እወ ወዲቖም! እሞ ሕጂ’ኸ ከናፍርካ ጎማጺጽካ ሕትም ሕትምትም ድዩ ንዘይመውት መድሃኒት ስለዘለዎ ፈውሰይ ፈውሰተ-ዓሻ ዕምብረ ሓሶታት ከንከራሩ?

ፓይሎት፡

ብመጀመርታ ከምቲ ንኩሉ ብወገነይ ሰናይ ዝምነየሉ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ እንዃዕ ናብ ኩሉ መዳያት እዋን ትን ሳኤ ኣብጸሓካ። ከምኡ ድማ እንዃዕ ናብዛ ናይ ውልቅኻ ፍልይቲ “ሓንቲ መዓልቲ“………..፡ ትብላ ዝነበርካ ዕለት ኣ ሰጋገረካ። ኩሉ ተቃላሳይ ሓፋሽን ተጋዳላይን ድማ ከምዛ ናትካ ትጽቢት ሓንቲ መዓልቲ ኣላቶ እንድያ፡ ንዓኻ የማ ስሎ። ከምኡ ከኣ ከይደጋገም ስለእንፈርሆ እምበር ክብርን ምስጋናን ድማ ነዞም ቃል ሓንቲ መዓልትኻን መዓልት ናን ኣብ በቦታና ዘብጽሑልና ንዘለው ልኡኻት ሓፋሽ መራኸቢ ብዙሃን ይብጻሓዮም!

መልእኽትኻ ተኸታቲለዮ። ብልኽዕ ድማ ኣይወሰኽካ ኣየጋነንካ። ሓቀኛ ናብራናስ እቲ ዝበልካዮ ነይሩን ኣሎን። ከምቲ ዝጠቐስካዮ ከኣ ዘይፈለጥካዮ ወይ ዘይበልካዮ ነገራት መሊኡ ኢዩ፡ ክንደይ ኢልካኸ ክትጽብጽቦ። ገለ እንዶ ከዘክረካ። ኣባል መሪሕነት ዝነበር ሰለሙን ወልደማርያም ኣብ ከም’ቲ ዝጠቐስካዮ ቤት ማእሰርቲ ኢዩ ተኣሲሩ ዝነ በረ። ንሳቶም ዝፈልጥዎ ገበናቱ ብዘየገድስ ንሱ ግን ኣብቲ ባዕሉ’ውን ዝፈልጦ ነዴኺ ማይ ውረድላ ዝዓይነቱ ማሕ ዩር ተዳጒኑስ፡ ተደጋጋሚ ከኣ ናይ መሰል ሕቶ ኣቕሪቡ ጸማም እዝኒ ስለዝተዋህበ፡ ናይ በረኻ ቀብሪ መለሳ ስኢንላ ብዝነበሮ ጥበብን ቆራጽነትን ብትሕቲ’ቲ ዝጠቐስካዮ መንደቕ ኩዒቱ ወጽአ። ሰለሙን ድሕሪኡ እንታይ ገይሩ? ንዕ ዑን ነቶም ነቲ ናይ ለይተ-ለይቲ ኩዕታ እናሰምዑ “ነገራት መስጢሮም“ ዝተባህሉ እሱራትን ዝወረዶም ንዓኻን ከ ማኻን ርዱእ ኢዩ። እቶም ናይ ሎሚ ሰማዕቲ ከኣ ከይደቀሱ ክሓልምዎ ይግባእ። ክሓልሙ  ብዘይምድላኦም “ኣን ታዓያ“ እንተኾይኑ ድማ፡ ሎሚ ታሪኽ፡ ምስልን ኣሰርን ሰለሙን ኮነ ከምኡ ዝኣመሰሉ ኩሎም ተኣርቢዶም ኢዩም። “እቶም ገዳይም ጨሓማት ተጋደልቲ “ታሪኽና ከይርሳዕ ንገሩልና ኢሎሙና ነይሮም“ ኢልካ ሓደራኦም ካብ ጠቐስ ካ ከኣ፡ ገበናቶ ብዘየገድስ ንሳቶም እቶም ናይ ቅዱምን ድሑርን ውንጁላት ዝንባሌታት መንካዐ-የሚን ኢዮም። ሞት ከምዝነበረ ጠቒስካ ኣብቲ ማእሰርቲ። ኣማውታ እንተበሉኻኸ ብዙሕ ዓይነት እምበር! እቲ ብኸምቲ ንዓኻ’ውን ዝጀመረካ ዝኣቱ ሰለሎ ጠንቂ ሕማምስ ንቡርእዃ፡፡ እቲ ዘይንቡርን ዘይወግሕን ለይቲ፡ እንተወገሐ ድማ ኣዝዩ ነዊ ሕን ኣሰቃቕን ከምኡ ከኣ ዓስቢ ዘይብሉ ብምዃኑ ህይወት ክትገላገል ክንደይ ምቅርቲ ምኾነ። እሞ ብሕጊ ተፈጥሮ ምልቛቕ እንተኣበየት ሰብ ባዕሉ ነብሱ ክፈርድ ኣጋጢምካ ይኸውን። ብጥምየት ኮነ ካልእ ጥበብ ዝስዕብ ነብሰ ቅት ለት፡ ኣብቲ ኣከታኻት ዝጠፍአት ነፍሲ፡ ሓንቲ ጥይት ክልግሱላ ዝተበተገት ነፍሲ፡ ብደብዳብ ነፈርቲ ቃሬት-ቃሬት ዝሸተተት ነብስን ከምኡ ድማ ካልእ ብዙሕ ብዙሕ ዝነበረ ምክንያታት ከዘክረካ ኢለ ጥራይ ኢየ።

ሎሚ ነዚ መዋጽእቲ ሂብካ ዝጸወኻሉ ካብ ዛራ ወጋሕታ ዝጸሪ ሓቅታት ቁልቁል ዝኣፋ ሓሶት ኢሎም ዝማጎቱ ወሓላሉን ተሓለቅትን ኣለዉ። መን ኢዮም ነዚታት ዝነዝሑ? ኢልካ ኣይትሸገረሉ። ንሳቶም’ሞ ፍሉጣት ኢዮም። ድሮ ኣቕሊብካሉ ከምእትኸውን እቶም ኣብ ከም ጐደናታት ዙሪክ፡ ስቶኮለም፡ ዩቶበሪ፡ ኦስሎን ዓቐበ-ቁልቁል ጐደናታ ት ፍራንክፉርትን ክወጹን ክወርዱን ታኒካ ቴኖታት ርሃጽ ’ቃልሲ’ ዝኽዕዉ ዘለዉ ታሪኽ ዘይነበሮም ሰብ ሓደስቲ ታሪኽ ባዶ-ሰለስተታት ተጋደልቲ ነበር ኮኑ ካልኦት ዜጋታት ኢዮም። እዞም ተነስኒሶም ዘለዉ ናይ ሓሶት ነብያት ከ ም ደረፍቲ፡ ወቓዕቲ ከበሮ፡ ደበልቲ፡ ኣባ-ጓይላ፡ ኣዕለልቲ፡ መኹደድትን፡ ገጠምትን ዝኣመሰሉ ምስሉያት ወገናው ያን ምዃኖም ህዝቢ ኣለልይዎም ኣሎ።

ፓይሎት፡- ብዛዕባኻን ታሪኽካን ኣፍልጦ’ዃ እንተዘይብለይ፡ ውዕሎና ባዕሉ ከምዘራኸበና ግን ጥርጥር የብለይን። ኣብቲ ኣቲኻዮ ዘለኻ ዓዲ ሰረትካ እንይተረ ጋጊጹ ድማ ክስዕበካ ንዝኽእል ተጻብኦ ልቢ ግበረሉ። ብቐዳምነት ኣ ብኡ’ውን ባዶ ሰለስተ ኣላ ኢያ። ብዘለኒ ሓበሬታ ንዝረኣኻዮ ስለዝተዛረብካ ክትብላዕ ስለዘለካ፡ ነቲ ሃብታም ተመ ክሮኻ ክትጅልሕ ክትፍትን ኢያ ባዶ ሰለስተ። ቀጺላ ክሳብ ባዕላ ህግደፍ ብስለያ ከምዝሰደደትካ ተመሲሉ ዝፍኖወረ ክላኻዕ ኢዩ። እዚ ዝግበረሉ ምኽንያት፡ ገሊአን ሃገራት ከም ሃገረ-ጀርመን ካብ ጽላሎተን ከይተረፈ ዋርድያ ስ ለዝወጻ፡ ነዞም ብስ ለያ ዝጥርጠሩ ብዓይኒ ኣልቃዒዳን ሸባብን እናተመኽነየ ብሕጊ ኢንተርፖል መሰረት እንተኾነ ክጥረዙ፡ ብዝተረፈ ኣብ ትሕቲ ስዉር ሓለዋ’ታ ሃገር ንኽኣትዉ፡ ናትካን ዘይናትካን ሰነዳት ኣሕሊፎም እናሃቡ ናብ ራ ከይጥዕመካ ምእ ንቲ ክጎድኡኻ ዝዓለመ መንቀኛነት ኢዩ። እንተክኢሎምስ ወረ ክሳብ ከጋድሙኻ ክሕልኑ ኢዮ ም’ሞ ከምቀደምካ ብክትመጸሉ ዝሓበሩኻ መገዲ ኣይትምጻኣዮም። እቶም ሰንኮፍ ዝእምነቶም ደቂሃገር’ውን ዝበሃል ስኢኖም እንተተባህለ፡“ እዚ ኩሉ ዝተዛረብካዮ ክግበር እንከሎ ንስኻኸ እንታይ ገበናት ሰሪሕካ? ኣበይ ድኣኸ ጸ ኒሕኻ“? ዝዓይነቱ መዳኸምያ ከምዘዳምቑልካ ኣይትስሓት። ሓሚቖም እንተተባህለ ከኣ “ወያነ ኢዩ“ ከምዝብሉ ተጸ በዮም። ካልእ ከም “ስለዘይሰለጦ ኢዩ ክንድዚ ዝልፍልፍ ዘሎ እምበር እንተዝሰልጦስ ኣይምወጸን“ ዝበሃል ከምዘሎ ’ውን ኣይትዘንጋዓሉ። ኣብኡ ድማ ኣለዉኻ ዓበይቲ። እንተ ኽኢልካ ንሳቶም’ውን ከክንደይ ሳዕ ከምዝተሳሕቱ ኣዕል ሎም። ብዝተረፈ ንብረት ህዝቢ ምዃንካ ኣይትዘንግዕ ኣይትደቅስ ከኣ። ብኣፍ ዘይኮነስ ብግብሪ!! ምስቶም መንእሰያት።

ብዝተረፈ ሰናይ ናብራ እምነየልካ።

ሓደ ተኸታታሊ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...