መንቀኪ ናይ ጽሑፈይ ኣብቲ ኣብ ከተማ በርሚንግሃም ብምኽንያት ዝኽሪ ሰማእታት ዝተራእየት ኣዝያ ንእሽቶ ፍጻሜን ኣብ ልዕሊ ኣምባሳደር ተ/ሚካኤል ገራህቱን ተልእኹኡን ዝፈጠረትሉ ስንባደን ዝሃቦ ግብረ-መልስን ከብርህ ኢየ።

ኣብዛ ከተማ ብልምዲ ዝኽሪ ሰማእታት ንኹሉ ሰብ ተሓቢሩ ሓንሳብ ኣብ ፓርክ (ክፉት ቦታ) ሓንሳብ ድማ ኣብ ኣደራሽ ኢዩ ዝበዓል ዝነበረ። ዝሓለፈ ዓመት (2010) ግን ገለ ግዱሳት ደቀንስትዮ “ሰማእታትና ኣብ ክንዲ ኣብ ክፉት ቦታ፡ ዝወላዕናዮ ሽምዓታት ብንፋስ እንዳጠፍአ ነብዕሎ፡ ንዓመታ ኣዳራሽ ተኻሪና ከነብዕሎ ስለዘለና፡ ሃየ ዓዓቕምና (ገንዘብ) ኣብዚ ነቐምጥ። ኣብ ቅድሜና ተቖጺሩ ድማ ይነገረና” ኢለን ጽፍሕ ዝበለ ፕላስቲክ ዘርጊሐን። ሽዑ ንሽዑ ድማ £680.00 ተዋጺኡ።ተኣካባይ ነዚ ፍጻሜ’ዚ ብገርሁን ብቕንዕናን ዝገበሮ ኢዩ። ነዚ ዝሰምዐ ኣብ ለንደን ዝምቕማጡ ኣምባሳደር ህግደፍ ግን እተን ገንዘብ እንተኾነ ተባዚሐን እንተዘይኮነ ከኣ ንሳተን ኣብ ኢዱ ዝኣትዋሉ ብልሓት ክደሊ ዓመት ምሉእ ወሲዱሉ።ነዚ ንምትግብር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ኣምባሳደርነት ክብሩ ደርብዩ፡ ካብ ሎንደን ብተራ መኪና ከም ተራ ሰብ ናብ በርሚንግሃም እንዳተመላለሰን ኣብ ገዛ ናይ ውልቀ ሰባት እንዳሓደረን፡ ሰባት ብውልቅን ብጉጅለን ክረክብ ጸኒሑ። እቶም ንገራህቱ ዝቕበሉን ዘዕቁቡን ሰባት ንባዕሎም ግዳያት ናይቲ ሕማቕ ፖሊሲታት ህግደፍ ኮይኖም፣ ገሊኦም ካብ ውሽጢ ኤርትራ ገሊኦም ድማ ካብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ዝመጹ ኢዮም። ኩሎም ግን ነቲ ስርዓት ኮኒኖም ናይ ዑቕባ መሰል ዝረከቡን ገና ሕቶኦም ዘይተመለሰሎም ዝጽበዩ ዘለዉን ኢዮም። እቲ ዘገርም ኣብዘን ምዕራባውያን ሃገራት (ኣብተን ሃጸያውያንን ጽዮናውያንን) ተባሂለን ዝጽረፋ ዝነበራ ሃገራት ዘሎ ሰብኣዊ መሰል፡ ንተራ ሰባት ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ንገበኛታት’ውን ዝሕሉ ምዃኑ ኢዩ። ነዚ መሰል’ዚ ተጠቒሙ ከኣ ኢዩ ኣምባሳደር ገራህቱ ብጭሉቕ እናተመላለሰ ናብቶም ኣብ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ዝኾነንዎ ውልቀ-ሰባት ክሰሉኽ ዝኽኣለ።

 ኣብ ጉዳየይ ክምለስ፣ ሎሚ ዘመን መዓልት ሰማእታት እምበኣር ከምቲ ዓሚ ዝተመባጻዕናዮን ቅድሚኡ’ውን ዝነበረና ልምድን ኩሉ ሰብ ከም ዝሕበር ተገይሩ ኣብ ሓደ ዓቢ ኣዳራሽ ከም ዝውዕል ኣይተገብረን። እቶም ዓመት ምሉእ በቲ ኣምባሳደር ብቓጻ ዝተመልመሉ ውልቀ -ሰባት፡ ነቶም ዘድልዩዎም ሰባት ብተክስትን ሞባይል ብምድዋልን ኣብ ሓጺር እዋን ጸዊዖም ኣብ ጽብብ ዝበለ ኣዳራሽ ከብዕልዎ መዲቦም። ክሳብ ድሮ’ቲ ፍጻሜ ድማ ብሚስጢር ሒዞሞ ቀንዮም። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ድማ እቶም ነተን ገንዘብ ሒዞመን ዝነበሩ ሰባት፣ ኣብ ታርገት ኣምባሳደር ገራህቱ ኣትዮምስ ተግበርቲ ፈላላዪ ተልእኾኡ  ኮይኖም ምጽንሖም ኢዩ።

ዘራጊ ማይ ከሎ ጽሩይ ማይ እነይስተ ተባሂሉ ከም ዝተመሰለ፣ ናይ ሎምዘመን ዝኽሪ ሰማእታት ገና ብኣግኡ ብወጥሪ ኢዩ ጅሚሩ። ሽምዓ ተወሊዑ ዝኽረ- ሰማእታት ምስ ተገብረ ንህግደፍ ዝጸርፍ ግጥምታት ያኣዪ ከይንበብ ሳንሱር ዝገብሩ ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ቅድሚት ወጺኦም። “ግጥሚ ከንብብ ዝደሊ ሰብ ኣቀዲሙ ንዕኦም ክህቦምን ሰናይ ፍቓዶም ክሓትትን”ተነግረ። እቶም ዝነበሩ ናይ ሳንሱር ሰባት ግን ገጽ ሰብ ርእዮም ዝፈርዱ’ምበር (ንመንግስቲ ኣይድግፍን ኢዩ ዝብልዎ ሰብ)፡ ትሕዝቶ ጽሑፍ ዝርድኡ ኣይነበሩን። ገለ ካብቲ ሳንሱር ገርናዮ ዝበሉዎ ግጥምታት ንህግደፍን ፖሊሲታቱን ብዕምቖት ዝነቅፍ ምንባሩ ድማ ሓደ ኣብነት ኢዩ ። እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ድማ ሓደ መንእሰይ “ንግጥመይ ሳንሱር ክገብር ሊቸንሳ ዝተዋህቦ መን ኢዩ” ኢሉ ብቐጥታ ማይክሮፎን ሒዙ ከንብብ እንተዝፍትን፡ ኣብቲ ዝስዕብ ምድፍፋእ፡ ኣብታ ብቖልዓ ሰበይቲ ዓቕላ ጸቢቡዋ ዝነበረት ንእሽቶይ ኣዳራሽ ክንደይ ሰብ ምተረግጸ። ሕጋዊ ተሓታትነቱ ድማ ከቢድ ምኾነ።ንክብሪ   ናይታ  ዕለት ግን ንጎነጽ ዝነቐለ ሰብ ኣይነበረን።

ብድሕሪኡ እቶም ብሕድሪ ገንዘብ ሒዞም ዝነበሩ ሰባት፡ ዓሚ ዝነበረ ገንዘብን ኣብታ ዕለት ዝተግብረ ወጻእን ዝተረፈ ገንዘብን ድሕሪ ምግላጽ፣ ንዝመጽእ ዓመት ድማ ዝያዳ ገንዘብ ክዋጻእ ሓተቱ።ሓያሎ ሰባት ድማ በብሸነኾም መቐበሊ ሒዞም ክዞሩ ጀመሩ። ዳርጋ መብዛሕትኡ ተኣካባይ ካብ £5 ክሳብ £20 ደርበዩ። ሽዑ ዝተኣከበ ገንዘብን ተረፍ ናይ ዝሓለፈ ዓመትን ድማ ንህዝቢ ብኸምዚ ዝስዕብ ተነግረ። ዝሓለፈ ዓመት £680 ከም ዝተኣከበ፣ ካብኡ ድማ £210 ነታ መዓልቲ ወጻኢ ከም ዝተገብረ፣ ስለዚ £470 ተረፍ ምህላዉ (680 - 210 = £470.00)። ኣብታ ዕለት እቲኣ ድማ £1229.00 ከም ዝተኣከበ፣ ብጠቕላላ £1699.00 ከም ዘሎ ነቲ ዘተኣከአ ህዝቢ ተነግረ። ድሕሪኡ ሓደ ካብቶም ነታ ናይቲ ኣምባሳደር ገራህቱ መልእኽቲ ተሰኪሞም ዝመጹ ሰባት ከም መእተዊ “ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክልተ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ካብቲ ዝወሃበን ገንዘብ ክንድዚ ዝኣክል ኣዋህሊለን ንደቂ ስውኣት ሰዲደን፡ ንሕና እቶም ዓበይቲ ግን ዘንጊዕና ኣለና” ድሕሪ ምባል “እዚ ገንዘብዚ’ከ እንታይ ንግበሮ” ዝብል ሕቶ ናብቲ ህዝቢ ኣቕረበ። ኣብ ደገ ተነጊሮም ዝጸንሑ ዝመስሉ ገለ ሰባትን፡ ገለ ድማ ብገርሆም “ንደቂ ስውኣት” ክብሉ ከለው፣ ገለ ድማ “ንኣዳራሽ ተባሂሉ ስለዝተዋጽአ ንኣዳራሽ ይኹን”ይብሉ።  ኣብ ዘይበሰለ ክትዕ ድማ “ንደቂ ስውኣት ትብሉ ኢድኩም ኣልዕሉ” ተባህለ። ክንደይ ደጊፎም ክንደይ ተቓዊሞም ከይተፈልጠ ድማ “ዝበዛሕኩም ኢድኩም ስለዘልዓልኩም ንደቂ ስውኣት ክንሰዶ ኢና”ተባህለ። ቀጺሉ ሓደ ካልእ ሰብ “ኣብ ደቂስውኣት ከምዝብጽሐ መታን ከተረጋግጹ ድማ ንዓመታ  ናይ ሰለስተ ደቂስውኣት ስእሊ ኣብቲ ነብዕለሉ ኣዳራሽ ክንልጥፈልኩም ኢና” በለ። ኣስተውዕሉ፡ ናይ ሰለስተ ቆልዑ ስእሊ ከም ኣምሳያ ቅብሊት (receipt) ናይቲ ገንዘብ ማለት ኢዩ

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ድሮ’ውን ወጥሪ ዝነበሮ ኩነታት ምምልላስ፡ ንኽብሪ ናይታ መዓልቲ ምህሳስ ስለዝኾነ፡ ኣብኡ ክትዕ ምፍጣር ኣድላዪ ኣይነረን። ዘይተደልየ ዕግርግር’ውን ክፍጠር ስለዝኽእል። ስለዚ ድማ ኢና እቲ ዝኽሪ ምስ ተወድአ፡ ቆልዓ ሰበይቲ ተፋንዮም ፋሕ ምስበሉ (እቲ ኣንጸላልዩ ዝነበረ ቆልዓ ሰበይቲ ናይ ምጭፍላቕ ሓደጋ ምስ ፎኾሰ)ነቲ ኣዳራሽ ዝኣሊ ዝነበረ ሰብ፡ ምስቲ ነቲ ገንዘብ ሒዙ ዝነበረ ሰብ ናብ ሓደ ገፊሕ ባር ክመጽእ ዝሓተትናዮ። መጺኦም ድማ። ኣብቲ ዝሰዓበ ምርድዳእ እዞም ክልተ ሰባት እቲ ዝነበረ ኩነታት ጌጋ ምንባሩ ብንጹር ገሊጾም። እቲ ዝተዋጽአ ገንዘብ ድማ ንኸምቲ ዝተውጽኣሉ ዕላማ ክውዕል ተሰምሚዖም። ስለ ዝኣመኑ ከኣ ኢዮም ብዓሰርተ ኣጻብዕትም ዝፈረሙ። እዚ እንተዘይከውን ነይሩ ኣብ ሓደ ኣማኢት ሰባት ሆጭ ዝበለሉ፡   ብኹሉ ኩርንዓቱ ሲ-ሲ-ቲቪ ካመራ ዝተሰኮዖ ባር፡ ሽጉጥ ኣብ እዝኖም ተኺሉ፣ ጎሞድ እንዳኣወጣወጠ ዘፈረሞም ሰብ ኣይነበረን። እኳ ደኣ ሻሂ እንዳሰተዩን እንዳተዋዘዩን ኢዮም ክታሞም ኣንበሮም።

ትሕዝቶ ናይቲ ውዕል ብሕጽር ዝበለ፣ “እቲ ዝተዋጽአ ገንዘብ ብምሉኡ ንኸምቲ ዝተዋጽኣሉ ዕላማ ንዝመጽእ ዓመት ንኽራይ ኣዳራሽ ክውዕል”ዝብል ኢዩ።  እቲ ምፍርራም ዝተደልየሉ ምኽንያት ድማ እዚ ዝስዕብ ምኽንያታት ነይሩዎ።

1) እቲ ጠንቂ ዝኽትምናን ስደትን ዝኾነ ስርዓት ንዘኽታማትን ደቂ ስውኣትን ኢሉ ገንዘብ ከዋጽእ መሰል የብሉን። ደቂ ስውኣት ኢዮም ኣብ ፈቐዶ ተበቲኖም ዘለዉ። ሰለስተ ቖልዑ ዝሓዘት ሰይቲ ስዉእ ኢያ ነታ ብመስዋእቲ ኣቦኦም ዝተዓቀበት ሃገር ተስፋ ስኢናትላ ሃጽ ኢላ ኣብ ባሕሪ መዲተራንያን ዝጠሓለት።

2) ካብቶም ኣብ ኤርትራ ኣብ ኮንተይነራት ዝተኣስሩ፣ ኣብ ዶባት ብጥይት ዝተሳሕቱ ብረሻይዳ ዝተበሳበሱን ዝተሃድኑን፣ ኣብ ሱዳንን ሊብያን ዝተሃድኑን ንምጭዋዮም ዝተፈተነሎምን መንእሰያት፣ ብምድንጋር ገንዘብ ኣኪቡ ናብቲ ጠንቂ ስደቶምን ውርደቶም ዝኾነ ስርዓት ገንዘብ ክልእኽ መሰል ዘለዎ ሰብ የለን።

3) እቲ ገንዘብ ይትረፍ ኣብ ደቂ ስዉኣትን ዘኽታማትን ኣብ ካዝና መንግስቲ’ውን ኣይበጽሕን ኢዩ።

ኣብቲ ናይ ምፍርራም እዋን ሓደ ካብቲ ንፈርሖ ነገር ኣጋጢሙ። ብዛዕባ ገንዘብ ክትዛረብ ከለኻ ብዝሒ ናይቲ ገንዘብ ምጥቃሱ ዘይተርፍ ኢዩ። ኣብቲ ውዕል ክሰፍር ስለዝነበሮ ድማ፣ ነቲ ገንዘብ ሕድሪ ዝሓዘ ሰብ፡ ብዝሒ ናይቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ገንዘብ ምስ ተሓተተ ብምግራም “ንመጀመርያ ግዜ ብዝሒ ገንዘብ እሕተት ኣለኹ።” ድሕሪ ምባል “ሎሚ ዝተዋጽአ ገንዘብ፣ £1229.00 ዘይኮነስ £914.00 ኢዩ፣ ምስቲ ናይ ዓሚ ዝነበረ ተረፍ £470.00 ድማ ምሳይ ዘሎ ገንዘብ £1699.00 ዘይኮነስ £1384.00 ኢዩ” ኢሉና። በዚ ድማ እቲ ኣብ ሆጭ ዝበለ ህዝቢ ተፈቒዱ ዝተነግረና ብዝሒ ተኻሒዱ። ክልተ ሰዓት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ድማ £315.00 ጁባ ቀይረን። (እዚ ሰብ’ዚ ቅድሚ ሕጂ’ውን ተሓዝ ገንዘብ ናይታ ንልዕሊ 6 ዓመት ብስም ማሕበረ ኮም በርሚንግሃም ትንቀሳቐስ ዝነበረት ጉጅለ ኢዩ ነይሩ።) ኣብ ካልእ እዋን’ውን “በየናይ ቅብሊት ግዲ ሂብኩምና ኢኩም” ዝብል ዘረባ ከም ዝስዕብ ርዱእ ኢዩ። ካብ ህዝቢ ተዋጺኡ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተፈቒዱ፣ ብወግዒ ንህዝቢ ዝተገልጸ ብዝሒ ገንዘብ፣ ናይ እምነት ጉዳይ ምዃኑ ርዱእ ክኸውን ይግባእ። እቲ ህዝቢ ግን ነቲ ካብ ኣፍ ደቁ ቆሪጹ፣ ንስውኣት ክንሰዶ ኢና ተባሂሉ ዝተነግሮ ገንዘብ ብዛዕብ ኣጠፋፍእኡ’ውን ክፈልጥ ዘለዎ ይመስለኒ።

እዚ ኩሉ ክንገብር ከለና ብሕውነታውን ኣብ ጽብብ ዝበለ ኩነታት ክንፈትሖን ኢና መሪጽና። ኣብዚ ከተማ’ውን ብሓባር ስለንነብር። በዚ ከኣ እቲ ጎዲሉ ዝበሃል £315.00 ንዓመታ ንህዝቢ ክግለጽ፣ ዝመጽእ ዓመት ግን ከም ቀደምና ከይተፈላለና ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ስውኣትና ክንዝክር ተሰማሚዕናን ተፈራሪምናን ተፈላሊና።

እቲ ኩነታት ሽዑ ንሽዑ ነቲ ኣምባሳደር ክንገሮ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ፣ ንግሆ ሰኑይ እቲ ቤት-ጽሕፈት ምስተኸፍተ ድማ ዓቢ መዛረቢ ጉዳይ ከምዝኸውን’ውን ንጽበዮ ኢዩ።

ብወገንና እቲ ጉዳይ ተወዲኡ ኢዩ እናበልና ከለና ደሕሪ ገለ መዓልታት፣ እቲ ገንዘብ ክስደድ ምዃኑ ተነጊሩና፣ በቲ ኣምባሳደር ዝተኣዘዘ ኣከባታት ብስቱር ከም ዝተኻየደን ኣብ ልዕሊ ገለ ሰባት ናይ ጸለመ ጎስጓስ (character assassination) ክካየድ ከም ዝተወሰነን ሰሚዕና። ሽዑ ንሽዑ ድማ “ሰሚዕኩም’ዶ እዞም ጽዩቛት፣ ከሓድቲ ሃገር፣ ደም ስውኣት ዝረግጹ፣ ሰላም ከይንብሎም፣ ካብ ህዝቢ ክንጸሉ ኣለዎም” እናተባህለ ክዝረብ ቀንዩ። ብኸምዚ ድማ እቲ ኣብ ጸቢብ ክውዳእ ዝግበኦ ዝነበረ ናብ ሕጋዊ ጉዳይ ሰጊሩ ይርከብ። ሕጋዊ መስርሕ ነዊሕን ግዜ ዝሓትትን ምዃኑ ርዱእ ኢዩ፣ ብወገንና ግን እቲ ጉዳይ ናብ ዘይተደልየ ማእዝን ከይዱ ካልኦት ንጹሃት ሰባት ከይልክም ጥንቃቐ ከነካኣይድ ኢና። እቶም እንዳተነግሩ ገንዘብና ሰሪቖም ናብ ዘይደለናዮ መዓላ ዘውዓሉ ሰባት ግን ብውልቂ‘ውን ተሓተቲ ኢዮም። ኣብዚ ክንጸር ዘለዎ እቲ ገንዘብ “ክንሰዶ ኢና” ኢዩ ተባሂሉ’ምበር ምስዳዱን ዘይምስዳዱን ዝሓዝናዮ ጭቡጥ ዶኩመንት የለን፣ እቶም ሰባት’ውን ነዚ ብግልጺ ክዛረብሉ ድልዋት ኣይኮኑን። እዚ ድማ ነቲ ሕጋዊ መስርሕ ክሓላልኾን ከደናጉዮን ከም ዝኽእል ርዱእ ኢዩ። እቲ ምድንጓይ ግን ክሳብ ዝመጽእ 20 ሰነ (2012) ምዃኑ ምዝካር የድሊ። እንተ ብዛዕባ’ቲ ናይ ጸለመ ጎስጓስ ግን ንዕኡ ዝምልከት ብፍሉይ ክንጽሕፈሉ ኢና።

ኣብዚ ህዝቢ ክፈልጦ ዝግበኦ ጉዳይ ግን ክንሕብር ንፈቱ። ንደቂ ስውኣት ምሕጋዝ ክግበር ዘለዎ ጥራይ ዘይኮነ ግቡእ ነብሲ ወከፍ ዘጋ ኢዩ። ናይ ብሓቂ ክሕግዝ ዝደሊ ሰብ እንተልዩ ድማ ብዙሕ መንገድታት ኣለዎ። በዚ ኣብ በርሚንግሃም ዝተገብረ ኣገባብ ግን ንስርቅን ምጥፍፋእን ዝምችእ ኢዩ። ናይ ብሓቂ ኣብ ዘኽታማት ከም ዝበጽሕ’ውን ዋላሓንቲ መረጋገጺ የብልናን። ከም ዝስረቕ ግን ኣረጋጊጽና። ስለዚ እቶም ክንሕግዝ ንደሊ ሰባት እቲ ንሰዶ ገንዘብ ናይ ብሓቂ ኣብ መዓልኡ ከም ዝበጽሐ ጭቡጥ መረጋገጺ ክንሕዘሉ ይግባእ። እቲ ጉዳይ ንደቂ ስውኣት ምሕጋዝን ዘይምሕጋዝን ኣይኮነን፣ ኣብ ደቂ ስውኣት ወይ ዘኽታማት በጺሑ’ዶ ኣይበጽሐን ኢዩ። ዋላ እቶም ደገፍቲ ናይዚ ዘሎ ስርዓት’ውን ካብ ህልኽ ወጺእኩም ገንዘብኩም ኣብ ደቂ ስውኣት ቅድሚ ምብጽሑ ብምሉኡ ኣብ ካዝና መንግስቲ ከምዝኣተወ’ውን ምርግጋጽ ከድልየኩም ኢዩ። ነዚ ድማ ስእሊ ቖልዑ ዘይኮነ ወግዓዊ ቅብሊት ክትሓትሉ ይግባእ። ንእግረ መንግድና’ውን ማሕተም ናይ አምባሲ ዘለዎ ወረቐት ወጎዓዊ ቅብሊት ዘይምዃኑ ክንሕብር ንፈቱ።


ተቐማጣይ
ከተማ በርሚንግሃም

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...