ኣብ ሩሑቕን ቀረባን ዘለኹም ኤርትራውያን ኩቡር ሰላምታይ ይብጻሕኩም

ካብ ኣምጻእካዮ በለ ሰብኣይ!,

ኣብ ዝሓለፈ፡ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ኣቢሉ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ፡ ነቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣብ ውሽጢ ኣስላም ኤርትራውያን ዘሎ ድኽመታት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ውሽጢ ጀበርቲ ዘሎ ሉሕሉሕ ሓድነትን፡ ምእንቲ ህዝቢ ክማሃረሉ፡ ኣብቲ ጉዳይ ጥራይ ምድሃብ ይሓይሽ ብምባል፡ ኣስማት ውልቀሰባት ብዘይ ምጥቃስ ጹሑፋተይ ኣቕሪበ ነበርኩ።

ሎሚ ግና፡ ከመዮ ማሓዙት መርዓት ዝደርፈኦ፡ መጺእካለይዶ የ መጺእካለይ ዶ ክጽበየካ ኮይኑ ነገሩ።  ክብረት ንዓይ ስለ ዝኾነ፡ ኣቦይ ወይ መምህር ኢለ ክጠቕሶ’የ። ካብ ኣቦይ መምህር ዓብዱሰላም ስዒድ ቅልዕቲ መልእኽቲ ስለዝተቐበልኩ፡ መልሲ ይህብ ኣለኹ።

ነ’ቦይ መምህር ዓብዱሰላም ንዝፈልጦም እታ ቅልዕቲ መልእኽቶም፡ ብቃላቶም ንዑና ቪላ ጌራ ተቕርብ ጥራይ ዘይኮነት’ሲ፡ ብ ሓንቲ ጸጸር ኣርባዕተ ኣዕዋፍ ክትቀትል ዝተደርበየት ተበላጺትን ኣምሰሉን ሙኻና፡ ነቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝነብር ህዝብና ን ኣስላሙን ንክርስቲያኑን፡ ኣይ ከተዳናግርን’ያ ጥራይ ዘይኮነት፡ ካብ ምሒር ምስድማም ብሳሓቕ ክርትም ክብሉ ከምዝቕንዩ ኣይጠራጠርን። ምኽንያቱ ተግባር ካብ ቃላት ንላዕሊ ስለ ዝዛረብ። መምህር ዓብዱሰላም መን’ዩ ህዝብና ኣብ ካናዳ ጥራይ ናይ 22 ዓመታት ኣዝዩ ሃብታም ተሞኩሮ ስለ ዘለዎ። ነቲ ኣብ ውሽጥና ኣትዮም ንማሕበር ጀበርቲ ይኹን ንማሕበር ኣስላም ቁምነገር ከይሰርሕ ዝካኣሎም ዝገብሩ፡ ነቶም ኣብ ኣኼባን ብግልን ማሕበርና ካብ ፖለቲካ ነጻ’ዩ ባሃልቲ።  ብሄር ጀበርቲ ዝባሃል የለን ኢሎም ዝጭድሩ ክብል ኮለኹ’ኮ ነቲ ሱሳ 60% መምህር ዓብዱሰላም ሙዃኑ ሎሚ ኩሉ ይፍለጦ። ሓሙሽተ ድማ ባዓል ሰላሕታ ሕማም ወረ ዘባጻጹሑሉን፡ ነቲ ወስላት ተግባራቱ እሺ እንዳበሉ ዘተግቡሩ ስረ ዓጢቖም ሰብኡት ዝመስሉ፡ ሰለስተ ዕባይ ኤርትራ ተጋሩ ዝርከቡዎም 8 ሸሞንተ ምስ ኩነታቱ ክቃልዑ ኢዮም።

እተን ንህዝብና ኣብ ካናዳ ከስደምሞኦ ኢየን ዝብለን ተግባራት መምህር ዓብዱሰላም ስዒድ።

1. ኣብ ማሕበር ጀበርቲ ወዲ ጉጅለና ስለ ዝነበረ፡ ከምስል ሙዝጉብ እኳ     እንተኾነ፡ ክዕዘብ ወይ ምኽንያት ይህልዎ ኣብ ዓመት እንተበዝሐ 2 ክልተ ግዝየ ጥራይ ከምዝሳተፍን። ከፍርስ ተዘይኮይኑ ክሃንጽ ኣይረአን ኣብ ጹሑፉ ግና፡ ንጀበርቲ ዝሓሊ መሲሉ ምቕራቡ።
2. ሰባት ንህግደ ክነቕፉ፡ ከማርሩ ምስ ዝሰምዕ ብ ዓንጃል ኣገባብ ሰባት ይድህልን ይህንደድን። ብፍላይ ኣባላት ህግደፍ ምስዝህሉው ከፍቱ ዘይገብሮ ነገር የለን። ምስዛ ናይ ሕጂ ጹሑፉ ብምዝማድ ድማ ትግረም።
3. ንጀበርቲ ምሒር ብምንዓቕ ኣብ ኣኼባ ተጠሊዑ ብሄር ጀበርቲ ዝባሃል የለን ዝብል። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ዘገርም ኣብ ናይ ዒድ ባዓል ብምምጻእ ነናይ $1 - $5 ዝዋግኡ መጻወት ቆልዑ ክዕድል’የ ብምባል፡ ዘስደምም ንሕና ጀበርቲ ንሕና ጀበርቲ ብምባል ዘይብሎን ዘይህውትቶን የለን።
4. ኣንታ እንታይ ጉዱ’ዩ፡ ብፍላይ  ንስርዓት ህግደፍ ንምእላይ ኣብዝግበር ቃልሲ ዝበላ’ሞ፡ ሓደ ኣንብብ ምስ ኣበላ 12፡30 ናይ ለይቲ ደዊሉ ሳልሕ ኣንጊህካ ንስራሕ ስለ ትኸይድ ኢለ’የ ደዊለልካ ብምባል፡ ከምዚ በለኒ ካብቲ ኩሉ ዘደንጸወኒ ብምባል፡ ነዚኣስ ካብ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ኣፍቂዱ ክኸውን ኣለዎ ጽሒፉዋ እዋይ ግምጥል ግምጥል ንዝኽእለሉስ ብምባል ኣዕሊሉኒ።  

ንሕና ኣብ ካናዳ ንነብር ደቂ ብሄር ጀበርቲ፡ ምእንቲ ብሄራዊ መሰልናን ሓርነት ህዝብናን ኣብ ነካይዶ ዘለና ድርብ ቃልሲ፡፡ ካባናን ንዓናን ተመሲሎም ንነዊሕ ዓመታት ዝቐጸለ፡ ገሊኦም ፍሉጣት፡ ገሊኦም ኩሉ ዘይፈልጦም፡ ኣብ ልዕሊ ብሄርና፡  እቲ ገሊኡ ብጋህዲ ገሊኡ ብስውር ከም ፍልሖ ኣብ ውሽጥና ኣትዮም ፊሒቖም ሮሞቕ ከብሉና ምእንቲ፡ ኣንጻር ብሄር ጀበርትናን ኣንጻር ሓርነት ህዝቢ ኤርትራን ተዓጢቖም መሳርሒ ገበነኛ ጉጅለ ህግደፍ ብሙዃን፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ካናዳ ዘገልገሉን ዘገልግሉ ዘለውን ንሎሚ ነቲ ቀንዲ ብሄር ጀበርቲናን ህዝቢ ኤርትራን ንኽፈልጦ ነጋልጾ ኣለና፡፡

ከምዚ ክኸውን ዝኻኣለ ድማ ነቶም ገሊኦም መብዛሕትኡ ህዝቢ ኣብ ካናዳ እናፈለጦም ኮሎ፡ ነቲ ፉንፉን ተግባሮም ካብ ምሕማይ ሓሊፍና ንምቅላዖም፡ ኩሉ እቲ ዘይፈለጦም ንኽፈልጦም ዝተወሰደ ሱጉምቲ ኣይነበረን፡፡ ብኾምኡ ክቕጽል ስለ ዘይክእልን ዘይግባእን ድማ እነና ሎሚ፡ ብፍላይ ንሓደ መሪጽና  ነቃልዖ፡፡ 
        
  ሽሙ፡ መምህር ዓብዱሰላም ስዒድ ይባሃል

1. እዚ ሰብ እዚ፡ ቅድሚ 22 ዓመታት ካብ ሱዑዲያ ናብ ካናዳ ዝኣተወ  ዕድሚኡ 70 ሰብዓ ዓመታት ዝደፈነ ኮይኑ፡ ሓድሽ ወለዶ ብሄር ጀበርቲ ካብ ባዓል እዚኣቶም ከም ዕድመ ዝጸገቡ መጠን ታሪኽ ሃገሩን ብሄሩን ባህሉን ክፈልጥን ክወርስን ዝግበኦ፡ ግና’ኸ ኣይታዓደለን፡፡ ካብ ናይ ቀዳሞት ጀጋኑ ኣቦታት ጀበርቲ ኣሰር ውን ኣይትረኽበሉን ኢኻ፡፡ ብሕጽር ዝበለ ሓደ ካብ ዓበይትና ብሄር ጀበርቲ ኢዩ፡፡

እቲ ዝኸፍኣ ህዝቢ ክፈልጦ ደሊናዮ ዘለና ግና፡ ነቲ ዝወከሎ ዘይብሉ ንብሄር ጀበርቲ ኣሕሊፉ ብማሃብ ዝፈጸሞን ዝፍጽሞ ዘሎን በደል፡ ብሄር ጀበርቲ ክፈልጦ ይግባእ፡፡  ንሱ እቲ መብዛሕቱኡ ተቐማጣይ ካናዳን ብፍላይ ድማ ኣብ ቶሮንቶ፡   ብፍላይ ድማ ብሄር ጀበርቲ ዝፈልጦ ኣብ 1993, ኣብ ግዝየ ረፈረንደም ህዝቢ ኤርትራ ንነጻነትን ሓርነትን ሃገሩ ንኸድምጽ ኣብ ዝሸባሸበሉ ዝነበረ እዋን፡ ብሄር ጀበርቲ ውን ከምተን ኩለን ብሄራት ኤርትራ ኣብ መመዝገቢ ኑቕጣታት ደበኽ በለ፡፡ ኣብቲ ብሄርካ ዝብል ሕቶ ዝምላእ ቅጥዒ ሰነድ ድማ፡ ጀበርቲ ብምባል ኣንጎድጎዶ፡፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ካብቶም ሽማግለ ረፈረንደም ይኹን ካብቶም ሓለፍቲ ቤት ጽሕፈታት ዝተራእየ ተቓውሞ ዳርጋ ኣይነበረን፡፡

እቲ ናይ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ዓንጃል ተቓውሞ ንብሄር ጀበርቲና ዘጋጠሞ ግን ካብ ናተይ ዝብሎ ሰብ ነበረ፡፡ ንባዕሉ ካብ ብሄር ጀበርቲ ክንሱ፡፡ ክታሓጋገዝ’የ ብምባል ኣብቲ ህዝቢ ዝምዝገበሉ ቦታ ስለ ዝነበረ፡ ኮነ ኢሉ ንዘዝመጸ ወይ ዝመጸት ተወላዶ ብሄር ጀበርቲ፡ ብሄርና ጀበርቲ ኢዩ ኢሎም ንዘዝመልእዎ ሰነድ፡ ስድነት ብዝመልኦ ኣገባብ ካብ ኣእዳዎም እና መንጠለ ጀበርቲ ዝባሃል የለን ብሄር ትግርኛ ኢልኩም ቀይርዎ ተዘየ’ሎ መንነት ኣይክትዋሃቡን ኣይክትመርጹን ኢኹም ብምባል ንብሄር ጀበርቲ፡ ምኽንያት ዘይብሉ መርገም ብሙዃን ኣቖጢዑን ኣሕዚኑን ኣቐይሙን ኢዩ፡ ወረቐተን ካብ ኢደን መንጢሉ ሑሕ ምስበለን ብተግባሩ ዝበኸያ ደቀንስትዮና ጀበርቲ ውን ኔረን ኢየን፡፡

ኣብቲ ግዝየ’ቲ ይዝከረኒ ኣነ ምስ ክልተ ኣዕሩኽተይ ካልኦትን ሸሞንተ ኴና ክንምዝገብ ናይ መንነት ሰነድ ከነውጽእ ኣብ ዝኸድናሉ እዋን፡ ንክልተ ካብቶም ሓለፍቲ ቤት ጽሕፈት በቲ ኣቐዲምና ዝሰማዕንዮ፡ ጀበርቲ ዝባሃል የለን ትግርኛ ኢልኩም ቀይርዎ ብምባል ንብሄር ጀበርቲ ከልኪልኩም ሰሚዕና እንተበልናዮም፡ ንሕና ዘይኮና ደይ እቲ ከማኹም ጀበርቲ መምህር ዓብዱሰላም ዝባሃል ኢዩ፡ ዝኣዘዞ ዘይብሉ ኣባላሺውልና ቀንዩ ሰባት ከህድመልና ውዒሉ ብምባል መሊሶሙልና ተገሪምና፡፡ ሽዑ ንሕና ብሄርና ጀበርቲ ኢዩ ብምባል  ተመዝጊብና ንገዛና ተመሊስና ንብለኩም፡፡

እዚ ሰብ እዚ ሎሚ ውን ንብሄር ጀበርቲ ኣሕሊፉ ካብ ማሃብ ኣይተቖጠበን ዘሎ፡፡  ወስላትን ዘይእሩምን ጠባያት ከምዝውንን መጠን፡ ሓደ ሓደ ግዝየ ኣብ ናይ ጀበርቲ ኣኼባ ብምስታፍ ከምስል ንሕና ጀበርቲ ንሕና ጀበርቲ የብዝሕ ፡፡ ኣብቲ ዝበዝሔ ዝምድረሉን ኣብ ዕላል ዝብሎን ግና ብሄር ጀበርቲ ዝባሃል ከምዘየለ ብምባል ይምድር። ማሕበር  ጀበርቲ ንክዳኸምን ንክቕህምን ብዝተፈላለየ ሽርሒታት ይሰርሕ፡፡ ብዘይካ ክልተ ሰባት ሓደ እኳ ዝቃወሞ ኣይተረኸበን ብዘይካ ታሓቢእካ ምሕማዩ፡፡ በዝን ወዲ ከምዝን፡ እዚ መምህር ዝብል ቅጽል ሽም ዘለዎ መትከል ኣልቦ፡ እቲ ዝተናዕቀን ዝፎኾሰን ኣቦታት ጀበርቲ ኮይኑ ይርከብ ብጣዕሚ ድማ ብልቢ  የሕዝነና፡፡

እዚ ዝጠቐስኩዎ፡ ንስለ ግብረ መልሲ ወይ ናይ ህልኽ መልሲ ዘይኮነ። ብፍላይ እቶም ካብ ሰሜን ኣመሪካ ወጻኢ ትነብሩ ኣሕዋትና፡ ንትፈልጥዎም ወይ ኣዝማድኩም ብምዱዋል፡ እዚ ሳልሕ ዓብደላ ዝባሃል’ሲ ንመምህር ዓብዱሰላም ንምክፋእ ዲዩ ወላስ ሓቅነት ኣለዎ’ዩ ጹሑፉ ብምባል ብቀሊል ሕቶ፡ ሓቀኛ መልስን መንነት መምህር ዓብዱሰላምን ክትረኽቡ ኢኹም። እንተ ነቶም ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝነብሩ እሞ፡ ካባይ ንላዕሊ ዝፈልጡዎ ስለዝኾኑ ዝብሎም የብለይን።

ንመምህር ዓብዱሰላም ሓንቲ ኣገዳሲት ሕቶ ኣላትኒ። ንሳ ጀበርቲ ብሄር ድዩ ኣይኮነን?

ኩቡራት ኤርትራውያን፡ ክሳብ ኣብ ዝመጽእ ጹሑፈይ ንራኸብ ሰላም ንኹሉና።

ኣንታ ረቢ ዕድመይ 70 ሰብዓ ምስ ኣኸለ ከም ወለድና ናይ ዓበይቲ ስራሕ ኣስርሓኒ፡ ንነብሰይ ክኸብር። ንደቀይ ኣብነት ኮይነ ድማ ምእንቲ ክሓልፍ።

ሳልሕ ዓብደላ

ካብ ለምለም ካናዳ

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...