"ኣቶ ማዝን ክትነቅፍ እንኮለኻ ብፍላይ ኣርትስቲ "ጸሓፋይ" ኢየ ትብል እንተኾንካ፡ ካልእ እንተዘይኮንካ ማለተይ ኢዩ። ንሓደ ኣፍራዪ ባእታ፡ ብዙሓት ብፍርሒ ድዮም ብጉርሒ ኣባጉምባሕ ዛግራ እናተባሃሎም ቁሑም ውሕጥ ቁርጥም ዘብሉ ጥራሕ ንመሬት ተዘሪኦማ ዘለዉ ተካል ዘመን ኣይፋሉን ኣባጉምባሕባ! ንዝበሉ ተባዕ ማሃሪ፤ ኣብ መስቀላዊ መንገዲ ታሪኽ ደው ኢሎም ንጡምዙዝ ታሪኽ ቀይሕ መብራህቲ፡ ንሕውስዋስ ብጫ መብራህቲ ንሓቀኛ ታሪኽ ቀጠልያ መብራህቲ ብምጥቃም እናጻረዩ ንሓድሽ ወለዶ መንገዲ ሓቂ ንዝጸርጉ ዘለዉ ቁምነገረኛ ክትነቅፍ እንኮለኻ ነቲ ቁምነገሮም ኣቀዲምካ ኢዩ ከኽውን ዝግባእ። ዶስ ተጋግየ?

ኣቶ ማዝን ብሄር ብቋንቋ ምዃኑ እናፈለጥካስ 20 ዓመት ዝኣክል ረሻይዳ "ብሄረ ረሻይዳ" ክበሃሉ እንከለዉ ኣበይ ዳኣ ኔርካ? ትጋገዩ ኣለኹም ዓረበኛ ኢዩ ቋንቋኦም ብሄረ ዓረብ በልዎም ዘይበልካ?
 
ዝኾነ ኾይኑ ኣብቲ ብሄር ዝብል ብእንግሊዝኛ NATIONAL ብዓረበኛ (القومية) ምስቲ ሕልኽ-ልኽ ዝብል ሓደ ካብኡ ከምዚ ናትካ ዓይነት ተረድኦ ብምዕዛብ ኣብ ጽሑፋተይ ብዘይካ ንዝተጠቕሰ ተሞርኪሰ ተገዲደ ዝብሎ ካብ ምዝውታሩ ይቁጠብ ነይረ፡ ዝኾነ ኾይኑ ኣብዚ ግዜ ንዘይምጥፋእ ዋላ ከምቲ ካንጋሮ ዘይካንጋሮ እንከላ ካንጋሮ ኮይና ዘላ መጠን ንወስዶ።

ኣቶ ማዝን  ክትፍልጦ ዘለካ ቋንቋ ሓደ ከም ናይ ሓባር ነጥቢ (ሮቛሒ) መጺኡ ንብሔርነት ዘረጋግጽ እምበር ከም ኣባሃህላኻ ብሄር ብቋንቋ ኣይኮነን።
 
 ብሄር ዝባሃል፡

• ኣብ ሓደ ውሱን ዞና/ሃገር ብምንባር
• ሓደ ቋንቋ ብምጥቃም
• ናይ ሓባር ጠቕሚ (ቁጠባ) ብምፍጣር
• ናይ ሓባር ታሪኽ ኣብ ሞንጎኻ ብምህላው
• ሓደ መበቆል (ማይቤት) ብምዃንካ

ዝፍጠር ማሕበራውን ስነ-ልቡናውን ዝምድና ኢዩ፡፡ ስለ'ዚ ብሄር ብቋንቋ ኢዩ ዝብል ኣባሃህላኻ ዘይስነ-ፍልጠታዊ ኢዩ።

ገለ ኣብነታት፡
 ህዝቢ እስራኤል ቋንቋኦም "እብራይስጢ" ኢዩ፡
 ኣብቲ "መሃሪ" ሰሌዳኻ ንኣብነት ኣብቲ ብሄር ዝብል መስመር ትግረ ኢልካ ። ኣቶ ማዝን ትግረ ዝቋንቆኦም ግና ከም ህዝቢ ትግረ ተባሂሎም ክጽውዑ ዘይደልዩ ከምዘለዉ ትፈልጥ ዶ? ዋላስ ኣመንጊካ'ዩ ።
 ኡርዱ ዝዛረቡ ኣብ ዓለምና ብዙሓት ኢዮም። ኡርዱ ዝባሃል ህዝቢ ግና ፍጹም የለን፡፡

ስለዚ ኣቶ ግርማይ ንገለ ብሄራት ኢሎም ዝጠቐስወን ቋንቀኤንን ስመንን ሓደ ምዃኑ ዘንጊዖም ከይኮኑ ዲኻ ተዘኻኽሮም ዘለኻ? እዚስ ካብ ኣስመራ ንባጽዕ ወሪድካ ንደቃ ምሕምባስ ምምሃር'ዶ ኣይመስልን? ድፍረት።

ኣቶ ማዝን ክንደይ'ዩ ዕድሜኻ ዝፈልጦ የብለይን፡ ግና ትግርኛ ዝበሃል ህዝቢ ከምዘሎ ካብ ትፈልጥ ክንደይ ዓመት ኮይኑካ ኣሎ። ድሓር ካኣ ኣግአዝያን'ዮም ዝበሉኻ ኣግአዝያን ቋንቋኦም ግእዝ ነይሩ ክኸውን ይኽእል’ዩ።
                             
"ብሄረ ዓረብ" ኢልካ ንዘምጻእካዮ "መሃሪ" ኣብነት ካኣ፡ ንህዝቢ ዓረብ (ኡማ ዓረቢያ) እቲ ክሳብ ሕጂ ኣማሊኦሞ ዘሎዉ ገለ ካብቲ ብሄር ዘብል ሮቛሒታት፡

• ናይ ሓባር መበቆል/ትውልዲ
• ናይ ሓባር ቋንቋ ጥራሕ ኢዩ፡

እቲ ብሰንኪ መግዛእቲ ኣብ መንጎኦም ዝፈጠሮ ምግምማዕ ብዙሕ ብሄር ዘብሎም ናይ  ሓባር ሮቛሔታት ከም ዘጥፍኡ ሰለ ዝገበሮም፡፡ ስለዚ'ዩ ኻኣ ነዚ ዝጎደለ ኣማሊኡ ሓደ ብሄረ ዓረብ ንምፍጣር ናይ ቆውምዩን ዓረብ ምንቅስቓስ ዘድለየ፡፡                                                           

ኣቶ ማዝን ብሄር ፍረ ናይ ሕብረተ-ስብኣዊ ምዕባሌ ኮይኑ ኣብ ሓደ ውሱን ሕብረተ-ስብኣዊ ምዕባሌ ዝፍጠር ደኣምበር ምስቲ ምስ ምፍጣር ደቂ ሰብ ዝተፈጥረ ቋንቋ ዝተወልደ ማንታ ኣይኮነን። እዛ ብሄር ረኺባቶ ዘላ መከራ።

ኣቶ ማዝን ክሰናበተና እንከሎ (ካብ ብሄር ብቋንቋ) “ሎሚ እዚ ፈቲነ ኣለኹ” እናበለ ኢዩ። “ፈቲነ” ዝመስለንን ዝካኣለንን ገይረ ማለት እንተኾይኑ መርበብ ሓበሬታን በጻሕቱን መፈተኒ ኣይመስለንን። “ፈቲነ” መርሚረ ወጢረ ማለትካ እንተኾይኑ ኻኣ ንመን ኢኻ ክትፍትን! ኣቶ ማዝን ግጥምኻ ኣይርዳኣንን ኢዩ። ኣብ ስዲ ንባብ ግና ሩዱእ ኢኻ። ብዓብዩ ኻኣ ኣብቲ ዝበረኸ ማዕበል ናይ ምስቃል ጥበብ ኣሎካ ብፍላይ ኣብተን ዝዳሓራ ጽሑፋትካ።
                                                   
ኣቶ ማዝን ከም ሰብካ ኣብታ ኣፍራዪት ኦም ሓዂርካ ስለምንታይ ጎጉዑ ጥራሕ ትለቅም!


ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...