AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 
ኣዳላዊ፡ ዓንዶም ግርማይ
ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 

6 ጥሪ 2015


ሓበሬታ፥  

ድምጹኹም ድምጺ ደሊና ኣብ ቀረባ እዋን ፈነወ ቴሌቪዥን ክትፍልም ዘድሊ ምድላዋት ኣብ ምጽፋፍ ትርከብ ምህላዋ ብሓጎስ ክትሕብረኩም ትደሊ። “ህዝቢ ንእዋናዊ ኩነታት ሃገሩ ዕለታዊ ዝዉከሰሉ ፡ ጸገማቱ ዓው ኢሉ ዘጋውሓሉ፥ ፍልልያቱን መፍቲሒታቱን ብምዝታይ ምልኪ ዘባርረሉ ፥ ባህሉን ልምድታቱን ዘጠንክረሉ ባይታ ንምፍጣር ኣብ ምስራሕ ንርከብ ኣለና እሞ ኣብ’ዚ ዓውዲ እዚ ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዝዓበየ ክእለት ኣለኒ ዝብል ግዱስ ዜጋ ዝከኣሎ ከበርክት ብኣኽብሮት ንጽውዕ ።

ነዛ ንዓቢን ትስፉውን ሃገራዊ ዕማም ንምስላጥ ኢላ ኣሃዱ ትብል ዘላ “ኣዝማሪኖ ቴቪ” ሞያዊ ሓገዝ ክትገብሩ ቅሩብነት ዘለኩም ዜጋታት በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ክትደሃዩና  ሃገራዊ ጻውዒትና ነቕርብ!

ኢመይል- (    This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.           )

ቴሌ- (   001 – 714-598 3138         )

ሃገራዊ ሕልምናን መጻኢ ሓርነትናን  ብመንገዲ “ኣዝማሪኖ ቲቪ” ነመስክር!!!!    


ብመንግስቲ ሱዳን ተቐዪዳ ዝጸንሐት ኤርትራዊት የሩሳሌም ያቆብ ተፈቲሓ

ብኣባላት ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን መንግስቲ ሰሜን ሱዳን ን 2 ሳምንቲ ተቐዪዳ ዝጸንሐት  ኤርትራዊት የሩሳሌም ያቆብ ከምእተፈትሐት ይግለጽ ኣሎ።

ወ/ሮ ዮሩሳሌም ያቆብ ንኣብ ሱዳን ዝርከቡ መቕርባ ክትበጽሕ ናብ ከተማ ካርቱም ከምዝኣተወት ፥ ዘምጽኣ ዕላም ዓሚማ ናብ’ታ እትነብረላ ሃገረ ዓባይ ብሪጣንያ ንኽትምለስ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ካርቱም ኣብ ዝተረኽበትሉ ከኣ ብኣባላት ጸጥታ ከምእተወስደት ይዝከር።

ወ/ሮ የሩሳሌም ያቆብ ፥ ምኽንያት መቐየዲኣ ዝሕብር ወግዓዊ መግለጺ ካብ ሰብ መዚ ሱዳን ዛጊት ከምዘይተዋህበ ይፍለጥ።

ዝኸበርኩም ሰማዕትና ንህልው ኩነታትን ሓደስቲ ምዕባሌታትን የሩሳሌም ያቆብ ኣብ ዝመጽእ ቀረባ እዋን ከነቕርበልኩም ምዃኑ ንሕብር። 


ዋሕዚ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብወሽመጥ ዓደን

ብወሽመጥ ዓደን ኣቢሎም ናብ ሃገራት ኣዕራብ ናይ ዝኣትዉ ዘለዉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ቊጽሪ እናዛየደ ይመጽእ ምህላው ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

እቲ ኣህጉራዊ ወኪል ኣብ መግለጺኡ፥ ኣብ ውሽጢ’ዛ ዝሓለፍናያ  ዓመተ 2014  መብዛሕትኦም ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያንን ሶማላውያን ዝኾኑ  ልዕሊ 80 ሽሕ ስደተኛታት ብመጻብቦ ባብ ኤልመንደብ ኣቢሎም ናብ የመን ከምዝኣተዉ ብምምልካት ፥ ሓያሎ ካልኦት ኣብ ጉዕዞ እንከለዉ ሂወቶም ከምዝሰኣኑ ኣተሓሳኢቡ።

ነጋዶ ደቂ ሰብ ነቲ ኣሰካፊ ናይ ባሕሪ ጉዕዞ ከም ውሑስ ኣምሲሎም እናቕረቡ ሓያሎ ስደተኛታት የታልሉን ናብ ዝበኣሱ ሓደጋታት የእትዉን ከምዘለዉ ኣብ መግለጺኡ ወሲዂ  ዘመልከተ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፥  እቲ ማያዊ ከባቢ ካብ’ቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝረአ ባህርያዊ ተኣፋፍነት ከምዘይፍለ ኣረዲኡ።

ኣብ 2014 ዛጊት ልዕሊ 240 ስደተኛታት ኣብ’ቲ ማያዊ ከባቢ ሂወቶም ከምዝሰኣኑ፣ ኣብ’ቲ ማያዊ መጻብቦ ዘለዋ ሃገራት  ብሓደጋታት ባሕሪ ኣብ ጸገም ንዝወድቊ ስደተኛታት ናይ ምርዳእን ድልዱል ናይ ምድሓን ሂወት ዓቕሚን ስለዘይብለን ፥ እቲ ኩነታት ዝበኣሰ ከምዝኾነ እዩ እቲ ኣህጉራዊ ወኪል ስደተኛታት ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ ዘሎ።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘሎ ፖለቲካውን ማሕበረ-ቊጠባውን ጸገማት ፥ ሓያሎ ዜጋታት ሃገራት ናይ’ቲ ዞባ ነቲ ኣብ ቀረባኦም ዘሎ ማያት ቀዪሕ ባሕሪ ከም መሰጋገሪ ናብ ሃገራት ዓረብ ይጥቀሙሉ ከምዘለዉ ብሓያሎ ወገናት ክግለጽ ጸኒሑ።


ዘእውየሉ ዝሳኣነ ውጹዕ ህዝቢ

ህዝቢ ኤርትራ ብሕፈሻ ኣደራዕ ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ካብ ዝኾውን ነዊሕ ጊዜ ኣቑጺሩዩ። ድሕሪ 30 ዓመት መሪር ብረታዊ ቃልሲ ዝተኸስተ ናጽነት ትጽቢት ህዝቢ ስቅያት ኣብቂዑ ሓደ ኢሉ ናብ ጎደና ሰላምን ብልጽግናን ከምርሕ ብሃንቀውታ እናተጸበየ እንከሎ ሕልሙ በኒኑ ብካብ ኣብራኽ ዝወጹ ደቁ ተጠሊሙ ይሳቐ ኣሎ። እዚ ፍጻመ ስለምንታይ ተኸሲቱ ? ክወገድ ይኽእልዶ ኔሩ? ሚንጪ ናይ ውድቀት አንታይ’ዩ ኢልካ ክሕተት እዋኑ ከም ዝኾነ ዘማትእ ኣይኮነን። ጉዱሳት ኤርትራውያን፡ወጻእተኛታት ዘይንዓቕ ኣበርክቶ ጌሮም ዝጸሓፉ እንተለዉ ገና ክፍተን ክብርበር ዘድልዮ ኣርእስቲዩ ። እዋናዊ ኣርእቲ ከምዝኾነ ንርዳእ እኳ እንተኾና ምስዚ ሂወት ኣድሕን ኣጋጢሙ ዘሎ ፍጻሜ ዘይሕጋዊ መሸጣ ሰብ’ዩ ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘይሕጋዊ መሸጣ ሰብ ይነጥፍ ከምዘሎ ይኽሰሰሉ ኣብዘሎ ግዜ ጭብጥታት ይቐርብ እኳ እንተሎ ከም ልምዲ ኣሉ ቀጣን ኢሉ ንኹሉ ሕቅታት ክውንነትን ብምስሌነታቱ  ናይ ኣሉታ መልሲ ካብ ምሃብ ኣይተቖጠበን።

ዘይሕጋዊ መሸጣ ሰብ እቲ ዝላዕለ ጥርዚ ናይ ባርነትዩ ።ብሰንኪ ዘይቅሱን ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ  ኩነታት ኤርትራ ህዝቢ ዓቕሉ ኣጽቢቡ ናብ ስደት ከምርሕ ጸኒሑ። ጸብጻባት ሕቡራት መንግስታት ከምዝርእዮ ፍልሰት ኤርትራውያን ናብ ሃገረ ሱዳን ካብ 1500 – 1800 ኣብ ወርሒ ምዃኑ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። ኣብዚ ዘይርጉእ ዓለምና ኤርትራ ንሶርያ ትኸቲላ ብኻላኣይ ደረጃ ዝላዓለ ብዝሒ ስደተኛታት ተፍሪ ዘላ ሃገር ምዃና ሰነዳት የብርሁ።

ሕጂ ቱኽረት ጌርና ክንዛረበሉ መሪጽና ዘለና እቲ ብታሕሳስ 24, 2014 ኣብ ማዓስከር ሸገራኣብ ከባቡኡን ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ካብ ብ“ላሕዋል” ዝፍለጡ ራሻይዳ ዘጋጥሞም ዘሎ ጭውያ ገና መግትኢ ስለዘይተገብረሉ ኤርትራውያን ኣብ ስደት ብሂወቶም ኣብ ጋህነብሳት ይነብሩ ኣለዉ።

ኤርትራውያን ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሰቃቒ ፍጻሜታት ኣብ ዝኽሰተሉ ብተናጸል ወይ ብእኩብ ድምጾም የስምዑ ምዃኖም ዘይክሓድ ሓቂዩ። እዚ ውዳበ መብዝሓተኡ ግዜ ውልዕ ኢሉ ዝቕህም ፍጻሜ ከዝኾነ ከነስምረሉ ንደሊ። ካብ ፍጻመ ላምፓዱሳ ንመሃሮ ነገር እንተኣ ኮይኑ ነካይዶ ዘለና ውዳበ ገና ሱር ይሰድድ ከምዘሎዩ። እዚ ጨካን ስርዓት ኣብ ኤርትራ ክሳብ ዘሎ ኣገራሚ ፍጻሜታት ክንጽበዮ ዘለና ተረኽቦ እዩ ። እቲ ክሕተት ዘለዎ ነጥቢ ብኸመይ ንብድሆ? ዘይሕጋዊ መሸጣ ሰብ ብመደብ ዝስርሓሉ ዘሎ ካብ ማእከል ሃገር ተወዲቡ ብምትብባዕን ተሳታፍነትን ናይ መንግስቲ ኤርትራ ዝምስራሕ ዘሎ ናይ ጥፍኣት መርበብ ንህዝቢ ኤርትራ ብምዃኑ ንዕኡ ብዝዳረግ ውዳባ ክሳብ ዘይሰርሓና ከም ግመ ንግሆ ተቕንጢጡ ዝኸይድ ኣይኮነን። ህዝብና ዝእውየሉ ስኢኑ ይሳቐ ኣሎ። እዞም ኣብ ምዕቡል ዓለም እንነብር  ዘለና ሓሳብና ክንገልጸሉ እንኽእል ባይታ ስለዘለና ክንሰርሓሉ ዘለና ንጽባሕ ዘይብሃል ስራሕ እዩ።

ብኣጋጣሚ ናይዚ ፍጻሜ ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ ንቃለስ ኣሎና ዝብላ ማሕበራት ውድባት ድምጸን ከስምዓ ንዕድል። ለባማት ወለዲ ብዓል ውራይ ዘይትዓጠቐሉ ውራይ ኣይደምቕን ይብሉ።ንሕና ኤርትራውያን ንመሰል ህዝብና ድምጺ ንኾነሉ እዋኑ ስለዝኾነ ክንነጥፈሉ ይግባእ። ድምጽና ከነስምዕ ምስ ጀመርና ጥራሕ እዩ ደገፍቲ ተደናግጽቲ ክንርክብ ንኽእል ። ነዚ ድምጺ ዘይብሉ ሰማዒ ዝሳኣነ ህዝብና ዘጋጠመና ዕድል ተጠቂምና ድምጺ ንኹኖ።


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...