ኣብ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ እንርከብ፡ ኣብ ሞንጎ ኣባላት ፈጻሚ ቤት-ጽሕፈትን ኣባላት ባይቶ ንነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ናይ ሰለስተ ግዜ ተለኮንፈረንሳት፡ ክምለሰሉ ዘለዎ ሕቶ ኣቕሪቡ እዩ፡ ኣብሪዂ ዝቐነየ። ብኣወንታ ተመሊስሉ ኸኣ። ነዚ ዝሰምዐ ዓርከይ፡ “ነቶም መራሕቲ ምስጋና ይግብኦም እዩ። ደብዳቤ ጽሓፈሎም፡” በለኒ። ኣነስ ንመራሕትና ኣመስጊነ’ኳ ኣይፈልጥ። ዋላ ተደለኽዎ እውን፡ ኣይክኽእሎን እየ፡” በልክዎ። ካብኡ ምስ ተፈለኹ ግና፡ “መራሕትና ድምጽና ክሰምዑ ካብ ተበገሱ፡ ሓቁ’ዩ ምስጋና ይግብኦም’ዩ” ብማለት፡ እቲ ምስጋናይ ብደብዳቤ ዘይኮነስ፡ ኩሉ መታን ከንብቦ ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ክልጠፍ መረጽኩ። ክቡራት መራሕትና፡ ዶር ዮሱፍ ብርሃኑን ኣቶ ጸጋይ ዮውሃንስን ብዝሃብኩምና መልሲ፡ ከም ኣባል ባይቶ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ መጠን፡ ኣነ ወልደየሱስ ዓንደማርያም ከመስግነኩም እደሊ።

ሽሕ’ኳ ኣባላት ባይቶ ኣብ ዓዓድና ኣኼባታት ከነካይድ እንተጸናሕና፡ ካብቲ ኣብ ጉባኤ ዝሓለፈ ኩነታት ምግላጽ ሓሊፍና ግና፡ ገና ኣብ ስራሕ ኣይተዋፈርናን። ስለዚ ብዛዕባ እዚ ዝሓለፍናዮ ጉዳይ እዚ፡ ዝሰምዑ ሰባት ሻቕሎት ፈጢርሎም ከምዝጸንሐ ፍሉጥ እዩ። ብዝያዳ ኸኣ እቲ ደላይ ለውጢ ዝኾነ ህዝቢ፡ “እቲ ዝወዓለ ጉባኤስ ጽብቑ ሕማቑ ተነጊሩ፡ መዓስ ድኣ እዩ እቲ ስራሕ ዝጅመር?” ዝብል ሕቶ ኣብ ኣእምሮኡ ክመላለሶ ወሪሑ ኣሎ።

ኣብ ኣሰራርሓና እቲ ባህርያት ናይ ግሉጽነት ገና ድኣ ኣይተላማመድናዮን ኮይና እምበር፡ እቲ ዝተሓተተ ሕቶ ይኹን እቲ ዝወሃብ ዝነበረ መልሲ ብቓልዕ ንህዝቢ እንተዝንገር ነይሩ፡ እቲ ህዝቢ በዚ ስክፍታታት እዚ ኣይምተሻቐለን ነይሩ። ብዝያዳ እኳ ድኣ፡ “ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ንቃልሲ እንዳጽፈፈ ክጅምር ይጽዕር ኣሎ፡ ስራሕ የካይድ ኣሎ፡” ብማለት ምተሓጎሰ ነይሩ እብል። እዛ ግሉጽነት እትብሃል ነገር ግና መዓስ እያ ክትትኣታቶ? መዓስ እያ ኸ ይከኣል እዩ ከተብል? ጉዳዩ ጉዳይ ህዝቢ ክነሱ፡ ኣርእስቱ ኣርእስቲ ህዝቢ ክነሱ፡ ንህዝቢ ክንገር ኣለዎ ዝብሃልን ክንገር የብሉን ዝብሃልን ኣበይ ኮን ይኸውን ደረቱ? ኣብ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ክንካትዓሉን ክንረዳድኣሉን ዝቐነና ግና፡ ብዛዕባ እዚ ኣርእስት እዚ ኣይኮነን።

ዘካትዓና ንህዝቢ ከይተገልጸ ብምቕናዩ ግና ኣብ ናይ ወረ ጠሓኒት ኣትዩ፡ ሰብ ጭብጢ ከይሓዘ በብዝመስሎን ከከምዝጥዕሞን ከቕርቦን ክዛረበሉን ክቕኒ ዕድል ሂብናዮ። መዳናጎይ ስራሕና እውን፡ እዚ ከምዝኾነ ተተንቢሁ። ኣይኮነን ግና። ከይተጻፈፈ ዝጅመር ኣጋባብ ኣሰራርሓ ጎዳኢ ከም ምዃኑ ተረዲእና፡ ኣባላት ባይቶ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ንኸነጻፍፎ፡ ኣገዳሲ ስራሕ ኢና ክንሰርሕ ቐኒና። ስራሕ ደው ኣየበልናን። ንሕናስ መቐጸልታ እቲ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ እዩ ኢና ክንብሎ ዝቐነና።

ዝዘንጋዕናዮ ነገር ግና ነይሩ። እንታይ ንገብር ከምዝነበርና፡ ንህዝብና ኣይነገርናን። ግሉጽነት ፋሕ ከተብለና እያ ኢልና ብምፍራሕ ዓዂሊልና ኣቐሚጥናያ። ንመድሃኒትካ ፈሪሕካ ቁስሊ ኣይሓውን። ግሉጽነት ክንፈርሓ ዘይብልና መድሃኒትን መሳርሕን መንገድን ዲሞክራሲ እያ፡ ከኣ እብል። ኩሉ ነገር ይዳሕዳሕ፡ ክዕቀብ ዝብሃል ምስጢራት ክህሉ የብሉን ክብል ኣይክኣልን። ንህዝቢ ክንገር ዝግባእ ግና፡ ክንገር ኣለዎ-- ንኣብነት እዚ ዘቐነየና ኣርእስቲ።

ምኽንያቱ፡ ንህዝብና ኣብ ሻቕሎት ካብ ነእትዎ፡ ከምዚ ኢና ንገብር ዘሎና ኢልና እንተንገልጸሉ ኔርና፡ ነቲ ኣቲናዮ ዝቐነና ኩነታት ኣብ ጥቕምና ምቐየርናዮ ኔርና። ብዝያዳ ጉዳዩ ስለዝኾነ፡ ህዝቢ ሰሚዕዎ እንተተኻትዓሉ እንታይ ዘፍርሕ ነገር ኣለዎ? ነቲ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ክትኣታቶ ዘተባብዕ ኩነታት ምፍጣር ዶ ኸይኮነ? ኣብ ርእሲኡ ንህዝብና እንሰርሖ ዘሎና ምግላጽ፡ ኣብ ልዕሌና ክህልዎ ዝኽእል እምነት ንኽድልድል ክጠቕሞ እንተዘይኮይኑስ ዝጎድኦ ኣይመስለንን። ዝኾነት ትኹን ንጥፈታትና፡ ትዕበ ትንኣስ፡ ነቲ ዓወት ናይ ቃልስና ወሳኒ ዝኾነ እምነት ህዝቢ፡ ከመይ ገይራ መሰረት ከምእተንጽፈሉ እንዳሓሰበት ክትከይድ ኣለዋ።

ስራሕን ጌጋን ተሓናገርቲ እዮም። ከይተገልጹ ግና፡ ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ንሰርሕ እንተሎና ከመይ ጌይሮም እዮም ክፍለጡ? እዛ ዘቐነየትና ክትዕ ኸ እንታይ ትሕባእ ነይርዋ። ተጠንቀቑ ክትሕባእ ኣለዋ፡ እዚኣ ክትሞሉቕ የብላን ዝበለ ኣይነበረን። በተግ ኢሉ ንህዝቡ ክነግር ዝተበገሰ ኣባል ባይቶ ኸኣ ኣይነበረን። ኮይኑ ግና፡ እቲ ዘይተጻሕፈ ሕጊ፡ እቲ ሕማቕ ልምዲ ንምስባሩ ክሳብ ክንደይ ሓያል ከምዝኾነ ጥራይ እዩ ዘረድኣና። እዚ ልምዲ እዚ ክስበር ይግባእ።

ግሉጽነት ካብ ጉድኣታ እቲ ጥቕማ እዩ ዝበዝሕ። ካብ ዘሳለጥናዮ ስራሕ ጥራይ ምግላጽ፡ ምስኡ ተጎራቢቱ ዝኸይድ ጌጋ ግድነት ክህሉ ሰለዝኾነ፡ እዝን እትን ክእረሙ ዘለዎም ጌጋታት እውን ኣለዉና ኢልና ብምርቛሕን ብምንጋርን ብምእራሞምን፡ ኣብቲ ንእምነት ህዝቢ ንምስራጽ ኣንገብሮ ዘሎና ቃልሲ ዝዓበየ ተራ ኣለዎ። ህዝቢ፡ ሓባእትን ተኸላኸልትን ጌጋታትና ከምዘይኮንና እንተድኣ ፈሊጡና፡ ኣብ ልዕሌና እምነት ኣሕዲሩ ኣብ ስራሕ ንእንገብሮም ጉድለታትን ጌጋታትን ንምእራሞም ባዕሉ ክትሓጋገዘና ይኽእል እዩ፡ ዝብል እምነት ኣሎኒ። እዚ ኹሉ ስራሕ እዚ ከኣ፡ ስራሕ ግሉጽነት እዩ እሞ፡ ንግሉጽነት ዓዂሊልና ኣይነቐምጣ፡ እብል።

እሞ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ “እንታይ ዝበለ ክትዕ ድኣ እዩ ቐንዩ?” ትብሉ ትህልዉ። ካብ ፈጻሚ ቤት-ጽሕፈት ዝመጸና ስርርዕ ክንካትዓሉን ክንረዳድኣሉን ቀኒና። በቲ ዝተዋህበ መምርሒ መሰረት፡ ኣባላት ፈጻሚ ቤት-ጽሕፈት ዝርከብሉ ዞባታት፡ ብኣብቲ ዞባ ዝርከብ ኣባል ፈጻሚ ቤት-ጽሕፈት ኣቦ-መንበርነት ክምራሕ ዝብል እዩ። ካልእ ኩሉ ዝተዋህበ መምርሒ ዘካትዕ ኣይነበረን።

እንተኾነ ግን ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣባል ፈጻሚ ቤት-ጽሕፈት ኣቦ መንበር ዞባታት ንኽኸውን ኣይተቐበልናዮን። ገለ ኻባታትና ፈጻሚ ኣካል ኢዱ ዘእትወላ ስፍራ ዘበለት፡ ከም ተላጋቢ ሕማም ኮይና ንኹሉ ከይትልብድ ዝፈገደናን ዝፈራሕናን ንመስል። ጥንቃቐ ከነብዝሕ መሪጽና። ኣነ ሓደ ካብኣቶም እየ። ባይቶ ካብ መስረተና፡ ዞባታት ካብ ሃለዋና፡ እቲ ኣጋባብ ኣስስራርሓና ልክዕ ከምተን ዞባታት ኤርትራ ነጻ ኾይነን ክምሓደራ እንደልየን፡ ኣብ ዘዘሎናዮ ዞባታት ስደት ኸኣ ብኸምኡ ክንጅምሮ ኣሎና በሃልቲ ኢና። ጸብጻብ ስራሕና ድማ ንፈጻሚ ቤት-ጽሕፈት ከም ነቕርብ ተሰማሚዕና። ካልእ ዋላ ሓንቲ የብላን፡ እዚኣ ዘረባ እዚኣ እያ  ቐንያትልና። እዚኣስ ትሕባእ ዶ? ፈጻሚ ቤት-ጽሕፈት ክንከውን ኣይበልና፡ በቲ ኣብ ጉባኤ ባዕልና ዝመረጽናዮ መሪሕነታት ኣይንቕየድን ኣይበልና። ኣብ ትሕቲ እዚ መሪሕነት እዚ ኾይና ኣብ ቃልስና ዲሞክራስያዊ መስርሕ ከነትኣታቱ ንጽዕር ከምዘሎና ግና፡ ብጋህዲ ከነፍልጥ ንደሊ። እታ ዘቕረብናያ ሕቶ ኸኣ፡ ዲሞክራስያዊት ሕቶ እያ።

ሕቶና ንእሽቶ ነገር እኳ እንተኾነት፡ ቀልጢፋ መልሲ ስለዘይረኸበት ግና፡ ንነገር ነገር ኣምጽኦ፡ ንሓመድ ድጒሪ ኣውጽኦ ከም ዝብልዎ ኣቦታት፡ ኣብ ሞንጎና ናብ ዓቢ ፖለቲካዊ ሕቶታት ዘምርሐት ነጥቢ ኾይና ቐንያ። ኣብ ካልእ ፖለቲካዊ ኣርእስትታት ኣእትያትና። ብቐሊሉ ከትእለ ትኽእል እኳ እንተነበረት፡ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ በጺሓ፡ ኣብ ሞንጎ ፈጻሚ ቤት-ጽሕፈትን ባይቶን ዘሎ ደረት ስልጣንን ዝምድናን ይፈለጥ ብማለት ዘስፈርናዮም ሕግታትን ዓንቀጻትን ሃሰስ ኣብ ምባል ኣስጊራትና። እዛ ነጥቢ እዚኣ፡ ብዙሓት ዲሞክራስያውያን ሕቶታት ኣልዒላ። ጠቒማትና ከኣ። ኣባላት ባይቶ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ናይ ሕድ-ሕድና ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ክንፈላለጥን ክንመዛዘንን ክኢልና። ብዙሕ ፖለቲካዊ መዳያት ብምድህሳስ ምስ ኩነታት ቃልስናን ሃገርናን ኣዛሚድና። ከም ኣባላት ባይቶ ክትዕን ስነ-ስርዓት ኣኼባን ተለማሚድና።

ከምዛ ንዓና ዝጠቐምትና ኸኣ፡ ፖለቲካዊ  ክትዕ ንህዝብና ጠቓሚ እዩ። እዛ ኣርእስቲ እዚኣ ናብ ህዝቢ ተዘርጊሓ ህዝቢ ክካትዓላ እንተዝቕንስ፡ ነቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ክንደይ ኮን መኽፍኣቶ ነይራ እብል። እቲ ክትዕ፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ኣካላት መንግስቲ ክህሉ ዝግብኦ ደረትን ዝምድናን ናይ ስልጣን ክንደይ ኮን ንህዝብና ትምህርትን ንቕሓትን ምሃበት እብል። ከምኡ እውን ነታ ሕቶና ቐልጢፋ ንኽትመለስ ክንደይ ኮን ምሓገዘት። እቲ ግሉጽነት ዘስዕቦ ክትዓት ብኹሉ ወገኑ ጠቓሚ እዩ።

ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት-ጽሕፈት ዶር ዮሱፍ ብርሃኑን ኣቦ መንበር ባይቶ ኣቶ ጸጋይ ዮውሃንስ፡ በቲ ዝተዋህበኩሞ መምርሒ ኢኹም ትኸዱ ኢሎም ክደርቁ ይኽእሉ ነይሮም። ኣይምገረመንን ከኣ። ምኽንያቱ ንቡር ገይረ ስለዝወሰድክዎ። እዞም ሰባት እዚኦም ግና ነቲ ንቡር ልምዲ ሰይረሞ። ተዓወቱ!! እንዳበልኩ ኸኣ፡ ነቲ ሕቶና ዝተቐበልዎ ምስጋና የቕርበሎም። ኩለን ዞባታት ባዕለን ስርርዐን ከካይዳ፡ ጸብጻበን ከኣ ናብ ፈጻሚ-ቤት ጽሕፈት ከቕርባ ዝብል ሕቶ ብኣወንታ መሊሸሞ። እንደገና፡ ምስጋናይ ይብጽሓዮም። እንሆ እኳ ድሕሪ ሳልስቲ እቲ መልሲ ምስ መጸና፡ ድሮ ኣብ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ትማሊ ሰንበት ስርርዕና ኣካይድና ናብ ስራሕ ክንብገስ ተቐሪብና ኣሎና። ኣጽፊፍካን ተረዳዲእካን ተሰማሚዕካን እትጅምሮ ስራሕ ክንደይ ኮን ይሰልጥ።

ወልደየሱስ ዓንደማርያም
ኣባል ባይቶ
ሳንፍራንሲስኮ ካሊፎርንያ
02.06.12


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...