ኣብ ገለ ጋዜጣታት ብዝወጸ ዜና ምኽንያት ኣብ መንጎ ስሪ ላንካን ኤርትራን ዝነበረ ዝምድና ተበቲኹ ክብል ናይታ ሃገር ናይ ምክልኻል ሚኒስተር ጎታብሃያ ራጃፕክሳ ገሊጹ። እዚ ብዲያነ ሲልቫ እትበሃል ጋዜጠኛ ኣብ ናይ ሎሚ ደይሊ ሚረር ዝብል መርበብ ዝሃቦ ዜና እዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ጠውቑ።

ሃገር ስሪ ላናካ እቲ ዜና ይቕጽል። “እዚ ኣብ ናይ ዜና ማዕከናት ምስ ወጸ፣ ኤርትራ ኩሉ ነገር ዓጽያ። ኣይዛረቡናንን ምሳና ርክብ ፈጺሞም ዓጽዮም” ክብል እቲ ሚኒስተር ንደይሊ ሚረር ገሊጹ። “ናይ ስሪ ላንካ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ንምኽፋት ንዝነበረ መደብ እውን ኣብዮም” ክብል ብተወሳኺ ኣብሪሁ። እዚ ቤት ጽሕፈት ነቶም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ናይ ነብሪ ታሚል ኤላን ሓርነት (LTTE) (Liberation Tigers of Tami Elan) ባእታታት ንምክትታል ዝዓለመ ስለዝነበረ፤ እዚ ዕላማ እውን ፈሺሉ ኣሎ።  

እዚ ንምክልኻል ጉዳያት ዝምልከት ኣብ ናይ ዜና መርበብ ምውጽኡ ንምንጭን ሓበሬታት ሓጋዚ ኣይኮነን ኢሉ። ብዛዕባ’ዚ “ምስ ኤርትራ ኣዝዩ ሕማቕ ተመኲሮ እዩ ዘለና። ኣብኡ ገለ ገለ ገለ (ንእንታውነት ጠውቑ>) ናይ ነብሪ ታሚል ኤላን ሓርነት (LTTE) ባእታታት ከምዘለዉ ኣብ ጋዜጣ ስለዝወጸ ንፈልጦ ኢና ግንከ ኣይንትሓባባርን ኢሎምና። ሕጂ ድማ እንደገና ካብ ሀ ኢልና ዝምድና ክንምስርት ንፍትን ኣለና” በለ ራጃፕክሳ።

ናይ ምክልኻል ሚኒስተር ነዚ መግለጺ እዚ ክህብ ዝኸኣለሉ ብዛዕባ እቶም ነብሪ ታሚል ኤላን ሓርነት (LTTE) ክተኣኻኸቡን ብኣብ ቀይዲ ዝርከብ ኩማራን ፓታማንዳን (ኬፒ) ናይ ነብሪ ታሚል ኤላን ሓርነት ቀንዲ ናይ ኣህጉራዊ መርበብ ሓላፊ ዝእከብ ሓበሬታ መልሲ ክህብ ምስተሓተተ እዩ።

ራጃፕክሳ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ውሽጢ ዶባተን ዝካየድ ናይ ነብሪ ታሚል ኤላን ሓርነት (LTTE) ዝምልከት ጉዳያት ከምዘይፈልጣ ኣብሪሁ። “ነብሪ ታሚል ኤላን ሓርነት (LTTE) ብዙሕ ዓይነት ትካላዊ ጉዳያት ከምዘካይድን ኣብተን ሃገራት ድማ እዚ ከም ንቡርን ሕጋዊ ንግዳዊ ጉዳይ ከምዝረአን (ናቱ) መንግስቲ ድማ ነዚአን ሃገራት እንተዘይነግረን ኔሩ እዘን ትካላት ንጠቕሚ ነብሪ ታሚል ኤላን ሓርነት (LTTE) ከምዝውዕላ ኣይምፈለጡን ኔሮም ኢሉ።

ምዕራባውያን ሃገራት ግን ናይ ስሪ ላንካ መንግስቲ እዚ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ኣብ ውሽጢ ዶባት ይካየድ ምህላዉ እንተድኣ ብዕሊ ኣፍሊጦም ሰጋእ ይብሉ እዮም ክብል ነጊሩ።

“ኣስማት ናይተን ሃገራት ምንጋር ኣገዳሲ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ስም ከነውጽእ እንከለና እተን ሃገራት ደስ ኣይብለንን እዩ። እዘን ሃገራት ገለ ገለ ባእታታት ናይ ነብሪ ታሚል ኤላን ሓርነት (LTTE) ኣብ ውሽጢ ዶባተን ከምዝሰርሑ ክፈልጣ ኣይደልያን እየን። ብኸምዚ ድማ ምስ ኤርትራ ሓማቕ ተመኲሮ ኣለና” በለ ራጃፕክሳ።

ብዛዕባ ንናይ ነብሪ ታሚል ኤላን ሓርነት (LTTE) ባእታታት ኣብ ኣህጉራዊ መጋባእያ ምምካት ተኽእሎ ምስተሓተተ፣ እቲ ናይ ምዕራባውያን ሃገራት ግንባር ኩል ግዜ ንኽትሓባባር ድልዉ ኣይኮነን ኢሉ መሊሱ።

“ምስ ብዙሓት ሃገራት (ምትሕብባር ብዛዕባ ነብሪ ታሚል) ቀሊል እዩ። ዕብይ ዝበለ ናብ ኤላን ዘዳሉ ናይ ታሚል ስደተኛታት ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ብፍላይ ኤውሮጳውያን ሃገራት ስለዘሎ የሸግር ኢዩ። ብዘይ ናዚኦም ምትሕብባር ድማ ነዞም ሰባት ክትሕዞም የጸግም ኢዩ።”

ነብሪ ታሚል ኤላን ሓርነት (LTTE) ሕጋውነት ንምልባስ ንገለ መንግስታት ብምትላል ሓገዝ ንምርካብ ይፍትን ከም ዘሎ ገሊጹ።

“እቲ ነብሪ ታሚል ኤላን ሓርነት (LTTE) ብወተሃደራዊ ዓቕሚ ክበጽሖ ዘይከኣለ ብናይዞም መንግስታት ሓገዝ ክረኽቦ ይፍትን ኣሎ። ስለዚ ኸኣ እዩ “ጊዜያዊ መንግስቲ ናይ ታሚል ኤላም” ክስርቱ ዝፍትኑ ዘለዉ።

እዚ ኾይኑ ግን ኣብ ስደት ዝርከቡ ምስታ ደሴት (ስሪ ላናካ) ክተዓረቑ ተስፋ ዘለዎም ኣለዉ።

“እቲ ኣነ ዝርእዮ ኣብ ስደት ኣዝዩ ብዙሕ ናይ ታሚል ህዝቢ እኳ እንተሃለወ፣ ዝበዝሑ ማእከላዊ መርገጺ ዘለዎምን ናይ ኤላም ኣምር (ምፍላይ ካብ ስሪ ላንካ) ዘይድግፉን ምዃኖም እዩ። ካብዚኦም ዝበዝሑ ናብ ስሪ ላንካ ተመሊሶም ብሰላም ክነብሩ ዝደልዩ እዮም” በለ ራጃፕክሳ።

ኣብዚ እዋን ንኬፒ ኣብ ፍርዲ ናይ ምቕራብ መደብ የልቦን። እንተኾነ ግን እቲ ንሱ ዝተሓባበረሉ ጉዳያት ንመንግስቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓበሬታ ኣለዎ።

“ጌና ብኸመይ ኣገባብ ኣብ ቤት ፍርዲ ነቕርቦ ኣይተወሰነን። ብዛዕባኡን ሓበሬታት ኣብ ምእካብ ንርከብ። ምኽንያቱ ኣብ ኣህጉራዊ መድርኽን ንግድን ምግዛኣን ናይ ነብሪ ታሚል ኤላን ሓርነት (LTTE) ተዋፊሩ ዝስርሕ ዝነበረ ንሱ ጥራሕ እዩ።

“ስለዚ ኸኣ ኢዩ ብዝከኣል መጠን ብዙሕ ሓበሬታ ንምርካብን ናይ ነብሪ ታሚል ኤላን ሓርነት (LTTE) መርበብ ንኽንሰብሮን ንብረቶም ክንረክብን ንጽዕር ዘለና” በለ እቲ ሚኒስተር።
***********************************************************************************
ኩማራን ፓታማንዳን ወዲ 54 ዝዕድሚኡ ናይ ታሚል ኤላን መራሒ ዝነበረን ብ1999 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ መንግስቲ ስሪ ላንካ ዝኣተወን ኢዩ። ንሱ ዝመርሖ ዝነበረ ናይ ምፍላይ ካብ ስሪ ላንካ ምንቅስቓስ ታሚል ነብሪ ከም ናይ ናይ ግብረ ሽበራ ኣብ ናይ 32 ናይ ዓለም ሃገራት ዝኣተሰመ ውድብ እዩ። ኤርትራ ምስዚ ናይ ግብረ ሽበራ ውድብ ርክብ ኣለዋ ካብ ዝበሃል ዓማውቲ ሓሊፉ ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ናይ ኣሜሪካ ናይ ሰነት ምርመራ ናይ ኤርትራ ርክብ ብዛዕባ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ምስ ታሚል ኣብዚ ተመልከት።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...