ናይ ኣክብሮት ሰላምታይ ይብጻሕኩም።
ንዞባና ወኪልኩም ኮነ ኣብ ምሉእ ዓለም ተዋፊርኩም ተገልግሉ ዘሎኹም ኮምሸነራት፡ በቲ ንሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት፡  ናብራኹምን ድኻምኩምን ከይቆጠብኩም እትጓየይዎን እተመዝግብዎን ዘሎኹም ኣበርክቶን ዓወታትን ብወገነይ ብልቢ ኣመስግነኩም። ብጻዕርኹምን ብጻዕሪ ተሓባበርትኹምን ዝርኤ ዘሎ ስጉምቲ ብጣዕሚ ተስፋ ዝህብ ኮይኑ እስምዓኒ።  ቅድሚ ሕጂ እንተኾነ'ውን ብዛዕባ ናይቲ ዝሓለፈ ዋዕላ ኮነ ብዛዕባ ናይ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ጥቅምቲ ጉባኤ ንብዙሕ ዓመታት ዝተጸበኹዎን ብዙሕ ተስፋ ዘንበርኩሉ ምዃነይ ኣብ ጽሑፋት ገሊጸ እየ። ካብዚ ሓሊፈ እውን እምነተይ ብግብሪ ንምድጋፍ ማለት ጉባኤ ንምዕዋት ኣብ ዝግበር ዘሎ ዘመተ ዓቅመይ ብዘፍቅዶ ኣብቲ ዘሎኹዎ ዞባ ምስ ከማይ ዝመሰሉ ብጾተይ ሓቢረ ግቡኤይ ክፍጽም ከሎኹ ሓበን እስምዓኒ።
 
ሕጂ እምበኣር፡ ከም ኣዝዩ ግዱስ መጠን ክብሎ ዝደሊ፤ ምስ ብጾት  ብዛዕባ ጉባኤ ኣልዒልና ኣብ እንዝትየሉ ወይ እንካታዓሉ ግዜታት፡ ካብ ብዙሕ ወገናት ሕብረተሰብና ኣውራ ከኣ ካብ መንእሰያትና፤  ካብተን ኣዝየን ተደጋጊመን ዝመጻ ሕቶታት ብዛዕባ  ሓንቲ ካብተን 4 ሰነዳት ማለት ናይታ  "ንድፊ  መሰጋገሪ  ቅዋም  ሃገረ ኤርትራ" እትብል ኮይና፡ ካብዚ ከኣ ብፍላይ ብዛዕባ እታ   "ቅዋም" እትብል ቃል ወይ እተሕልፎ መንፈስ  ዝለዓል ሕቶታት እዩ። እዚኣ  ናይ ብዙሕ መካትዕን  ናይ ዘይምርድዳእን መንቀሊ ኮይና ኣላ። ልክዕ እዩ ገሊኡ ካብ ቅኑዕ ዘይምርዳእ ኣብቲ  ቀሪቡ ዘሎ ትሕዝቶ ናይቲ ሰነዳት ክኸውን ከሎ፤ ገሊኡ ከኣ ካብቲ ሓድሽ ተላጋቢ ሕማም ህዝብና ማለት 'ሕማም ብርቱዕ ምጥርጣር' ዝተላዕለ እዩ።  ካብዚ ሓሊፉ'ውን ካብቲ ኮነ ኢልካ ዝግበር ዘሎ ካብ ተቓወምቲ ናይቲ ጉባኤ ዝመጸ ምድንጋራት ከም ዝኾነ ብቐሊሉ ክልለ ዝከኣል እዩ።

ኣነ ኮነ ብዙሓት ብጾት ብወገና በቲ በብግዜኡ ካብ ኮምሽን ዝመጽእ ሓበሬታትን ጽሑፋትን 'ቅዋም' ወይ 'constitution' ክትብሉ ከሎኹም እንታይ ማለትኩም ከም ዝኾነ ንርድኦ ኢና። ማለት "መሰጋገሪ"  እምበር  "ቀዋሚ ቅዋም" ማለትኩም ከም ዘይኮነ ኣስተውዒልናዮ ኣሎና። ንሕና ተረዲኡና'ውን ንክርድኡ ዝደልዩ ብጾት ነረድእ ኣሎና።   ግን ከኣ ብሓቂ ንዝዓበየ ክፋል ህዝብና በቲ ናይ ምጥርጣርን ናይ ነዊሕ ግዜ ዘይምርድዳእን ጠባይ ተበኪሉ ዘሎ፡ ብናትና ብናይቶም ሰዓብቲ ወይ ኣመንቲ (ወይ ንኡስ ሽማግለታት) ዓቕሚ ጥራይ ዝፍታሕ ወይ ዝብጻሕ ሕቶ ከም ዘይኮነ ተረዲ ኡና ኣሎ።  እዚ ብቀሊል ወይ ብምቅላል ክትሓዝ ወይ ክርኤ ዘሎዎ ነገር ኣይኮነን።  ንስኻትኩም  እቶም ኣብ መሪሕነት ናይ ኤሃክደለ ዘሎኹም ነዚ ዘይተረድኣኩሞ ወይ መዚንኩም ዋጋ ዘይሃብኩምሉ ኮንኩም ኣይመስለንን።  ምናልባት ግዜን ኣራኽቦን ብምስኣን ክኸውን ይኽእል ክሳብ ለይተሎሚ ባዕልኻትኩም ብቐጥታ ነቲ ህዝቢ ከም ተረድእዎ ዘይገበርኩም።  
 
ንኣብነት ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ንዘሎና ሽማግለታት፡ ብድሕሪ ናይ መጋቢት ናይ ኮሚሸነራት 2ይ ስሩዕ ኣኼባ (ኣብ ኣዲስ ኣበባ) ጌሮም ኣብ ምምላሶም ካብ ናይ ዞባና ወከልቲ ኮሚሽን ሓንቲ ዘዋሪት ደብዳቤ (ናይ 2 ሚያዝያ 2011)  መጺኣትና።  እዛ ደብዳቤ ናይቲ ዝተዘተየሉ ዛዕባታት ከም፡  
 
1.    ጉዳይ ሕቶ ብሔራት
2.    ጉዳይ ምእዋጅ መንግስቲ ኣብ ስደትን ኣድላይነት መሰጋገሪ ቅዋምን
3.     ኣብ ኤርትራ ክምስረት እንደልዮ ስርዓትን
 
ዝመሰሉ ኣርእስታት ካልኦት'ውን ከምኡ ልዝብ ከም ዝነበረ ትገልጽ፡፡ ናይቲ ዘተ ጽሟቕ'ውን እትህብ መልእኽቲ እያ ኔራ። ኣብ ውሽጢ እዛ ደብዳቤ  እዚኣ ብዛዕባ'ዛ ሕቶ "ቅዋም" ዘየዋላውል ኣዕጋቢ መልሲ ነቲ ኣብ ዓይኒ ብዙሓት ዝርኤ ዘሎ ጽልግልጋት ዘብርህ ከምዚ ዝስዕብ ንጹር መልእኽቲ ነሩዋ፡
 
"መዘኻኸሪ፤
ኮሚሽን ሃገራዊ ዋዕላ ነቲ ህዝቢ ክካታዓሉን ቀሪቡዎ ዘሎን ኣብ መጻኢ ጉባኤ ዝጸድቕን ናይ “መሰጋገሪ ቅዋም” ሰነድ፡ ኣብ እዋን መንግስቲ ኣብ ስደት እንእውጀሉ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ እንጥቀመሉ ሰነድ ድኣ እምበር፡ ቅዋም ሃገረ-ኤርትራ ከም ዘይኮነን፡ ህዝቢ’ውን በዚ መንፈስ’ዚ ክካታዓሉ ከም ዘሎዎን የተሓሳስብ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ኮሚሽን ይኹን ዝመጽእ ዘሎ ጉባኤ ቅዋም ህዝቢ ኤርትራ ክነድፍ መሰል ይኹን ሓላፍነት ከም ዘይብሉ ኮሚሽን ንህዝቢ የዘኻኽር።"
 
እዚ ጥራይውን ኣይኮነን፤ እዛ ዝተጠቕሰት ደብዳቤ ሓጻር ትኹንምበር፡ ንኻልኦት ኩሉ ግዜ ዝለዓሉ ዘይምርድዳኣትን ምድንጋራትን ብቕንዕናን ብንጹርን ዝምልሹ ብዙሓት ነጥብታት ኣሎዉዋ።  በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ከኣ እቲ ኣብ መንጎ ኮሚሸነራት ዝተበጽሐ ሃናጺ ስምምዓት "ንንኡስ-ሽማግለታት" ጥራይ  ዘይኮነስ ብኸምኡ ንጹር መገዲ ንምሉእ ህዝቢ ብዕሊ ተላኢኹ እንተዝኸውን  ንምርድዳእ ብዙሕ ምሓገዘ ኔሩ እብል። እዚ ማለት ከኣ ንከምዚ ዝመሰለ ዘካራኽር ዘሎ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳያት ነቲ ተጠራጣሪ ክፋል ህዝብና (from the horse's mouth) ከም ዝበሃል ካባኹም ካብ መሪሕነት ብወግዒ  እንተዝሰምዖ ነቲ ጉዕዞ  ዝሓሸን ዝቐለለን ምገበሮ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ንሕና እንተኾናሞ ንኸነረድእ ጻዕርና ንቕጽል ኣሎና ክንቅጽል ኢና እውን።  
 
ንኣብነት ሓደ ሲቪካዊ ማሕበር ካባኹም (ይኹን ካብ ንኡስ ሽማግለ ናይቲ ሃገር ብዘየገድስ) ኣብ ጉባኤ ንኽሳተፉ ዕድመ ተጌሩሎም ኔሩ።  እቲ ዕድመ ኣይተቐበሉዎን። ናይ ዘይምቕባሎም ምኽንያታት ግን ከምቲ ኣታዓዳድማኹም (ብግሊ) ዘይኮነስ ዓለም ከም ዝሰምዖ  ማለት(public)  ኣብ ኩለን ወብሳይታት ከም ዝዝርጋሕ እዮም ጌሮሞ። ንምንታይ ከምዚ ጌሮም ዘይኮነስ፡ ንዓይ ዘገደሰኒ  ብዛዕባ ሚዛን ናብተን ምኽንያታት ኢሎም ዘቕረቡወን ነጥብታት ዘተኾረ እዩ።  ምስቲ ህዝብና ዘሎዎ ተኣፋፍን ኣስካሕካሒን ኩነታት እቲ ምኽንያታቶም  ከተመዛዝኖ ከሎኻ፡ ብዙሕ ክብደት ዘሎዎ ኮይኑ ኣይተሰማዓንን።  ንኣብነት  5 ካብተን ምኽንያታት ኣብ ግጉይ ኣተረጓጉማ ናይታ ቅዋም እትብል ቃል ማለት ኣብ "ነባሪ ቅዋም" ዝተመስረተ ስነ ሞጎት እዩ ኔሩ።  እዚ'ውን እንተኾነ ከም ግቡእ ኣሽንዃይዶ ካብ ህዝብኻ ዝፈሊ ብዙሕ ዘካትዕ ምኽንያት'ውን ኣይነበረን። ነዚ ማሕበርዚ ካብ ኮምሽን ዳግመ መልሲ ተዋሂቡዎምዶ ኣይተዋህቦምን ኣይፈለጥኩን። እቲ ማሕበር ተዋሂቡና ክብል፡ ኾሚሽንውን ነቲ ዘልዓልዎ ስንኩፍ  ምኽንያታት መልሲ ሂብናሉ ወይ በዲህናዮ ወይ ኣረዲእናዮም ክትብሉ ኣይሰማዕኩን። ግን ከኣ  ዝመለሸኩምሎም ኣይመስለንን። ንምንታይ ኣይተመለሸሎምን'ውን ኣይፈለጥኩን? ብናተይ ኣጋማምታ ብዕሊ ክትምልሹሎም ኔሩኩም እብል። ንዓይ ከም ዝመስለኒ'ውን እታ መልሲ ሓጻር ኢያ ኔራ። ንሳ ከኣ ብቐሊሉ  እታ ወይ ከምታ ንዓና ዝመጸትና ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዋ ደብዳቤ (ኣማዓራሪኹም) ንህዝብን ንውድባትን ንማሕበራትን ምዝርጋሕ እያ  ኔራ እታ ፈውሳ። ሕጂውን እንተኾነ እታ መሪሕነት ንኸምዚ ዝመሰለ መሰረት ዝሰሓተ ወይ ኣብ ጌጋ ዝተመስረተ መረዳእታታት ብብዝሓት ክህሉ ስለ ዝኽእል ሕጽር ዝበለት መግለጺ መልእኽቲ ንኽዝርጋሕ እዩ እቲ ምሕጽንታይ።  
 
ንእግረ መገደይ ፡ ንኣቶ ኣማኑኤልን ንኣሰና.ኮምን  ኣነ  ከም ደላይ ዓወት ናይ ጉባኤ መጠን ብዙሕ እየ ዘመስግኖም።  ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተመልከትኩዎ  ኣቶ ኣማኑኤል ብጉዳይ ዋዕላን ጉባኤን ኣጥቢቑ ብጽፈትን ብዕምቈትን  ነቲ ነገር ሒዝዎ ስለ ዘሎ በቲ ንህዝቢ ንከረድእ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ብኹሉ ኤሪትራዊ ደላይ ለውጢ ክምስገን ዘሎዎ እዩ ባሃላይ እየ።  ካብ ዝሓለፈ ሰሙናት ጀሚሩ ኣብ ድምጺ ኣሰና  ብዛዕባ  እቲ  ዝመጽእ ጉባኤ ብዙሕ ጠቓሚን  መሃሪ ቃለ ምልልሳትን፡ ምልውዋጥ ሓሳባትን ይግበር ኣሎ። ኣነ ካብ ዝሰማዕኩዎም ካብ ዝሓለፈ ክልተ ቅነ ጀሚሩ፡ ምስ  ኣቶ በሽር ኢሻቕ፡ ምስ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ንኡስ ኮሚሽን ከምኡውን ኣብዚ ሳልስቲዚ  ምስ ሓደ ጉጅለ በዓል ኣቶ ሕሩይ ተድላ፡ ወይዘሮ ዔሻ ሙሳ ገዓስ፡ ኣቶ ተኽላይ ኣብርሃ፡ ዶክ. ኣፈወርቂን፡ ኣቶ ሳልሕ ጆሃርን  ዝርከቡዎ ብፍላይ ብዛዕባ "ቅዋም" ሰፊሕ  ንህዝቢ መሃሪ ምልውዋጥ ተገይሩ ኣሎ።  
 
ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ረድዮ ብዝሰማዕኩዎ እቶም ተዋሳእቲ ዝህብዎ ብዛዕባ ቅዋም ማለት "ቅዋም ናብ ዓድና ምስ ኣቶና ደኣምበር ናይ ሕጂ ዕማም ከም ዘይኮነ"  ኤሃኮደለ (ENCDC)  እውን እዚ ንኽገብር ስልጣን (ማንደት) ከም ዘየብሉ፡ እዮም ዝገልጽዎ። ካብ ገሊኦምውን ከምቲ ኣነ ኮነ ብዙሓት እንሰማምዓሉ ካብዚ ኩሉ ምድንጋራት ምእንቲ ክንድሕንሲ እታ "ቅዋም" እትበሃል ቃል ንግዜኡ፡ (ዓድና ክሳብ ንኣቱ ንበል) ብኻልኦት ቃላት እንተትትካእዶ ኣዝዩ ኣይምሓሸን ኢና እንብል።  ንኣብነት ብእንግሊዝኛ እታ constitution እትብል ቃል ብሓንቲ ካብ charter or agreement or contract or deed or consensus or accord ዝበሃላ ቃላት እንተትትካእ፤  እታ ትግርኛ'ውን ኣብ ክንዲ "ቅዋም"  ብስምምዕ ብምርድዳእ ወዘተ ብዝብሉ ቃላት ዓረብኛ'ውን ከምኡ ብተመሳሳሊ ቃላት ክትክኣ  ንግዜኡ ዝሓሸ እመስለኒ።  ባዕልኻትኩም "ነባሪ ቅዋም" ኣይኮነን ኢልኩም ከተብቅዑ ኣብቲ ዝሃብኩሞ ስም ድርቕ ምባልኩም  ኣይግድን።   
 
እንግሊዝ ክምስሉ “ a rose  by any other name - smells the same”  ይብሉ። ስለዚ ንምርድዳእ ዝሕግዝ ንጉዕዞና ዘቃላጥፍ ድአ ይኹንምበር ብተማሳሳሊ ዘየሳሓሕብ ቃላት እንተተክኤ ዝጎድእ ኣይኮነን ጠቓሚ እዩ።   እንተዘይኮነ  ኣብታ "ቅዋም" ትብል ቃል ረጊጽካ  'ነባሪ ቅዋም" "ቅዋም ሃገረ ኤርትራ"  ወዘተ ኢኹም ትሓስቡ ዘሎኹም፡ ኢኹም ከተጽድቑ ትእከቡ ዘሎኹም፡ ወዘተ እንዳተባሃሃልና ኣብ ክንዲ ብናይ ቃላት ኣታራጉማ ኣብ ዘየድሊ ምክሳሳትን ምፍልላይን ምትፍናንን፡ ወርቃዊ ግዜና እነጥፍኦ፡ ኣብ ንህዝብና ተስፋ ኣብ ዝህቡ ሃነጽቲ ምርድዳእን ምስማርን ምትዕጽጻፋትን ልዝባትን እንተነጥፍኦ ኣዝዩ ምሓሸ።  ነዚ ከኣ በዚ ግዜ'ዚ ክሳብቲ ጉባኤ ብዘይካ እቲ ኮምሽን ክሓስበሉን ስጉምቲ ክወስደሉን ዝኽእል ካልእ ላዕላይ ጉጅለ የለን።
 
ጉባኤ ከም ዝዕወት ጥርጥር የብለይን።  ግንከ ካብ ዓወት ናብ ዓወት ፍልልይ ኣሎዎ። ክምዚ ኩሉ ግዜ "እቲ ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ" ወይ "ኣኼባ ዕዉት ኔሩ" ዝበሃል ናይ ቀሻሻት ዓወት ግን ኣይኮነን ህዝብና፡ በዚ ግዜ'ዚ ዝጽበ ዘሎ። ንሕበነሉ ዘላቒ ዓወት ምእንቲ ክኾነልና ካብ ሕጂ እቲ መሰረቱ ምእንቲ ክድልድለልና፡ ሕጂውን እንተኾነ፡ ብዝተኻእለ ዝበዝሕ ኣብ ወጻኢ (diaspora) ዘሎ ህዝብና  ብዝርድኦ መገዲ ከነረድኦን ክንዕድሞን ናይቶም መራሕትን ናይ ኩላትናን ሓላፍነት እዩ።  ኣብ ርእሲዚ ነዚ ኮነ ኢልካ ጉባኤ ንኽፈሽል ንምጽያቕ ዝግበር ምድንጋራትን ስራሕና ኢሎም ተዓጢቖም ዝሓዝዎ ካብ ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ብዙሕ ወገናት ተሰሊፎም ከም ዘሎዉ ኩሉ ኤሪትራዊኳ ዘይስሕቶ እንተኾነ፤ ምስ ከምዚኣቶም ዝመሰሉ ኮነ ምስቲ ክሰምዕ ዘይደሊ ጸማም ምትህልላኽ ኣድላዪ ኣይኮነን። ጥንቃቐ የድሊ ይኸውን እምበር በቲ ንሳቶም ዝደለይዎ ናይ ዕንወትን ናይ ኮለልን ኣጀንዳ ክንጽሎ ግን የብልናን።  ብወገነይ ኤሃኮደለ ነዚ ሒዝዎ ዘሎ ኣጀንዳ ብግቡእን ብትዕግስትን ብምርድዳእን እንተስዒብዎ  ንህዝብና ብዝሓጸረ ግዜ ንከነድሕኖ ዝሕግዝ መገዲ ሒዙ ከም ዘሎ  እኣምነሉ እየ። ከማና ክኣምኑሉ ዝኽእሉ ብዙሓት ብገርህነቶም ዝተታለሉ ኣሕዋትና ጌና ስለ ዘሎዉ ሕጅውን ካብቲ ዝተታለልዎ ንኽወጹ ከነረድኦም ግዜ ኣሎና።  ብዛዕባ ናይቲ ጉባኤ፡ ቅኑዕን ቅዱስን ዝኾነ ዕላማ፡ ናይ ምርዳእ ጻዕሪ፡ ተስፋ ከይቆረጽና ክሳብታ ጉባኤ መዓልቲ  ክንቕጽል ኣሎና።
 
እምበኣር ንሃገራዊ ረብሓ ኢልና ህዝብና ምእንቲ ክርድኦ፡ ማለት እቲ ሓቁ ምእንቲ ክፈልጦ፡ ፈሊጡ ከኣ እቲ ግቡኡ ምእንቲ ክፍጽም፡ ንስኻትኩም እቶም ናይ ኮምሽን ሓለፍቲ እውን ነዚ ኣብ ገሊኡ ወገናት ዝርኤ ሕንፍሽፍሽ ንምዕራይ ክትብሉ  ብዛዕባ  ናይተን ኣብ ላዕሊ ተዘርዚረን ዘሎዋ ሰለስት ኣገደስቲ ኣርእስታትን፡ ከምኡውን ካልእ ንስኻትኩም እትፈልጥዎ  ሕቶታት ኣውራ ከኣ ብዛዕባ "ቅዋም" እቲ ኮምሽን ዘሎዎ ንጹር መልስታት፤ ወይ ንጹር መርገጺ ኣሕጽር ኣቢልኩም ኣብ ኩለን ማዕከናት ወብሳይትን ረድዮታትን ፓልቶካትን ብዝቐልጠፈ ግዜ ንኽትገልጹ ኣነን ከማይ ዝመሰሉ ደገፍቲ ናይ ጉባኤን ነማሕጸነኩም። ምናልባት ቅድሚ ሕጂ ገሊጽናዮ ኢና ትብሉ እንተኮንኩም'ውን  ድኻምኩም ከይጸብጸብኩም እንደገና እንተገለጽኩሞ ነቲ ነገር ኣዝዩ ሓጋዚ ከም ዝኾነ እየ ዝኣምን።
 
ዋዕላ ኣዲስ ኣበባ 2010 ብዝኸፈቶ ሓድሽ ምዕራፍ፡ ዓቢ ክፋል ህዝብና መንፈሱ ኣብ ተስፋን ኣብ  ምጽባይ ሰናይ ወረ ህሞት እዩ ዘሎ።  ናይዚ ሓድሽ ምዕራፍ ቀንዲ መለለዪ ተገዳስነትን ተሳታፍነትን ናይ መንእሰያትና ምስክር  እዩ፤ ክኸውን'ውን  ኣሎዎ።  እምበኣር ነታ ተተኺላ ዘላ ናይ ተስፋ ተኽሊ ምእንቲ ክትጥጥዕን ኽትስስንን እሞ እቲ ትጉህ ጻዕርኩምን ጻዕሪ ህዝብኹምን  ኣብ ፍረ ክበጽሕ ኩላትና ነዛ ሓጻር ተሪፋትና ዘላ ግዜ ኣብ ምዅስዃሳ ንበርትዕ። ንሃገራዊ ረብሓ ኢልካ ምትዕጽጻፍ ናይ ህዝብኻ ብዝያዳ ከኣ ናይ መንእሰይ ሓሳብን ስክፍታን ናይ ልቦም ትርታን ምስማዕን ምልዛብን፤ (በዚግዜ'ዚ) ወሳኒ ናይ ዓወት መሳርሒ እዩ።
 
ኣጆኹም ክትዕወቱ ኢኹም፡ ክንዕወት ኢና፡ ሓቢርና ንሃገርና እቲ ጽቡቕ ትምኒታ ክንመልሰላ ኢና።

ብርሃነ ገ/ንጉስ
August 4, 2011

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...