ፍትሓውያን መራሕቲ ብዙሓት ጡዑያት መራሕቲ የፍርዩ፣ዘይፍትሓውያን መራሕቲ ድማ ብዙሓት መጣቃዕቲ የፍርዩ። ማሕበረኮም ንሓደሽቲ መጻእቲ የእንጊዱ ነቶም ነባራት ድማ ስድራቤቶም ሓድሕዶም ዝራኸቡሉን ብፍላይ እቶም መንእሰያት ቃንቆኦምን ባህሎምን ዘማዕብሉሉን ሓድሕዶም ዝፋቐርሉን’ዩ።

በቲ ዝነብሩሉ ሃገር ሕግን ኣገባባትን መሰረት ተቐይዶምን ነቲ ባህሎም ኣብ ግምት የእትዮም፣ ዝተፈላለየ መደባት ዕዮ ኣዳልዮም ካብ ኣባላቶምን መወልትን ሓገዛት ሓቲቶም ኣብ ማዓላ የውዕልዎ። በቲ ዝወጻ ሕጊ መሰረት ድማ ኣብ ዝተወሰነ እዋን ምርጫ የካይዱ። እቶም ዝምረጹ ብቕዓት ዘለዎምን ሓገዛት ከምጽኡ ዝኽእሉን ንኹሉ ብማዕረ ዝርእዩን ምቕሉላትን ካብ ኩሉ ሕብረተሰብ ኤርትራ ክኾኑ ይግበኦም።

ብተደጋጋሚ ተመሪጾም ሓገዛት ዘየምጽኡን ብሌላን ጉሌላን ዝልለዩን ምስዝኾኑ፣ እነተኾነ ባዕሎም ድኽመቶም ፈሊጦም ይእለዩ፣ እንተይዘኮነ ድማ ደጋጊምካ ዝዘራእካያ ግራት’ካ ተቓድራ፣ደጋጊሙ ተመሪጹ ዘየፍረየን ይኣኽለካ ዝተባህለስ ተሞኽልዩ ንሓቂ ብሓሶት ክስዕራ ክፍትን እንከሎ፣ ንሰባት መርየት ትግምጠል ከምዘላ ኣምሲልካን ኣደናጊርካን ናብ ኮረሻ ክትምለስ ምፍታንሲ እንታይ ረብሓ ስለዘለዎ’ዩ ኢልካ ኽትሓስብ ትጅምር ረዝመ ክትገናጽል’ውን ትግደድ፣ነቶም መጣቓዕቲ’ውን ከምኡ ንኽገብሩ ዘገድዶም ዘሎ ኩነታት እንታይ’ዩ ኢልካ’ውን ክትፍትሽ ትጅምር፣ ንኹሎም ናብ ከምዚ ኩነታት ዘእትዎም ዘሎኸ ኢልካ ድሕረባይትኦም ክትጽሕትር ትጅምር፣እቶም ገለ ሃገር ንኽመርሑ ክትሓጽዮም ዝሓሰብካዮም ካብ ወገን ሓሊፎምሲ ኣብ እንዳ ኣትዮም ንሓቂ ሓሶት፣ ንጻዕዳ ጸሊም ክብሉን ብሆይሆይታ ኣፍ ሰብ ክዓብሱ ክፍትኑ ክትዕዘብ እንከሎኻ ትፍንፍኖም። ክሳብ ክንደይ ድሑራት ምኻኖም ተለልዮም። እዛ ምቕናይሲ ክንደይ ትጥዕም ትብል’ሞ ምስጢር  ምድንጋይ ፍትሒ ኣብ ሃገርና ይበርሃልካ።

ብኣንጻሩ ኣብ ማሕበረኮሞም ጹቡቕ ኣበርክቶ ዝገበሩን ለውጢ ዘምጽኡን ከም ብዓል ፕረዚደንት ኦባማ መራሕቲ ሃገር ክኾኑ ምብቅዖም ኣብዚ ንነብረሉ ስልጡን ከባቢ ማሕበረኮም ማዕረ ክንደይ ጥዑያት መራሕቲ ኣፍራይ ምኻኑ ህያው ምስክር ይኾነካ።

ስለዚ’ዩ እምበኣር “ፍትሓውያን መራሕቲ ብዙሓት ጥዑያት መራሕቲ የፍርዩ፣ ዘይፍትሓውያን መራሕቲ ድማ መጣቓዕቲ የፍርዩ ዝበልኩዎ’ሞ” ሃየ ንፍትሓዊት ሃገርና ዝኾኑ ጥዑያት መራሕቲ ከነፍሪ እጅገና ንሰብስብ።

ክሳብ ኣብ ዝቕጽል ሕታም ብኻልእ ዝርዝር ንራኸብ ደሓን ቀንዩ።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና!!!

ዳዊት ሃብተ ቶሮንቶ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...