ታሕሳስ 20፡ 2005
ቅሉዕ መደብ ሕቶን መልስን
ምስ ፕረዚደንት ህግደፍ ነበር
ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ
ካልኣይ ክፋል (ፈጠራ)

ብክኢላታት ሕግን፡ ካብ ኩሉ ከባቢታት ኤርትራ ህዝቢ ብዝመረጾም ወራዙትን ዓበይቲ ዓድን ዝቖመ ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ብተሊቪዝዮን ኣብ ዝተመሓላለፈ ቅሉዕ መደብ፡ ንፕረዚድነ ትህግደፍ ነበር ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ምስኡ ብዝተሓሓዝ ጉዳያት ድማ፡ ንሊቅ ዶክተር ዶክተር ወልደኣብ ይሳቕ ዝቀረበሎም ሕቶን መልስን እንሆ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ሕቶን መልስን፡ ብዛዕባ ኣብ ዘበንካ ዝተራእየ ምዕባሌን ዕንወትን ሃገር ብዝምልከት፡ ሓደ ክልተ ኣማቲ ጉዳያት ተሓቲትካ ምንባርካ ዝዝከር ኢዩ።  ሎሚ ድማ፡ ነቲ ትማሊ ዘቋረጽናዮ፡ ሕቶታት ድሕሪ ምንጻር፡ ናብ፡

(1) ጉዳይ ምህጋር መሬትን፡

(2) ጉዳይ ተመሃሮ ኤርትራን

ሰጊርና፡ ሕቶታት ከርቕርብ ኢና። እቲ ጉዳያት ሰፊሕ ይኹን'ምበር፡ እኹል ግዜ ስለዘለና፡ ነገራት ፈርሶም ክወጹ ከይደለና፡ ህዝቢ ሓፈሻዊ ስእሊ ክረክብ፡ እዚ ሽማግለ ድማ፡ መሰል እሱር ከይተጋህሰ ኣብ ዝቀልጠፈ እዋን ናብ ፍርዲ ከቕርበሉ ዝኽእል ጭብጥታት ክእክብ ዘኽእሎ ሕቶታት ስዒቡ ይቐርብ።

ኣቶ ኢሳያስ፡ ናብ ናይ ትማሊ ኣርእስትና ንመለስ። ብዛዕባ ኣባኺንካዮ ዝብሃል በላይን ሰልዲ ክትምልስ ዘኽእለካ ሰነዳት ቀሪብካ ክትከውን ተስፋ ንገብር። እንታይ ኢዩ መልስካ?

ኢሳያስ፡  ብዛዕባ ትማሊ ዝተሓተትኩ ዎ  ሕቶ፡ ሓፈሻዊ መልሲ ክህብ ድሉው ኢየ። ብጉዳይ ፋብሪካ መድሃኒት ከረን ክጅምር። ፋበሪካ መድሃኒት ከረን፡ ብጽቡቕ ሕልና ዝተበገሰ ወፍሪ ኢዩ ኔሩ። ምስ ሓደ ናይ ጥልያን ኣፍራዪ መድሃኒት ብዝተበጽሐ ምርድዳእ፡ መቐጸልታ ናይቲ፡ ኣብ ሳሕል፡ ብገለ መጠን ነብስና ኣኽኢሉና ዝነበረ ንእሽቶ፡ ግን ከኣ፡ ኣመና ውጽኢታዊ ፋብሪካ መድሃኒት፡ ኣብ ሓራ ኤርትራ ክንተክል ወሲንና። ብመሰረት እዚ ውሳኔ ድማ፡ እዚ ዝተባህለ መላይን ፈሲሱ ዎ  ኣብ ከረን ተሰሪሑ።  ጸኒሑ ግን፡ እቲ ኩባንያ ጥልያን መደቡ ከም ዘቋረጸ ሓቢሩና። ብሰንኩ ድማ፡ እቲ ኣብ 1994 ዝተሰርሐ ፋብሪካ ፍረ ክህብ ኣይከለን። እቲ ዕላማ ግን፡ ብሓቂ ቅዱስ ምንባሩ ክዝከር ዝግብኦ ይመስለኒ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  እቲ ናይ ጥልያን ኩባንያ ዝሃቦም ምኽንያታት ኣለዉ ዶ? ቅድሚ ምስራሕ እቲ ፋብሪካ ዝተበጽሐ ወግዓዊ ስምምዕ ኣይነበረን ድዩ?

ኢሳያስ፡  እቲ ወፍሪ ብቅዱስ ድሌት ክልቲኡ ወገናት፡ ብዘይ ፍሩም ስምምዕ ኢዩ ተበጊሱ።  እቲ ናይ ጥልያን ኩባንያ ዘቋረጸሉ ምኽንያታት ግን፡ ብዘይካ ምቁራጹ ዝሃቦ ምኽንያት ክዝክሮ ኣይከኣልኩን።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ኣብ ኢድና ዘሎ ሰነዳት ከም ዝሕብሮ ግን፡ ከምዚ ትብሎ ኣይኮነን። ናባኻ ካብ ዝተጻሕፈ ደብዳቤታት ትፈልጦ ነገር ከይህሉ ደጊመ ክሓተካ ኣቶ ኢሳያስ።

ኢሳያስ፡  ዝፍለጦ የብለይን።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ጸሓፊ፡ ነዚ ሰነድ ንኣቶ ኢሳያስ ኣቐብሎ።  ኣቶ ኢሳያስ፡ ነዚ፡ ኩሉ ምእንቲ ክርድኦ ናብ ትግርኛ ዝተተርጎመ ሰነድ እሞ ኣንብበልና፡ ብድሕሪኡ፡ ኣብ ትርጉሙ ጌጋ ከይህል ዎ  ኣስተውዒልካ ትብሎ ክንሰምዕ። 

ኢሳያስ፡-

ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሃገር ኤርትራ፡
ናብ ሚኒስትሪ ጥዕና - ኣስመራ

ኣብ ከረን ፋብሪካ መድሃኒት ተሰሪሑ ኣብ ምዝዛም ከም ዘሎን፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ስራሕ ክጅምር ድሉው ምዃኑን ዝሕብር ደብዳቤ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት በጺሑና። ይኹን'ምበር፡ በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ካብቲ ዝተሓስበ ሽርክነት ክንስሕብ ከም ዝተገደድና ንሕብር። ኣብ ዓለም፡ ዝኾነ ኣፍራዪ መድሃኒት ከም ዝፈልጦ፡ ፋብሪካ መድሃኒት ቅድሚ ምትካሉ፡

  1. ንመፍረ መድሃኒት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ፡ ብዝተኽእለ መጠን ጽሩይ ማይ ዘለ ዎ  ቦታ
     
  2. ኣቀማምጣ እቲ ሃገር ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብዝተኻእለ መጠን ዝመችአ ክሊማ ዘለ ዎ  ዝሑል ከባቢታትን
     
  3. ብዝተኻእለ መጠን፡ ናብ ወደባት እቲ ሃገር ዝቐረበ ቦታታትን ኣጸቢቑ ክጽናዕ ዘለ ዎ  ጉዳይ ኢዩ።

እንተኾነ፡ ክኢላታትና ከም ዘረጋገጹዎ ፡ እዚ ተሰሪሑ ዘሎ ፋብሪካ፡ ቀድማይ፡  ኣብቲ ጽሩይ ማይን ምቹእ ዝሑል ክሊማን ዘለዎ  ከበሳ ኤርትራ ኣይኮነን። ካልኣይ፡ እዚ ፋብሪካ፡ ኣብቲ ሓፊስ ማይን ውዑይ ክሊማን ስለዘ ዎ ፡ ንምጽራይ ማይን ንመዘሓሓልን ኣዝዩ ብዙሕ ወጻኢ ዝሓትት ከረን ኢዩ ተተኺሉ። ሳልሳይ፡ እዚ ፋብሪካ ኣብቲ ናብ ወደብ ቅርበት ዘይብሉ ከረን፡ ማለት ኣብ ዘይግባእ ከባቢ ስለዝሰራሕኩሞ፡ ፋይዳ ኣብ ዘይርከቦ ትካል ገንዘብ ከነዋፍርን ዝወጠናዮ መደብ ከነተግብርን ከም ዘይንኽእል እናጎሃና ንሕብር። ንሓበሬታኹም፡ ኣገዳስነት እዞም ዝበልናዮም ምኽንያታት ዘነጽሩ፡ ኩሉ ኣፍራዪ መድሃኒት ክፈልጦም ዝግባእ ቅቡላት መዕቀኒታት መፍረ መድሃኒት ምስዚ ደብዳቤ ኣተሓሒዝና ንሰድድ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ እሂ ኣቶ ኢሳያስ? እንታይ ትብልö? እቲ ምክንያታት ዘኪርካዮ ዶ?

ኢሳያስ፡  እወ ዘኪረዮ።  እንተኾነ፡ ኣብ ሳሕል ዝነበረና ፋብሪካ መድሃኒት፡ ኣብ ውዑይ ከባቢ ኢዩ ኔሩ። ስለዚ፡ ብወገነይ፡ እዚ ምኽንያት መህደሚ ዝትጻሕፈ ከም ዝኾነ ኢየ ዝርድኦ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ኣብ ሳሕል፡ ካብ ዓራርብ ዝዝሕል ውሑስ ቦታ ኣይነበረናን። ብዛዕባ መህደሚ ምኽንያታት ዝበልካዮ ግን፡ መላይን ዶላር ብላሽ ከይፈሰሰ፡ ኣቐዲምካ፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተቐባልነት ዘለዎ  ስምምዕ ክፍረም ምተገብ አ።  ይኹን'ምበር፡ ኣብዚ ክንጠቕሶ ዘይንደሊ፡ እዚ ትካል፡ ብውልቃዊ ድሌትካ፡ ተጽዕኖ ሓዊስካ፡ ኣብ ከረን ከም ዝተሰርሐ ዘረጋግጹ ብዙሓት ጭብጢታት'ውን ኣለዉና። እቲ ዘሕዝን ጉዳይ፡ ኤርትራ፡ ብፍልጠት ደቃ ዘይኮነ፡ ብወለንታኻ ትምሓደር ብምንባራ ዝወረደ ዕንወት ኢዩ።

ናብ ዝቕጽል ክንሰግር። ብዛዕባ'ቲ ካልእ ወፍሪታት ክትነግረና እትደሊ ጉዳይ እንተሎ፡ ቀጽል ኣቶ ኢሳያስ።

ኢሳያስ፡  ብዛዕባ መምከኽ ሓጻውን ኣስመራ'ውን፡ ነቲ ኣብ ምልእቲ ኤርትራ ፋሕ ኢሉ ዝነበረ፡ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ኲናት ካብ ዝዓነወ ንብረት ጸላኢ  ክርከብ ዝኽእል ዝነበረ ኣማኢት ኣሽሓት ቶናት ሮታመ ብምምካኽ፡ ናብ ኣገልግሎት ህንጻ ውሽጢ ሃገርን ን ኤክስፖርትን ዝውዕል ሓጺን ንምርካብ ዝዓለመ ኢዩ ኔሩ። ስለዚ፡ ጉድለት እዚ ወፍሪ ኣይርኣየንን።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ጉድለት ዘይነበረ እንተኾይኑ፡ ስለምንታያ እዚ መላይን ዶላር ዝፈሰሶ ትካል ሓጻውን ኣምኪኹ ዝተወጠነ ሽቶ ዘይወቕዐ?

ኢሳያስ፡  እዚ ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ኢንዱስትሪ ዝሕተቱሉ ጉዳይ ኢዩ።  ኣነ ከም ፕረዚደንት መጠን፡ ነቲ ወፍሪ ኣፍቂደ።  ብድሕር'ዚ ግን፡ ምስ ምብዛሕ ስራሕ ኣይተኸተታልከ ዎ ን።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ኣብ ኢድና ዘሎ ናይ 1996 ሪፖርት ግን፡ እዚ ሓድሽ ፋብሪካ'ዚ፡ ንስኻ ብእትፈልጦም ዝተፈላለዩ ንጹራት ምኽንያታት ክሰርሕ ከም ዘይከኣለ ኢዩ ዝጠቅስ። ከንበብልካ፣

(1)እዚ ፋብሪካ እዚ ሓጺን ምምካኽ ክጅምር እንተኾይኑ፡ ምልእቲ ኣስመራ ኣጸልሚትካ፡ ሓይሊ መብራህቲበለዛ ዘፍርዮ ጸዓት ብምሉኡ፡  ሓጺን ንምምካኽ ከም ዝውዕል ክግበር ኣለ ዎ ። እዚ ግን፡ ግብራዊ ኣይኮነን። ስለዚ ድማ፡ ስራሕ ክጅምር ኣይክእልን ኢዩ።

(2) ከምዚ ዓይነት መጠነ - ግዙፍ መምከኽ ሓጻውን፡ ዘይተሓስበ ኣዕናዊ ሓደጋታት ንምውጋድ፡ ብዝተካእለ መጠን፡ ጻዕቂ ህዝቢ ኣብ ዘይብሉ ከባቢታት ክኸውን ኢዩ ዝምረጽ። እዚ ፋብሪካ'ዚ ግን፡ ኣብ ማእከል ኣስመራ ምዃኑ ስግኣት ዝፈጥር ኢዩ። ሃንደበታዊ ባርዕን ምትኳስን ምስ ዘጋጥም ድማ፡ ኣብ ቀረባ ጸኒሐን ዝጎያ መጥፋእቲ ሓዊ ክህልዋ የድሊ።

ኣቶ ኢሳያስ፡ ብዛዕባ'ዚ ሪፖርት ትህቦ መልሲ እንታይ ኢዩ?

ኢሳያስ፡  እዚ ዝብሃል ዘሎ፡ ብገለ መጠን ሓቅነት ኣለ ዎ ። ሓይሊ መብራህቲ ዘፍርዮ ጸዓት ክሳብ ክንድኡ ውሑድ ምዃኑ ድሒርና ኢና ፈሊጥናዮ። እቲ ኣብ ማእከል ህዝቢ ኮይኑ ዝብሃል ዘሎ ግን፡ ኣብ ክንደይ ዓለማት ኣብ ውሽጢ ዓበይቲ ከተማታት መምከኽ ሓጻውን ኣሎ። ስለዚ፡ እዚ ካልኣይ ምኽንያት፡ ከም ኣብ ብዙሕ ነገራት ዘሎ፡ ክጋነን ዘይብሉ ስግኣት ኢዩ። እቲ ቀዳማይ ግን፡ ሎሚ ንድሕሪት ተመሊስካ ክርአ እንከሎ፡ ኣቐዲሙ ክጽናዕ ዝግብኦ መዳይ ከም ዝነበሮ ኢዩ ዘነጽር። ተበግሶና ቅዱስ ምንባሩን፡ ንረብሓ ሃገር ዝገበርናዮ ምዃኑን ግን ዘጠራጥር ኣይመስለንን። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ መልስኻ መዝጊብናዮ ኣለና።  ናብ ዝቕጽል ጉዳይ ንስገር።

ኢሳያስ፡   ብዛዕባ ኣሪጉ ተባሂሉ ዝተዓጽወ ፋብሪካ ጠራሙዝ መሬንጊ ክዛረብ። እቲ ፋብሪካ፡ ካብ ክቱር እርጋን ዝተላዕለ ካብ ክሳርኡ ስለዝዓቢ ኢዩ ከም ዝዕጾ ተጌሩ። ንሱ ምስ ተዓጽወ፡ ኣብ ጊንዳዕ ፋብሪካ ክትከል መምርሒ ኣመሓላሊፈ ኔረ። እንተኾነ ኣይተተግበረን።  እዚ ድማ፡ ሚኒስትሪ ኢንዱስትሪ ይተሓተቱሉ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ሰነዳትና ግን፡ ምስ ፋብሪካ ጥርሙዝ ዝነበረካ ፍሉይ ምትእሳስርን እቲ ጉዳይ ብዘይካኻ ተሓታቲ ከም ዘይብሉ ኢዩ። ቅድም ቀዳድም፡ ሓድሽ ፋብሪካ ከይተሰርሐ፡ ዘዕጹ ምኽንያት ከም ዘይነበረ፡ ብስታቲስቲክስ ዝተሰነየ ሰንጠረጅ ጭብጢ ቀሪቡ ኣሎ።

ከም ካልኣይ፡ እቲ ጥረ ነገር ዝመጽእ፡ ኣብ ጽርግያ ደቀምሓረ - ጾሮና፡ ከባቢ ማይ ዓይኒ ክንሱ፡ ንስኻ፡ ፍርቁ ዝጎሓፍ ሓመድ ተሰኪምካ ብምምጻእ፡ ኣብ ጊንዳዕ ክትከል ኣዚዝካ። እዚ ንባዕሉ ዘደንጹ ኢዩ። ንሓመድ ከተጎዓዕዝ ጥራይ ዝኸፈል ገንዘብ፡ ኣብ ዝተናውሐ፡ ዋጋ እቲ ፋብሪካ ከም ዝኾነ ዝተዘከረ ኣይመስልን። ከም ሳልሳይ፡ እቲ ፋብሪካ፡ ኣብቲብትእዛዝካ ክባድም ዝተገድፈ ሕርሻ ጅራዲን ጊንዳዕ፡ ኣብ ማእከል ህዝቢ ክትከል ስለዝወሰንካ፡ ምስ ምምሕዳር ሰምሃር ዘይምቅዳው ተፈጢሩ። ኣብ ከባቢ ደቀምሓረ ክስራሕ ብዙሕ ርእይቶታት ቀሪቡልካ ኔሩ።  እንተኾነ፡ ኣይደለኻዮን።  ብሰንኩ ድማ፡ እቲ ትካል ከይተሰርሐ ዓመታት ሓሊፉ።  ስለዚ፡ እዚ ዝሃብካዮ መልሲ፡ ካብቲ ሓቂ ኣዝዩ ዝረሓቀ ምንባሩ በሪሁልካ ክኸውን ተስፋ እገብር።

ካብዚ ከይወጻና፡ ብዛዕባ ፋብሪካ ማርሞ ጊንዳዕ ግለጸልና።

ኢሳያስ፡   ፋብሪካ እምነ በረድ ጊንዳዕ፡ ንህሉው ሃብቲ እምነ በረድ ኤርትራ ብምዝማዝ፡ ንዓናን ንኤክስፖርትን ዝኸውን ከነፍሪ ስለዝተደልየ፡ ንብዙሕ ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ጊንዳዕ ክትከል ተወሲኑ። ይውሓድ ይብዛሕ፡ የፍሪ'ውን ኣሎ። እንተኾነ፡ እቲመፍረ ከምቲ ትጽቢት ዝገበርናሉ ክኸውን ኣይከኣለን።  እቲ ቀንዲ ምኽንያት ድማ፡ ነቲ ምዕቡል መሳርሒ ብብቕዓት ክጥቀሙሉ ዝኸኣሉ  ሰብ ሞያ ስለዘይብልና ኢዩ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ መልሓስ ጥዑም ዝብሎ ብዙሕ ኢዩ ኣቶ ኢሳያስ። ጭብጥታትና ከም ዝሕብሮ ግን፡ እቲ መፍረ ካብ መጸበቒ ገጽ መቓብር ሃብታማት ዘይሰግር ፈጺሙ ትሑት ብምዃኑ፡ ህግደፍ ባዕሉ፡ ንዝሰርሖ ህንጻታት ዘድለዮ እምነ በረድ፡ ካብ ግብጺ ይዕድጎ ከም ዝነበረ ኢዩ። ብቀንዱ ግን፡ ኤክስፖርት ንምግባር ዝተጸንዐ ዕዳጋትት እውን ፈጺሙ ኣይነበረን ኢዩ ዝብሃል።  ምስ'ዚ ተኣሳስሩ ድማ፡ ወላ ነቲ ጥረ እምኒ'ውን ሸይጥካ እቶት ከይርከብ፡ ብመምርሒ ከልኪልካዮ።  እምነ በረድ ኣፍሪኻ ምሻጥ ካብ ዘይተኻእለ፡ እምኒ ምሻጥ ስለምንታይ ይኽልከል? 

ኢሳያስ፡   እምኒ ክሽየጥ እንተፍቂድና፡ ሃብቲ ሃገር፡ ኣብ ዝቕጽል ወለዶ ከይበጽሐ ከይጉሕጓሕ  ስለዝሰጋእና፡ ኢዩ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ስለዚ፡ ሃብቲ ሃገር ከይጉሕጓሕ፡ እዚ ዘሎ ወለዶ ይጥመ ዲኻ ትብል ዘለኻ? ጥሙይ ሃገር፡ እኩብ - ድምር ጥሙይ ሰብ ከም ምዃኑ መጠን፡ “ካብ ንዓመታ ደርሆስ፡ ሎም ዘበን እንቋቕሖ” ዝብለሉ ግዜ ከም ዘሎ ዘኪርካ ዶ ትፈልጥ?

ብዛዕባ ናይ ሎሚ ወለዶ ዘይሓሰብካ፡ ብዛዕባ ናይ ጽባሕ ወለዶ ክትሓስብ? ወለዶ ሎሚ ፡ ብስርናይ ልማኖ ፍርቁ ከብዱ እናኸደ፡ ናይ ጽባሕ ሓልዮት ኢዩ ክትብል፡ ዘይመስል ኢዩ።  ንስኻ፡ ህዝቢ ኢኻ ተመሓድር ኔርካ።  ከም ዝገበርካዮ ዝኸውን" ከም ዝጓዕጸጽካዮ ዝጥወ" ብዲሲፕሊን ቀይድካ ተኺዶ መስኪን ተጋዳላይ ኣይኮንካን ተመሓድር ኔርካ።

ንስካ ከብድኻ ስለዝመልአ፡ መላይን ፈሲሱ ፋይዳ ዘይተረኽቦ ክንሱ፡ ጉድለትኩም ተ ኣሚንኩም ምምሕያሽ ኣይገበርኩምን። ብኣንጻሩ፡ ዝገደደ ካልእ" ዝዝኸፍአ" ዘዝበኣሰ ኢኹም ክትሰርሑ ጸኒሕኩም።  ስለዚ፡ ኩሉ ብዛዕባዚ ሕሉፍ ኣርእስታት ዝተዋህበ መልስኻ፡ ከም ኣብነት ኣኻሊ ኮይኑ፡ ብዛዕባ እንዳ ፈሬዶ ኣስመራ ዘለና ጭብጥታት ብሓጺሩ ክንገልጸልካ።

ፋብሪካ ፈሬዶ ኣስመራ፡ ኣብ ሰብዓታት ካብ ስራሕ ደው ዝበለ ተክኖሎጂ ስለዝኾነን" ቀታሊ ሕማም ዘኸትል ጥረ ነገራት ስለዝጥቀምን፡ ፈጺሙ ከይተጸንዐ ዝተዓደገ ምዃኑ ዘማትእ ኣይመስለናን። ዝተረኽቦ ፋይዳ'ውን ፈጺሙ የለን።  እኳ ድኣ፡ ንዕዳጋ ኢትዮጵያ ተ ኣማሚንካ ዝተዓደገ ስለዝነበረ፡ ዝዓበየ ስሕታን ንሱ ኢዩ። ስለዝኾነ፡ ብምስምስ ክሕለፍ ዝከኣል ኣይኮነን።

ከም ርእይቶይ፡ ግዜና ከይወዳእና፡ ናብ ካልእ ሓድሽ ኣርእስቲክንቅጽል ስለዝሓይሽ፡ ኣቶ ኢሳያስ ክትብሎ ትደሊ እንተሎ ሰሚዕና ክንሰግር።

ኢሳያስ፡   ዝብሃል የብለይን።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ሕራይ። ዝቕጽል ኣርእስትና፡ ጉዳይ ምህጋር መሬት ኢዩ። ንስኻ እትመርሖ ዝነበርካ መንግስቲ፡ ደርጊ ዝሃገሮ ኣባይቲ ናብ ዋና መሊሱ ከብቅዕ፡ ደርጊ ዘይገበሮ ስራሕ፡ ኣብ ምሉእ ኤርትራ ዘሎ መሬት፡ ብሓይሉ መንዚዑ ንብረት መንግስቲ ገይሩዎ ። እዚ ሓቂ ድዩ?

ኢሳያስ፡  እወ ብርግጽ ደርጊ ዝሃገሮ ኣባይቲ ናብ ዋንኡ ተመሊሱ ኢዩ። ኩሉ መሬት ድማ፡ ንብረት መንግስቲ ከም ዝኸውን ኢዩ ተጌሩ። እዚ ግን፡  ብሓይሊ ዝተገብረ ኣይኮነን።  ብሕጋዊ ኣዋጅ ኢዩ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ሓይሊ መንግስቲ እኮ በትሪ ኣይኮነን።  “ሓይሊ ማይ ብውሕጁ፡ ሓይሊ መንግስቲ ብ ኣዋጁ!” ዝብሃል ምስላ ኣሎ። ብካልእ ኣበሃህላ፡ “ካብ ሎሚ ንድሓር፡ መሬት ኤርትራ ናይ መንግስቲ ኢዩ!” ኢልካ እንድሕሪ ኣዊጅካ" ዋና መሬት ህዝቢ ድማ፡ ካልእ ይትረፍ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ከይገብር'ውን እንድሕር ከልኪልካ፡ ብድሌት ህዝቢ ዘይኮነ፡ ብሓይልካ መንዚዕካ ወሲድካዮ ማለት እኮ ኢዩ።

ብዝኾነ፡ መሬት ሃጊርካ ብነጻ ንዜጋ ሃገር እንተዝዕደል፡ ኣይምኸፍአን። እቲ ዘደንጹ ነገር፡  መዋእል ተጋዲሎም ፍርቂ ኣካላቶም ዝወፈዩ ስንኩላን ገዲፍካ" ዓጽመ ደሞም ዝለገሱ ጥዑያት ተጋደልቲ ገዲፍካ" ኣብ ከተማታት ኤርትራ ዘሎ ስኡን ህዝቢ ገዲፍካ፡ መሬት እንዳማትካ ሃጊርካ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ኣብ ምቾት ንዝነብሩ ሰብ ዶላር ምሻጥ ኢዩ።

ካብ ፈለማኡ፡ እቲ ዕላማ፡ መሬት ሃጊርካ ንምሻጥ እንተኔሩ፡ ዋና መሬት ባዕሉ መሬቱ ሸይጡ ክነባበር ድዩ ፍትሒ፡ ወይስ በትረ ስልጣን ዓቲርካ፡ ዘይንብረትካ ራሲኻ፡ እቶት ምርካብ?

ስለዚ፡ ኣቶ ኢሳያስ ብዛዕባ'ዚ ዘለካ መልሲ ክትህብ ትሕተት ኣለኻ።

ኢሳያስ፡  ብሰንኪ ኩነታት ወያኔ ዝፈጠሮ ቁጠባዊ ጸገማት፡ መሬት ክንሸይጥ ተገዲድና። ንምክልኻል ሃገር ዝገበርናዮ ኢዩ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ብሰንኪ ፖሊሲኻ፡ ሃገር፡ ብሰብ ርእሰማላውያን  ተፈንፊና ምንጪ  እቶት ምስ ጨነቓ፣ ብሰንኪ ፖሊሲኻ፡ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ዝተሓረማ ሃገር ንምክልኻል፡ ተረካቢ ይዓድዩ፡ ሕንሕነ ናብ ህዝቢ ከተውርዶ?

ኣብ ክንዲ ምብልሓትስ፡ ኣብ ቀረባ ዝጸንሓካ ንብረት ጭቁናት ኣብ ዕዳጋ ከተወርዶ? እሞ ከኣ ብክሳራ ደሞም ዘፍሰሱ ተጋደልቲ? ብክሳራ ኣብ ዓዲ ዘሎ ስኡን?

እቲ ኣብ ቻይና ዝተመሃርካዮ ፍልስፍልና ማኦ ኣይበለየልካን ድዩ ኣቶ ኢሳያስ?  ኮሚዩኒዝም፡ ሃይማኖት ተበልጽቲ ምዃኑ ኣይበርሃልካን ድዩ ክሳብ ሕጂ?

ዝገደደ፡ መሬት ከተማታት ሸይጥካ፡ መሬት ባድመ ክትመልስ? ንሰብ ባድመ፡ መሬቶም ክትመልሰሎም፡ ንሰብ ከባቢ ኣስመራ ድማ፡ መሬቶም ኣሕዲግካ ክትሸጠሎም? ግዜ ነዊሑ፡ ኩነታት ወያኔ ዓሰርተ ዓመት እንተዝጸንሕስ፡ መሬት ከተማ ወዲእካ ናብ መሸጣ ሰብ ምተሰግረ ማለት እኮ ኢዩ። ብወገነይ፡ እዚ ሽፍትነት ኢዩ" ከንቱነት ኢዩ" ምስሉይነት ኢዩ፡ በሃላይ ኢየ።

ኣቶ ኢሳያስ፡ ብዛዕባ'ዚ እንታይ ትብል? 

ኢሳያስ፡  ከም መንግስቲ፡ ንሕና ነቲ ሽግር ንምቅላል ቅኑዕ ዝመሰልና ስጉምቲ ኢና ወሲድና። ሕጂ እቲ ኩነታት ምስ ተሰግረ ግን፡ እቲ ካብ መሸጣ ዝተረኽበ ገንዘብ'ውን ዝጠቅም ስለዘይነበረ፡ ብኻ ተሪፉና ዘየብል ኣይኮነን።  ግን፡ ዝኾነ ስለዘይምለስ፡ ኪኖ ጣዕሳ ዝግበር የለን። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  የቐንየልና።  ናብ መሬት ሕርሻ፡ ብፍላይ ከባቢ ጋሽን ተሰነይን፡ ንመለስ። ናይ ባራቶሎ ዝነበረ መሬት፡ ጥልያን ካብ ዝወስዶ፡ ካብ ዋንነት ህዝቢ ወጻ ኢ ስለዝነበረ፡ ዝብሃል የልቦን።  እቲ ኣብኡ ክግበር ዝተፈተነ ምጥያስ ተጋደልቲ'ውን፡ ብሰንኪ ድኽመታት መንግስቲ ውጽኢት ኣይተረኽቦን'ምበር፡ ቅኑዕ ስጉምቲ ከም ዝነበረ ንኣምን።

እቲ መሬት ደቂ መሬት መመንዚዕካ፡ ንዘርከበ በዓል ሰላዲ ክወሃብ ግን፡ ፍትሒ ኣይኮነን ዝብል እምነት ኣለና። ደቂ መሬት'ውን መርገጾም ንሱ ኢዩ። “መሬት ናይ መንግስቲ ኢዩ፡” ዝብል ኣዋጅ ተጠቒምካስ፡ ወዲ መሬት ብኮፉ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ገዝኡ፡ ጎላጉል ሰሰሊዕካ ምዕዳል እንታይ ይብሃል? ጉልበት ወይ ገንዘብ ሃልዩካ መሬት ካልእ ምሕራስ እኮ፡ ካብ ኣቦታትና'ውን ዝጸንሐ ኢዩ። ኣብ ኣቦታትና ግን፡ ወይ ብክራይ ሰልዲ፡ ወይ ብስምምዕ ክሕረስ ንፈልጥ።

ካበይ ዝመጸ ፍልስፍና ኢዩ ንወዲ መሬት ጎኒጽካ መሬት ምዕዳል?

ኢሳያስ፡   ንሕና፡ መሬት ሃገር ብዝበለጸ ተጠቒምካ ዝለዕለ ፍርያት ንምርካብ ካብ ዝብል እምነት ዝገበርናዮ ኢዩ። ሕጂ ክትሓስበሉ ከለካ ግን፡ እቲብገንዘቡ ወይ ብጉልበቱሓሪሱ ከፍሪ ዝደሊ ሰብ፡ ካብ መኽሰቡ ንመንግስቲ ኣብ ክንዲ ዝኸፍል፡ ነቲ ዋና መሬት፡ ክራይ ክከፍል ዝያዳ ግብራዊ ይመስል ይኸውን።  ኣብቲ ግዜ ግን ኣይተራእየናን።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ብመሰረቱ'ምበር ብከመይ ተቐልቂሉኩም እቲ፡ ፍሹል ኮሚዩኒዝም ዝጥቀመሉ ዝነበረ፡ ዘይመሬትካ ከም ድሌትካ ከተመሓድር ምፍታን?

መንግስቲ እንታይ ከም ዝሰርሕ ድዩ ጠፊኡካ ኣቶ ኢሳያስ? እንታይ ኢዩ ጸገምካ?

ካብ ውሉድ ወለዶ ዝነበረሉ መሬት፡ ባዕሉ ህዝቢ ብከመይ ይሓርሶን የሕርሶን ዝያዳ ዝኾነ ኣፍልጦ እናሃለ ዎ ስ፡ እንታይ ገደሰካ ኣብ ዘይጉዳይካ ኢድካ የእቲካ ነገራት ተበላሹ?  እሞ ድማ ዒሚም ንዝበለ ዋና መሬት ት ኣስር?

ብሰንኪ እዚ ጉዳይን ምትእሳሳራቱን፡ ክንደይ ሰብ ከም ዝተኣስሩን፡ ዝተሃርሙን፡ ዝተኸላበቱን ዶ ትፈልጥ? ኣሽሓት! ኣሽሓት!  ኣብ ምንትምንታይ? ኢሉ ንዝሓስብ ሰብ ድማ፡ መልሲ ዝርከቦ ግድል ስለዘይኮነ፡ ክትገልጸልና ትሕተት ኣለካ። ፖለቲካዊ መኽሰብ ኔሩዎ ድዩ?

ኢሳያስ፡  ንሕና ንጽቡቕ ሃገር ዝገበርናዮ ኢዩ።  ግን። ፖለቲካዊ መኽሰብ ዝብሃል ግን ኣይነበሮን። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ መልስካ ተመዝጊቡ ኣሎ። ናብ ዝቕጽል ኣርእስቲ ክንሰግር።

ጉዳይ ተመሃሮኸ? እስከ ተመሃሮን ህይወቶምን ኣብ ዘበንካ ዘበን ህግደፍ ግለጸልና።

ኢሳያስ፡  ንሕና ንተመሃሮ በቲ ዝበለጸ ኣገባብ ምሂርና፡ ኣብ ዳመ ህንጻ ኤርትራ ኣዎንታዊ ተራ ክጻወቱ ከም ዝነበሮም ስለእንኣምን፡ መደባትና ነዚ ኣብ ግምት ዘእተዉ ኢዮም ኔሮም።  ክንዲ ዝኾነ፡ ኣብ ገጠራትን ርሑቕ ኩርናዓት ሃገርን ኣብያተ ትምህርቲ ብምስራሕ፡ ብዝሒ መምህራን ንምዝያድ ዘይተሓለለ ጻዕሪ ኣካይድና። ካብ ወጻ ኢ ሃገር ከይተረፈ ዶላር ከፊልና ዘምጻኣናዮም ብዙሓት መምህራን ከም ዘለዉ ዝከሓድ ኣይመስለንን። ብሓጺሩ፡ እዚ ኢየ ክብል ዝኽእል ኣነ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ከይረሳዕና፡ ስለምንታይ ኢካ ዘይኮነ ኣሃዛት ምጥቃስ ስርሐይ ኢልካ ሒዝካዮ ዝነበርካ? ነቲ ሓውላል ደርጊ ዝያዳ የሕዊሊልካ ንስካ ክትጽብቕ ንምንታይ ትደሊ? ሓቂ ተዛሪብካ ክትሙገስ እናከኣልካ፡ ንምንታይ ዘይኮነ ሓበሬታ ትነግር?

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ኣብ 1991፡ ኤርትራ 40 ሽሕ ተመሃሮ ጥራይ ኔርማ ኢልካ።  ኤርትራ ግን፡ ከባቢ ክልተ ሚእቲ ሽሕ ተመሃሮ ኔርማ ሽዑ። ኤርትርት፡ ዓዲ ጅሃድ ኢያ፡ ኢልካ። ተቃወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ብቢን ላደን ኢየን ዝምወላ ኢልካ። ኤርትራ ግን፡  እሩም ኣስልማይ ምስ እሩም ክስታናይ ብስኒት ዝነብረላ ዓዲ ኢያ። እዚ ዘረባ ከርብሓካ ሓሲብካ ዝበልካዮ ምንባሩ፡ ግሁድ ኢይዩ።  እንተኽዕነ፡ ሳዕቤኑ ንዓቐብ ምሻን ኢዩ ኮይኑ።

ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን፡ ካብ ዘረባኻ ተበጊሰን፡ ኣብ ወጻ ኢ ንዝብነብር ህዝቢ ብዓይኒ ጥራጣረ ክርእይኦ ጅሚረን። ምዕቡላት መንግስታት፡ ዜጋታተን፡ ቢን ላደን ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ከባቢታት ከዋፍሩ ስለዘይደልያ፡ ነቲግዕዙይ ኮሚኒስታዊ ፖሊሲኻ ኣህዲሙ ዎ  ዝነበረ ቖላሕታ ኣውፈርቲ፡ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ህልም ዘብል ሕማቅ ሪፖርት ጽሒፈናላ።

ብዛዕባዚ እንታይ ትብል?

ኢሳያስ፡  እቲ ቁጽሪ ተመሃሮ፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢዮም ኣጋግዮምኒ። ብዝዕባ ጅሃድን ቢን ላደንን ግን፡ ኣብ ስለያዊ ስርሓት ተዋፊሮም ካብ ዝነበሩ ኣባላት ዝተረኽበ ዝተጋነነ ሓበሬት ምኳኑ ድሒሩ በሪሁለይ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  የቐንየልና። ጉዳይ ተመሃሮ ብሓጺሩ ንምብራህ፡ ጉዳይ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ጥራይ ኣልዒልና ክንሓተካ።

ዝገበሩ ይግበሩ፡ ዘይደቅኻ፡ ኣኪብካ ናብ ዝደለኻዮ ቦታ ክትወስዶም መን ኣፍቂዱልካ? መን መሰል ሂቡካ?

ኢሳያስ፡  ተጋግየ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ እቲ ዝገበሩ ዎ ፡ ኩሉ ተመሃራይ ዝገብሮ፡ ንጹሕ ምዕዝምዛምን ምሕሳምን ኢዩ። ግን፡ ሕራይ ድሓን፡ ወላ ዓቢ ሽርሒ  ምሂዞም ክቕጽዑ ይደለ። ንዊዓ ክትሰዶም፡ ሕልና የብልካን ድዩ?እዞም ቖልዑት ኣቦን ኣደን ዘለዉ ዎ ም ደቂ ሰብ'ምበር፡ ደቂ ከልቢ ከም ዘይኮኑ ትፈልጥ ዶ?

ሰብ ዲኹም ክትቀትሉ ደሊኹም ወላ እንታይ? ኣብ ዝለመዱ ዎ  ክሊማ ዘለ ዎ  ቦታ ዘይትወስዱ ዎ ም? ነዴታቶም ከ ብበትሪ ትሃርሙወን? ክብሪ ሰብ ክሳብ ክንደይ ዲኹም ረሲዕኩሞ ኔርኩም?

ሕጂ ነዞም ኣብ ደገ ጉዳይካ ክከታተሉ መጽዮም ዘለዉ ደቅካን ስድራካን፡ ሓንቲ ብርጌድ ጸዊዕና፡  ድግድግ ድግድግ ኣቢልና፡ ሕስክብ እንተሰደድናዮም ፍትሒ ዶ?

ኢሳያስ፡  ኣይፍትሕን። ብሓቂ ኣይፍትሕን።  በዚ ጉዳይ ተመሃሮ፡ ድቃስ ለይቲ ረኺበ ኣይፈልጥን።  ብርግጽ፡ ብኣፈይ ኣውጺአ ተዛሪበሉ ኣይፈልጥን ኢየ። እንተኾነ፡ እቲ ተመሃሮ ዝሓተቱ ዎ  ሕቶ ቅኑዕ ከሎ፡ ”ሕማቅ ኣብነት ከይኮኑ -  ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዘለዉ ተመሃሮ ከኣ ኣብያ ከይጅምሩ” ዝብሉ ስግኣታት ኣዕዊሮምኒ፡  ግጉይ ስጉምቲ ወሲደ። ብሓቂ ግጉይ ስጉምቲ!

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ግዜካ ብዙሕ ሰብ ተሞቍሑ፡ ተሃሪሙ" ሞይቱ ተቐቲሉ ኢዩ።  ብግዜ ኡ ክለዓል ኢዩ።  ንሎሚ ግን፡ ናይቶም ብሰንኪ ስጉምትካ ዝሞቱ ተመሃሮ ነገር፡ መን ከም ዝሕተተሉ ክንጸር ድሌትና ኢዩ።

ኢሳያስ፡  እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሓለፍቲ ሰራዊትን፡ ነቶም ተመሃሮ ክከታተሉ ዝተመደቡ ሓካይምን፡ ሓለፍቲ ዩኒቨርሲቲን ዝሕተቱሉ ይመስለኒ።  ኣነ ግን፡ ንዊዓ ውሰዱ ዎ ም'ምበር፡ ማይን መግብን ክልኡ ዎ ም ኣይበልኩን። ዊዓ ድማ፡ ማይ ኣለ ዎ ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ዶ? ስለዚ በቲ ዝሓለፈ ትንፋስ ሰብ ኣይሕተትን ኢካ ትብል ዘለካ?

ኢሳያስ፡  እወ።

ወልደኣብ ይሳቕ፡

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ሕራይ። መልስካ ተመዝጊቡ ኣሎ። ዶክተር ወልደኣብ ይሳቕ፡ ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባዚ ጉዳይ ክንሓተካ ከለና ዝሃብካዮ መልሲ ብምዝካር፡ ብሞት ናይቶም ተመሃሮ ዝሕተት መን ኢዩ ትብል?

ወልደኣብ ይሳቕ፡- ክቡራት ሽማግለን፡ ዓበይቲ ዓድን!

ክቡራት ሊቃውንቲ!

ክቡርት ወከልቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ!
ክቡራት ኣሕዋት!

ኣነ ብወገነይ፡ ካብቲ ነቲ ስራሕ ዓለማኢ ባንክ ዝሰልዖ መላይን ዶላርት፡ ነቶም ተመሃሮ ክኽፈል ዝግብኦ ገንዘብ ክንደይ ከም ዝኾነ መምርሒ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ምስ መጸኒ፡ ንተመሃሮ ነጊረዮም።  ተመሃሮ፡ ነጺጎሞ። ኣነ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት፡ ብናብ ኢሳያስ መሊሰዮ።  ኢሳይስ ድማ፡ “ጽጋብ ኢዩ እዚ። ወላ ብጥርሑ ስርሑ እንተተባሂሎም ክሰርሑ ከም ዘለ ዎ ም ይፈልጡ ድዮም? ንገሮም።  በዚኦም ተኸኽ ክንብል ኣይኮናን። ኩሉ ሰብ ግበር ይብሃል፡ ይገብር።  ኣይገበረን ከ? ይቕፈድ፡ ይቕጥቀጥ። ልዕሊዚ ዝግበር ነገር የለን።  ድሕሪ ሕጂ፡ ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ርክብካ ምስ ወዲ ካሳ ኢዩ” ኢሉኒ። ተመሃሮ ምስ ኣበዩ ድማ፡ ወዲ ካሳ፡ ከም ዝተባህሎ ተመሃሮ ንዊዓ ክኸዱ ከም ዝግተወሰነ ነጊሩኒ።  ልዕሊ'ዚ ንዓይ ዝምልከተኒ ጉዳይ የለን። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ እሂ ኢሳያስ፡ ሓሙሽተ ክረምታዊ ማእቶትን፡ ክልተ ዓመት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምስ ፈጸመ፡ ዝመሰሎ ስለዝተዛረበ፡ “ጸጋብ ኢዩ” ኢልካዮ?

ርእይቶኡ፡ ከም ተመሃሮ ኩለን ሓርነት ዘለወን ሃገራት፡ ሳላ ሰማእታቱ ዝረኸቦ መሰሉ ኮይኑ፡ እምቢ ዝበለስ፡ ኣብ ምንታይ ውዒሉካ ክእሰርን ክቕጥቀጥን ትፈርዶ?

መን ከ መሰል ሂቡካ ኣብ ልዕሊ ደቅና?
ኣብ ልዕሊ ኣቦን ኣደን ጨፈፍ ኢሎም ዘዕበዩ ዎ ም ቖልዑት ዳኛ ዝገበረካ መን ኢዩ?  መልሽካ ድማ፡ ኣነ ኣይሕተትን ትብል?

ብዝኾነ መልስካ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ንሎሚ ድማ፡ በዚ ወዲእና ኣለና። ኣብ ዝቕጽል መዓልቲ፡ (1) ማዕከናት ሓሶት ህግደፍን ስምብራተንን፡ (2) ዕላማ ምስረታ ህግደፍን ስምብራቱን ዝብሉ ኣርእስታት ብምልዓል ሕቶታት ከነቕርበልካ ኢና። የቐንየልና።

   


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...