AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 
ኣዳላዊ፡ ዓንዶም ግርማይ
ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 

5 ጥሪ 2015


ተዝካር’ቶም ብስርዓት ኣስመራ ዝተቐዝፉ 13 ዜጋታት

ነተን ኣብ ጉዕዞ ስደት እንከለዋ ካብ ኣባላት ጸጥታ ስርዓት ኣስመራ ብዝተተኮሰለን ጠያዪቲ ምስ 10 ብጾተን  ሂወተን ዝሰኣና 3 ኣሕዋት  ኤርትራውያን - ብ 3 ጥሪ 2015 ኣብ ከተማ ሎስ ኣንጀሎስ   ተዝካር ከምእተገብረለን ተሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ናይ ተዝካር ኣጋጣሚ ፥ ስድራቤት ፡ መቕርብን ተደናገጽቲ ዜጋታትን ከምእተረኽቡ ዘምልከቱ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ፥ እቲ ናይ ዝኽሪ ምትእኽኻብ ነተን 3 ኣሕዋት ጥራይ ዘይኮነ ነቶም ኣብ ጎነን ኮይኖም ሂወቶም ዝሰኣኑ 10 ብጾተን እውን ዝምልከት ምንባሩ ኣገንዚቦም።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ መልእኽታት፥ ጸሎተ ፍትሓት ፥ ዝማሬን ናይ ሓዘን መልእኽታትን ካብ ሓዘንተኛታትን ተሳተፍቲ እቲ ዝኽርን ከምእተዋህበ ዘመልከቱ እቶም ተዓዘብቲ፥ እተን ማእከል ዝኽሪ ኮይነን ዝወዓላ ሰልስተ ኣሕዋት ነቲ  ሃገርናን ህዝብና ዝሓልፍዎ ዘለዉ መከራ ህያው ኣብነት ከምዝኾና ዘረድኡ መግለጺታት ካብ ሓያሎ በጻሕቲ ከምእተዋህበ  ኣረዲኦም።

ኣብ ወርሒ መስከረም 2014 ካብ ጊንዳዕ ተበጊሶም ብሰሜናዊ ምብራቕ ኣቢሎም ኣብ ልዕሊ ዝሰግሩ ዝነበሩ 16 መንእሰያት ብኣባልት ጸጥታ ስርዓት ኣስመራ ብዝተወስደሎም ብረታዊ መጥቃዕቲ 13 ካብኣቶም ሂወቶም ከምዝሰኣኑ፥ 3 ካብ’ቶም ግዳያት ድማ  ኣብ ክሊ ዕድመ 14 ፡ 17ን 19ን ዝርከባ ደቂ ሓንቲ ስድራ ዝኾና ሰልስተ ኣሕዋት ምንባረን መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ምሕባሩ ይዝከር።

ስርዓት ኣስመራ፥ ኣባላት ጸጥታኡ ኣብ ልዕሊ ዶብ ዝሰግሩ ኤርትራውያን  ተሓታትነት ዘይብሉ ብረታዊ ስጒምቲ ክወስዱ ብዘመሓላለፎ ተሪር ትእዛዝ ፥ ኣብ ልዕሊ’ቶም  ናብራን  ጸቕጥን መሪርዎም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝሃድሙ ዘለዉ ዜጋታት ካብ ኣባላት ሓለዋ ዶብ ብዝኽፈት ተዂሲ  ብዙሕ ሂወት ንጹሃን ይጠፍእ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ተንቀሳቓሲት ንሰብኣውነት ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ፡ ልዑል ሓዘና ብምግላጽ ንስድራቤትን መቕርብን ግዳያት ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽታ ኣማሓላሊፋ ኔራ ። ዝኸበርኩም ሰማዕትና - ኣብ ድምጺ ዝተሰነደ መልእኽቲ ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም ድሕሪ ዜና ክቐርብ’ ምዃኑ ብኣኽብሮት ንሕብር።


መግለጺ መርበብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ንኩነታት መዓስከር ሸገራብ

መርበብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ - መንግስቲ ሱዳን ንውሕስነት ኤርትራውያን ስደተኛታት መዓስከር ሸገራብ ብዝከኣሎ ዓቕሚ ክጽዕት ዝጽውዕ ወግዓዊ መግለጺ  ኣውጺኡ።

እቲ መርበብ ንጉዳይ’ቶም ኣብ መዓስከር ሸገራብን ከባቢኡን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን - እቶም ስደተኛታት ካብ ነጋዶ ደቂ ሰብ ዝወርዶም ዘሎ ጭውያን ኣመልኪቱ ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፋዊ መግለጺ፥ ኣብ ከባቢ መዓስከር ሸገራብ ዝነብሩ ብ”ላሕዌል” ዝጽውዑ ራሻይዳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ቀጻሊ ጭውያታት የካይዱ ከምዘለዉ ነቲ ኣብ ታሕሳስ 24, 2014 ኣብ ሩባ ዓትባር ብጀላቡ ኣብ ልዕሊ ዝጥሕሱ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት በቶም ጨወይቲ ዝወረደ ቅዝፈትን ጭውያን ከም ኣብነት ብምጥቃስ ኣገንዚቡ።

ኣብ’ቲ ናይ 24 ታሕሳስ ናይ ጭውያ መጥቃዕቲ፡  ኣብ’ቲ ሩባ ጥሒሎም ሂወቶም ናይ ዝሰኣኑ 8 ኤርትራውያን ሬሳታት ክርከብ እንከሎ፥ ካልኦት ሃለዋቶም ዝጠፍአ ከምዘሎን ካብ’ቲ ሓደጋ ብሂወት ዝወጹ ካልኦት 4 እውን በቶም ራሻይዳ ከምእተጨውዩ  ኣብ መግለጺኡ ዘመልከተ መርበብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፥ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ምግታእ እዚ ብ ላሕዌን ራሻይዳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝግበር ዘሎ ግፍዒ ሓላፍነቱ ክስከም ከምዝግባእ ኣትሪሩ ጸዊዑ ኣሎ።

ሓደ ሰሙን ቅድሚ’ቲ ናይ 24 ታሕሳስ ፍጻሜ እዉን ነታ ሩባ ዝሰግሩ ዝነበሩ 16 ኤርትራውያን በቶም ራሻይዳ ተጨውዮም ሃለዋቶም ዛጊት ከምዘይፍለጥ ዘዘኻኸረ እቲ መርበብ ፥ እዚ ቅልጡፍ ፍታሕ እንተዘይተናዲዩሉ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት መዓስከር ሸገራብ ዝፍጸም በደል ክብእስ ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቡ።

መርበብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ  ኣብ መወዳእታ፡  ህዝቢ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምጽንጋጻት ከርኢን ነቶም ኣብ ጭውያን ተዋፊሮም ዘለው  ዕጡቓት ጉጅለታት ተወለድቲ ላሕዌን ራሻይዳ ኣብ ምግታእ ብሓባር ክሰርሕን ብምምሕጻን፥ ብፍላይ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ’ቲ ንሱ ዘመሓድሮ ዘሎ መዓስከር ሸገራብ ልዑል ናይ ውሕስነት ትሕተ ቅርጺ ክውን ክገብርን  ኩሉንትናዊ ሓላፍነቱ  ክስከምን ተማሕጺኑ።


ነጻ ጋዜጠኛነት ኣብ ኤርትራ

ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ ኣብ’ቲ ንነጻ ፕረስ ዛዕባ ዝገበረ ናይ 2014 ዓመታዊ ጸብጻቡ ፥ ንነጻ ሓበሬታን  ነጻ ጋዜጠኛነትን ካብ ዘየፍቅዳ ሃገራት - ኤርትራ ንሰሜን ኮርያን ቱርኪሚኒስታንን ተኸቲላ  ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ተሰሪዓ ምህላዋ ተገሊጹ።

እቲ እዋናዊ ጸብጻብ ፥ ኣብ 2014 ኣስታት 66 ጋዜጠኛታት ኣብ ንጡፍ ስራሖም ከለው ከምእተቐትሉ፥ 119 ከምእተጨዩ ከምኡ’ውን 178 ከምእተኣስሩ ክርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ከተማ ዊንፔንግ ካናዳ ዑቕባ ሓቲቱ ዝነብር ዘሎ ጋዜጠኛ ነበር ገዛኢ ሓጎስ ነዚ ኩነታት ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ ፥እዚ ኣብ ዓመታዊ ጸብጻብ “ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ”  ሰፊሩ ዘሎ ቅዝፈት ጋዜጠኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት  ብመንጽር ኣብ ሃገርና ኣብ ልዕሊ ተኣሲሮም ዘለዉ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ዝወርድ ዘሎ መግረፍትን ቅትለትን ክረአ እንከሎ   ዝነኣሰ ምዃኑ’ዩ  ዝዛረብ።

ንሱ ኣብ ዘረባኡ፥ ሓያሎ ከም ኣምኑኤል ኣስራት ዝኣመሰሉ ኣሰናዳእትን ጸሓፍቲ ጋዜጠኛታትን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት  ኣብ 2001 ብኣባላት ጸጥታ  ተወሲዶም ክሳዕ ዛ ሰዓት ኣዚኣ ተሓዪሮም ከምዘለዉ ብምምልካት ፥  ኩሎም ብሂወት ከምዘለዉ ዘረጋግጽ ኣካል ዛጊት ከምዘየለ ኣተሓሳሲቡ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ናይ 2014 ናይ ኤርትራ ጸብጻቡ ካብ’ቶ ዝሓለፉ ጸብጻባቱ ብዘይፍለ ፥ “ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ፖለቲከኛታት፡ ጋዜጠኛታት፥ መእመናን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ብዘይ ዝኾነ ፍርዳዊ መስርሕ ኣብ ዝተፈላለያ መዳጎኒ መዓስከራት ተሓይሮም ከምዘለዉ የረጋግጽ።**********


*** ፍሉይ መደብ ***

ዘይቅቡል ሞት ዕሸላት

ሞትን ጥፍኣትን ኣብ ናይ ነብሲ ወከፍ ገዛ ካብዝኣቱ ነዊሕ`ኳ እንተገበረ: ብጅምላ ናብ ምጽናት ስድራቤት ካብ ዝሰግር`ውን ኣይሓጸረን። ዘይቀብጽ ዝነበረ ህዝቢ ቀቢጹ። እንታይከ ክደግም? ንህልቂት ምስሳን፥ ንጥፍኣት ልምዓት፥ ንብርሰት ህንጸት፥ ንስዕረት ዓወት ዘመንግገና ባርባራዊ ስርዓት ኣብ`ታ ሓቢርና ዝተቃለስናላ ሃገር ካብ ተኾየጠ።

መላእ ህዝቢ ኤርትራ ሕሰምን መከራን ተጻዊሩ መስዋእቲ ከፊሉ ኣካሉ ሰንኪሉ ዝተቃለሰ ኣብ ሃገሩን ኣብ ዓደቡኡን ብሰላም ክነብር: ዝተሰደደ ክምለስ: ዝወፈረ ክኣቱ፡ ደቅና ኣምሂርና ብመዓረግ ከነመርቅ ኣብ መርዖኦምን ኣበብኦምን ክንሕጎስ እምበር ተስካሮም ክንበልዕ ኣይነበረን ሃንቀውታና።

ዝባኑ ዝቕልዕ ደመኛ ህዝብና ኣብ ገዛእ ቅርዓትና ጠንቀላላዕ እንዳበለ ዘዝወለድናዮም ብምብላዕ ይጎስዕ ኣሎ። ገንዘብካ ብስም ኣስገርቲ እንዳዘረፈ ተመሊሱ ህይወትካ ዝቀዝፍ ስርዓት ኣብ ዝኾነ ቦታን ግዜን ኣይተራእየን። ኣብ ኤርትራ ግን ዘይተነግረ እምበር ዘይተገብረ የልቦን። ትኽተር`ዶ ትምተር ዝብል ሽፍታ ንብረትካ`ዩ ዝዘርፈካ ክንይኡ ደም ከይትከል ስለዝፈርሕ ናብ ቅትለትን ዓመጽን ኣይመጣጠርን`ዩ። እዚ ካብ እግሪ ተኽሉ ኣትሒዙ ህይወት ንጹሃትን ምሁራትን እንዳቀዘፈ ዝገበለ ኣረሜን ግን ኩሉ`ቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ክፍእ ነገራት ብምፍጻሙ ይቅረ ከም ዘይብሃሎ ስለዘረጋገጸ: ኣቀዲሙ ንመላእ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ከምዘይነበረ ክገብር ከም ቀዳማይ ዕማሙ ስለዝሓዞ እንሆ ኣሰቃቂ ሞትን ህልቂትን ብዓሰርተታትን ኣማኢትን ኣብ ሓደ እዋን ምቁጻር ልሙድ ኮይኑ።

ዝእለዩ ሽማግለታት ወለዲ ገዲፍካ: ህጻናት ቆልዑ ዛሕዚሕካ: ዓይንኻ ሰም ብምባል ምድረ በዳን ባሕርን ቆሪጽካ ምስዳድ ኣማራጺ ዘይብሉ ዕጫና ኮይኑ: ገጠራት ዓድና ኣውያት ጎዶቦ ዘብጽሕ ጎበዝ ይትረፍ መቃብር ዝፍሕር ሰብ ተሳኢኑ በሮውሮው ኢለን። ቅርዓት ዓዲ ዝዕንድር ብተይ ይኹን ዝጻወት ቆልዓ ኣብ ዘይትርእየሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ።

ተስፋ ዝቆረጹ ኣረጋውያን ለይትን መዓልትን ክምህለሉ ኣብ ድርኩኺት ገዝኦም ተኾርምዮም ክቁዝሙ እንከለው ካብ `ዘመን መልሰልና ` ሓሊፎም ዝብልዎ የብሎምን። ምኽንያቱ: ናይ ዝሞቱ ከይተረፈ ዝቀጽዕ ኣስሓኮ  ዘይብሉ ስርዓት ከምዝሓዞም ስለዝፈልጡ። "ዘበን ኣካሒዳስ ምሉቅ ኢላ ብእዝጊ ከይዳ"  ከምዝበሃል: ዘበን ኢሳይያስ' ከ ብኸመይን መዓስን ኮን ትብንቆስ?

ከብቲ ጠፊእንኦም ክደልዩወን ኣብ በረኻ ዝሓደሩ ክልተ ጓሶት፥ ነጸልኦም ተጎልቢቦም ደቂሶም እንከለው ዝብኢ መጺኡ ንእግሪ`ቲ ሓደ ክበልዖ ጀመረ። ምቁርጣም ዓጽሚ ዘበራበሮ ጓሳ ተሸፊንዎ ዝነበረ ክዳን ክይቀልዕ ብትሑት ድምጺ እንታይ እየ ዝሰምዕ ዘለኹ ክብል ተወከሶ። ብጻዩ ድማ ሱቕ በል ከይሰምዓካ ዝብኢ እዩ ነታ ሓንቲ እግረይ ዝበልዓ ዘሎ ኢልዎ ከምዝበሃል: ንሕና ኤርትራውያን ፍርሒ ኣብ ከብድና ኣትዩና እንዳተበላዕና: ሱቅ በሉ ሱቅ ንበል ንበሃሃል ኣሎና። ክንዮው`ዚ እንታይኮን ክመጸና`እዩ?

ካብቲ ኣብ ዘመነ መግዛእቲ ክጋደል ንበረኻ ዝወፈረን ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝኸደን ይኹን ኣብ ቃልሲ ዝተሰውእ ቁጽሪ ናይ ሕጂ ብሰንኪ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ብዕጽፊ ዕጽፍጻፍ ብዘስካሕክሕ ጉዕዞ እልቢ ዘይብሉ ገንዘብ ከፊሉ ዝተሰደደ ብኢድ`ቲ ጨካን ስርዓት ዝተቀንጸለን ብጽምእን ባሕርን ዝጠፍእ ህይወት ይበዝሕ።

ሪም: ሪታን ሆሳእናን ካልኦት ምስእን ዝተበገሱን ንጹሃት ዕሸላት ኤርትራውያን ሰላምን ቅሳነትን ዝዓሰሎ ምሕደራ ኣብ ኤርትራ እንተዝህልው: ኣብ ትሕቲ ወለዶም ማሚቆም ንርእሶምን ንሃገሮምን ክጠቅሙሉ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ድኣ ጊዚኦም መሕለፍ እንበር: ንስደትን ከርተትን ተመንዮም ሃገሮምን ወገኖምን ንድሕሪኦም ገዲፎም ኣይምነቀሉን።

ምናልባት ከምቲ እንሰምዖ ናይ ንደገ ምውጻእ ድልየትን ሃረርታን ስለዘለዎም እዮም ጥራይ እንተተባህለ`ውን  ኣብቲ ተኩስካ ቅተል ዝብል ሕጊጫካ ዝነገሰሉ: ንሂወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእትው ውሳነ ቅድሚ ምውሳድ ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝግበር ብሕግን ብወግዕን ንመንግስቲ ሓቲቶም ወይ ብኣየር ወይ`ውን ብባሕሪ ንስደት ምነቀሉ።

ህይወት ትርኳሕ ኮይናቶም ነዚ ወይ ሞት ወይ ህይወት ዝብል ውሳነ ንስደት ክመርጹ ከለው: ገና ከይተበገሱ ዕጭዖም እንታይ ከምዝኽውን ስለዝፈልጡ: ኣብ ከብዶም ፍርሕን ራዕድን እናሃወጾም እዮም ምስ ወለዶም ነዚ ክወስዱዎ ዘይነበሩዎ ዕጫ ወሲዶም። ንሞት በቲ ይምጻእ በቲ ጥዑም እኳ እንተዘይኮነ: እዞም መሻኪን ዕሸላት ምስተበገሱ ኣብዚ ኣቲና ከይበሉ ህጣሞም ካብዝጠፍእ ኣዋርሕ ኣቁጺሩ።

ብኩነታት ደቆም ዝተሻቐሉ ናይዞም ብኣሊፍ ዝጠፍኡ ዕሸላት ወለዲ ካብዝበኽዩን ካብዝነብዑን ኩነታት ደቆም ንምፍላጥ ለይትን ቀትርን ኣብ ኩሉ ማዕጾታት ካብዝኩኽኩሑን `ውን ከምኡ ኣዋርሕ ኮይኑ። ከም ዕድለኛታት ክንወስዶም እንተድኣ ኮይና እዞም ወለዲ ናይዞም ዕሸላት ምስ ካልኦት ከምኦም ዝኣመሰሉ ብሉጻት ደቆም ኣጥፊኦም ንዓመታት ሰውነቶም ብጓሂ ተረሚሱ ዓዒንቶም ንብዓት እናዛረየ ምስ ዝነብሩ ዘለው ወለዲ ብምውድዳር: ንስድራቤት ኣቶ ተስፋሃንስ ወሲካ ኩሎም ኣብዛ መቕዘፍቲ እዚኣ ሞት ደቆም ዝተረድኡን ሬሳታቶም ዝተቐበሉን ብሓቂ ዕድለኛታት እዮም።

ሎሚ ሕጊ ተነፊጉዎም ኣብ ገዛእ ሃገሮም ባሮት ንክኾኑን ተቃውሞን ኣብያን ምስ ዘስምዑውን ንክእሰሩ: ንክቅጽዑን ንክርሸኑን ዝተበየነሎም ኩሎም መንእሰያትና ካብዚ ባርባራዊ ግፍዒ ነብሶም ንምድሓንን ሰብኣዊ መሰላቶም ንምውሓስን ብዘይ ድልየትን ኣፍልጦን እቲ ገባቲ ስርዓት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክስደዱ ፈቲኖም። ኣብ ጉዕዞ ምስዝተሓዙ ዝወሃቦም ፍርዲ ተኩስካ ምቅታል ጥራይ ኣይኮነን። ምስተቀትሉ እውን እንተኾነ ከም ንቡር ሓመድ ኣዳም ምልባስ ዘይሕሰብ ስለዝኾነ: ኣብ ኩለን ዶባት ሃገርና ብተመልከተለይ ተቀቲሎም ሓመድ ኣዳም ዘይለበሱን ቀለብ ኣዛብእን ኣራዊት መሮርን ዝኾኑ መንእሰያትና ውሑዳት ኣይኮኑን።

ሓዘንን መልቀስን ኣሽንኳይ`ዶ ነቶም ዕድመ ከይጸገቡን ዓለም ከይመነውን ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ዝተቕዝፍ ኣሕዋትና ይትረፍሲ: ነቶም ዕድሚኦም ኣኺሉ ናይዚኦም ሞትሲ ሞት ኣይኮነን መርዓ እዩ ዝበሃለሎም ኣረጋውያን ኣቦታትና ከምንቡር ብሓዘን ከነፋንዎምን ክንዝክሮምን ባህልናን ሕልናናን ዘገድዶ እዩ። ሞት ናይዞም ዕሸላት መሪርን ንክንቅበሎ ከኣ ኣዝዩ ከቢድን ምዃኑ ዘይከሓድ እኳ እንተኾነ፡ ከም ደቂ ሃገር መጠን ዘይቅቡል ሞት እንዳሰማዕናን ንብዓትና እንዳንጠብጠብናን ምንባር ግን እኹል ኣይኮነን።

ነዞም ሕጂ ክንሓዝነሎም ኣብዚ ቦታ ተረኺብና ዘለና ይኹኑ ንኹሎም ብኸምዚ ኣገባብ ብንኡሶም ዝተቐዝፍ ኩሎም መንእሰያትና እቲ ኣብ ዓለም ዝሰኣኑዎ ቅሳነት ኣብ ላዕሊ ኣብ ኣርያም ክረኽቡዎ እንዳጸለኹ መንግስተ ሰማይ የዋርሶም ይብል። ንኹሎም ብሞት ደቆምን መቅርቦምን ዝሓዘኑ ወለድን ስድራቤትን ናይዞም ግዳያት ድማ ደበስ እዮብ ይደብስኩም እብል።

ንኩላህና ሃገራውያን ድማ በብምዓልቱ ከምዚ ናይ ሕጂ እንዳ ኩስቶ ጓሎም ተረሺና እንዳ ኩስቶ ከኣ ወዶም ተደጊሙ እንዳበልና ኣብ ሓዘን ኮፍ እንብለሉን ሕሱም እንሰምዓሉን ስዓት ከብቅዕ ኣለዎ። ሞት ናይዞም ዕሸላት ናይ መጨረሽታ ሓዘና ክኸውን ደጊምና ብከምዚ ዓይነት ግፍዓዊ ኣገባብ ናይ ዝጠፍኣ ህይወታት መርድእ ከይንቅበልን ምእንቲ ነቲ ዕሸላት በሊዑ ከም ገበል ደቂሱ ዝሓድር ኣራዊት ስርዓት ናይ ዝፈጸሞም  ዘይሕጋውያን ተግባራት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቡ ተሓታቲ ዝኾነሉ መድረኽ ንፍጠር።

ነዚ ክንገብር ዘኽእለና እቲ እንኮ ረኺብናዮ ዘለና ናይዚ ዓመት ጽቡቕ ዕድል ድማ ኩሎም እቶም ኣብ ኤርትራ ካብ ጊዜ ናጽነት ጀሚሩ ስጋዕ እዛ ስዓት እዚኣ ዝተፈጸሙን ይፍጸሙ ዘለውን ዘይሕጋውያን ተግባራት ነዛ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወረዱን ዝወርዱ ዘለውን ወጽዓታትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እትስንድ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቆመት መርማሪት ሽማግለ ተራኺብና ምስክርነትና ምሃብን ነዚ ስርዓት ክምዝቃላዕ ምግባርን ብሕጊ ተሓታቲ ከምዝኸውን ምስራሕን ምትሕብባርን እዩ።

መርማሪት ሽማግለ ተዋሂብዋ ዘሎ ናይ ጊዜ ደረት ኣዝዩ ሓጺር ብምዃኑ እቲ ተተሓሒዛቶ ዘላ ዕማም ከምቲ ዝድለ ሰሊጡ ጭንቅን መከራን ኤርትራውያን ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ክምዝቃላሕ ክትገብር እንተኾይና: ክኒኡ ናብ ዝጠመተ ካልእ ዕማም ከተሰጋግር እነተኾይና: ናይ ኩላህና ምትሕብባር ዝጠልቦ ብመርትዖ ዝተሰነየ ጭቡጥ ሰነድ ከተረክብ ምስትኽእል እዩሞ: ኩላትና ኤርትራውያን እቲ ብቀጥታ ባዕላትና እንፈልጦን ተፈጺሙ እዩ ተባሂሉ ዝተነግረናን ግፍዓዊ ፍጻሜታት ናይዚ ስርዓት: ሎሚ ክንምስክርን ሕልናና ዘቅስን ስራሕ ክንሰርሕ ይግብኣና።

ገለገሌና ዓበይቲ ምግሃስ መሰላት ክፍጸሙ ስለዝሰማዕና ጥራይ እቲ ንሕና እንፈልጦ በደላት ምስ ካልእ በደላት ብምውድዳር ኣዝዩ ንእሽተይን ዘይረብሕ ኮይኑ ክስምዓና ይኽእል እዩ። እንተኾነ ኣብ ቅድሚ ሕጊ መርፍእ ዝሰረቀን ገመል ዝሰረቕን ኩሉ ገበነኛ እዩ`ሞ መጠንን ዓይነትን ናይቲ ንፈልጦ ገበን ብዘየገድስ ምስክርነትና ካብ ምሃብ ድሕር ኣይንበል። በደላት በብሓደ እንተድኣ ተኣኪቡ ዓብይ ዋሕዚ ፈጢሩ ነዚ ስርዓት ክጸርገልና እዩ'ሞ ንሕናውን ከም ሰባት መጠን ነቲ ተሓሪምና ዘሎ መሰላት ንምውሓስ ክንበቕዕ ኢና።

ኣብ መጨረሽታ: እዚ ዓመት ወረ መርድእ ዘይኮነስ ወረ ብስራት: ወረ ጥፍኣት ዘይኮነስ ወረ ልምዓት: ወረ ግፍዒ ዘይኮነስ ወረ ፍትሒ: ወረ ራዕድን ሽበራን ዘይኮነስ: ወረ ሰላምን ቅሳነትን እንሰምዓላ ዓመት ክትኮነልና እንዳተመነኹ: ደጊመ ንኹሉኹም ብሞት ደቅኹም ኣብ መሪር ሓዘን ትርከቡ ዘለኹም ኣሕዋተይን ኣሓተይን ጽንዓት ይሃብኩም: እግዚኣብሄር ኢዱ የንብረልኩም ይብል።

ኤልሳ ጭሩም

3 ጥሪ 2015

 


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...