ብድሕሪ ናይ ሕ.መ. ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዝሓለፈ ውሳነ መሰረት ናይ ስዊስ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ናይ ኣጽዋር እገዳ ክገብር ወሲኑ።

ብዝሓለፈ ታሕሳስ ናይ ሕ.መ. ቤት ምኽሪ ጸጥታ ነዚ ውሳነ እዚ ዝበየኖ ምኽንያት፣ ኤርትራ ነቶም ኣንጻር ናይ መንግስቲ ሶማል ዝኾኑ ሑሉፋውያን እስላም ኣጽዋር ተዕጥቕ ኣላ ብምባልን ከምኡ እውን ናይ ዶብ ባእሲ ምስ ጎረቤታ ዝኾነት ጁቡቲ ንኽትፈትሖ ድልውቲ ብዘይ ምዃና እዩ።

ናይ ሃገረ ስዊስ እገዳ ብሓሙስ (ሎሚ 2/4/2010) ኣብ ግብሪ ክውዕል እዩ። እዚ ንናይ ኣጽዋር መሸጣን፣ ሰደድን ኩሉ ዓይነት ናይ ጠያይቲ መሰል ናውቲ ኣጽዋር ከምዝምልከት ናይ ቁጠባ ሚኒስትሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ምስዚ ንወተሃድራዊ ንጥፈታትን ናይ ኣጽዋር ዝሕግዝ ፊናንሲያዊ መስርሕ (ናይ ገንዘብ) እውን ከምዝተኸልከለ ገሊጹ።  

“ኤርትራ ንናይ ሶማል ተቐናቐንቲ ጉጅለታት ብምሕጋዛ ኣብቲ ከባቢ ንዝገበር ናይ ሰላም ርግኣትን ፈተን ኣብ ሓደጋ ተወድቕ ኣላ” ይብል እቲ መግለጺ። ብተወሳኺ ንናይ ጁቡቲ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ጉዳይ እውን ጠቒሱ።

እቲ ሚኒስትሪ ከምዝብሎ፣ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ሃገረ ስዊስ ንኤርትራ ናይ ስዊስ ፍራንክ 60,000 ($ 57,000) ዝግመት ናይ ተተኮስቲ ንዋት ጥራሕ እያ ሰዲዳ። እዚ ድማ ብናይ ሕ.መ. ህጹጽ ናይ ተተኮስቲ ዝሕግዝ ጉጅለ ኣብ ኤርትራ ኣቢሉ እዩ ተኻይዱ።

ምንጪ፤ swissinfo.ch and agencies


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...