07-02-2010 ፍራንክፈርት

መጀመርታ ቕልውላው ናይ መጨረሽታ ስርዓት ምልኪ ኣብ ኤርትራ።

ኢንሳይድ ፕሪምዮም Innside Premium Hotel Niederrad - Herriotstrasse 2, 60528 Frankfurt am Main  ሚንስተር ሚኒስትሪ ዜና ዓሊ ዓብዱ፡  ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብርኣብ፡  ጠዓመ (መቐለ) ኣባል ሃገራዊ ድሕነትን ናይ ወጻኢ ስለያን ከምኡውን ካልኦት ላዕለዎት ሓልፍቲ ዝርከብዎም ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኤውሮጳ ሃገር ጀርመን ከተማ ፍራንክፈርት: ኣብ ኢንሳይድ ፕሪምዮም ዝተባህለ ሆቴል ዓሪዶም ናይ ጸይቂ ንጥፈታቶም የካይዱ ከምዘለዉ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ኣረጋጊጾም።

ቐንዲ ዕማማት እቲ ጉጅለ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦

* ኣብ ኤውራጳ ብህግደፍ ንዝካየድ ግብረ-ሽበራዊ ንጥፈታትን ሽርሕታትን ንምውህሃድ

* ነተን ንጡፍ ኣገልግሎት ዘበርክታ ዘለዋ መርበባት ሓበሬታ ናይ ሳይበር መጥቓዕቲ ዝፍጸመሉ ኩነታት ንምውዓልን ንምውህሃድን

* ነቲ ኣብ ቐረባ እዋን ማለት ኣብ 23/02/2010 ኣብ ከተማ ጀነቫ ሲዊዘርላንድ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ቀረባ ንምክትታል

* ካልእ ህግደፋዊ ናይ እከይ ሽርሕታት ንምስልሳል

እዞም ዝተጠቐሱ ባእታትት ንጥፈታቶም ብስውር ክገብሩ ይፍትኑ እኳ እንተለዉ ካብ ዓይኒ ናይ ዝተፈላለዩ ናይ ስለያ መረበባት ክኽወሉ ግን ፍጹም ኣይተኻኣለን።

እዞም ናይ ድክታተር ኢሳያስ የማናይ ኢድ ከምዝኹኑ ዝእመነሎም ላዕለዎት መራሕቲ ህግደፍ፡ ቕድሚ'ቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተበይኑ ዘሎ እገዳ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ተገባራዊ ቅድሚ ምዃኑ ናይ መጨረሽታ ህግደፋዊ ንጥፈታት ብምክያድ፡ ንዕምሪ እቲ ስርዓት ንምንዋሕ እዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ቀጻሊ ዋሕዚ መንእሰያት ናብ ስደት በቲ ሓደ ሸነኽ ድም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ደገፍ ስርዓት ህግደፍ ብሓያል ናህሪ የንቆልቁል ብምህላዉ፡ ዝተሻቐለ ህግደፍ ፍታሕ ንምድላይ ሃሰው ኣብ ምባልን ኣብ ዓቅሊ ጽበትን ይርከብ።

ካልእ ንህግደፍ ድቃስ ዝኽከልኤ ጉዳይ እቲ ብናይ ተቃወምቲ ውድባት ዝካየድ ዘሎ ሓበረታዊ ንጥፈታት ክኸውን ከሎ፡ ነዚ ንምግታእ ኣብተን መርበባት ሓበሬታ ሳይበራዊ መጥቓዕቲ ንምውዳድ እዩ። እቲ ነቲ በዘን ዝተጠቕሳ ትካላት ዝዝርጋሕ ሓበሬታ ንምግታእ ካብኡ ሓሊፉ ከኣ ፈጺምካ ንምልማስ ዝሃቀነ እዩ። እዚ እከይ ተግባራት ሓድሽ እኳ እንተዘይኮነ እቲ ስርዓት ብኣድማዒነቱ ፍጹም ስለዘይዓገበ ብዝሓየለ መልክዑ ከምብሓድሽ ንምትግባር እዩ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...