ኣብ እዋን ሞት ክናና!
ሚያዝያ 24 2012  

እቲ ከም ተኹላ ናብ ማእከል ኣባጊዕ፣ ናብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ ኣትዩ ደምና ዝሰተየን ከም ደቂ ዛግራ ዝበታተነናን ልኡኽ ባዕዳውያን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሞይቱ ኢዩ።

ህጹጽ ህዝባዊ መልእኽቲ!
ናብ ጀጋኑ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ!    
ናብ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ                       
ናብ ኣባላት ፖሊስ ኤርትራ።
---------------------
ህጹጽን እዋናዊን ህዝባዊ ጻውዒት!
ናብ ክቡራት ኣዘዝቲ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ!
ህጹጽ ህዝባዊ ጻውዒት!
ናብ ክቡራት ሜጀር ጀነራላት:
ክቡራት ብሪጋደር ጀነራላት
ኣዘዝቲ ኣሃዱታት ሓይሊ ምድሪ፣ ሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ባሕሪን!
ህጹጽ ህዝባዊ ጻውዒት!
ናብ ክቡራት ኮሎኔላትን ሌተናል ኮሎኔላትን! 
ህጹጽን ዘየላቡን ህዝባዊ ጻውዒት!
ናብ  ክቡራት ሜጀራት፣ ካፕተይናት፣ ኩላትኩም ታሕተዎት ሓለፍቲን ተራ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ብሓበራ!!!

ሂወት እቲ ንጥፍኣት ኤርትራውያን ኣዕዋፍ ጩቕ-ጩቕ ከይበላ ኣንጊሁ ዘርኢ ክርዳድ ዝተለመ ልኡኽ ባዕዳውያን፣ ከም ኣሰለት ሩባ ጋሽ ናይ ደም ውሉፍ፣ ብዛራ ደም ህዝቢ ኤርትራ ዝፍሳህን ኣርእስ ኤርትራውያን ኣደታት ዝደርመመን ዕቡድ መራሒ ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ  ኣብቂዑ ኣሎ።
ብስደት፣ ውርደት፣ ሕሰምን መከራን ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነስ ብመሸጣ ኮላሊት መንእሰያትና እውን ዝሕተት ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ምበኣር እታ ትልኽ ክትብል ዝጸንሐት ዕምሩ፣ ከም ዕምሪ ደርሆ ዓርቢ ስቕለት ኮይና ድሕሪ ምጽናሓ፤ ከምቲ ኣብ እምነት ሃይማኖት ክርስትያን “ኮነ! እምይእዝየሰ ፍስሃ ዎ ሰላም” ዝበሃል፤ እነሆ ፋሲካን ትንሳኤን፤ ዒድ ኣል-ኣልፈጥርን ዒድ ኣል-ዳሕያን ህዝቢ ኤርትራ ኮነ።

‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝፈለመ ቃልሲ ደምበ ኣለና ኣንጻር ውልቀ-ምልኪ ኢሳይያስ፣ ‘ዋዜማ ዘመነ-ቅብጸት ኢሳይያስ’ ከምኡ’ውን ገበነኛ ኢሳይያስ ብዝኾነ ኢንፊዥን ካብ ጽሕፍቶ ሞት ክድሕን ከም ዘይክእል እተተንብህ ኣፍ-ኣርክቡ ንሓመድ ድበ ኢሳይያስ’ ዝብላ እዋናውያን ጽሑፋት ከም ዝሰዓባን፣ ብዛዕባ ምስጢራት ኢሳይያስን ቄናን ምምሕዳሩን ዝሰነደት መጽሓፍ እውን ናብ ኢድኩም ከም ዝበጽሐትን  ክቡራት ተኸታተልቲ እትፈልጥዎን ጉዳይ ኢዩ። እነሆ እምበኣር ብድሕሪ ዜና ዕረፍቲ ገበነኛ ናይዝጊ ክፍሉ፣ ከም ኣማውታ ክናናን ምናናን፤ ሰታይ ደም ኤርትራውያን ኢሳይያስ ድማ ከም ሞት ክናና እንቅዓ መርገም ተሰኪሙ ስዒቡዎ ኣሎ።

ኣብዚ ስርዓት ህግደፍ ኣብ መንጎ ኡንኲዲኖን ሞዶሻን ተቐርቂሩሉ ዝጸንሐ ናይ ምዕልባጥ ግዜ፣ ሞት ኢሳይያስ ንክንሰምዕ ሃንቀው ዝበልናዮ ዓመታት ውሑድ ኣይነበረን።

ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ግዜ ስኽራኑ፦ “…ሎሚ ኣብ ኤርትራ ደው ኢሉ ዝሸይን ሰብኣይ የለን። እቶም ንኸውን ኢና ዝብሉ ዝነበሩ ከኣ ናብ ጎዳጉዲ ኣእቲናዮም ኢና” ኣብ ዝብለሉ ዝነበረ ግዜ ብውሽጥን ብደገን “ኣለና” ኢልና ናብ ርሱን ቃልሲ ኣብ ዝኣተናሉ፣ ኩልኻ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ከም ኣባ ጎብየ ርእስኻ ሓቢእካ ዝጸናሕካን ኤርትራዊ፣ ሎሚ ርእስኻ ቅላዕ’ሞ ኣብዚ ናይ ሓመድ ድበ እዋን፣ ብህጹጽ…! አረ ብኣዝዩ ህጹጽ ነቶም ካብ ሞት ዝተረፉ እሱራት ዒራ-ዒሮን ኣብ ፈቐዶ ጎዳጉዲ ብመቑሕ ዝተኣስሩ ሲቪል ህዝቢን ገዳይም ተጋደልቲን፤ ከምኡ’ውን ብህይወት እንተለዉ ንብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን እሱራት መራሕቲ መሳጊድን ኣብያተ-ክርስትያናትን ፍትሓዮም።

እዚ ህጹጽ መልእኽቲ እዚ ናባኻ ናብ ጅግና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝቐንዐ ኢዩ። ብዘይካ እቶም ንሕድሪ ስዉኣት ዝጠለሙ፣ ኣብ ዘመነ-ኣካሒዳ ድማ ናይ ደም መሻርኽቲ ኢሳይያስ ኮይኖም ዝጸንሑ፤ ኣብ ቢኒኮሎ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣተዉን ውሑዳት ጀነራላትን ኮሎኔላትን፤ ዝበዛሕኩም መኮንናት ሓይልታት ምልኻል ኤርትራ ደለይቲ ለውጢ ከም ዝነበርኩም ካብ ዝሓለፈ ዕለታዊ ምንቅስቓስኩም ክንፈልጥ ክኢልና ኢና።

ኦ! ንነዊሕ ዓመታት ከም ጊልያን መጸዓኛን ዝተገዛእካ ጠበንጃ ዝዓጠቕካ ጅግና ደላይ ለውጢ!! እቲ ክርዳድ ዝተለመ ገበነኛ ኢሳይያስ፣ ደጊም ኣብቂዑ ኣሎ። ምስቶም ኣብ ደገ ንነዊሕ ዓመታት ብዓቕሞም ኣንጻር ውልቀ-ምልኪ ዝቃለሱ ዝነበሩ ውድባት፣ ሰልፊታት፣ በርገሳውያን ማሕበራትን ናብ ኤርትራ ንከይኣትዉ ዝተሓረሙ ውልቀ-ሰባትን ኢድ-ንኢድ ተተሓሒዝና ንመጽኣካ ኣለና’ሞ፤ ነቲ ብደም ንጹሃት ዝጨቀወ ደጎል ዓደቦና ሰቲ ነስኒስካ ንክትቅበለና ህጹጽ ጻውዒትና ነመሓላልፍ ኣለና።

መሰረታዊ ለውጢ ኣብ ውሽጢ ብዘሎ ህዝቢ ኤርትራን ብኣኻ ብጅግና ሓይልታት ምክልኻልን እንተመጺኡ ቀጨውጨው ዝብሎም ብዙሓት ኢዮም ነይሮም። ኤርትራ ብኩላተን ብሄራታ ማእኪላ፣ ንሃይማኖታዊ እምነት ዜጋታታን ሰብኣዊ መሰል ደቃን ኣኽቢራ፤ ፍትሒን ሰላምን ዝነገሳ ሃገር ንክትከውን፣ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ንክትከልን ህዝብና ብዝረዓሞ ቅዋም ንክመሓደርን ባህጊ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ’ሞ እዚ ባህጊ እዚ ንከይጭወ ኣዒንትኻ ክፈት። እዚ ንከይትግበር ገበነኛ ኢሳይያስ  ዝዘርኦም ክርዳዳት ፈርዮም ስለዝነበሩ፣ እቶም ገበነኛታት ካብ ፍርዲ ህዝቢ መታን ከየምልጡ ድማ ብኩሉ ሸነኻት ብሎኮታት ኤርትራ ረጊጥካ ሓዞም።

ኣብ ኩሉ ክፋላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ ኣብ እዚታት ሓይሊ ምድሪ፣ ሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ባሕሪን ዘለኻ ደላይ ለውጢ፤ በብርኩታና ሒዝና ኣብ ማእከል ኤርትራ ኣብ ሓደ መኣዲ እንራኸበሉ ግዜ ይመጽእ ኣሎ። ካብ ኣዛዚ ግንባርን ክፍላተ-ሰራዊትን ክሳብ መራሕ መስርዕ፣ ተጋዳላይን ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎትን፤ ብዝተፈላለየ ማዕረግን ሓላፍነትን ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንዕድመ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ  ኣብ ምድልዳልን፣ ስቅያት ገዛእ ርእስኻን  ህዝብኻን  ኣብ  ምንዋሕን ብዘይ ድሌትካ ከተዕወንውን  ዝጸናሕካ ጅግና ኤርትራዊ!  ሞት ገበነኛ ኢሳይያስ ከም ሞት ክናና ጋህዲ ኮይኑ ኣሎ።

ናብ ዳግማይ ምልኪ ንከይንጽመድን ሕድሪ ሰማእታትና፣ መሰልና፣ ሓርነትናን ሰማይ-ጠቀስ ሃረርታናን ጉሒላታት ከይሻመውሉን ክራቫታ ኢሳይያስ ብዝገበሩ ሰብ-መሰል በርጌሳት ዳግማይ ከይጭወን ነቒሕካ ተኸታተል። ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ካባኻ: ካብ ጅግና ሓይልታት ምክልኻል ኢዩ’ሞ ኣብዚ ትእዛዝ-ቋሬጣን ዓርሞ ህዝባዊ ባርዕን ኣብ ከባቢኻ ትርእየሉ ዘለኻ ወሳኒ ህሞት፤ ነታ ክሳድ ገበነኛታት መራሕቲ ህግደፍ ንምሕላቕ ክትስሕባ ዝጸናሕካ ገመድ፣ ሎሚ’ውን ብድሕሪ ሞት ክናና፣ ሞት ኢሳይያስ ሓንሳብን ንሓዋሩን ሸለው ንከተብላ፤ በዚ ብንብዓት ህዝብኻ ዝጸሓፍ ዘሎ ፍሉይ ህዝባዊ ጻውዒት፤ ሃገራዊ ነጋሪት ይጽውዓካ ኣሎ። ኣለኹ…ኣለና! በሎ ነቲ ለውጢ ንምርኣይ ክሳብ ኣዒንቱ ዝቑልዕ ዝጠመተ ሓቦኛ ህዝብኻ።

ኦ! ጅግና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ ኢሳይያስን እቶም ውሑዳት ጭፍራኡ ላዕለዎት መሪሕነት ህግደፍን፤ ሃገርና እንተጠፍአትን ህዝብና እንተጸነተን ምንም ዝስመዖም ጓሂን ቅሬታን ኣይነበሮምን። ስለዚ ብድሕሪ ሞት ኢሳይያስ ከም ቁርዲድ ኣብ መንቀራቕሮ ህዝቢ ተሸጒጦም ከይተርፉ ኣጸቢቕካ ኣስተውዕል።
ህዝቢ ኤርትራ ነቶም ቀራናት መራሕቲ ህግደፍን ብደም ዝጠልቀዩ ውሑዳት ጀነራላትን ይፈልጦም ኢዩ። ኤርትራ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ኣይትብጽሖምን ስለዝኾነት ብዘይካ ንዕንወታ ንህንጸታ ሓሊሞም ኣይፈልጡን ኢዮም። ኤርትራና ኣይንታዮምን ስለዝኾነት ካብ ነዊሕ ዓመታት፤ ካብ ምቕንጻል ምሁራት 1973 / 1976 ክሳብ ምቕፋድ ጉጅለ 15ን ሎሚን ንምጽናታ ከይተሓለሉ ክሰርሑ ጸኒሖም ኢዮም’ሞ፣ ካብ ዘለኣለማዊ ጻንታ ንምድሓና ኣለኹ በል።

ካብ ዓመተ 2001 ክሳብ ሎሚ 2012 ኣብዘን ዝሓለፋ 11 ዓመታት ምስሊ ኤርትራ ናብ ከመይ ዝበለ ገሃነብ ተቐይሩ ከም ዘሎ ባዕልኻ ዘለኻዮ ኢዩ’ሞ፣ ናይ ሎሚ ህዝብኻን ዳሕረዋይ ወለዶ ኤርትራን ናብ ዳግማይ ግፍዒን ቅንጸላን  ገበነኛታት ተረፍ-መረፍ ህግደፍ ንከይኣቱ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ኣስተውዕል! እቲ ከም ንጉሰ ወዲ እልፉ ብዘይ ወግዓዊ ምክትል ንገዛእ ርእሱ ፕረዚደንት ኢሉ ኣብ ዝባን ህዝቢ ኤርትራ ን21 ዓመታት ተኾይጡ ዝጸንሐ ገበነኛ መራሕ ሁከትን ኲናትን፦

“…ብድሕረይ እዛ ሃገር ሶማል እንተኾነት…ኣስመራ’ውን ዳግማዊት ሞቓድሾ እንተኾነት ኣይግድሰንን ኢዩ” ዝብል ዝነበረ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብቂዑ ኣሎ።

ኦ ጅግና ሓይልታት ምክልኻልና! ናይ ጥፍኣትና ካሪክለም ክሕንጽጹ ንብዙሕ ዓመታት ክፍሕስዎ ዝጸንሑ ተንኮልን ክፍኣት ግብሪን ተገንዚብካዮ ኣለኻ። ወግዓዊ መርድእ ሞት ክናና፣ ሞት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንምስማዕ ኣእዛንካ ጽን ኣብ እትብለሉ ዘለኻ ህዉጽ ግዜ፤ ናብ ደግሲ ምልኪ ንከይንምለስ ካብ ድቃስ ንክትበራበር ህዝባዊ ደወል ኣብ ጉንዲ እዝንኻ ይሃርም ኣሎ’ሞ ይኣክል በል።

እነሆ’ምበኣር እቲ ብመቑሕን ቅንጸላን ጥራይ ዝልለ፣ ንሙሉእ መዋእሉ ደም ደቀባት ኤርትራ እናሰተየ ዝሰወደ  ኣዕናዊ ዲያብሎስ፣ ዕዋላን  ዘይሰብኣዊን ኢሳይያስ ኣማውታ ከልቢ ሞይቱ ኣሎ።  ሎሚ ካብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ ምስትውዓል ዘድልዮ ህሞት ኢዩ። ነቲ ገበነኛ ኢሳይያስ፣ ልኡኽ ሓሊቦ ንከይበሃል ኣብ መንጎ ህዝብና ዝዘርኦ ዘርኢ ክርዳድ ምሒና ብሰላም ክንነብር፤ ንሓዋሩ ሰላማዊ ፈልሲ ንምትካል፣ ሰፊሕ ሃገራዊ ዕርቂ ንክግበር ከም ማዕተብ ኣሚንካ ንክትቃለሰሉ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ንጽውዕ።  ትማሊ ኣብ ዕርዲ ደንደን፣ ፊደል ‘ፐ’ን ዕርዲ ሓልሓልን ከም ከርፈስን ማሕረሻን ብጽኑዕ ኪዳን ስለ ህዝቢን ሃገርን ተመሓሒልካ ተኣምር ዝሰራሕካ ጅግና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፤ ነቶም ናጽነት፣ ሓርነትን ፍትሒን እናኣመኑ “ዓወት ንሓፋሽ!” እናበሉ ዝተሰውኡ፣ ብቑንጣሮ ሓመድ ቀቢርካዮም ዝኣቶኻ ጀጋኑ ሰብ ሕድሪ ዘክር’ሞ ናብቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝበሃጎ ጎደና ተበገስ።

መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣቦን ኣደን፤ ሓውቲን ሓውን ለይቲን መዓልቲን ሞት ገበነኛ ኢሳይያስ ክጽበ ጸኒሑ ኣሎ። ኣዒንቱ ንከይርኢ ተሸፊኑ፣ እዝኑ ንከይሰምዕ ተለኲቱ’ምበር ኣይተታኸሰን ኣይደቀሰን ህዝቢ ኤርትራ። ሎሚ ከም ኢዮብ ደቁ፣ ጥሪቱን ንብረቱን ዝበተኸ  ህዝቢ ኤርትራ ከም ትጽቢቱ ብድሕሪ ሞት ክናና ደበሳ ኢዮብ ተደቢሱ ህዝባዊ መንግስቲ ንክተክል ሃንቀው ይብል ኣሎ።

ጅግና ሓይልታት ምክልኻል! ህዝብኻ ናብ ዳግማይ ምልኪ ንከይምለስ  ብሓደ ድምጺ ኣለና ኢልካ ተዳሎ። እንኮላይ ኣንቱም ብትእዛዝ ቤት ጽሕፈት ኢሳይያስ ጥራይ ክትሰርሑ ዝጸናሕኩም፣ ኣብ ኣኼባታት ካቢነ ሚኒስተራት ብዘይካ ምቕብሕባሕ እንኮ ሃናጺ ሓሳብ  ንተከቕርቡ መሰል ዝተነፍገኩም፤ ብስም ካቢነ ሚኒስተራትን ኣማሓደርቲ ዞባታትን እትፍለጡ ብኣስገዳድ ኣገልገልቲ ኢሳይያስ ዝነበርኩም፣ እቲ  ንኣዒንትኹም  ከዊሉዎ ዝነበረ ሓበላ ያዕ ኢልኩም ህዝቢ ኤርትራ ናብ ምኽሓስ ተበገሱ።

ንከይትዛረብ ምትእምማን ጠፊኡ፣ ንከይትንቀሳቐስ ሽርሒታት ህግደፍ ጋሪዱካ ዝጸንሐ ጅግና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ!  ብስም ዋርሳይ ይከእሎ ዝብል ሽሕጣን ንዕስራ ዓመታት ብመዝሙር ባድመ-ወያነ-ኣሜሪካ ኣእዛንካ ዝጸመምካን ብባዶ መብጽዓታት ኣብ ጥራይ ከብድኻን ዕሩቕ ዝባንካን ዝተዘባዘብካ ወዲ ህዝቢ! ነዚ ሓፋሽ ህዝብኻ ረኺቡዎ ዝጸንሐ መሰክሕ ጭካነ፣ ብወረ ዘይኮንካስ ብኣካል ዘስትማቐርካዮን ብዓይኒ  ትርእዮ ዝነበርካን ስለዝኾነ፤ ዳግማይ ጭውያ ንከይመጽእ ቋሕ በሎ።

ኦ! ጅግና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ!     

ሎሚ እቲ ንልዕሊ ኣርበዓ ዓመታት ቱንቱላ ጥፍኣትና ክነፍሕ ዝጸንሐ ልኡኽ ባዕዳውያን ጨካን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዕምሩ ኣብቂዓ ኣላ። ታሪኽ ኢዩ ነባሪ’ሞ፣ ጽባሕ ንግሆ ብወሎዶታት ብታሪኽ ከይትሕተት፣ ነዛ ሓላል ሃገር ብውግእ ሓድ-ሕድ ለኻኺሞማ  ከይከዱ ሕጂ ዋና መሬትካን ታሪኽካን ኩን።
ስርዓት ህግደፍ ንሞት ገበነኛ ኢሳይያስ ብከመይ ከም ዝእውጆ፣ ኣበይን ከመይን ዝኣመሰለ ኣገባብ ቀብሪ ከም ዝገብረሉን ክንዕዘብ ኢና። ብድሕሪ ኢሳይያስ ዝመጽእ መሰጋገሪ መንግስቲ ይኹን ግዝያዊ መራሒ ወይ መራሕቲ ንኢሳይያስን ጭፍራ ህግደፍን ዘይኩንን እንተኾይኑ፤ ገበነኛታት ካብ መቓብሮም ንህዝቢ ኤርትራ ይመርሕዎ ከም ዘለዉ ኢና ክንርዳእ።

ኣባላት ኣለና ብውሽጥን ብደገን ብድሕሪ ሞት ክናና! ሞት ኢሳይያስ ንዝህሉ መዓልታዊ ምዕባለታት እናተኸታተልና  ከነቕርቦ ኢና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ተሃዋሲ ወቕቲ፣ እቲ ፋሕ-ጭንግራሕ ዝበለ ደምበ ተቓውሞ’ኸ ሎሚን ሕጂን እንታይ ኢዩ ክገብር ዝግበኦ???

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ

ኢሳይያስ!
ሞት ክናና ሞይቱ!!

ዘለኣለማዊ ዝኽሪን ክብሪን ንጀጋኑ ስዉኣትና

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...