አብ የቶቦሪ ዝተጸውዔ ህዝባዊ አኼባ  ብዓወት ተዛዚሙ::

ብሓልዮት ኤርትራዊ ጥርናፈ ንዲሞክራስን ንፍትሕን አብ የቶቦሪ ዝተጸውዔ ህዝባዊ አኼባ  ብዓወት ተዛዚሙ::

አብቲ ዝተጽውዔ አኼባ አቶ አማኒኤል ሳህለን አቶ ኻልድ ዓብዱ ብዛዕባ ኩነታት ስደተኛታት አብ ኢትዮጵያን   ብዛዕባ ዝተኻየደ ዋዕላ ሰፊሕ ሓበሬታ ንዕዱማት ሂቦም::

አብቲ ቀዳማይ መደብ  ብዛዕባ ጉዳይ ስደተኛታት  ኮይኑ ምኽንያት መኸዲኦም ድሕሪ ምሕባር ኩሉ አብተን መዓስክራት ዝተዓዘብዎን ካብቶም ስደተኛታት ዝተቀበልዎ ለበዋታት ንህዝቢ ድሕሪ ምሕባር ናብ ሽወደን ምስተመለሱ ስጋዕ ሕጂ ነቶም ስደተኛታት ንምሕጋዝ ዘካየድዎን የካይድዎ ዘለዉ ንጥፈታት ብዝርዝር ሓቢሮም::

አብቲ ካልኣይ መደብ አኼባ ብዛዕባ ዋዕላ ኾይኑ  ንዋዕላ ንምክፋል ዓሰርተ መዓልቲ ኣቀዲሞም ናብቲ ቦታ ከምዝከዱ ድሕሪ ምግላጽ ካብ እታ ዝአተዉላ መዓልቲ ስጋዕ እታ መጨረሽታ መዓልቲ ኩሉ ከመይ ከምዝነበረ ብዝርዝር ንኣኼበኛታት ድሕሪ  ምሕባር ናብቲ ሳልሳይን ዝዓበየን  መደብ  ብምሕላፍ ካብ ዑዱማት ዘቀረበሎም ሕቶታት ብዘዕግብ ድሕሪ  ምምላስ  ካብ ዕዱማትን ካብ አቶ አማኒኤል ሳህለን አቶ ኻልድ ዓብዱ ዝተዋህቡ ለበዋታት  ብምስማዕ እቲ ኣኼባ ተዛዚሙ::

በዚ ኣጋጣሚ ኤርትራዊ ጥርናፈ ንዲሞክራስን ንፍትሕን አብ የቶቦሪ ንአቶ አማኒኤል ሳህለን ንአቶ ኻልድ ዓብዱ   አብ ከተማና ብምምጻእ ንህዝቢ ሓበሬታ ብምሃቦም እንዳሞጎሰ ንመጻኢ እውን  ኤሪትራዊ ጥርናፈ ንዲሞክራስን ንፍትሕን አብ የቶቦሪ  ኣገደስቲ ሰባት እንዳዓደም ምስ ህዝቢ ከራኽብ ሙኻኑ ደጊምና ንኹሉ ኤሪትራዊ ተቀማጢ ጎተንበርግ ኽንሕብር ንፈቱ::

ምስ ብዙሕ ሰላምታ
መስከረም 5 2010


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...