ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ማዕከናት ዜና ክሳብ ሕጂ  ብዝገበርኩሞ ኣስተዋጽኦ ምስጋና ይብጻሕኩም፡፡
ዕድልና ስለ ዘይጸበቀ ግን እቲ ጻዕርኹም ጌና ክቕጽል ከምዝግባኦ ብሩህ ኮይኑ ተዓጢቕኩም ተካይድዎ ከምዘለኩም ኣውን ብሩህ ኢዩ፡፡

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ናብራ ካብ ህዝቢ እንዳተነጸለን እንዳተፈንፈነን ምስ ከደ ናይ መወዳእታ መሕብኢ ባዓቲ ቤተ  ክርስትያን ኦርተዶክስ ክረክብ ይፍትን ኣሎ፡፡ እዚ ልክዕ ኣብ ጊዜ ምፍራስ ፈደረሽን ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ ንገለ ውሑዳት መሳርሒ ዝኾንዎ ኣባላት ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ብምዕዳግ ንህዝቢ በቲ ከፍርሖ ዝኽእል ባህላዊ ኩነታት ጌሮም ከደናግሩን ከፋራርሑን ጀሚሮም፡፡ ሓደ ኣብ ከምዚ ዝበለ ጉዕዙይ ስራሕ ተዋፊሮም ዝነበሩ ንብረ ኢድ ቀሺ ዲመጥሮስ ኣብኡ ነዚ ሕጂ ሓላፊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ተባሂሉ ዘውጠጢ ዘሎ ኢዮም ፡፡ ራዛ ናይ ኣብኡ ሓዛ ኢዩ ነገሩ፡፡

ቀሺ ዲመጥሮስ ሃገረይ ኢትዮጵያ ዘይበለን ንጉስና ንጉስ ሃይለስላሰ ዘይበለን ምስ ሞተ ከይትፈትሕዎ ዝብል ጥብቂ ትእዛዝ ንቤተክህነት ብምሃብ ንህዝቢ ብእምነቱ ጌሮም ኣዳናጊሮም፡፡ ሓያሎ ውፉያት ኣባላት ቤተ ክህነት ንሕና ኣገልገልቲ ኣምላኽ እምበር ኣገልገልቲ ንጉስ ምድሪ ኣይኮናን ኢሎም ብምምካት ፈቐዶ ማእሰርትን መግረፍትን ኮይኖም ኢዮም፡፡

ሽዑስ ሕራይ ብጓና ሎሚኸ ኣብ ናጻ ኤርትራ ብኤርትራዊ ስርዓት ነቲ ጨካን ታሪኽ መግዛእቲ ክድገም እንከሎ ምስ ምንታይ ክሕሰብ ይከኣል? ነዚ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኢዩ እምበኣር ናይ ሞት ይጽናሕ ናይ ሕልፈት ይበኸ ድተባህለ፡፡

ብሕጊ ኤጰስ-ቖጰስ ሕጊ ሲናዶስ ሊቀ-ጳጳሳት ብህይወቶም እንከለው ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ከምዘይግባእ ይነግር፡፡ ምናልባት እቲ ሲናዶስ ዘየፍቅዶ ገለ ሕግታት ምስ ዝጥሕሱ ብድሪኺትን ሕጊ ሲኖዶስን ክወርዱ ይኽእሉ፡፡ ናይ ኣእምሮ ጸገም ንሕጊ ሃይማኖት ምጥሓስ ዝበለ ስነ-ምግባር ሃይማኖት ዘዳኽም ምስ ዘጋጥም፡፡

ክቡር ፓትሪያርክ ኣቡነ ኣንጦንዮዎስ  እሱራት ፍታሕ ትብል ቃል ስለዘውጽኡ ኢዩ ዝብሃል እምበር ካልእ ኣበርስ የብሎምን ተሓይሮም ካብ ስልጣኖም ተገሊፎም ብሕማምን  ብእስራትን ይሳቕዩ ኣለው፡፡

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኢዱ ኣብ ሃይማኖት ብምእታው ንተሞክሮ ሃጸይ ሃይለስላሴ ክደጋግሞ ይርኤ ኣሎ።ኣብ እዋን ውድቀቱ ንህዝቢ ተማሊኡዎ ክኸይድ ብንጥፈት ይሰርሕ ኣሎ፡፡ ንዕላማኡ ተግባራዊ ንምግባር ነቶም ገንዘብ ንኽእክብሉ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ከፊትወን ዘሎ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈታት ሕጂ ኣብ  ብናይ ህዝቢ ጻዕሪ ዝተመስረታ ኣብያተ ክርስትያናት ኣትዮም ክብጽብጽዎም ከምዘለዎም ጥቡቕ ትእዛዝ ሂቡ የንቀሳቕሶም ኣሎ።

መንገዶም ዝሰሓቱን ንመንፈሳዊ ሓላፍነቶም ናብ ፖለቲካ ዝሸጡ ውሑዳት ኣባላት ቤትክህነት እውን ሓላፍነቶም ንህዝብን ንንጉስ ሰማይ ምግልጋል ሙዃኑ ዘንጊዖም ንጉስ ምድሪ ንምግልጋል ይጽዕሩ ኣለው፡፡እዞም መንፈሳዊ ተግባራቶም ናብ ጊዝያዊ ቀይሮም ሓላፍነቶም ዝዘንግዑ ኣባላት ቤተክህነት ንቤትክርስትያናት ብመንገዶም ዝመጹ ኣቕሽስቲ ኣይትቀበሉ፡ ኣቕሽሽቲ እንተደሊኹም ካብ ኣስመራ ከነምጽኣልኩም ኢና ብምባል ከፋራርሑ ይርኣዩ ኣለው፡፡እዚ ኣበሃህላ ምቕባል ዝኣበዩ ቤተክህነት ውገዛን ምሕዳግ መንበረ ታቦትን ተጠቒሞም ከፈራርሑ ይፍትኑ ኣለው፡፡

ነዚ ካብ መንፈሳዊ ሓላፍነት ዝርሓቐ ተግባራት ዝገብሩ ዘለው ኣብ ፍራንክፈርት ሃገረ ጀርመን ዝምቕማጦም ብስርዓት.ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተሸሙ ካድረ ጳጳስ ምስ ሰዓብቶም ኢዮም፡፡ ንብመንፈሳዊ ሓላፍነት ተሞርኩሶም ንተግባራቶም ዝተቓወሙ ካህናት ``መናፍቓን`` ዝብል ስም ብምጥማቕ ካብ ህዝቢ ክንጽልዎምን ህዝቢ ክስዕቦም ከምዘይብሉን ይሰብኩ፡፡

እቲ ሓቂ ግን ኣንጻሩ ኢዩ፡፡ መናፍቓን ዝብሃሉ ንመንፈሳዊ ሓላፍነቶም ናብ ፖለቲካ ዝቐየሩን ንወጽዓ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ክፍትሑ ዝጽዕሩ ወጽዓ ክትርርን ክብርትዕን መሊሶም ዝጽዕሩብ ኢዮም መናፍቓን ዝብሃሉ፡፡

እምብኣር እዚ ኣብ ፍራንክፈርት ክግበር ዝዳሎ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ነዚ ቶንከል`ዚ ንምብዳሀ ኢዩ።ሃይማኖት መገልገሊ ኣማኒ ህዝቢ እምበር ሃይማኖት መጨቆንን መፈራርሕን ዘይሙዃኑ ንህዝቢ ንምእማን ኢዩ፡፡

መራሕቲ ሃይማኖት ህዝቢ ኣብ ሃይማኖቱ ጸኒዑ ካብ ንጉስ ሰማይ እምበር ካብ ንጉስ ምድሪ ክፈርህ ከምዘይግብኦ ኣትሪሮም ክምህሩ ኢዩ ዝግባእ ዝነበረ፡፡ህዝቢ ኤርትራ ብእምነቱ ጽኑዕ ንሕጊ ምእዙዝ ኢዩ፡፡ እዚ ጽፉፍ ስነ ምግባር እዚ ንመፈራርሒ ክትጥቀመሉ ምፍታን ግን ንዕቀት ስለ ዝኾነ ህዝቢ ትዕግስቱ ወዲኡ ከይጥሕሮም ምሓስቡን ክጥንቀቑን ይግባእ፡፡እዚ ሰላማዊ ሰልፊ`ዚ እምብኣር ብግቡእ ተወዲቡ ኣድማዒ መታን ክኸውን ኩሉ ደላይ ፍትሕን ሓቂ ክሳተፎ ይግባእ፡፡እቲ ኣብ ሃገረ እስራኤል ተሓፊሱ ዘሎ ድሙቕ መንፈሳዊ ዓወታት ኣብ ፍራንክፈርትን ካልእ ከተማታት መታን ደጋገም ኣበርቲዕና ንሰርሕ ይግባእ፡፡

ዓወት ንሓቀይና መፈሳዊ ቤተክርስትያናትና
ውድቀት ንመላኺን መጋበርያታቱን፡፡

ጋብር ብርሃነ
09-03-2012


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...