ትዕግስቱ ዝወድአ ህዝቢ

ካብዚ ዝኸፍእ እንታይ’ዩ ክመጸና? ናብ ምባል በጺሑ

ካብ ምንጭታት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)
ካብ ምንጭታት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

1.     እቲ ምእንቲ ምሉእ ዘይጉዱል ነጻነቱን ሓርነቱን ከቢድ ዋጋን ረዚን መስዋእትነትን ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ’ቶም ካብ ሕቁፉ ዝተወልዱን ንጸረ ህዝቢ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዝበቕዑን መራሕቲ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ትጽቢቱ ዘይነበረ ዝበጽሖ ዘሎ ኣስካሓካሒ ዝኾነ ፖሎቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ጭቆናታት ኣንገፍጊፍዎ ካብዚ ዝኸፍእ እንታይ’ዩ? ክመጽና ብዝብል ካብ ፍርሒ ተናጊፉ ኣብ ፈቆዶ ጎደናታት ዓው ኢሉ ዘማርረሉ ኩነታት ምብጽሑ ተገሊጹ። ብውጽኢት ናይቲ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዝተኽተሎ ኣዕናዊ ዝኾነ ፖሊስታትን ጻሕታሪ ኲናት ጽልእታትን ህዝቢ  ብዓቢኡ ውሕስነት ሂወቶም ዝሰኣኑ፡ ዕድል ትምህርቶም ዝጸልመተ፡ ቅሳነትን ፍትሕን ዝተሓረሙ ዕሸላት ደቁ ብብዝሒ ንስደት ዝውሕዝሉ፡ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኡ ወሰንቲ ዝኾኑ፡ ኩሉ-መዳያዊ ቀረብ፡ ኣገልግሎት ዝስተ ጽሩይ ማይ፡ ሕክምና፡ መብራህቲ፡ ቴለፎን፡ ኢንተርነት፡ ተነፊጉ ምህላዉ ይፍለጥ።

2.    እቲ ካብ ግዜ ንግዜ ተቐባልነቱ እናሃሰሰ ዝመጸን ብዝተፈላለየ መልክዕ ክግለጽ ዝኽእል ብርቱዕ ተቓውሞታት ከጋጥሞ ዝጸንሐን ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝፍለጥ፡ ንምሉእ ሃገር ዘዕኑ ዘሎ ኣዕናዊ ስትራተጂ ህግደፍ፡ ኣብ ህዝቢ ይኹን መንእሰያት ኤርትራ ካብቲ ቅድም ዝነበረ ዝያዳ ቁጠዐታትን ነድርታትን ይፈጥር ምህላዉ ተገሊጹ። ህዝብን መንእሰያትን ዞባ ደቡብን ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕርን ንኣዕናዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብግሉጽ ተቓውምኦም ኣብ ዘስምዕሉ ደረጃ ከም ዝበጽሑ’ውን ተሓቢሩ። ብውጽኢት ናይቲ ዘጋጥም ዘሎ ከቢድ ተቓውሞታት፡ መበል 28 ዙር ሃገራዊ ኣገልግሎት እቲ ስርዓት ክንድ’ቲ ዝደልዮ ቁጽሪ ብዘይምርካቡ ኣብ ሻቕሎት ወዲቑ ምህላዉ ይግለጽ። ብፍላይ’ውን ካብቶም ብክንደይ ጎስጓስን ምጉብዕባዕን ዝተረኽቡ መንእሰያት ኣብ ጥንቁልሓስ ዝተባህለ ከባቢ ብዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ምግልባጥ ኣውቶቡስ ሂወት ናይ 17 ዕሸላት ብምጥፍኡን ብርክት ዝበሉ ምቁሳሎምን ነቲ ተቓውሞታት ብዝያዳ ክንህር ምግባሩ’ውን ተሓቢሩ።

3.    ውጽኢት ፈተናታት ላዕለዋይ ደረጃ ተመሃሮ ዘመናዊ ተክኖሎጂ ብዘፍረዮ መሳርሒታት ነፍሲ ወከፍ ተመሃራይ ኣብ ገዝኡ ኮይኑ ክንገርን ክሰምዕን ዝኽእለሉ ኩነታት ከሎ፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ግን ኩሎም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፈተና ዝወሰዱ ተመሃሮ ላዕለዋይ ደረጃ ውጽኢቶም ንክፈልጡ ን05 መስከረም 2014 ናብ ሳዋ ክወርዱ ትእዝዛ ምምሕልላፉ፡ ኣብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ እዚ መንግስቲ’ዚ እንታይ ክንኸውን’ዩ ዝደልየና ዘሎ? ዝብል መረረታትን ቁጥዐታትን ፈጢሩ ምህላዉ ተሓቢሩ። እዚ ንህዝቢ ብሰንኪ’ቲ ስርዓት ኣጋጢምዎ ዝርከብ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ዘሕልፎ ዘሎ ከርፋሕ መነባብሮ ከይኣኽል፡ ንተወሳኺ ወጻኢታት ወይ ክሳራታት ዝዳርግ ፍጹም ሓልዮትን ሓላፍነትን ዝጎደሎ፡ ብድሕሪኡ ሕቡእ ኣጀንዳታት ዘለዎ ምዃኑ’ውን ተገሊጹ። ኣብዚ እዋን’ዚ መብዛሕቶም መንእስያት ንኩሉ’ቲ ሸርሕታትን ተንኮላትን ናይቲ ስርዓት ኣዓርዮም ዝነቕሕሉ ኩነታት ብምህላዉ፡ ገሊኦም ድሮ ንስደት መንገዶም ዝጸረጉ፡ ገሊኦም ድማ በቲ ዝተወሰነሎም ዕለት ናብ ሳዋ ከም ዘይወርዱ ይግመት።

4.    ኣብ ዞባ ደቡብ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ደቀምሓረ፡ ሰገነይትን ዓዲ-ቀይሕን ዝርከቡ፡ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ብረት ብሓይሊ ክዓጥቑ ዝተገደዱ ዕጡቓት መሊሻታት፡ ኣብ እርጋና ዕረፍትን እፎይታን ክንረኽብ ዝግብኣና ክንሱ ዕድሚኦም ዝኣኸሉ ደቕና ምምንጣልኩም ከይኣኽል፡ ኩሉ ሓዳርና ይኹን ናብራና ጠንጢና ብረት ክንዓጥቕን ኣብ በረኻ ብቁርን ኣሳሓይታን ዋርድያ ክንሓድርን ንግደደሉ ምክንያት ኣይህሉን’ዩ ብዝብል ተቓውሞታት የስምዑ ምህላዎም ተሓቢሩ። ብስንኪ’ዚ ኣብ መንጎ ስሩዕ ሰራዊትን መሊሻታትን ንሕና ብረት ሒዝና ኣለና ንስኹም’ውን ብረት ዓጢቕኩም ኣለኹም፡ ናብ ዝብል ከቢድ ምፍጣጥ ዝበጽሓሉ ኩነታት እናማዕበለ ይመጽእ ምህላዉ ተገሊጹ።    

5.    እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብገባቲ ኢሳይያስ ምሉእ ጀነራል ተሸሊሙ፡ ንጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ተኪኡ፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኤርትራ ኮይኑ ዝተሾመ ፍሊጶስ ወ/ዮሃንስ ኣብ ኣስመራ ንዝርከብ ሚኒስትሪ ዜናን ሚኒስትሪ ምክልኻልን ብፍሉይ ሰራዊት ክሕሎ ምግባሩ ተገሊጹ። ብተወሳኺ’ውን ኩሉ ኣብያተ-ጽሕፈታት ዞባታት ካብ ኣስመራ ወጺኡ ናብ ነፍሲ ወከፍ ከባቢ ምምሕዳሩ ክምለስ፡ መራሕቲ ዞባታት ካብ ቦትኦም ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ከይገብሩ ንኣዘዝቲ ስራዊትን መራሕቲ ዞባታትን ብ11/08/2014 ጥብቂ መምርሒ ምምሕልላፉ ተሓቢሩ።

6.    በቲ ኣብ ኤርትራ እናማዕበለ ዝመጸ ኣሰካፊ ፖሎቲካዊ ኩነታትን ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ህግደፍ ብሓዲሩ ዘሎ ብርቱዕ ቁጠዐታትን ነድርታትን፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ሓለፍቲ ስለያ፡ ምምሕዳር ዞባታት፡ ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤቶም ብህዝቢ ይኹን መንእሰያት ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምታታት ዝወስድሉ ኩነታት ከይፈጥር ናብ ብርቱዕ ስግኣትን ፍርሕን ዝወደቕሉ ኩነታት ነጊሱ ምህላዉ ተሓቢሩ። ካብ ስግኣትን ፍርሕን ዝተበገሱ ብርክት ዝበሉ ኣዘዝቲ ስራዊት፡ ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት፡ ምምሕዳር ዞባታት፡ ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነትን ስለያን ውሕሰነት ስድራ-ቤቶም ንምርግጋጽ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ኤርትራ ንዝርከቡ ስድራ-ቤቶም ኣብ ኣስመራ ክሰፍሩ ይገብሩ ምህላዎም ተገሊጹ።

7.    ብ15/08/2014 ኣብ ከባቢ ከሰላ ግርባ ዝተባህለ መደበር ስደተኛታት ካብ ዕዳጋ ሰለስተ ስደተኛታት ኤርትራውያን ብረሻይዳ ክጭወዩ ብዝተገብረ ፈተነ፡ እቶም ክልተ ከምልጡ ከለዉ ሓደ ካብኣቶም ተወሲዱ ክሳብ እዚ ዕለት’ዚ መእተዊኡ ከም ዘይተፈልጠ ተሓቢሩ። ራሻይዳ ምስ ገለ ሕልኦም ዝዓረበን ዝሞተን ደላሎ ሰብ ዜጋታት ብምትሕብባር፡ ኣብ ምጭዋይ ስደተኛታት ኤርትራውያን ዝለዓለ ኢድ ዘለዎም ምዃኑ ይፍለጥ።

8.    ኣብዚ እዋን’ዚ ኩሎም ዜጋታት ብፍላይ’ውን መንእሰያት ኤርትራ ንፍቆዶ ኩርናዓት ዓለም ንስደት ዛሕዛሕ እናበሉ፡ ብውጽኢቱ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ብዘጋጥም ዘሎ ሕድሕድ ኲናት፡ ኣብ ባሕርታትን ምደረ-በዳታትን ኣዝዩ ንምእማኑ ዘጸግም ንመላእ ማ/ሰብ ዓለም ዘስካሕክሕ ስቓይን ግፍዕታትን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ዕሸል ዝኾነ ዕድሚኦም ክቡር ሂወቶም ብጅምላ እናጠፍአ ከሎ፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ግን ነዚ ንህዝቢ ናብ ክንደይ ንብዓት፡ ጓሂን ሓዘንን ዝዳርግ ዘሎ ዕለታዊ ተረኽቦታት’ዚ ብምዝንጋዕ፡ ከምኡ’ውን ቅንጣብ ዜናዊ ኣቓልቦ ወይ ቆላሕታ ብምንፋግ ፌስቲቫል ቦለኛ፡ ፌስቲቫል ኣውሮጳ፡ ፌስቲቫል ኣስመራ፡ ፌስቲቫል ሳዋ………..ወዘተ ብዝብል በዓላት ምክያዱ ፍጹም ሓልዮትን ሓላፍነትን ህዝቢ ዘይብሉ ምዃኑ ዘረድእ ጨካንን ኣረሜናውን ተግባር’ዩ ክብሉ ብርክት ዝበሉ ምሁራት ኣረዲኦም።

 

ብተወሳኺ’ውን እቶም ምሁራት ኣብዚ ህሞት’ዚ ንብዓት፡ መሪር ጓሂን ሓዘንን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስድራ-ቤት ኤርትራ ዝኣተወሉ ኩነታት ነጊሱ ከሎ፡ ነቲ ንመላእ ማ/ሰብ ዓለም ዘደንጹ ዘሎ ከቢድ ስቓይን ጃምላዊ ህልቂትን ፍንጫሕ መስንገሊኦም ዝኾኑ ኣሕዋቶም ወይ ኣሓቶም ዕሸሽ ብምባል፡ ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብምድጋፍ፡ ኣብ ፈቆዶ ፌስቲቫላት ክዘሉን ክስዕስዑን ዝሓድሩ ዘለዉ፡ ሰብኣዊ ሕልንኦም ብምዕራብ ዜግነታዊ ሓላፍነቶም ዝዘንግዑ፡ ጽባሕ ቅድሚ ኩሉ ብስድራ-ቤቶም ካብኡ ሓሊፉ’ውን ብህዝቢ ኤርትራ ብታሪኽ ዘሕትት ዓቢ በደል ይፍጽሙ ምህላዎም ገሊጾም። ሕጂ’ውን ካብቲ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ዓቢ ታሪኻዊ በደል ተቆጢቦም፡ ብቀዳምነት ንስድራ-ቤቶም፡ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ብምድንጋጽ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ኣብ ልዕሊኡ ተደሪዑ ዘሎ ጸበባ ተናጊፉ ሰላምን ራህዋን ክጓናጸፍ ኣብ ጎኒ ፍትሓዊ ሕቶኡ ደው ክብሉ ጸዊዖም።                 

 

9.    ኣብ ኣውራጃ ከሰላ ኣብ ከባቢ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ተዶኲና ትርከብ ዓዋድ ዝተባህለት ሓውሲ ከተማ ነጻ ዕዳጋ ክኽፈት ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት ኤርትራን ሱዳንን ተበጺሑ ብዝነበረ ሓባራዊ ስምምዕ፡ ብ15/08/2014 እምነ-መሰረት ተነቢሩ። ኣብቲ መኽፈቲ ናይቲ ነጻ ዕዳጋ ብወገን ሱዳን ሚኒስትሪ ወፍሪ ዝመርሖ ጉጅለ ተረኺቡ፡ እምነ-መሰረት ከንብር ከሎ፡ ወከልቲ ሃገራት ኩዌትን ቀጠርን ከም ዝተሳተፉ’ውን ተሓቢሩ። ኣብቲ መኽፈቲ ካብ መራሕቲ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ማንም ክሳተፍ ዘይምኽኣሉ፡ ናይ ዘይመሳተፊኦም ምክንያት ድማ፡ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2014 ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝተበጽሐ ገዚፍ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ስምምዕ ዝተፈጥረ ሕርቓንን ቁጠዐን ክኸውን ከም ዝኽእል ብቀረባ ንኩነታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝኸታተሉ ተንተንቲ ፖሎቲካ ይገልጹ።

 

10.  ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከባቢ መጎሎ ዝተባህለ ፍሉይ ቦታ ኣብ መንጎ ንስደት ዘምርሑ ዝነበሩ ካብ ኣባላት ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ሓለዋ ዶባትን ብርቱዕ ምልውዋጥ ቶኽሲ ከምዘጋጠመ ተሓቢሩ። ኣብቲ ዝተገብረ ምልውዋጥ ቶኽሲ ካብቶም ዓሰርተ ሓደ ዝኾኑ ናብ ስደት ዘምርሑ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ሓደ ሂወቱ ክሓልፍ ከሎ፡ ካብቶም ኣብ ሓለዋ ዶባት ዝነጥፉ ወተሃደራት ከኣ ሰለስተ ከም ዝመቱ ተገሊጹ። ውሕሰነት ሂወቶም ይኹን መጻኢ ዕድሎም ጸልሚቱ ንስደት ንዘምርሑ መንእሰያት፡ መንግስቲ ኤርትራ ክርሸኑ ንሓለዋ ዶባት ዝርከቡ ሓለፍትን ወተሃደራትን ትእዛዝ ምምሕልላፉ ይፍለጥ።

 

11.    ስዑዲ ዓረብ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ገለ ካብ ደሴታት ኤርትራ ክኻረ ምስ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ናብ ስምምዕ ምብጽሑ ተሓቢሩ። ዕላማ ናይዚ ስምምዕ’ዚ ድማ መንግስቲ ስዑዲያ ነቲ ዲጋ ኣባይ ንምትዕንቓፍ ዝግበር ፈተነታት ንምሕጋዝ፡ ኣብ ኤርትራ መደበራት ግብጺ ንምግፋሕ፡ ብኢራን ንሃይማኖት ሺዓ ንምስፍሕፋሕ ዝግበር ጎስጓሳት ንምክትታል፡ ሓበሬታ ናይቲ ኣንጻር መንግስቲ የመን ዝነጥፍ ምንቅስቓስ ሓትዮን ዝተባህለ ብቀረባ ንምድህሳስ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ልዕልነት ንምርግጋጽን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ጽልዋታት ንምሕዳርን ዝዓለመ ምዃኑ፡ ገለ ተንተንቲ ፖሎቲካ ይገልጹ።    

 

12. ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ መሪር ቁጠባዊ ቅልውላው እናሕለፈ ከሎ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብክንድ’ቲ ኣዝዩ እናተዳኸመ ዝመጸ ወተሃደራውን ስለያውን ዓቕምታቱ ዘፍቕዶ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተረጋጊጹ ዘሎ ሰላምን ልምዓትን ንምዝራግ ብሓፈሻ፡ ንዲጋ ኣባይ ንምትዕንቓፍ ድማ ብፍላይ ብርክት ዝበሉ ካብ ተቓወምቲ ሸቓሎ ሕርሻ ኣምሲሉ ብኣውራጃ ገዳርፍ ኣቢሎም ንውሽጢ ኢትዮጵያ ክኣትዉ፡ ምሉእ ስለላውን ቁጠባውን ምትሕብባር ይገብር ምህላዉ ተሓቢሩ።       

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

25 ነሓሰ 2014

 

         

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...