መልሲ ንቅልዕቲ መልእኽትኻ፡ ሓው በረኸትኣብ ሃበተማርያም
ብተክልሰንበት ተኽላይ (ኮምሽነር) ሃገር-ጀርመን 26.06.2011
ክቡር ሓው፣ ንቅሉዕ መልእኽትኻ ነመስግን። ነዚ ዕድል ተጠቒምና ከአ ንተኻታተልቲ ኣዝማሪኖ.ኮም ሓደ-ክልተ ነገራት ከነብርህ ንፈቱ።

 ሃገራዊ ኮምሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘካይዶ ስራሕ ሓደ ዓይነት ውደባ ምዃኑ አይተረፎን። ዝዀነ ውዱብ ምንቅስቓስ ከአ ገንዘብ ይሓትት‘ዩ። ብቀንዱ ከአ 500+ ህዝቢ ናብ ሃገራዊ ጕባኤ ከብጽሕ ዕማም ሃገራዊ ኮምሽን ምዃኑ ምስጢር ኣይኮነን። እዚ ከቢድ ሓላፍነት ጾር ሓይልታት ለውጢ ዝዄና ኤርትራውያን ኢዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብቅሉዕ ደጋዊ ደገፋት ይሓትት አሎ። ግና-ከአ ዋናኡ ዘይጻዓደሉ ወጻኢታት ፈተውቲ ቀያሕ ሳንቲም‘ኳ አይከበርክቱን ኢዮም። ቅድሚ ሎሚ - ንሃገራዊ ዋዕላ 2010 - ዳርጋ ብምልኡ ወጻኢታትና ሰንዓ-ፎርም ሸፊንዎ። ሎሚ ግና ዓሚ አይኮነን፣ እምበር ሰንዓ-ፎርም ካብቶም ቅድምያ ሂብና „ኣባኹም ረማዕ ኣባኹም ገማዕ“ እንብሎም ደገፍቲ እስትራተጂ ደሞክራስያዊ ለውጢ መደባትና ስለ ዚኾኑ አይሓተትናን አየስምዕን‘ዩ።

ሓደ ካብቶም ቀንዲ ዕላማታት ናይ‘ዚ ምንቅስቃስ‘ዚ፡ ምልኪ ካብ ኤርትራ ንምስዓር‘ዩ፤ ክንድ‘ዚ ዚአክል ሓላፍነት ተጻዒንካ ከአ ካብ የማን-ጸጋም ሸማጢጥካ ዚሓልፍ ቀሊል ጕዳይ ከም ዘይኰነ ንፈላለየሉ ነገር አይመስለንን። ዓቕምታትና ዛሕ-ዛሕ ከይብል ዳግም ምጽፋፍ ከድሊ‘ዩ። ዓቕሚ ተቓውሞ ዝሽፈን ወጻኢታት በዚሕዎ ሓልከስከስ ይብል ከም ዘሎ ርኡይ አሎ። ነቶም ውሑዳት ዜጋታት ኤርትራ ብውድባዊ፣ ሃገራዊ፣ ማሕበራዊ ወዘተ... ዕማማት ዓፊንና ልዕሊ ክውንነቶም ንሓትት ምህላውና ይስማዓካ‘ዩ፡፡ አብ‘ዚ ከአ ፖለቲካ ኤርትራ ቅድምያታቱ ከተዓራሪ ወግሐ-ጸብሐ ንብዳህ አሎና፣ እሞ ኵሉ ዘሎ ጋዕ-ገልጠም ተጻዒንካዶ ጕዕዞኻ ትድንስ ወይሲ ጾርካ ኣፍኲሽካ ብቕጽበት ትምርሽ ብዕትበት ክምለሽ ዘለዎ ሕቶ‘ዩ። እንተ ኤርትራዊ ገንዘቡ ጫሕ አቢሉ ሃገራዊ ጕባኤ ከዐውትን ንምልኪ ክስዕርን ከም ዚህልዎ ግና ካልእ መዋጽኦ የሎን።

ሃገራዊ ኮምሽን ጻውዒት ንገንዘብ ጥራይ ዘይኰነስ ንምንታይ ዕላማ ዘርኢ ፕሮጀክት እውን አሰንዩ አውሪዱ‘ሎ። እቲ ብሮጀክት ብኸፊል እንተተዓዊቱ ከአ ስራሕ ሃገራዊ ጉባኤ ክትግበር ይኽእል። ድሕሪ ምብቃዕ ህላወ ሃገራዊ ኮምሽን - ማለት መድረኽ ሃገራዊ ባይቶ - ከአ እቲ ዕማም ቀጻሊ ኢዩ። እዚ ማለት ከአ ኤርትራዊ ገንዘብ ክጽዕድ ብቀጻሊ ክሕተት‘ዩ፤ እሞ መንይፈልጥ ሃገራዊ ኮምሽን አብ ማሕፎዳኡ ገለ ገንዘብ እንተ ተሪፍዎ፡ ነቲ ብድሕሪኡ ዚቕጽል ትካል (ሃገራዊ ባይቶ) ዚመሐላለፍ ኢዩ። ከምቲ አብ ቅሉዕ መልእኽቲ ዚተባህለ ተሳታፍነት አብ ሃገራዊ ጕባኤ ምስ ክፍሊት ዚተኣሳሰረ ኢዩ ዚመስል፤ ብሓቂ‘ውን አብ መንጎ ክልቲኡ ዚፈሊ መንደቕ ከትተክል ቀሊል ኴይኑ አይተረኽበን። እሞ አብ ክውንነትና ከአ ሃገራዊ ኮምሽን አብ ኢዱ ገንዘብ የብሉን፤ ብመትከል ከአ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብግብሮምን ገንዘቦምን ዘዐውቱ ዜጋታት ምንዳይ መተካእታ የብሉን።

ዓወት ንሓድነትን ልዕላውነትን ኤርትራ!
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ከአ ንስዉኣትና!

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...