ዝኸበርኩም ኤርትራዊያንን ሓበሻን፡

ብደሓንን ሰላምን ክትህልዉ በዓል ምሉእ ተስፋ'የ። ሎሚ ንክቡር ኣቶ ግርማይ ኪዳን ወዲ ፊሊፖ'የ ሓደ ሓደ ሕቶታት ከቕርበሉ ደልየ ዘለኹ። ጽሑፋቱ መሃርን መኣድን ነጥብታት ኣለዉዎ፡ ብኡኡ ክቕጽልን መመሊሱ ክምህረናን ክምዕደናን ከኣ ተስፋ እገብር። እንተኾነ ግን ሓደ ሓደ ፈጺሞም ዘይተረድኡኒ፡ ከቕንዑኒ ዘይከኣሉ ነጥብታት ስለዘለዉ ከቕልለለይ ኢለ'የ ክሓቶ ደልየ ዘለኹ። ናይ ሎሚ ሕቶታተይ ብዛዕባ ክቡር ኣቶ ዓብደልቃድር ከቢረ ኮይኖም እዞም ዝስዕቡ ከኣ'ዮም፡

1. ክቡር ኣቶ ዓብደልቃድር ከቢረ ኣነ ወዲ ብሄረ ጀበርቲ'የ ኢሎም ዶ?
2. ክሳብ ሎሚ ብሻዕብያ ኮነ ብጀብሃ "ብሄር ጀበርቲ" ተፈላጥነት የብሉን። ስለምንታይ? ሓዲኦም ዓማጺ ሓዲኦም ዳናዪ ጌርና ምስ ንወስዶም ክልቲኦም (ዓማጺን ዳናይን) ን"ብሄር ጀበርቲ" ኣብ ዘይምፍላጥ ዘሰማምዕ ነጥቢ ኣለዎም ማለት ድዩ?
3. ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ንብዙሕ ዓመታት ኣንጻር መግዛእቲ ተቓሊሱ ክንደይ ዘይክፈት ኣጀንዳታት ከፊቱ ክንደይ ዘይክፈት ማይክሮፎናት ከፊቱ ነጻነቱን ሰላሙን ፍትሑን ዘረጋገጸ ኣህዛብ'ዩ። ን"ብሄር ጀበርቲ" ጎስዩ ከይፈለጠ ኣንጻር ኣጀንዳታትን ማይካትን መግዛእትን ጭቆናን ዓመጽን ይቃለስ ነይሩ ኢልካ ይሕሰብ ዶ?
4. ሓላል ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ኣብ ጎኒ ን"ብሄር ጀበርቲ" ዘይፈልጡ ሰውራታቱ ደው ኢሉ፡ ኣዕጢቑ፡ መሪቑ፡ ኣቃሊሱ ተዓዊቱ ኢልካ ምሕሳብን ምዝራብን ቀሊል ምቕላለን ድዩ?
5. ናጽነትን ሰላምን ፍትሕን ማለት ናይ ነፍስወከፍ ብሄር፡ ህዝቢ መሰል ምፍላጥ ማለት ዶ ኣይኮነን? ኣሽሓት ስዉኣት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያንን ንመሰል "ብሄር ጀበርቲ" ጎስዮም'ዮም ንናጽነቶምን ንሰላሞምን ንፍትሖም ተሰዊኦም ምባል ድፍረትን ድርቅናን ዶ ኣይኮነን?
6. ክቡር ኣቶ ዓብደልቃድር ከቢረ ብሻዕቢያ (ህግደፍ) ኮነ ብጀብሃ ተፈላጥነት እናሃለዎም ብሄሮም ኣይተፈልጠን ምባል ቅንዕና ድዩ? መን'ዩ ንብዓት ሓርገጽ ዝነብዕ ዘሎ? መማስሕትኻ ዝኾነ ብሄር ገዲፍካ እንጀራ በሊዕካ ወይ ተመሲሕካ ምባል እስኻ ዝግኒ ደርሆ ተመሲሕካ ንመማስሕትኻ ግን ደም ኣብሊዕካ ስሚ ኣስቲኻ ምባል ዶ ኣይኮነን?

ክቡር ኣቶ ግርማይ ኪዳነ፡ ንዝጠፍእ ጊዜኻ ኣቐዲመ እቕረታ፡ ግን ስለዝኸበደኒስ ከተቕልለለይ ኢለ'የ። ኣብ መጻኢ ንዝህልዉኒ ሕቶታተይ'ውን ክትምልሰለይ ብትሕትና ደጊመ እሓተካ።


Maazin Abdul Qhany
27-Jul-‘11


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...