘለዉ ኣሕዋትና ዝወጽሉ፣ ኣብ ሲናን ካልእን ማዓልታዊ ዝዋረዱ ዘለዉ ዜጋታትና ንፈቅደሉ፣ ብባርነት ዕድመ ንእስነት ምብኻን ዘቋርጸሉ፣ ዉሉድ ምስ ዉላዲ ዝራኸበሉ ወርቃዊ ዕድል ክፍጠር ማለትዩ።

ኣብዚ ንዓዋናት ንምዕዋን ዝዳጋገም ዘረባ ኣሜሪካ ምዕራባዉያን ዝብል ጠቀናታት፣ ኢሰያስ ብሓቂ ንርግኣትን ዕብየትን ዝሓስብ እንተኾይኑ ስለምንታይ ኣብ ዙርያ ሓደ ዉልቀ ሰብ ዝተሓንጸት ሃገር ደልዩ። ኢሰያስ እንተሞተ ስርዓትን ሕግን ሓልያ ትኸይድ ሃገር ምትካል ናይ መን ሓላፍነት ድዩ።  CIA ድዮም ቅዋምን ስርዓተ መንግስትን ክተኽሉልና ዘለዎም፣ ኢሰያስ ነባሪ ድዩ? ብፍላይ እቶም ከምነቢ ጽን ኢልቡም ትሰምዕዎ ዕሱባቱ ብልቦና (critically)  ክትሓስቡ ዕዮ ገዛ ይህበኩም ኔሩ እሞ ሕሰቡላ። ህግደፍ ማለት ኢሰያስ እዩ፣ ኢሰያስ ማለት ዉን ህግደፍ እዩ። ኢሰያስ ማለት ግን ኤርትራ ወይ ኤርትራዉያን ኣይኮነን፣ ጋሕ ተበለ ድማ ንሱን ግዕዘይ ስርዓቱን ይጽረጉ እንምር ህዝብን ሃገርን ኤርትራናስ ክነብሩ እዮም። እንተ ዓለም ካብቲ ብተናጠር ዝወርዳ ዘሎ ክፋል ጸገማትና ምዓረፈት እንበር ስርዓት ኢሰያስ ንምዕራባዊ ዓለም ኣብ መበል ሽሕ ፋይሎም እኳ ተዘከርዎ እዩ። ስርጭሕ ሰቢሓ ክንደይ ሰብ ኣምሲሓ ከምዝባሃል ኤርትራ ተራሃዋ ተጨነቃ ዝዓጦም ኣይኮነን።

ኢሰያስ ግን ኣብ ጽቡቕ ጥዕናዊ ኩነታት ከምዘሎ ብትዕቢት ተነፊሑ ገሊጹ። ሞት ዝምረጸሉ ኩነታት ከምዘሎ ክፈልጥ ይግብኦ፣ ነዚ ኩኑ ዘወረድካዮ መከራን ሕሰምን ከይተሓተትካሉ ክትዓርፍ ንዓና ነቶም ደለይቲ ፍትሒ ዓቢ ወጽዓ እዩ። ሞት ዕጫ ኩሉ ፍጡር እኳ እንተኾነ፣ ከማኻ ዘኣመሰሉ ዉልቀ ሰባት ግን ዓስቢ ዓመጸም ከይተኸፍሉ ክሞቱ ክብረት እዩ። ስለዝኾነ ሕልፈትካ ብደዉካ ከይረኣኻያ ክትመዉትሲ እግዛቢሄር ኣይዉዕሎን እባ ይኸዉን !!!

ፍትሒ ይንገስ ልምኪ ይፍረስ
ኤርትራዊ ብሕልና (29/04/2012)


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...