ዑደት ላዕለዎት ሓልፍቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤውሮጳ፡
መጀመርታ ቕልውላው ናይ መጨረሽታ ስርዓት ምልኪ ኣብ ኤርትራ።

ኢንሳይድ ፕሪምዮም - Innside Premium Hotel Niederrad - Herriotstrasse 2, 60528 Frankfurt am Main
ቐንዲ ዕማማት እቲ ጉጅለ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦
* ኣብ ኤውራጳ ብህግደፍ ንዝካየድ ግብረ-ሽበራዊ ንጥፈታትን ሽርሕታትን ንምውህሃድ
* ነተን ንጡፍ ኣገልግሎት ዘበርክታ ዘለዋ መርበባት ሓበሬታ ናይ ሳይበር መጥቓዕቲ ዝፍጸመሉ ኩነታት ንምውዓልን ንምውህሃድን
* ነቲ ኣብ ቐረባ እዋን ማለት ኣብ 23/02/2010 ኣብ ከተማ ጀነቫ ሲዊዘርላንድ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ቀረባ ንምክትታል
* ካልእ ህግደፋዊ ናይ እከይ ሽርሕታት ንምስልሳል
እዞም ዝተጠቐሱ ባእታትት ንጥፈታቶም ብስውር ክገብሩ ይፍትኑ እኳ እንተለዉ ካብ ዓይኒ ናይ ዝተፈላለዩ ናይ ስለያ መረበባት ክኽወሉ ግን ፍጹም ኣይተኻኣለን።
እዞም ናይ ድክታተር ኢሳያስ የማናይ ኢድ ከምዝኹኑ ዝእመነሎም ላዕለዎት መራሕቲ ህግደፍ፡ ቕድሚ'ቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተበይኑ ዘሎ እገዳ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ተገባራዊ ቅድሚ ምዃኑ ናይ መጨረሽታ ህግደፋዊ ንጥፈታት ብምክያድ፡ ንዕምሪ እቲ ስርዓት ንምንዋሕ እዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ቀጻሊ ዋሕዚ መንእሰያት ናብ ስደት በቲ ሓደ ሸነኽ ድም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ደገፍ ስርዓት ህግደፍ ብሓያል ናህሪ የንቆልቁል ብምህላዉ፡ ዝተሻቐለ ህግደፍ ፍታሕ ንምድላይ ሃሰው ኣብ ምባልን ኣብ ዓቅሊ ጽበትን ይርከብ።
ካልእ ንህግደፍ ድቃስ ዝኽከልኤ ጉዳይ እቲ ብናይ ተቃወምቲ ውድባት ዝካየድ ዘሎ ሓበረታዊ ንጥፈታት ክኸውን ከሎ፡ ነዚ ንምግታእ ኣብተን መርበባት ሓበሬታ ሳይበራዊ መጥቓዕቲ ንምውዳድ እዩ። እቲ ነቲ በዘን ዝተጠቕሳ ትካላት ዝዝርጋሕ ሓበሬታ ንምግታእ ካብኡ ሓሊፉ ከኣ ፈጺምካ ንምልማስ ዝሃቀነ እዩ። እዚ እከይ ተግባራት ሓድሽ እኳ እንተዘይኮነ እቲ ስርዓት ብኣድማዒነቱ ፍጹም ስለዘይዓገበ ብዝሓየለ መልክዑ ከምብሓድሽ ንምትግባር እዩ።