ክቡራትን ክቡራንን፡ ዓበይትን ናእሽትን ደቂ ሃገርይ፡ሒዝናዮ ዘልና መድረኽ ግዜኡን፡ኡዋኑ ተሃዋሲ እናኾነ ይኸይድ ስለ ዘሎ፡ደምበ ተቓውሞ ድማ ገና ዘይ ዓኾኸ ኮይኑ ይጛዓዝ ብምህላዉ፡ንዝመጸና ከቢድን ተሓላላኽን መድረኽ ንቕረብዶ ኣለና? ወይስ “ዝበረቐ ጸሓይና ዝነገሰ ንጉስና” ኢና ክንብል።

እስከ ንገንዘብ ህሉው ኩነታት ህዝብና ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ኣብ ስደት ከመይ ኣለና?፡ ከምኡ ድማ ደምበ ተቃውሞ እስከ ንተዓዘብ፡ ኪዳን? ዘይ ኣባላት ኪዳን? ሲቪካውያን ማሕበራት? ሰልፊ ህዝቢ? ግዱሳት ሃገራውያን ንለውጢ? መንእሰያት? ደቂ ኣንስትዮ? ከም ኡውን ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲን ለውጥን? ዝብል ኣስማት ሒዝና ንጛዓዝ ኣለና፡፡ ጽባሕ ስርዓት ኢሳያስ እንተወደቐኸ! ተቐሪብናዶ?

ዝተቐርቡ ኣይሳኣኑን ይኾኑ ፍሉይ ዓላማ ዘለዎም እንተኾንኸ? እዚ ፍሉይ ዓላማ ኣብ ጽልእን ቕርሕንተን ዝትመርኮሰ እንተኮነኸ! እንታይ እዩ ክግበር ዝከኣል? “ዉሕጅ ከይመጸ መገዲ ዉሕጅ ጽረግ” ዝብሃል ምስላ ግዜኡዶ ኣይኮነን?
ሰማይ ደበና ድብንብን ይብል ኣሎ! ሰማይ ይሃምም ኣሎ፡ በርቅን ነጎዳ የጉረምርም ኣሎሞ! ዝናብ ምስ ዘነበ ዉሕጅ ምስጋሩ ከየጸግም “ድልድልዶ ተሰሪሑ”?፡፡

ንመድረኽ ተቐሪብናዶ? ክሓትት ዘገደደኒ ምኽንያት ስለ ዝረኸብኩን፡ ቀጺል ድማ ኣነ ድየ ዲሒረስ ወይስ ምስቶም ኣርሒቖም ዝሓስቡ እዬ ተጸንቢረ? እናበልኩ ይሓስብሞ!
እስከ ምስ ኣሕዋተይ ክማኸር ኢለ እዬ ሕቶ ናብ ኩላትና ከቕርብ ተገዲደ፡፡

ሕጂ ኤርትራውያን ኣብ ምንታይ ኩነታት ንርከብ ኣሎና? ዝብል ሕቶ ማንም ኤርትራዊ ዝሓስቦን ዘስተንትኖን ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ መልሲ ንኹላትና ዘተሓብብር ክንረክን ግና ነጻ ዝኾነ ኣተሓሳስባን፡ ካብ ስምዒት ሓራ ዝኾነ ኣእምሮ ተጠቒምና ክንሓስብ እንተተኻኢሉን፡ ብኩዉንነት ምስ እንርኢን ማለት ክልተ ተደመሮ ክልተ= ኣርባዕተ(2+2=4) ከም ዝኾነ ኣሚና እንተ መጙትናን ጥራሕዩ እቲ ሓቅነት ዝግለጽ፡፡

እምባር ኤርትራውያን ዘልናዮ ኩነታት ኣብ ውሽጥ ሃገርን ኣብ ስደትን እንነብር ኣይጠዓምናን፡ ስርዓት መንግአስቲ ኣስመራ ኣብ ዓለም ተወጊዙ፡ ህዝቢ ፍትሒ ሲኑ፡መነባብሮ ሰብ ከቢዱ፡ ሓዳር ተመዛቢሉ፡ቖሉዑ ብዘይ ኣቦታቶም ይዓብዩ፡ ኣንስቲ ብዘይሰብኣይ ይኣርጋ፡ ኣደታት ደቆን ስኢነን ብናፍቖት ይስቐያ፡ ኣረግቶት ወለዲ ኣላዪ ስኢኖም ይሽገሩ፡ መንእሰያት ተስፋ ቖሪጾም ፈቀዳኡ ይመቱን የቅዘፉን፡
መጻኢ ትውልዲ ብድንቑርና ይጽበ……ዘርዚርካ ኣይዊዳእን ህሉው ኩነታት ኤርትራ፡፡

“ሕማቕ ዘበን ባዓል ጋዕሳ ኣለዋ” ከም ዝበሃል ሕጂ ዝጠዓሞም የለዉን ማለት ኣይኮነን፡እንተ መሕለፊ ፍቓድ ሸይጦም፡ እንተ ጉቦ ተቐቢሎም፡ እንተ መንዚዖም ዝጠዓሞም ኣለው፡ ከም ኡውን ኣብ ስደት ዝነብሩ ተበላጾ ሙህራትን፡ እንታይ ገደሰኒ በሃልትን ወሲኽካ ብዙሓት ዝጠዓሞም ኣለዉ፡፡

ሕቶይ ግና ነቲ ሓላይ ህዝቢ እየ ኢሉ ኣብ መድረኽ ቃልሲ ዝዋሳእ ዘሎ ዜጋ እዩ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣባላት ኪዳን ኣብ ኤውሮጳን ክዘሩ ቀንዮም፡ ምንም ኣይኮነን ሙሉእ መሰል ኣለዎም ክዘሩ፡ እንተኾነ ገዳ ኣብ ዘይስራሖም ከይ ኣትዉ ጥንቃቐ የድሊ፡፡ ኣብዚ እዋንዚ እቶም ኪዳን ዝበሃሉ ኣብ “ፈጻሚት ሽማግለ” ኣካይዲ ኣካል ተመሪጾ ከምዘለዉ ፈሊጥና ነርና፡ ሕጂ ግና፡ ኣቶ በሺር ኢስሓቅ ዝመርሖ ጉጅለ ኣብ ኤውሮጳ ዑደት ጌሩ ህዝቢ ኣኪቡ ገንዘብውን ሓቲቱ ዝብል ወረ ይስማዕ ኣሎ።

ኣቶ ተወልደ ገብረስላሴ ኣቦ መንበር ናይ ሳግም፡ ተወስኺ ኣቦ መንበር ናይ ኪዳን፡ ቀጺሉ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ፡ ኣካይዲ ዜናን ኣብ ፈጻሚት ሽማግለ ኣብዚ ሓድሽ ሃገራዊ ባይቶ።እዚ ተደራራቢ ህዝባዊ ስልጣን ኣቶ ተወልደ ብጣዕሚ እሙን ስለ ዝኾነ ድዩ፡ስልጣን ህዝቢ ምግባት ናይ ስልጣን ብልሽውና ወይ ቃልሲ ንኸይስጉም ምዕጋትዶ ኣይኮነን?።

ኣቶ ጸጋይ የውሃንስ ኣቦ መንበር ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲን ለውጥን ሓላፍነት ህዝቢ ተሰኪሙ ከብቅዕ፡ ናይ ባይቶ ኣካይዳ፡ ካበይ ጀሚሩ ናበይ ከም ዝጛዓዝ ንህዝቢ ከፍልጥን ክጉስጉስን ዶ ኣኮነን ሓላፍነት ዝተርከቦ? ብዘይ መጽናዕቲ ኣባል ባይቶ ወካሊ ናይ ሲቪክ ከደስክል ግዜ ኣይወሰደሉን፡ ኣብ ቅድሜኡ ኣቶ በሽር ኢስሓቅ ኣብ ሎንደን ኣኼባ ከካይድ ዓገብ ግን ኣይበለን።

ዶክተር ዮሱፍ ብርሃኑ ኣቦ መንበር ናይ ለጻሚት ሽማግለ ኮይኑ ካብ ዝምረጽ ክስብ ሕጂ ኣርባዕተ ወርሒ ሓሊፉ ስልጣን ካብ ዝርከብ፡ እንተኾነ ምስ መድረኽ ክጉዓዝ ኣይተራእየን፡ እንታዩ ጸገሙ? ኣባላት ኪዳን ኣብ ዘይሓላፍነቶም ክንቀስቀሱ ንምንታይ ስቕ ኢሉ ይርኢ ኣሎ? ንምኻኑ ፈጻሚት ሽማግለ ሸሞንተ ካብ ኪዳን፡ ሸሞንተ ካብ ህዝቢ፡ ሓሙሽተ ካብ ኣባላት ኪድን ወጻኢ፡ ክኾኑ ከለዉ ንምንታይ እዮም ኣብቲ ፈጻሚ ሽማግለ ኣካየድቲ ካብ ህዝቢን ካብ ኪዳን ወጻኢን ዘይተመርጹ?
“ዝመጸጸ ስዋ ኣብ ሓድሽ ዕትሮዶ!” ኣይኮነን?።

ኣብ መርበብ ዓዋተ ከም ዝተገልጸ ዲፕሎማቲክ ዓወታት ከም ዝተመዝገበ ብኣባላት ተቃለስቲ እስልምና ማሕበር ኤርትራውያን ኣብ ግብጺን ኣብ ኣልጀርያን ሰሚዕና፡
ኣሕዋት ኣስላም ግብጺ ጽቡቅ ፍቃዶም ኮይኑ ንኣሕዋት ኣስላም ኤርትራውያን ከምዘዘራርብዎም ተገሊጹ።

እዚ ሓድሽ ባይቶ ምስ ግዜን ኩነታትን ዝጛዓዝ ዘሎ ኮይኑ ኣይተራእየንን ኣብ ኤርትራ እንታይ ይግበር ኣሎ? ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተኹሲ ምልውዋጥ ከም ዝተገብረ ዓለም ሰሚዕዎ፡ ዶክተር ዮሱፍን፡ ኣቶ ዮውሃንስን፡ ኣቶ ሸንገብን፡ ኣቶ ተወልደ ገብረስላሴን ሰሚዔምዎዶ? ኢለ ንነብሰይ ሓቲተ፡፡ እንታይ ክገብሩ ዲና መሪጽናዮም? ኢለውን ሓተትኩ ንነብሰይ።

ኤርትራን ህዝባን ኣብ ቅልውላው ምህላው ንማንም ክዉል ኣይኮነን፡ መሪሕነት ኪዳን ይቐጽልዶ ኣይቐጽል ዝብል ዘረባ ኣድላይ ኮይኑ ኣይተራእየንን። ኣብ ፈጻሚት ኣካል ዘይተመርጸ ሰብ ኣሎ ዝብሃል ኣቶ ሑሴን ኸሊፋን ኣቶ በሽር ኢስሓቅን እዮም ጉጅለ ተዳሙ (መንዓምርን ቢለን መቀጸልታ ኣደቡሓ) ስልጣን ኣብ ኢዶም ኣሎ።ከምዚ ኢልካ ድማ ኣብቲ ዝድለ ዓወት ዜብጽሕ ኮይኑ ኣይራኣየናን።

“ሰብ ኣብ ዓዱ፡እክሊኸ ኣብ ዓውዱ” ከም ዝብሃል መንነትና ንፍለጥ፡ መንነት ሓበሻ ጥንታዊን ታሪኻውን እዩ። ኤርትራዊ መነቱ ድማ ዓዱ ስል ዝኾነ፡ከም ነውሪን ከም ዘሔፍርን ገርካ ክውሰድ ኣይግባእን፡ ሕጊ ዓደቦ፡ መሰረት ህዝቢን፡ መበቆሉን ክኾኑ ከለዉ፡ ሕጂ ዘሎ ኣተሓሳስባ ግና ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ሃገር ምስ ተኣትወ ምርጫታት በብዓዱ፡ በብወረዳኡን፡በብኣውራጃኡን ስለ ዝከውንሲ ሰብ ይቕረብዶ ኣሎ? ወይስ ደርፊ ህግደፍ ኤርትራዊየ እንበል ኮቦሮ ምውቅዕዩ! ማለት መሰረት ስል ዝየትሕዝ ኣብ ዓዱ እዩ ሰብ ዝመርጽን ዝምረጽንሞ! ብዝሒ ህዝቢን ቦታን ግደ ስለዘለዎ ስብ ይቕረብዶ ኣሎ? ዝመጾ ይፈልጥዶ ኣሎ?

ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ባይቶ ኣመሰራርታ ሚዛን ዘይሓለወን፡ ኣግባብ ዘይተኸተል ኣተዓዳድላ ሪም፡ ቢሔራትን፡ቆላን ደጋን፡ሃይማኖትን፡ደቂ ኣንስትዮን፡ መንእሰያትን፡ ብግቡእ ኣይተዳላደልን ዘሎሞ! ኣብ መጻኢት ኤርትራ ከመይ ጌርና ከንደላድሎ ንመድረኽ ተቀሪብናዶ?

እዞም ሕጂ ኣብ ስልጣን ፈጻሚትን ኣባላት ባይቶ ዝልዓለ ቦታ ሒዞም ዘለዉኸ! ሓላፍነቶም ከቢድ ምኻኑን ተሃዋሲነቱን ኣዕሚቖም ንኽፈልጡ ግዴታ ኣለዎም።

ኣሰራርሓ ግሉጽነትን፡ ኪእላታት ዜጋ፡ ፈላጣትን፡ምሁራትን፡ ካብ ኩሉ ኩርንዓት ህዝብና ከሳትፉ ምጽዓርን ከም ኡድማ ብሓላፍነት ዘሕትት ስልዝኾነዉን መራሕቲ ክፈልጥዎ ይግባእ፡ ሓልፍነት ህዝቢ ብዓርከይ ዓርከይ ዝመሓደር ኣይኮነን።ህዝቢ ኤርትራ “ካብ ሓዊ ወጺኡ ናብ ረመጽ ንኸይኣቱ” ክሕሰበሉን ክጸዓረሉን ዘለዎ ጉዳይ ከም ምኻኑ ከማሕጽን ይፈቱ። ሕጂውን ንመድረኽ ተቐሪብናዶ?

ዓወት ንውጽዕ ህዝቢ ኤርትራ
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና

6 ማዝያ 2012


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...