ዝኸበርካ ኣቶ ፍስሓጽየን ኣብቲ ``ስመር ዝብል ናይ ፓልቶክ`አደራሽ ሰሉስ ሰሉስ ንታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ዝምልከት ዘዳለኻዮ መጽሓፍ ከተንብብን ክትትርኽን ተምሲ ከም ዘሎኻ፡ክ ተዓዚበ። ኣነ`ውን ከም ኤርትራዊ  ዜጋ ኣብ ቤት ፓልቶክ አደራሽ ይቐላቐል እየ`ሞ ንትረኻኻ ይከታተሎ ኢየ።ንጻዕርኻ እንዳኣሞጎስኩ እዚ ዝስዕብ ርእይቶ ከቕርበልካ እፈቱ፡፡

ታሪኽ ንምጽሓፍ ዝሓቶ ጻዕርን ድኻምን ላዕልን ታሕትን ባጀትን ምንጭታት ሰነድን ሓበሬታን ንመበገሲ ትጽሕፎ ታሪኻዊ መጽሓፍ ንምድላው ዘድልዩ ከበድቲ ሙኻኖም ንስኻውን ትስሕቶ ኣይብልን ኢየ፡፡ ብፍላይ ከምዚ ናትና ብዘይ ጽፉፍ መጽናዕቲ ጥራይ ብፍናን ሃገራዊ ባህጊ ነሒን ዝተጀመረ ቃልሲ ሚዛናዊ ዝኾነ ታሪኽ ንምጽሓፍ ዝሓቶ ዋጋን ድኻምን መጽናዕትን ብጣዕሚ ክቢድን አህላኽን`ዩ ፡፡ክምኡ እውን ክሳብ ሕጂ ማእክላይ ግምገማን ናይ ምርምርን ምስናድን ማእከል ብ ደርጃ ዩንቨርሲቲ ይኹን በደርጃ ሃገር አብ ዘየብሉ ።

ታሪኽ ንምስናድን ንምጽሓፍን ካብ ስሚዕትን ጸቢብ ዝምባሌን ናጻ ኮንካ ብጭቡጥ ሰነዳትን ምንጭታትን ቦታን ዕለትን አዋሃሂድካ ምስ ዝጽሓፍ ንፍረ ጻዕርኻ የድምቖን መሃሪን ይገብሮ፡፡ ኣብ ምስናድ ታሪኽ ዕለትን ቦታን እምነ መሰረት ናይ ታሪኽ ኢዮም፡። (Date and place are the back bone of history) ይብሉ ጸሓፍቲ፡፡

ታሪኽ ሰውራና ብዙሕ ክጻረን ክጥርነፍን ዘለዎ ኣሉታዊ አወንታውን ኣለዎ፡፡ ሓንቲ ንእሽቶ  ኣብነት ብገዲም ስዉእ ተጋዳላይ ትኩእ ይሕደጎ ብ1971 ካብ ሜዳ ናብ ኣብ ከተማታት ንዝነበሩ ድያ ወይሲ ንናብ ኣብ ካልእ ኩርናዕ ሜዳ ንዝነበሩ ብጾቱ ዝጸሓፋ ንተግባራት ናይቲ እዋንቲ ዝነበሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ትነቅፍን ተቃልዕን ጽሕፍቲ ኣብ መርበብ ሓበረታ ጀበርቲ ተለጢፋ ዘላ ምስ ተንብብ ነቲ ቅድሚ ጉባኤ ኣዶብሓ ዝነበረ ኩነታት እኩል ኣይኹን እምበር መበገሲ ክኸውን ዝኽእል ሓበረታ ትረኽበላ፡፡

ጉባኤ ኣዶብሓ ነብሱ ዝኸኣለ ገዚፍ ናይ ታሪኽ ተረኽቦ ኮይኑ ኣብኡ ብኣካል ዝነበሩ ብዙሓት ናይ ቲ ግዜቲ ገዳይም ተጋደልቲ ብህይወት ስለ ዘለዎ ንዓታቶም ሓቲትካ ጭቡጥ ታሪኽ ክጽሓፈሉ ይከኣል፡፡ ቅድሚ ኩነታት ጉባኤ ኣዶብሓ ዝነበረ ኩነታት ጥርናፈ ናይ ሰለስተ ክፍልታት``ዋሕዳ ሳልስያ`` ብህይወቶም ኣብቲ ንስኻ ትነብረሉ ከተማ ዝነብሩ ኣባላት መሪሕነት  ናይቲ ጥርናፈ ዝነበሩ ኣለው፡። ንዓታቶም ረኺብካ ካብ ዝኾነ  ጸቢብ ውድባዊ ዝምባሌ ናጻ ኮንካ ንስለ ሓቀይና ታሪኽ ኢልካ ዘንጸባርቕ ታሪኽ ከተቕርብ ይከኣል ኢዩ፡፡

ንጉባኤ 1971  ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክስከም ኣይክእልን ኣይግባእን ብምባል ውግእ ሕድሕድ ዝኣወጀ ጉባኤ ካብ ዝወዓሉ ሓቲትካ ጭቡጥ ሰነድን ታሪኽን ክቐርብ ምተኻኣለ፡፡ድሕሪ ናይ 3—4 ዓመታት ደማዊ ውግእ ሕድሕድ ብ1975 ዝተኻየደ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ነቲ ብ1971 ዝተኣወጀ ኣዋጅ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ምህላው ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝብል ዝሰረዘ ስለ ዝነበረ ጽቡቕ ውጽኢትን መንገዲ ዘተ ዝኸፈተን ምንባሩ ማዕረ ማዕረኡ ዝኸይድ ተበግሶ ህዝቢ ንስምረት ደቁ ካብ ወኪ ዛግር ዝጀመረ ፍኑው ድሌት ህዝቢ ስምረት በብቁሩብ ናብ ውዳቤ ሓሊፉ መራሕቲ ሃይማኖት ከይተረፈ ዝጽዓርሉ ጉዕዞ  ናብ ዳረጋ ሀረር ድፍን ድረጃ ኣብ ዝተሳጋገረሉ እዋን ካብ ክልቲኤን ውድባት ነቲ ፍልልይ ዘጽንዓ ሽማግለታት ዘተ ተረቁሐን ምስታ ሽማግለ ህዝቢ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ሜዳን ዓድታትን ኤርትራ ድሕሪ ምርኻበን ኣብ መወዳኣታ ውድባዊ ጸግዒ ወሲዳ ሽማግለ ስምረት ህዝቢ ብምባል ብዘሕንኽ ኩነታት ኣብ ዓላ ብበትሪ ዝተበተነት ሽማግለ ከም ሓደ መሃሪ ጉድለታት ጉዕዞ ስምረት ብውድባት ኢርትራ ንምቅራብ ብዙሕ ጻዕሪ ይሓትት፡፡

ባዕዳዊ ጸላኢ ንምምካትን ንምድርዓምን ውድባት ዘዝኽእልኦ ይሰርሓ ኔረን እየን፡ እቲ ኩነት መሪርን ብዙሕ ዋጋ ዝተኸፍሎን ኢዩ፡፡ ካብዚ ዝገደደ ግን እቶም ንናጽነት ሃገሮም ኢሎም ዝወፈሩ ዜጋታት ብሰንኪ ጉጉያት መራሕቲ ኣብ ነንሕድሕዶም ዝከፈልዎ ዋጋ እቲ ዝዓበየ ጸሊም ታሪኽ ተሞክሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ፡፡እቲ ኩናት መሪር እቲ ቦታ ኩናት ብዙሕ ዝሓተቶ ዋጋ መምዘኒ ዘይርከቦ ረዚን ኢዩ፡። ነዚ ብኣሉታኡ ክንጸባረቕን መሃሪ ተሞክሮ ንኸኸውንን ጽጹይ መጽናዕቲ ጌርካ ክቐርብ ጻዕሪ ኩሉ ይሓትት፡፡

ስምምዕ 20 ጥቅምቲ 1978 ጥራይ ንበይኑ ሓደ ገዚፍ መጽሓፍ ታሪኽ ኮይኑ ክቐርብ ምኸኣለ፡፡

ምትእትታው ናይ`ዚ ሕጂ ደመኛ ጸላኢና ኢሉ ከበሮ ዝድሰቐሉ ዘሎ ብስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዜጋታት ሓደ ካብቲ ዝጸለመ ታሪኽ ቃልስና ኮይኑ ንርእሱ ሓደ ዓቢ ታሪኽ ኢዩ፡፡ ንምቕራቡ ግን መጽናዕቲ ይሓትት፡።

ዝኸበርካ ኣቶ ፍስሓጼን!!

ታሪኽ ሓሜት ኣይኮነን፡ ታሪኽ ካብ ዝሰማዕኩዎ ኢልካ ዝቐርብ እውን ኣይኮነን፡፡ ታሪኽ ሃቦ ተረኽቦ ኣይኮነን፡። ታሪኽ ጭቡጥ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ብጽፉፍ ቀሪቡ ንመጻኢ ትውልዲ መሃሪ ክኸውን ኢዩ ዝግባእ፡፡

ጀርመናውያን ሕሉፍ ታሪኾም ግልጺ ንምግባር ዝገብርዎ ጻዕሪ ኣብ ጽፉፍ ምምሕዳራዊ ትካላት ምህናጽ ሓጊዝዎምን ምሂርዎምን ኢዩ፡፡ እወ ጌና ዘይተተረኸ ታሪኽ እኳ ተሪፍዎም እንተሎ ንምውጽኡ ግን ኩሉ ጊዜ ይጽዕሩ ኢዮም፡። ኣብ ኩሉ ዓበይቲ ከተማታት ምርምር ማእከል ኣቑሞም ብዙሓት ፕሮፈሰራትን ዶክተራትን ንታሪኾም ከጽንዑን ክጽሕፉን ይገብሩ ኣለው፡፡

ታሪኽ ሰውራና ብዝተሓተ ደረጃ ትካላት ቆይመን ክስንዳን ሓቅነቱ ተርጋጊጹ ተጸሙቑ መሃሪ መጻሕፍቲ ክጽሓፈሉ ይግባእ፡፡ ብተበግሶ ውልቀ- ዜጋታት ዝጽሓፍ ንመወከሲን መበገስን ክከውን ይኽእል ኢዩ ግን ቁንጣሮን ጥምዓውን ኢዩ፡ ብብዙሕ ምኽንያታት፡።

ከም ኣብነት ውግእ ሕድሕድ ዝተገብረሉ ቦታታት ኤርትራ ብዙሕ ኢዩ፡፡ ኤረ ኣብ ገሊኡ እዋናትስ ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣብ ዝተፈላለየ ዓድታትን ጎቦታትን ኤርትራ ይግበር ኔሩ ኢዩ፡፡ ሓደ ውልቀ ጸሓፊ ታሪኽ ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣብ ክልተ ዝተፈላለዩ ቦታት ዝግበሩ ውግእ ክሳተፍ ኣይክእልን ኢዩ፡፡ ስለዚ ናይታ ዝነበራ ቦታን ውግእን ክጽሕፍን ክገልጽን ይኽእል፡። ናይቲ ኣብ ካልእ ቦታ ድማ ብኻልኦት ዝጸሓፍዎ ከም ምንጪ ታሪኹ ተጠቒሙ ክትርኽ ይኽእል፡ ምንጪ ከይጠቐሰ ከምዝሰማዕክዎ ኢልካ ዝጸሓፍ ታሪኽ ግን ጽውጽዋይ ኢዩ፡፡

ዝኸበርካ ጸሓፊን ተራኽን ኣብ ፓልቶክ፡፡

1.    ንስኻ ተጋዳላይ ናይ ተ.ሓ.ኤ ስለ ዝነበርካ ታሪኽ ናይ`ቲ ዝነበርካዮ ውድብ ጥራይ እንተትገልጽ መጽሓፍካ ድዩ ትረኻኻ ሚዛን ምሃለዎ፡። ናይ ዘይነበርካዮ ውድብ ብዘሎኒ ሓበረታን ብዝዝሰማዕክዎን ኢልካ ዝትረኽ ታሪኽ  ግን ጥማዓውን ሚዛን ዘይብሉን ቤላ ቤለውን ኢዩ፡፡እዚ ክብል እንከለኹ ኣብተን ውድባት ማለት ኣብታ ንስኻ ዝነበርካላ ይኹን ኣብታ ዘይነበርካላ ጸይቅታትን ሕማቕ ተግባራትን ኣይነበረን ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ፡፡ መሃሪ ንኽኸውንን ጭቡጥ መታን ንኽኸውንን እቲ ዝበለጸ ኣገባብ ኢየ ዝሕብር ዘለኹ፡፡

2.    እቲ ቤት ፓል ቶክ መንእሰያት ንዘሎ ህሉው ኩነታት ሃገርናን ኣደራዕ ህዝብናን እቶም መንእሰያት ዘጋጠሞም ሕሱም ኣደራዕ ግፍዒ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝቐርፍሉን ሓሳብ ንሓሳብ ተራዳዲኣኦም ንህዝቢ ከበራብርሉን ሓድነቶም ኣደልዲሎም ሓያል ውዳቤ ኣካይዶም ምስ ኣብ  ውሽጢ ዘለው መንእሰያት ብጾቶም ተራኺቦም ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንምብዳህ ዝጥቀምሉ ተክኖሎጂ ዝፈጠረሎም ዓውዲ መቃለሲ ኢዩ፡፡ ብኡኡ መሰረት ተጎሳጉሶም ኣብ ዳርጋ 30 ዓመታት ደንበ ተቓውሞ ዘይፈተኖን ዘየመዝጎቦን ዓወታት ኣብ ሃገረ እስራኤል ኣብ ስዊዘርላንድ ሊድስ ጊሰን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ድሙቕ ዓወታት ክመዝግቡ ክኢሎም ኣለው፡፡ ነቲ ዘመዝገብዎ ዓወታት ንምድማቑ ኣብ ክንዲ ምጽዓር ስለምንታይ ንስኻ ነዞም ኣብ ንሳቶም ዘይነበሩሉን ኣቦታቶምን ኣያታቶምን ዝነበርዎ ዘይጽፉፍ ታሪኽ ክትመልሶም መሪጽካ?

3.    እዚ ጊዜ ጊዜ ስመርን እዋን ምብዳህ ህ.ግ.ደ.ፍን ኢዩ፡ እምበር እዋን ዝሓለፍካዮ ታሪክ ምትራኽን ንመንእሰያት ብዘይፈልጥዎ ኣሉታዊ ተሞክሮ ምጽላው ኣይኮነን፡። እዚ ብፍላጥ ይኹን ብገርሂ ንዕድመ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ምንዋሕ ኢዩ፡፡

4.    ውጽኢት ናይ ተን ብውለቀ-ሰባት ዓቢ ሓላፍንት ዘለዎም ይኹኑ ርኡይ ሓላፍንተ ዘይብሎም ናይ 60ታት ወይ ድሕሪኡ ዝተሰለፉ ዜጋታት ዝተጻሕፋ ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ ተባሂሎም ዝተጻሕፉ አብ አንባቢ ዝፈጠሮ ቀውሲ ነቲ ታሪኽ ጥራሕ አይኮነን አራኺስዎ፤ ን አነባብን ሰማዕን እውን አሰድሚሙ ኢዩ። ካብ ናይ ስልጣኖም ኮረሻ ምጥጣሕ ኪኒኡ ክሓልፍ ዝኽእል ግነ ካብ ምድንጋር ንሓድሽ ወለዶን ንደገፍቶም መቃነይን መዋግዕን ዝሓልፍ ኣይከውንን።

5.    ጸሐፍቲ ናቶም ተሞክሮ  ብመለክዕ  መዘክርን   አርእያን ከቅርቡ ይክእሉ። እዚ ክግበሩ እውን መጋቢ መጻሕፍቲ መወከሲ አብ መወዳእታ ክቐርቡ ይግብኦም;።

6.    ነቲ ትረኻ ናትካ ብዝርዝር ኣብ ክንዲ ምምላሸ እዚ ሓጺርን ሓፈሻውን ርእይቶ ሂበ ናብ ደንበ ስመር ፓልቶክ ክሳገር፡፡


ዝኸበርኩም ቤት ስመር።

ዝኸበረ ልባዊ ሰላምታይ የቐርበልኩም፡፡ ደንበኹም ደንበ ኩሉ ደላይ ለውጥን ፍትህን ኮይና ትዓቢ ዘላ አደራሽ ኢያ፤ ዝያዳ  አድማዒት ንምግባራ ድማ  ሓደ-ሓደ ንኣሽቱ ተክኒካዊ ነገራት ክሕብረኩም ይፈቱ፡፡

1.    ሕሉፍን ጉዕዙይን ታሪኽ ንታሪኽ እምበር ንዓኻትኩምን ነዚ ተካይድዎ ዘለኹምን ዝምልከት ኣይኮነን፡፡ ኣዚስ ጽባሕ ኣብ መጻኢት ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ቤት ትምህርቲ መምሃሪ ኮይኑ ክቐርብ ኢዩ፡፡ ሎሚ ነቲ ንመሬትናን ሃገርናን እሾኽ ንዜጋታታ ጌርዋ ዘሎ ህ.ግ.ደ.ፍ ንምክተሉን ንስዕረሉን እምበር ናብ 60ታትን 70ታትን 80ታትን ተመሊስና ስንና ንሕርቅመሉ እዋን ኣይኮነን፡፡ ዝፈድየና ፋይዳእውን የብልናን፡፡ስለ`ዚ እቲ ጊዜ ንኻልእ ኣርእስቲ ክንጥቀመሉ ዘድሊ ኮይኑ ይስምዓኒ፡፡

2.    ኣብቲ ጊዜ ክትዕ ኣርእስትታት መሪጽና ኣብ እንከታዓሉ እዋን ኣብ ክንዲ ኣብቲ ኣርእስቲ ረጊጽናን ነኺስናን ነብስሎን ንካታዕን ሓደ-ሓደ ኣዋን ካብቲ ኣራስቲ ሃውቲትና ንኸይድ ኢና እቲ መሃርን መምሃርን ዝኮነ ጊዜ ዳርጋ ከየፍረየ ይሓልፍ ኣሎ፡።ስለዚ አመሓደርቲ ገዛ ስርዓት ከትሕዝዎ ይግባእ ምበለኩ።

3.    ቃልሲ ንክዕወት ናይ ኣርኣእያ ሓድነት የድሊ እቲ ናይ ኣርኣእያ ሓድነት ኣብ`ዚ ቤት`ዚ ይጥረ ኣሎ ንምምዕባሉ ግን ውዳቤ የድሊ፡፡  ውዳቤ ድማ ኢዩ ጽፉፍ ዕዮ ክዕዪ ዝኽእል፡፡ ስለ`ዚ ናብ ከምኡ ንምኻድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሀገር ወከልቲ ምጥራይን ውዳቤ ምክያድን፡፡ እዚ ንምግባር ፈይስ ቡክ ምዝውታር ጽቡቕ ኢዩ፡፡

ቃልሲ ህዝቢ ክዕወት ኢዩ፡፡
ዝክሪ ንስውኣትና፡፡

ብርሃነ.ዓ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...