ኣብዚ ቅንያት ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ንምክያድ ኣብ ዝዳለወሉ ዝነበረ ግዜ ይኹን ቅድሚኡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ይቐጽልዶ ወይስ ኣይቐጽል ዝብል ነጥቢ ብቡዙሓት ዝዝረበሉ ዘሎ ነጥቢ ኮይኑ መብዛሕቶኦም እዚ ሕቶዚ ዘልዕሉ ኣባላት ኪዳን ዘይኮኑ እዮም::

ኣብ ኣብዝሓ ሰልፍታት ምእማን ዝተፈላልየ ዝምድናታት ሰልፍታት ምቕባል ማለት እዩ፤ ኪዳን ከኣ ሓደ ካብዚ ዝምድናታት እዩ::

ውድብ ይኹን ግንባር ንቐጻልነቱን ዘይቐጻልነቱን ዝውስኖ ባዕሉ እቲ ውድብ ወይ ግንባር እዩ ካብዚ ወጻኢ ግን ርትዓዊ ኣይኮነን::

ኪዳን ዋላኳ ኣዝዩ ደንጒዩን በቲ ዝላዓለ ስፍሓትውን ኣይኹን እንበር እዛ ሎሚ በጺሕናያ ዘለና ደረጃ ማለት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብጻዕሪ ኪዳን ሙዃኑ ዝዝንግዖ ዘሎ ኣይመስለንን ፤ ሓቂ እዩ ትጽቢትና ካብ መኣስ ዝጀመረ ድዩ ኢልና እንተኣምረርና ግን ኣብ ቦቱኡ እዩ፤ ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ ቀጻልነት ኪዳን ንኪዳን ዝግደፍ ኮይኑ ኪዳን ሓቚፍዎ ዘሎ ዓቢ ሓደጋ ብኸመይ ይእለ ዝብልን ኣብ ቀጻሊ ጒዕዞ ምስ ሃገርዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኪዳን ዝ ህልዎ ዝምድና ንነብሱ ኣብ ከመይ ዝበለ ደርጃ ይሰርዓ ዝብላ ሕቶታት ግን ንኹሉ ኤርትራዊ ዝምልከታ እየን ::

መጀመርያ ኣብ ኪዳን ካብ ዘለዋ ሓሙሽተ ሽዱሽት ውድባት ሰራዊት ከም ዘለወን ብሩህ ኮይኑ ነፍሲ ወከፍ ውድባዊ ሰራዊት ኣብ ነንሕድሕዱ ርኽክብ ዘይብሉ ውድባዊ ዕላማ ከዕውት ዝቃለስ ሰራዊት እዩ::

ህዝብና እዚ ጨቛኒ ስርዓት ዝወድቀሉ ብሓይሊ ሙኳኑ ስለ ዝኣምን ሓይሊ ዘለዎ ጽልውኡ ሰፊሕ ከም ዝኮነ ብሩህ እዩ፤ እዚ ብምርዳእ ሰራዊት ዘለወን ውድባት ኣብ ርእሲ ጨቛኒ ስርዓት ዝወሰድኦ ስጉምትን ዓወትን ብማዕከናት ዜና፥ ብቲቪ ድሃይ ኤርትራ ነናተን ዓወታት ክገልጻ ንርእዮን ንሰምዖን ኣለና:: ዓወት ኣብ ርእሲ ስርዓት ህግዲፍ ብየናይ ተቓዋሚ ይፈጸም ብዘየገድስ፥ ዓወት ኩሉ ኤርትራዊ ሙዃኑ ርዱእ እዩ፥ ኮይኑ ግን ብሄራውያን ውድባት ነንናይ ገዛእ ርእሰን ብሄራዊ ማዕርነት ማእከል ዝገበረ ዝተፈላልየ ሰራዊት ዘለወን: ሀይማኖታውያን ውድባት ሀይማኖታዊ ማዕርነት ማእከል ዝገበረ ሰራዊት ዘለወን እየን:: ውድቀት ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ተቓውሞ ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኮነን ካብ ናይ ተቓውሞ ወጻኢ ብዝኮነ ምዕብልና እንተወደቐ፥ ምስ እዚ ኣተሃላልዋ ሰራዊት ተቓውሞ ካብ ናይ ሎሚ ዓወቱ ናይ ጽባሕ ጉድኣቱ ከይከብድ፥ ንኹሉ መኣዝን ከይረኣና ዝኣተናዮ መውጽኢ ስኢና ንነዊሕ ግዜ ከይንሳቐ ፥ንጽባሕ ዘይብሃል ናይ ሎሚ ህጹጽ ፍታሕ ዘድልዮ እዩ::

ኣብዚ ከብርህ ዘለዎ ነጥቢ እንተሎ ብሄራዊ ማዕርነት ፥ ሃይማኖታዊ ማዕርነት፥ ማለት ዓድታት፥ ወረዳታት፥ ብሄራት፥ ኣውራጅታት፥ ባዕለን ክመሓድራ መትከላዊ ኮይኑ፥ ነዚ መሰላትዚ ጊህስካ ብስም ማእከላይ መንግስቲ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ብወገን ይኹን ብጠቕሚ እንደራሴታትካ ሰዲድካ ክትገዝእ ምፍታን ጽረ ደሞክራሲ ኮይኑ ዋሕስነቱ እተን ውድባት ጥራይ እየን፤ መሰልካ ባዕልኻ ተቓሊስካ እተዕውቶምበር ተመባጺዑ ኣይተመባጺዑ ዝ ህበ ካ የለን::

እዚ መሰልዚ ተግባራዊ ንምግባሩ ንክልተ መሰረታውያን ምርኩስ ምግባር የድሊ፥ ቀዳማይ ዕላማታት ሃገራዊ ባይቶ ንዲመክራስዊ ለውጢ፥ ካልኣይ ሓደ ሰራዊት ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ባይቶ ንዲመክራስዊ ለውጢ ኣብቲ ዝቐውም ሓደ ሰራዊት እኩል ውክልና ክህልው ግን ይግባእ ኪዳን ምስ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘለዎ ዝምድና ንሱ ጥራይ ዝፈልጦ ክኸውን የብሉን ንኹሉ ኤርትራዊ ብሩህ ክኸውን ይግብኦ ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ሰፊሕ ዝርዝር መግለጺ ንህዝቢ ኤርትራ ከውጽእ ይላቦ ሃገራዊ ባይቶ ንዲመክራስዊ ለውጢ ዝምልከት ብተለቭዥን ደሃይ ኤርትራን ካልኦት ናይ ተቓውሞ ዜና ማዕከናትን ዝግበር ጎስጓስ ምስ ዝተፈላለያ ውድባት ዝገብርኦ ኣወዳዲርካ ኣዝዩ ድሩት እዩ::

ጸብጻብ ይኹን ዜና ውጽኢት ናይ ስራሕ ከም ሙዃኑ መጠን፥ ዝተጠርነፈ ሰራዊት ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ባይቶ ካብ ዘይከውን፥ኪዳን ምስ ባይቶ ዘለዎ ስርዒታዊ ምትእስሳር ካብዘይንጸር፥ ሓያሎ ንጥፈታት ካብኡ ወጻኢ ካብ ዝካየድ ናይ ግድን እዩ ድሩት ክኸውን::

ተለቭዥን ደሃይ ኤርትራ ቅድሚ ምቛም ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ትሕቲ ኪዳን ዝነበረትን ዘላን እያ ስለምንታይ እያ ክሳብ ሕጂ ብሃገራዊ ባይቶ ዘይትምእከል?

እዚ ሕቶዚ ኪዳን ክምልሾ ለበዋይ ናብ ኪዳን የቕርብ::

ተስፋይ መብራህቱ ካብ ጀርመን

ሓድነት ህዝቢ ኤርትር ይደልድል
ውድቀት ንጨቆንቲ ህዝቢ ኤርትራ
ዘልኣለማዊ ዝክሪ ንስዉኣትና


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...