ሰላም ዝኸበርካ ኣቶ ብርሃነ ዓ.
ብዕለት 25 01. 2012 ንኣቶ ፍስሃጽዮን ገብረ ቅልዕቲ ደብዳቤ ብዝብል ኣርእስቲ ዝጸሓፍካዮ: ኣብ መርበብ ሓበሬታ ተለጢፉ ኣንቢበ::
ጻዕሪ ኣቶ ፍስሃጽዮን ገብረ ተረዲኡካ ብመጎስ ምጅማርካ: ኣነ ውን ብወገነይ የሞግሰካ::
ነቲ ኣብ ስመር ፓልቶክ ኣድራሻ ሰሉስ ሰሉስ ዝህቦ ትምህርቲ ኣመልኪትካ ዝሃብካዮ ርእይቶ ግን: ብጌጋ ዝተረደኣካ ኣምሲልካ ከተመሓላሊፎ ዝደለኻ መልእኽቲ ከምዘሎ እዩ ተረዲኡኒ: ስለዚ ኣነ ውን ኣብዚ ናትካ ጽሑፍ ሓጺር ንግዜኡ ኣዝዩ ሓጺር ርእይቶይ የመሓላልፈልካ::

 

እቲ ቀንድን ረቓሕን ክትፈልጦ ዝግበኣካ: ኣቶ ፍስሃጽዮን ገብረ ነዚ ኣገዳስን ጠቓምን ኣስተምህሮ ተሞክሮኡ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ንኽገልጽ: ብኣካየድትን ተኻፈልትን ስመር ፓልቶክ “Simerrr Paltalk” ብዝተሓተቶ መሰረት እዩ:: ድልየት መንእሰያት ንምምላእ ምውስኡ ኸኣ ብሉጽ ብኣታ ይገብሮ::
ብመሰረቱ ብጌጋ ተረዳእካዮ ዲኻ ወይስ ኮነ ኢልካ - ንስኻ ኢኻ እቲ ሓቂ ትፈልጦ: ግን ንኣፍልጦኻን ክትእርሞ ዘለካን: ኣቶ ፍስሃጽዮን ገብረ ሰሉስ ሰሉሳ ኣብ ስመር ፓልቶክ “ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ” ኣይኮነን ክገልጽ ዘምሲ ዘሎ: ኣቶ ፍስሃጽዮን ገብረ “ተሞክሮኡ ኣብ ሰውራ ኤርትራ” እዩ ዝሓበረን ዝገለጽ ዘሎን::
ወላ ውን ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ እንተዝገልጽ ኔሩ: ማንም ሰብ ንማንም ካልእ ሰብ ምኣስ ታሪኽ ክገልጽ ኣለዎ: ብመን ይገለጽ ዝውስን የለን:: ንምኻኑ ታሪኽ ንምግላጽ ክሳብ ኩሎም እቶም ታሪኽ ዝፈልጡ ኣብ ሓሓ ምኣዲ ተራኺቦም ሎሚ ሕጂ ንግለጾ ክሳብ ዝብሉ ይጽናሕ ምባል እንታይ እዩ ምስጢሩ? ንመን ረብሓን ሓልዮትን ዝዓለመ ኸ እዩ?

ንስኻ ታሪኽ ሕጂ ኣይገለጽ ይጽናሕ ናይ ምባል መሰልካ ክትጥቀም: እቶም ዝወዓልዎ ታሪኽን ተሞክሮን ንንኡስ ወለዶ ንምትሕልላፍ ብትብዓት ዓው ኢሎም ክገልጹ መሰሎም ዝንፈገሉ ኣምር ካባይን ብመንን ዝነቅል ምኻኑ ርዱእ ዶ ይገብሮ ሓቀይ?
እዚ ስለ ዝኾነ እቲ ሓቂ: ኣስተምህሮ ኣቶ ፍስሃጽዮን ገብረ: ነቲ “ታሪኽ ንምጽሓፍ ዝሓቶ ጻዕርን ድኻምን ላዕልን ታሕትን ባጀትን ምንጭታት ሰነድን ሓበሬታን ንመበገሲ ትጽሕፎ ታሪኻዊ መጽሓፍ ንምድላው ዘድልዩ ከበድቲ ሙኻኖም ንስኻውን ትስሕቶ ኣይብልን ኢየ”  ንዝበልካዮ ብዙሕ ክበሃልን ክምለሰልካን ዘለዎ እኻ ይኹን እንበር. ብሕጽር ዝበለ - ንሱ ብወገኑን ብጻዕሩን ኩሉ ነዚ ትብሎ ዘለካ ሃልክን ድኻምን: ቑጠባዊ ጸገማትን ተጻዊሩ ግዴኡ ኣበርኪቱ ኣሎ: ሓቒ እንተሎካ ሃየ ንስኻ ትፈልጦን ዝወዓልካዮን ተሞክሮኻ ነዚ ንኡስ ወለዶ ኣበርክት::

እንተ እቲ “ታሪኽ ንምስናድን ንምጽሓፍን ካብ ስሚዕትን ጸቢብ ዝምባሌን ናጻ ኮንካ ብጭቡጥ ሰነዳትን ምንጭታትን ቦታን ዕለትን አዋሃሂድካ ምስ ዝጽሓፍ ንፍረ ጻዕርኻ የድምቖን መሃሪን ይገብሮ” ዝበልካዮ: ቅድሚ ምውንጃልካ: መንእሰያትና ብህግደፍ ኣብ ሳዋን ኣብ መዓስከራትን ዝወሃብ ናይ ሓደ ታሪኽ: ኣብ ኤርትራ ካልእ ተሞክሮታት ከምዘሎ ንከይፈልጡ ዝገበሮን ዝግብሮ ዘሎን: ከም ቅቡል ጌርካ ምውሳድካ እዩ:: ንእግረ መንገደይ ክሓተካ ኣፍቕደለይ: እታ ብኣልኣሚን ዝተጻሕፈት ታሪኽ ኤርትራ ኸ ብቕንዕና ርእይቶኻ ኣብ ትሕቲ “ቕልዕቲ መልእኽቲ ንኣላሚን” ብዝብል መልእኽቲ ብናይ ብዙሃን መርበብ ሓበረታ ኣመሓላሊፍካ ዶ?
ብመሰረቱ ታሪኽ ምጽሓፍን ተሞክሮካ ምጽሓፍን ዘሎ ዓቢ ጋብ እንተትርዳእ ምሓሸ:. ኣቶ ፍስሃጽዮን ገብረ ኣብ ዝሃቦን ዝህቦን ኣስተምህሮ ተሞክርኡ ኣብ ሰውራ ኤርትራ: ተሞክርኡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ: እንዳበለ ብንጹር ዕለትን: ቦታን: ግዜን: ሰባትን: እንዳገለጸ ስኑድ ተሞክሮ እዩ መዲሩን ኣስተምሂሩን::

ክኹነንን ያዕ ክበሃል ዝግበኣን እንበኣር: ጸሓፋይ እንተኮንካ: ብዛዕባ እዚ ህግደፍ ንመንእሰያትና ኣብ ሳዋ ጠዋይ ታሪኽ ኤርትራ ዘስተምህር ዘሎ እዩ:: ህግደፍ ኣብ ሰውራና ካልእ ተሞክሮ ከምዘይነበረ ጌሩ ሓንጎል መንእሰያትና ዝሓጽብ ዘሎ: ንኽቕጽልን መንእሰያትና ካልእ ሓቐኛ ሰውራዊ ተሞክሮ ንኸይፈልጡ ምጽዓርን ግን ናይ ጣቃ ኣይኮነን::

ወይ ንስኻ ባዕልኻ ወይ እውን ካልኦት: ተሞክሮኹም ንምግላጽ ወስ ዘይበልኩም: ናይ ካልኦት ሓቦኛታት መማህራን ተሞክረኦም ንመንሰያት ወለዶ ንኸይገልጹ ክትእግድ ምህቓን: ክብጻሕ ዝድለ መልእኽቲ ፍሉጥ እዩ::
ብንጽህና ንምእራም ዝብገስ ሰብ:-
1)    እቲ ዝበሃል ዘሎ ካበይ ዝተበገሰ እዩ ይፈልጥ፣
2)    ነቲ ዝምልከቶ ኣካል ረኺቡ ይሓቶ፣
3)    ኣዕጋቢ መልሲ ምስ ዘይረክብ ቅልዕቲ ደብዳቤ ይሰድድ፣
4)    ሽሙን ሽም ኣቦኡን ብንጹር የቐምጥ::

እንተ እቲ ብገዲም ስዉእ ተጋዳላይ ትኩእ ይሕደጎ ብ1971 ዝተጻሕፈት ዝበልካያ: ንሱ ኣንጊሁ ዕግበቱን መርገጹን ኣነጺሩ ኢሳያስ በላ እዝጊ በላ ዝበል ዝነበረ ተጋዳልይ ብምኻኑ: ነዛ ጽሕፍቲ ኣንብብዋ ምባልካ ጥራህ ንስኻ መን ምኻንካ ብንጹር ከምዝበረሃለይ ክሕብረካ እፈቱ::

ምስ ሰናይ ትምኒት

ሃይለ ወልደሚካኤል ብርሃነ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...