ታሕሳስ 18፡ 2005 
ቅሉዕ መደብ ሕቶን መልስን
ምስ ፕረዘደንት ህግደፍ ነበር 
ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ ሃይሉ 
1ይ ክፋል (ፈጠራ) 

ብክ ኢላታት ሕግን፡ ካብ ነብሲ ወከፍ ኣውራጃ ህዝቢ ብዝሓረዮም ዓበይቲ ዓድን ወራዙትን ዝቖመ ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ብተለቪዝዮን ኣብ ዝተመሓላለፈ ቅሉዕ መደብ ሕቶን መልስን፡ ንኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ ሃይሉ ዝቀረበሉ ሕቶታትን ዝሃቦ መልስን እንሆ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ስለ ኣገባብን ስርዓትን ወግዕን፡ ምሉእ ሽምካ፡ ዝተወለድካሉ ዕለትን ዓድኻን ክትነግረና ፍቓደኛ ዲኻ? 

ኢሳያስ፡  እወ። ሽመይ ኢሳያስ እብሃል። ኣብ 1945 ተወሊደ። ዓደይ ድማ ጸሎት ኢዩ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ንሰራዊት ደርጊ ስዒሩ፡ ንምልእቲ ኤርትራ ካብ ዝተቖጻጸረሉ እዋን፡ ክንደይ ዓመት ኮይኑ ኣሎ?

ኢሳያስ፡  ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመትን ሸውዓተ ወርሕን። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ግርም። ናብ ካልእ ቅድሚ ምስጋርና፡ ኣብዚ ንዓሰርተ ሓሙሽተ፡ ሓሙሽተ ወርሒ ጎደል ዓመታት ንግስነትካ ዘርኣየቶ ምዕባሌ ወይ ዕንወት ዶ ክትገልጸልና?

ኢሳያስ፡ ቅድም ቀዳድም፡ ኣነ ንጉስ ኣይነበርኩን። ካብ 1991 ክሳብ 1993፡  ፕረዚደንት ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኢየ ኔረ።  ካብ 1993 ክሳብ 1995 ድማ፡ ፕረዚደንት ኢየ ኔረ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ኣብ ሞንጎ ፕረዚደንትን ንጉስን ዘሎ ፍልልይ ዶ ክትግለጸልና?

ኢሳያስ፡ ንጉስ ማለት፡ ድሌት ህዝቢ ብዘየገድስ፡ ክሳብ ዝመውት ኣብ ስልጣን ዝጸንሕ፡ ከም ድሌቱ ህዝቢ ዝገዝእ፡ ልዕሊ ሕጊ ከም ዝኾነ ዝኣምን መራሕ ሃገር ኢዩ። ፕረዚደንት ግን፡ ብህዝቢ ተመሪጹ፡ ቅውም ብዝእዝዞ መሰረት፡ ንዝተወሰነ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሕን ብድሌት ህዝቢ ዝቅየር ዝትካእ ማለት ኢዩ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ግርም። ስለዚ፡ ንስኻ ብዝህቢ ዝተመረጽካሉ ዓመት ዶ ክትነግረና? እቲ ዝበልካዮ “ቅዋም” ከ ንክንደይ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክትጸንሕ ኢዩ ዝእዝዝ?

ኢሳያስ፡ ኣብ 1993፡ ባይቶ ኤርትራ፡ ብ95% ድምጺ ፕረዚደንት ንክኸውን መሪጹኒ። ንክንደይ ዓመታት ክጸንሕ ዝብል ግን፡ ቅዋም ተዳልዩ ምስ ጸደቐ ዝውሰን ኢዩ ኔሩ። ቅዋም ድሕሪ ምምራጸይ፡ ክልተ ዓመት ክዳሎ ተጅሚሩ። ኣብ 1997 ድማ ተወዲ ኡ፡ ብባይቶ ጸዲቑ። ብሰንኪ ወያኔ ግን፡ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ስለምንታይ እባ፡ ቅዋም፡ ኣብ 1991፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓይሉ ናጽነቱ ምስ ኣረጋገጸ ክዳሎ ዘይተደልየ? ክሳብ 1993 ተዳልዩ ክውዳእ፡ ብድሕር'ዚ፡ ልክዕ ምስ ምዝዛም ረፈረንደም ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣይክእልን ድዩ ኔሩ?

ኢሳያስ፡  ሎሚ ንድሕሪት ተመሊስካ ክትርእዮ ከለኻ፡ ከምኡ ይመስል ይኸውን።  ሽዑ ግን፡ ምስቲ መድረኽ፡ ቅኑዕ ስጉምቲ ኢዩ ኔሩ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ኣቶ ኢሳያስ፡ ካብ ሕጂ ንድሓር ክትምልስ ከለኻ፡ ናይ ውልቅኻ፡ “ኣነ” እንዳበልካ ክትምልስ ይግባእ።  ብሳልሳይ ኣካል፡ ወይ ብካልኣይ ኣካል ጌርካ ዝምለሰሉ ግዜ ተሰጊሩ ኢዩ።  ስለዚ፡ ነዚ ዝሓለፈ ሕቶ፡ እንደገና፡ መልሶ። 

ኢሳያስ፡ እሺ። ሎሚ ክርእዮ ከለኹ፡ ከምዚ ትብሉ ዎ ፡ ኣብ 1991 ንድፊ ቅዋም ክጅምር ጸገም ኣይነበረን ይመስል ይኸውን።  እንተኾነ፡ ሽዑ መድረኽ ዝጠልቦ ኣይነበረን።  

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ንስኻ ብዝሃብካዮ መምርሒን ዘመሓላለፍካዮ ውሳኔን፡ ቅድሚ ናጽነት፡ ኣብ ግዜ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተፈጸሙ ጉድለታትን ጌጋታትን፡ ብድብዱቡ ኢዩ ተዓጽዩ። ነቲ ብረታዊ ተጋድሎ ዝጅመረ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብዝምልከት ግን፡ ካብ ስልጣን ብማዕበል ህዝቢ ክሳብ ዝወረድካሉ ግዜ፡ ነባሪ ሓጥያት ገይርካዮ።  ስለምንታይ?

ኢሳያስ፡  በተሓሳስባይ፡ ተሓኤ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ኢዮም ኔሮም። ኣብ ህዝባዊ ግንባር ግን፡ ብቐንዱ፡ ዝተፈጸሙ ጉድለታት ኣይነበሩን።  በቲ ሓደ ወገን ድማ፡ ኣብ ሕሉፍ ሓሸውየ ክትብል ካብ ምንባር፡ ንቅድሚት ምስጓም ስለዝበልጽ ኢየ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ሕራይ፡ መልስኻ ተመዝጊቡ ኣሎ። ናብ'ቲ ኣብ ዘበንካ ኣብ ኤርትራ ዝተራእየ ምዕባሌ ወይ ዕንወት ኤርትራ ንመለስ። 

ኢሳያስ፡  ጽርግያ ባጽዕ ኣስመራ፡ ኣብ ሓደ ኪሎሜትር ሚእቲ ሽሕ ቕርሺ እናፍሰስና ኣግፊሕናዮ። ጽርግያ ከረን ተሰነይ ኣማኢት መላይን ቅርሺ ኣፍሲስና፡ ብዘበናዊ ኣገባብ ሰሪሕናዮ። ብተመሳሳሊ፡ ጽርግያ ባጽዕ ዓሰብ፡ ዘይተኣደነ መላይን ኣፍሲስና ክንሰርሖ ጸኒሕና።  ጽርግያ ጋሕተላይ ሽዕብ ኣፍዓበት፡ ብተመሳሳሊ ብዘደንቕ ውሕልነት ተሰሪሑ። ጎደናታት ኣስመራ ድማ፡ ከምኡ። ብዝያዳ ግን፡ ኣብያተ ሕክምናን,,,

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  በብነጥቡ ክንሕዞ ስለዝደለና፡ ይቕሬታ ክንኮልፈካ። ነዚ ጽርግያታት ዝሰርሓ ኩባንያታት ኣሽማተን ዶ ክትነግረና? እቲ ኩንትራት ከ ብከመይ ይወሃበን ኔሩ?

ኢሳያስ፡  ከምዝርድኣኒ፡ ሚኒስትሪ ህንጻ ስርሓት ጽርግያ ብዘውጽኦ ኣገባብ ኩንትራት ዝተዋህበን ኩባንያታት ኢየን።  ኣሽማተን ግን፡ ክዝክረን ኣይከኣልኩን። 

ኣብርሃ ኣስፍሃ

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ሕራይ። ኣብዚ ኣዳርሽ፡ ሚኒስተር ህንጻ ነበር ኣቶ ኣብርሃ ኣስፍሃ ስለዘሎ፡ መብርሂ ካብ ኣታቶም ክንሓትት። ኣቶ ኣብርሃ ኣስፍሃ፡ ከተብርሃልና፡ ፍቓደኛ ዲካ? 

ኣብርሃ ኣስፍሃ፡  እዚ ጉዳይ'ዚ፡ ባዕሉ ፕረዚደንት ነበር፡ ንሕና ከይፈለጥና ይውሰኖ ስለዝነበረ፡ እቲመደብን ንዕኡ ዝሰርሓ ኩባንያታትን ኣብ ሓደ ደብዳቤ ኢዩ ዝመጸና።  ሚኒስትሪ ህንጻ ዘውጽኦ ኣገባብ ኮነ ዝፈልጦ ጉዳይ ፈጺሙ የለን።  ንኣቶ ኢሳያስ ከዘኻክሮ ግን፡ እተን ዝሰርሖኦ ኩባንያታት ኩለን፡ ናይ ህግደፍ ኢየን። ተቖጻጻሪ ንባዕሉ፡ ትካል ህግደፍ ኢዩ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  እሂ ኣቶ ኢሳያስ? ትብሎ ዶ ኣለካ? 

ኢሳያስ፡  ኣቶ ኣብርሃ ኣስፍሃ ዝብሎ ዘሎ ኣይርድኣንን ኢዩ። 

ሓጎስ ገብርሂወት

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ሕራይ።  ተወሳኺ መዘኻከሪ ክህበካ፡ ንኣቶ ሓጎስ ገብርሂወት ክንሓቶ። ኣቶ ሓጎስ ስለ ኣገባብን ወግዕን ሽምካን ዓድኻን ዶ ክትገልጸልና?

ሓጎስ ገብርሂወት፡ ሽመይ ሓጎስ ገብርሂወት ኢዩ።  ዓደይ ድማ፡ ሰንዓፈ ኢዩ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ንሰንዓፈ መዓስ መጺኻ? 

ሓጎስ ገብርሂወት፡ ኣብ ሰንዓፈ ተወሊደ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ኣብ 10 ዓመትካ ካብ ትግራይ ከም ዝመጻኻ ኢዩ ዝንገር። እዚ ኣበሃህላ ሓሶት ኢዩ ማለት ድዩ?

ሓጎስ ገብርሂወት፡  ማለት፡ ኣነ ወላ ሽዑ ይምጻእ፡ ኣደይ ግን፡ ኣብ ሰንዓፈ ኢያ ኔራ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ድሓን ሕራይ።  ሓደ ኣብ ኣስመራ ወይ ቃሩራ ዝተወልደ ኤርትራዊ፡ ኣቡኡ ኣብ ትግራይ  ስለዝነበረ፡ እቲ ቖልዓ ኣብ ዓሰርተ ዓመቱ ናብ ኣቡኡ ምስ ከደ፡ ኣብ ትግራይ ተወሊደ እንተበለ፡ ቅኑዕ ድዩ?  

ሓጎስ ገብርሂወት፡ ኣብ ኤርትራ ምውላድን፡ ኣብ ትግራይ ምውላድን ፍልልይ ዘለዎ  ኣይመስለንን። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ሕራይ። ኣዴካ ኣብ ሰንዓፈ እንታይ ይሰርሓ ኔረን?

ሓጎስ ገብርሂወት፡ ናይ ኣደይ ጉዳይ ንዓይ ብምንታይ ይትንክፈኒ? 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ብምንታይ ይትንክፈካዶ? ካብ መን ኣቦን ኣደን፡ ኣበይ ተወሊድካ፡ ኣይትንክፈካን። ስራሕ ወላዲካ፡ ኣይትንክፈካን። እቲ ዝትንክፈካ እንታይ ኢዩ? በዓልቲ ቤትካ ከ ምስ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብምንታይ ትራኸብ?

ሓጎስ ገብርሂወት፡ ካብ ተደልየ፡ ኣደይ ስዋ ኢያ ትሸይጥ ኔራ። በዓልቲ ቤተይ ድማ፡ ምስ ሰይቲ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ናይ ቀራባ ኣዝማድ ኢየን። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  የቐንየልና። ኣብ ከባቢ እንዳ ስዋ ምዕባይን፡ እንዳ ስዋ ኣብ ዘይብሉ እሩም ከባቢ ምዕባይን" ምስ ኣቦን ብዘይ ኣቦን ምዕባይ" ነቲ ዝዓቢ ቖልዓን ናይ ጽባሕ ጠባዩን ኣተሓሳስባኡን ፍልልይ ኣለ ዎ  ዶ ትብል የብሉን?

ጎስ ገብርሂወት፡  እንድዒ። 

ማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ የቐንየልና። መዝጊብናዮ ኣለና መልስኻ። እዘን ጽርግያታት ዝሰርሓ ዝነበራ ኩባንያታት ናይ መን ኢየን? ነቲ ስራሕ ከ ብከመይ ኣገባብ ይወሃበን ኔሩ?

ሓጎስ ገብርሂወት፡ እተን ኩባንያታት ናይ ህግደፍ ኢየን።  ብትእዛዝ ፕረዚደንት ኣቶ ኢሳያስ ድማ ይወሃበን ኔሩ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  የቐንየልና። ፖሊስ፡ ኣብቲ መጽንሒ ቦታ ክጸንሕ ውሰዱ ዎ ። ኣቶ ኢሳያስ፡ ገለ ዶ መዘኻኸሪ ረኺብካ ሕጂ?

ኢሳያስ፡  እወ ዘኪረዮ። እተን ኩባንያታት ናይ ህግደፍ ኢየን።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  የቐንየልና። ካብ ሕጂ ንድሓር፡ ንእትፈልጦ ነገር ኣሉ ምባል፡ መዳከምን መወድኢ ግዜን ስለዝኾነ፡ ሸለል ዝብሃሎ ኣይኮነን።  ክሒዱ ብጭብጢ ዝርታዕን፡ ባዕሉ ኣሚኑ ዝናሳሕን፡ ኣብ ዝወሃብ ፍርዲ ዓቢ ፍልልይ ስለዘለ ዎ ፡ ጉዳይካ ተጽብብን ተትርርን ባዕልካ ምዃንካ ፈሊጥካ ክትምልስ ነዘኻኽረካ። ናብ ሕቶና ክንምለስ።  እዚ ኩሉ ንጽርግያታት ዝተኸፍለ ገንዘብ፡ ናይ መን ኢዩ? 

ኢሳያስ፡   ናይ ኤርትራ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ኤርትራ ማለት፡ ብእምንን ገረብን፡ ብሓመድን ማይን ዝተሰርሐት ውሱን ጂ ኦግራፊያዊ ዶባት ዘለዋ፡ ነገር ኢያ። ዝኾነ ነገር ኣይትውንን ኢያ። ኣብ ዝኾነ ሃገር፡ ላም ዋና ኣለዋ። ኣድጊ ዋና ኣለ ዎ ። ብዕራይ ዋና ኣለ ዎ ። ጤል ዋና ኣለዋ። ማኪና ዋና ኣለዋ። ገዛ ዋና ኣለ ዎ ። መሬት'ውን ዋና ኣለ ዎ ። ስለዚ፡ እዚ ገንዘብ ናይ መን ኢዩ?

ኢሳያስ፡  ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ፍልልይ ዘለ ዎ  ግን ኣይመስለንን። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ኤርትራ ናይ መን ዲያ? መን ድዩ ዝውንና ንኤርትራ? ኣብ ሞንጎ ዋናን ንብረትን ፍልልይ የልቦን? ኤርትራ ኢያ'ምበር ናይ ህዝቢ፡ ህዝቢ ናይ ኤርትራ ኣይኮነን። ኣብ ሞንጎ ሃገርን ህዝብን ዘሎ ፍልልይ ተገንዚብካ ክትምልስ ግቡእካ ኢዩ።  ስለዚ፡ እዚ ንጽርግያታት ዝተኸፍለ ገንዘብ፡ መን የመሓድሮ ኔሩ?

ኢሳያስ፡  መንግስቲ ኤርትራ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ንመንከ ይኽፈል ኔሩ?

ኢሳያስ፡   ነተን ዝሰርሓ ኩባንያታት 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብመን ዝቖመ ኢዩ ኔሩ?

ኢሳያስ፡  ብህግደፍ

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  እዘን ኩባንያታትከ ናይ መን ኔረን?

ኢሳያስ፡  ናይ ህግደፍ

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ህግደፍ ከ መን ኢዩ ኔሩ?

ኢሳያስ፡  ኣነ

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ስለዚ፡ እቲ ጽርግያታት ሰሪሕካ ዝተኣከበ ገንዘብ፡ ተኣኪቡ መሊሱ ናባኻኢዩ ዝምለስ ኔሩ። ክንደይ ኢካ ኢልካዮ?

ኢሳያስ፡  ልዕሊ ቢልዮን ቅርሺ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  እዚ ገንዘብ'ዚ፡ ኣበይ ኣሎ ሕጂ?

ኢሳያስ፡  ኣቶ ሓጎስ ገብርሂወት ይፈልጥ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ሕራይ። ኣቶ ሓጎስ ብግዜኡ ክሳብ ዝሕተተሉ፡ ንስኻ ትፈልጦ ነገር እንተሎ ክትነግረና ትሕተት ኣለኻ። 

ኢሳያስ፡  ገለ ክፋሉ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ቀሲኖም ሰራዊት ክመርሑን ንሃገር ካብ ወራሪ ክከላኸሉላን ወርሓዊ ተወሳኺ ገንዘብ ይወሃቦም ኔሩ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ንሃገር ተኸላኪሎምላ ድዮም? ገለ ተባዓት ኣዘዝቲ፡ መምርሒካ ጥሒሶም ብዝወሰድ ዎ  ውልቃዊ ተበግሶ ዝደሓነ ዓሰብን ዓዳዃላን እንተዘይኮይኑ፡ ካብ ህግደፍ ገንዘብ ተኸፊሉ ንሃገር ዝተኸላኸለ መራሒ ኣሎ ድዩ? ኣበይ ኣሎ እቲ ምክልኻል ሃገር ትብሎ?

ኢሳያስ፡  ወያኔ ኣስመራ ክኣትዉ ዘይምኽኣሎም፡ ምክልኻል ኢየ ዝብሎ ኣነ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ሓቅካ። ምክልኻል ሃገር፡ ከም ምክልኻል ስልጣንካ ጌርካ ትርእዮ ስለ ዝነበርካ ድዩ? ንስኻ ካብ ስልጣን ክሳብ ዘይወረድካ፡ ሃገር ድሒና ማለትካ ድዩ?  ድሓን ግን፡ ንሱ ይጽንሓልና ሕጂ። ባዕልኻ ክታምካ ዘስፈርካሉ ስምምዕ ኣልጅርስ፡ ሰራዊት ኤርትራ፡ 25 ኪሎሜትር ኣብ ውሽጢ ሃገሩ" ሰራዊት ኢትዮጵያ ግን፡ ኣብቲ ዶበይ ዝብሎ ክዓርድ ዝከኣለ ስለምንታይ ድዩ? ንስኻ፡ ንምኩራት ክኢላታት ኲናት ኣደስኪልካ፡ ምስ ዋርድያኻ ተስፋልደትን ወዲ ካሳን ኮይንካ፡ ኣብ ዝመራሕካዮ ኲናት  ሰራዊት ኤርትራ ፈጺሙ ስለዝተሳዕረ ዶ ኣይኮነን? እቲ ኲናት፡ ብከመይ ድዩ ደው ኢሉ? ንስኻ ትመርሖ ዝነበርካ ሰራዊት ኤርትራ ድዩ ብሓይሊ ኣምበርኪኹ ወያኔ ክፍርሙ ዎ  ኣገዲዱ ዎ ም? ዶ፡ ወያኔ ነቲ ዘሰሓሕብ ቦታት ኩሉ ሒዞምስ፡ ሲሶ መሬት ኤርትራ ብሓይሎም ምስ ተቖጻጸሩ ብዝበልኩምና ሕራይ ኢልካ ስምምዕ ስለዝፈረምካሎም? እዚ ኢዩ እቲ “ተዓዊትና” ኢልካ ህዝቢ ዘደናገርካሉ ዓወት? 

ኢሳያስ፡  ኣብ ሓደ ኲናት ተደፊእካ ማለት ተሳዒርካ ማለት ኣይኮነን። ትርጉም ውግእ ከምኡ ኣይኮነን። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ኣነን ንስኻን፡ ንኩናትን ውግእን፡ ብማዕረ ኢና ንፈልጦ። ዝያዳኻ ተዋጊአ ፡ ሕልፍኻ ውግእ መሪሐ። ከም ውጽኢት ድማ፡  ልዕሌኻኣመራርሓ ኲናት እፈልጥ። ክንዲ ዝኾነ፡ ብቕዓቶም ዝተረጋገጸ ክኢላታት ኲናት ብምድስካል፡ ይንፋዕ ይሕመቕ ፡ ሚኒስቴር ምክልኻል ስብሓት ኤፍሬም እናሃለወ፡ ተስፋልደት ዋርድያካን ኣብርሃ ካሳን ኣወሃሃድቲ ጌርካ ዝምራሕ ኲናት ውጽኢቱ፡ ዕረ ዝጥዕም ስዕረት ከም ዝኾነ እፈልጥ። 

ስለዚ፡ ኣርእስቲ ከይነግፍሕ፡ ነቲ መሳርሕተይ ዘቕረቡልካ ሕቶ፡ መልክዑ ቀይረ ክሓተካ። ወያኔ ዶብና ጥሒሱ ሲሶ መሬት ኤርትራ ክቖጻጸር ከሎ፡ ኣዛዚ ግምባር ባድመ መን ኔሩ? 

ኢሳያስ፡   ፊሊጶስ ወልደሃይማኖት 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ግምባር ዛላምበሳኸ?

ኢሳያስ፡   ገረዝጊሄር ዓንድማርያም - ውጩ 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ግምባር ዓዲ ዃላ?

ኢሳያስ፡  ዑመር ጠዊል

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ግምባር ቡሬ ዓሰብ?

ኢሳያስ፡  ሃይለ ሳሙኤል - ቻይና

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ላዕለዋይ ኣዛዚ ኩሉ ግምባራት ከ?

ኢሳያስ፡  ሚኒስቴር ምክባኻል ስብሓት ኤፍሬም 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ባሕርን፡ ኣብ ትሕቲ ስብሓት ኤፍሬም ድየን ኔረን?

ኢሳያስ፡  ኣይነበራን

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ኣብ ትሕቲ መን ኔረን?

ኢሳያስ፡  ብቀጥታ ኣብ ትሕተይ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ግርም። ግምባር ባረንቱ ብምፍራሱ፡ መን ይሕተት?

ኢሳያስ፡   ፊሊጶስ

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ግምባር ዛላምበሳ ብምፍራሱ መን ይሕተት?

ሳያስ፡  ውጩ 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ግምባር ዓዲዃላ ብምድሓኑ መን ይሙጎስ?

ኢሳያስ፡  ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ስለምንታይ? በብሃህላኽ፡ ስዕረት ዋና ኣለዎ ። ዓወት ግን፡ ዋና ኣይብሉን? ዝተሳዕሩ ኣሽማቶም ሂብካ ተሓተቲ ኢዮም ካብ በልካ፡ ዝሰዓሩ ከ ኣሽማት የብሎምን?

ኢሳያስ፡  ነቲ ግምባር ዝመርሕ ዝነበረ፡ ዑመር ጠዊል ኢዩ።  እንተኾነ፡ እቲ ንጸላኢ ዝሓምሸሸ ብርእሲ ምራኽ ዝምራሕ ክፍለ ሰራዊት ብትእዛዘይ ኢዩ ናብቲ ቦታ ከም ዝመጽእ ዝተገብረ

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ርእሲ ምራኽ ግን፡ ትእዛዝካ ኣደናጉዩ ኣንፈት እቲ ኲናት እንተዘይቅይሮ፡ ካብ ዓዲ በጊዖ ከዝልቕ መምርሒ ኣመሓላልፊካ ከም ዝነበርካ ዓሰርተ መሰኻክር ዝፈረሙሉ ሰነድ ምሳና ኣሎ። ሓቂ ድዩ? ሓቂ እንተኾይኑ፡ ብውጽኢት እቲ ኲናት መን ኢዩ ተነኣዲ?

ኢሳያስ፡  ኣብ ህዝባዊ ግንባር ባህልና፡ ንከምዚ ዓይነት ትዕቢት ከበግስ ዝኽእል ጉዳይት ኣይንደፍኣሉን ብምንባርና ዘንጊዐ'ምበር፡ ርእሲ ምራኽ ኣ ዎ ንታዊ ተራ ከም ዝተጻወተ ሓቂ ኢዩ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ድኣ፡ ኣይኮነን ኣብ ዓወታት ኲናት ተራ ዝነበሮ፡ እቲ መንነትና ዝኾነ ዓድናን ዓውድናን እንዲኻ ኣህሲስካዮ ኔርካ። እዚ ግን፡ ሱር መሰረቱ ተፋሒሩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብንጹር ንክፈልጦ ነብሱ ዝከ ኣለ መድረኽ ሕቶን መልስን ስለዘለዎ ፡ ንስገሮ። 

ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ሓደ ካብ መበገሲ ሓርነታዊ ኲናት ሰላሳ ዓመታት ዝኾነ ወደብ ዓሰብ፡በ ወያኔ ከም ድሌቱ ክገብሮ ገዲፉ፡ ሓለዋኻን መንግስትኻን ክኸውን ናብ ከበሳ ክመጽእ መምርሒ ኣመሓላልፊካ ዶ ኣየመሓላልፍካን?  

ኢሳያስ፡  ሓለዋይ ክከውን ኣይነበረን'ምበር፡ እወ ኣመሓላፈ ኔረ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ዓሰብ ንወያኔ ክትገድፈሎም ሓሲብካ ኔርካ? ድሓር ድኣ ከመይ ኮነ? 

ኢሳያስ፡  እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣዘዝትን ሰራዊትን፡ ኤርትራዊ ኒሕን ሓቦን ተዓጢjም፡ መዳፍዕን ታንክታትን ዘይብሎም ንጸላኢ ኣብ ጎላጉል ሓምሺሾሞ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ግርም። በዚ ዓወት'ዚ፡ መን ይሙገስ? ንስኻኸ በቲ መምርሒካ እሕተት ኢየ ዶ ትብል ኣይትብልን?

ኢሳያስ፡  ከም ዝሰማዕኩ ዎ ፡ ቻይና ከም ኣዛዚ ግምባር መጠን፡ ዑስማን ሳልሕ ድማ፡ ከም ኣዛዚ ክፍለሰራዊት መጠን ዝተጻወቱዎ  ተራ ዕዙዝ ኢዩ።  እቲ ዓወት ግን፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ንምንታይ ኢኻ ሰብ ክትንእድ ትፈርሕ? ሰብ ከም ድሌትካ ክትጸርፍ፡ ክትዘልፍ ከለኻ ዘይሰምዐ ኤርትራዊ የልቦን። ሰላዪ፡ ተሰዓሪ፡ ተምበርካኺ፡ ትሕተ ሃገራዊ፡ ከዳዕ፡ ወገናዊ፡ ዝብል ጸርፍታት ክትደጋግሞ ዘይሰምዐ ኢርትራዊ የለን። ክትንእድ ግን፡ ኣይተሰማዕካን። እንታይ ኢዩ ጸገምካ?

ኢሳያስ፡  ባህልና ኣይኮነን። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ሰብ ክደርፈልካ፡ ንስኻ ትቖጻጸሮ መራኸቢ ብዙሓን ክንእዳካ፡ ቅኑዕ መራሒና ክብላኻ፡ ስምካ ከዕብያ ከለዋ ግን፡ “ኣይባህልናን ኢዩ፡ ግደፉ ” ኣይበልካን። ሓቀይዶ?

ኢሳያስ፡  ኣነ ጋዜጣ ኣምቢበ፡ ሪድዮ ሰሚዐ ኣይፈልጥን ኢየ። ባዕሎም ዝበሉ ዎ  እንተዘይኮይኑ፡ ኣነ ዝፈልጦ ኣይኮነን። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ባዕልካ ግን፡ ሰላዪ፡ ተሰዓሪ፡ ተምበርካኺ፡ ትብል ኔርካ። እቲ ዝበልካዮ'ሞ፡ ሓቅነቱ ብዘየገድስ፡ ከም ክዉን ንውሰዶ።  “ኣምበሳ፡ ተባዕ፡ ቅኑዕ፡ በዓል መትከል” ክትብል ከ ንምንታይ ዘይትክእል? ንዓኻ ክትወስዶ ስለዝደለኻን፡ ኣብ ኤርትራ ብዘይካካ ዝና ረኺቡ ስሙ ክገንን ትደልዮ ሰብ ስለዘይነበረ ድዩ? ኣብ ካልእ ኬድና ኣርእስቲ ከይነግፍሕ፡ ናይ ዓሰብ ኣብነት ንውሰድ። ንቻይናን ሳልሕ ዑስማንን ዘይነኣድካ፡ ንመን ክትንእድ ደሊካ?

ኢሳያስ፡ ብውልቀይ ንኢደዮም ኢየ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ጸርፊ፡ ኣብ መጋባእያ ካብ ዘየሰከፈካ፡ ናእዳ ኣብ መጋባኣያን መራኸቢ ብዙሓንን ንምንታይ ኣሰኪፉካ? ድሓን ግን ሕጂ፡ መድረኽ፡ ንመሳርሕተይ ክገድፈሎም። የቐንየለይ። 

(ኣቦ መንበር ሽማግለ ምጽራይ፡ ዓንተቦ ናብ ዝሓተቶ ሕቶ ይምለስ)

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ኣቶ ኢሳያስ፡ ከም እምነትካ፡ ኣብ ሓንቲባንዴራ ዘለዋ ልኡላውነታ ብባንዴራ ዘረጋገጸት ሃገር፡ ውሕስነት ሃገር ብከመይ ኢዩ ዝረጋገጽ?   

ኢሳያስ፡  ንሃገሩ ዝከላኸል ውፉይ ሰራዊት ብምህላው። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ግርም። ውፉይ ሰራዊትከ ብከመይ ይርከብ?

ኢሳያስ፡   ሃገር ቅድሚ ኩሉ ምዃና እንተፈሊጡ፡ ንዓዱ ክከላኸል ድሉው ኢዩ ማለት ኢዩ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ “ዓዲ እንጅራካ ኢዩ ዓድካ” ዝብሃል ምስላ ሰሚዕካዮ ዶ ትፈልጥ?

ኢሳያስ፡   እወ።  ግን፡ ቅኑዕ ኣበሃህላ ኣይመስለንን። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ቅኑዕ ኣይመስለካን? ኣቦታትካ፡ ካብ ትግራይ ዝመጹ ምዃኖም ትኣምን ዶ? 

ኢሳያስ፡   እወ። ግን ንሱ እንታይ ዘራኽብ ኣለዎ  ምስ ውሕስነት ሃገር?

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ኣቦታትካ ንምንታይ መጽዮም ንኤርትራ? ሓሲብካሉ ዶ ትፈልጥ? ተጋዳላይ ስለዝነበርካን ንምንታይ ከም ዝተጋደልካን ምኽንያት ኣለ ዎ ። ኤርትራ፡ ናጻ ሃገር ክትከውን መሰላ ስለዝነበረን፡ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኣምሓራ ምንባር ንዕቤት ኤርትራውያን ከም ዘይኮነን፡ ሕሱም ብምንባሩን፡ ባህልናን ሕግናን ኣኽቢርና ንበይንና ክንነብር መሰልናን ዘሕጉሰናን ስለዝኾነ ኢዩ ይመስለኒ። ሓቀይ ዶ?

ኢሳያስ፡    እወ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ስለዚ፡ ኩሉ ነገር ምኽንያት ከም ዘለዎ  ካብ ኣመንካ፡ ኣቦሓጎካ ንምንታይ ካብ ትግራይ መጺ ኡ? ስለምንታይ ካብ ኣብ ትግራይ ምንባር፡ ኣብ ዘይዓዱ፡ ምሉእ መሰል ወደባት ኣብ ዘይረኽበሉ ዓዲ ክቕመጥ መሪጹ? ምኽንያት ኣለ ዎ  ዶ ትብል? 

ኢሳያስ፡  ምኽንያት ዘይብሉ ነገር እሞ ኣይግበርን ኢዩ። እቲ ምክንያት ግን፡ ኣይፈልጦን ኢየ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  እሞ እቲ ምክንያት ኣቦሓጎኻ እንታይ ኢዩ ኢልካ ወላ ንሓንቲ ደቂቕ ሓሲብካሉ ኣይትፈልጥን? ሃዲሙ ድዩ መጽዩ ኣቦሓጎኻ?

ኢሳያስ፡  ኣይመስለንን። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ሃዲሙ ካብ ዘምይመጸ፡ ከምቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ዓለም ዝርአ፡ ብገለ ምኽንያት ኢዩ ተሰዲዱ። ሕጂኸ እታ “ዓዲ እንጅራካ ኢዩ ዓድኻ” ትብል ምስላ ጌጋ ኢያ ዶ ትብል? 

እንጅራ ማለት ድማ፡ ምናልባት ከይትዝንግዖ፡ ናብ ከብዲ ዝኣቱ ጥራይ ኣይኮነን። ሰላም፡ ቅሳነት፡ ሓጎስ'ውን እቲ ንወዲ ሰብ ማዕረ እንጅራ ዘድልዮ ናይ ሕልናን መንፈስን እንጅራ ኢዩ።  እንታይ ይመስለካ?

ኢሳያስ፡  ከምኡ ማለት እንተኮይኑስ፡ ቅኑዕ ኣለካ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ግርም።  ስለዚ፡ ውሕስነት ሃገር ውፉይ ሰራዊት ካብ ኮነ፡ ውፉይ ሰራዊት ዝርከብ ድማ፡ ሃገር ቅድሚ ኩሉ ምኳና ስለዝፈለጠ ዘይኮነ፡ ዓዲ ስጋውን መንፈሳውን እንጅርኡ ምኳና ብግብሪ ምስ ዝርእያ ኢዩ ይመስለኒ። እንተዘይኮነ፡ ብገለ ምኽንያት፡ ዘይሕጎሰላ፡ ቅጫ ዘይረኽበላ ዓዲ ምስ ትከውን፡ ከምዚ ኣቦሓጎታትካ ዝገበሩ ዎ ፡ ዓዲ ኢዩ ዝቕይር።  

ሓቀይዶ? 

ዓዱ ንዝገደፈ፡ ከዳዕ እንተይልካዮ፡ ፈለማ፡ ክድዓት ኣቦሓጎታትካ ክትኣምን ኣለካ። ኖኖ፡ ኣቦሓጎታተይስ ምኽንያት ኣለ ዎ ም እንተይልካ ድማ፡ እዚ ኣብ ንግስነትካ ናብ ስደት ዝኸደ ሰብ፡ ምኽንያት ኣለ ዎ  ማለት ኢዩ። ከዳዕ ኣይኮነን ማለት ኢዩ። 

እቶም ንማልታ ተሰዲዶም ምስ ተኣስሩ፡ ኣምጺኻ ዝኣሰርካዮም ዜጋታት፡ ብቁዕ ምክንያት ኔሩ ዎ ም ኢዩ ማለት ኢዩ።  ብገለ ምኽንያት ዘይትሕጎሰሉ ዓዲ ገዲፍካ ምዃድ ንቡር ምዃኑ፡ ንስካ ቅድሚ ዝኾነ ትፈልጦ። ስለዚ፡ ርሑቕ ከይከድና፡ እቶም ኣብ ኣስመራ ናብ ስድርኦም መጽዮም፡ ናብ ግምባራት ክምለሱ ዘይደለዩ፡ “ሸፋቱ” ዝበልካዮም ኤርትራውያን፡ ሸፋቱ ዘይኮነስ፡ ስለዘይተሓጎሱ ዶ ኣይመስለካን? 

ኢሳያስ፡  ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝሃደሙ፡ ዓዲ ብወያኔ ክትውረር ዘይግድሶም ስለዝኾኑ፡ ንዓይ ከድዓት ኢዮም። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ኩሉ ነገር እኮ፡ ዶብ ምስ ዝህል ዎ  ኢዩ።  ክሳብ መዓስ ከገልግል? ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ቅኑዕ ድዩ ጌጋ ብዘየገድስ፡ ን18 ኣዋርሕ ጥራይ ኢዩ ኔሩ።  ብድሕር'ዚ ግን፡ ደሞዝ ክትከፍሎ ኔሩካ።  ኣብ ዓም ሓንሳብ ንዝነብር ወዲ ሰብ፡ ንስኻ፡ ደሞዝን መላይን መጻወቲ ገንዘብን ዓቲርካ፡ ከም ንጉስ ቀይሕን ጸሊምን እናማረጽካስ፡ ወዲ ሰብ፡ ብሃገራዊ ስምዒት ከተስርሖ ደሊኻ? ንስኻ እኮ ኢኻ፡ ልዕሊ ዝግብኦ ብብላሽ ክትገዝኦ ስለዝደለኻ፡ ጠንቂ ሽግር።  ንስካ ኢኻ ቀዳማይ ገበነኛ፡ ብፍቃድካ ሕጊ ዝጠሓስካ። ድሓሪኡ ዝመጽእ ኩሉ፡ ሳዕቤን ኢዩ።  ኣይመስለካን?  ንሰሙን -ንወርሒ" ንዓመት፡ ክሳብ ንዓመታ ክረምትስ፡ ወላ ሕራይ ብነጻ ኣስርሓዮ።  ግን ክሳብ ክንድዚ ዓመታት? ድሕር ድማ፡ ጥውይ ኢልካ ሽፍታ ትብሎ? ንስኻእኮ ኢኻ ሰልዲ ዘምጽእ መንግስቲ ስለዘይብልካ፡ “ንዓ ብብላሽ ባርያይ ኩን” ትብሎ ዘለኻ።

ሓቀይዶ? 

ንስኻ፡ ሓሚምካ እስራኤልን ዓዲ ጥልያንን ኬድካ ክትሕከም፡ መሳኪን ኣገልግሎት፡ ዒራ ዘይደቅካ፡ ግቡእ ሕክምና ስኢኖም፡ ኣብ ሰሙን ዕስራ ሰላሳ ይሞቱ ኔሮም። ስድራ ቤትካ ሒዝካ ኣብ ናይ መላይን ዶላራት መዘናግዒ ክትስዕስዕ፡ ምሸታዊ ኣብ ባራት ፋዕ ክትብል ከለካ፡  ንወዲ ሰብ፡ ደቁን ወለዱን ደርብዩ ብብላሽ ንሃገር ክከላኸል ትደልዮ? እሞ ክንድ'ዚ ዓመታት? 

ደቁ ዝሓርሰሎም ዘይብሎም፡ ንሓረስታይ፡ ቀለብ ሰሙን ሂብካ ወተሃደር ክትገብሮ'ሞ ዝዓበየ ነውሪ።  እንታይ ኢዩ እምነትካ ኣብዚ? ስለምንታይ ብሓደ ንዝመውት ሰራዊት ብደሞዝን ብዘይ ደሞዝን ትፈላልዮ? እዚ ድኣ እሞ፡ “ግራተይ ዝሓርስ ዘይብላ" ኣደይ ዝቕልብ ዘይብላ” እናበለ ስክፍታ ድሕሪት ዘማህመኖ ዜጋ ጌርካስ፡ ዶብ ሃገር ዝከላኸል  “ውፉይ” ሰራዊት ዶ ክትሃንጽ ትኽእል? እቲ “ሃገር ቅድሚ ኩሉ” ዝብል ኣበሃህላኻ ድኣ ፡ ጌጋ ከይከውን? እሂ ኣቶ ኢሳያስ?

ኢሳያስ፡ ንሕና እዚ ዝሓለፈ ውግእ፡ ክሳብ ክንድዚ ዝጸንሕ ኣይመሰለናን። ምስ ነውሐ ግን፡ ካብ ምዕዳግ ኣጽዋር ሓሊፉ፡ ንኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ምሉእ ደሞዝ ክንገብረሉ ዘኽእል ሰልዲ ኣይነበረናን። እምበር፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ብተደግጋሚ ዝሓተቱሉ ሕቶ ስለዝነበረ፡ እፈልጦ ኔረ ኢየ።  ግን፡ ዓቕሚ ኣይነበረን። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ዓቕሚ ኣይነበረን ዶ ኢልካ? ዓቕሚ ካብ ዘይብልካ፡ ምምራሕ ሃገር ከቢዱካ ከም ዝነበረ መረጋገጺ ዶ ኣይኮነን? ብምንታይ ድዩ ዝዕቀን መራሒ? 

ኣብ ግዜኻ፡ ወዲ ሰብ ንቡር ህይወት ክህል ዎ  እንተዘይክኢሉ፡ ንምንታይ ዘይተልግሰሉ? 80% ኣፍራዪ ዜጋ ሃገር ብርብዒ ደሞዝ ተራ ወተሃደር ካብ ትገዝኦ፡ “ኣነ ክገብራ ዝኽእል ጌረ ኣለኹ። ካብዚ ዝሓሸ ክገብር ዝኽእል እንተሎ፡ ይረከበኒ!” ንምንታይ ዘይትብል? ወረግ ድሓን ከምኡ ኣይትበል። “ምርጫ ግበሩ። ንዓይ እንተመሪጽኩም፡ ኣካይዳይ ትርእዩዋ ኣለኹም። እንተፈቲኹምኒ፡ እቕጽል። ኣይፈተኹምንን ድማ፡ ዝፈተኹሞ ብግበሩ፡” ንምንታይ ዘይትብል?

ኢሳያስ፡  ሎም ክርእዮ ከለኹስ፡ እወ ከምኡ ክብል ኔሩኒ።  ሽዑ ግን፡ ስጉምተይ ቅኑዕ ኢዩ ኔሩ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ኣየናይ ስጉምትኻ ኢዩ ቅኑዕ ኔሩ?

ኢሳያስ፡  ደርጊ ግሂጹ ዓጽሚ ንዘትረፋ ሃገር ስለዝተረከብኩ፡ ምሉእ ደሞዝ ከይከፈልና ሃገርና ክንከላኸል'ምበር ምርጫ ኣይነበረን። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ኣብቲ ትብሎ ዘለኻ ግዜ ግን፡ ንነብሲ ወከፍ ኣዛዚ ኮርን ምኽትሉን፡ ብገንዘብ፡ ሓምሳ ኣገልግሎት ምሉእ ደሞዞም ዘኽፍሎም ኣሽሓት፡ ብዊስኪን ኣስቤዛን ድማ፡ ሓምሳ ስድራቤታት ዝቅልብ ወርሓዊ መቁነን ይወሃቦም ኔሩ። ሓቀይ ዶ? 

ኢሳያስ፡ ንሱ፡ ዝኾነ መንግስቲ ዝገብሮ ሓለፋ ኢዩ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ዶ? ብዘይ ደሞዝ ንሓረስቶት 10 ዓመት ብጥርሑ ዘገብራ መንግስታት ከ ርኢኻ ዶ ትፈልጥ? 

ንኣዘዝቲ ሰራዊት ኣሽሓት ምብታን፡ ዝኾነ መንግስቲ ዝገብሮ ሓለፋ ኢዩ ካብ በልካ፡ እቲ ዝኾነ መንግስቲ ዝገብሮ ደሞዝ ከ ንምንታይ ትርስዖ? ዶ ንጡረታ ሰሪዝካ፡ ሃገር ብቅለቱኒ ከም ዘንበርካያ፡ ኣብ ወ ጻኢ ዘሎ ቤተዘመድ ይቕለተን ስድራቤታት ኣገልግሎት ኢልካ ኢካ? 

ኢሳያስ፡  ደሞዝ ክኽፈል ጸሊአ ኣይኮንኩን። ዓቕሚ ስለዘይነበረ ኢዩ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ዓቕሚ እንተዘይነበረ፡ ተባላሓቲ ክፈትሖ፡ ካብ ስልጣን ተልግስ።  ምሽ ኤርትራዊ ተጋዲሉ ዘምጽ ኦ ሃገር ኢዩ? ንጉስ ከም ዘይኮንካ ድማ፡ ኣብ ምፍላም እዚ ሕቶን መልስን ተዛሪብካ ኢካ። ስለዚ፡ እቲ ስልጣን ናይቲ ዝተጋደለ፡ ኣእላፍ ደቂ ዝኸፈለ ህዝቢ ዶ ኣይኮነን? ዶ ንስካ ሊቀ ሊቃውንቲ፡ ልዕሊ ሕጊ፡ ነባሪ ፕረዚደንት ኢኻ? 

ኢሳያስ፡  ኣነ፡ ክግበር ዝከኣል ዝነበረ ምብልሓት ኣይተራእየንን። ስለዚ ድማ፡ ከም ኩነታቱ፡ ፕረዚደንት ኮይነ ሰሪሐ። ሕጂ ግን፡ ከም ዝተጋደልኩ'ውን ዝተዘከረ ኣይመስለንን። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ከም ዝተጋደልካ? ንሱስ ተዘኪሩ ኣሎ። ብኡ መጠን ግን፡ ማዕሬካ ንዝተጋደሉ፡ ከድዓት ኢልካ ብሰንሰለት ኣሲርካ ኣብ ጋህሲ ምድርባይካ'ውን ይዝከር ኢዩ። ጉዳዩ ግን፡ ናብ ዳኛ ዝግደፍ ስለዝኾነ፡ ኣብ ቅድሚ ዳኛ ቀሪብካ፡ እንተደሊካ ብጠበቓኻ፡ እንተደለኻ ባዕልኻ ክትማጎት መሰልካ ኢዩ።  ንስካ፡ ባዕልኻ ከሳሲ ባዕልኻ ዳኛ ኮይንካ ንሰብ ኣብ ፍርዲ ከየረብካ ዓሰርተ ዓመት ምእሳር ልማድካ ኢዩ ኔሩ።  ንሕና ግን፡ ኣቦታትና፡ ንስኻን መሰልካን መጺኹም ክሳብ ትጉሕፉ ዎ ፡ ወረጃ ሕጊ ስለዝነበሮም፡ ብቀንዱ ድማ፡ ቅዋምና ብዝእዝዞ መሰረት፡ ነዚ ህዝቢ ዝዕዘቦ ዘሎ ምጽራይ ወዲእና፡ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ከነቅርበካ ሕጊ ስለዝእዝዘና፡ መሰልካ ሕሉው ኢዩ። 

ስለዚ፡ ናብ ካልእ ክንሰግር። 

ወዮ ድኣ፡ ሰብ ካብ ብዘረብኡስ፡ ብግብሪ ምፍራዱ ከም ዝበልጽ ፍሉጥ ኢዩ'ምበር፡ ናብ ንስኻ ትብሎ ዝነበርካ ክመልሰካ። ወተሃደራዊ ብቕዓትካ፡ ካብ ሓንሳብስ፡ ኤርትራ ምስ ተሳዕረት፡  ብድርብ ደጋግም ተረጋጊጹ ኢዩ። ናይ ሎጂስትክስ ክእለትካ፡ ኣብ ሳልሳይ ወራር፡ ሰራዊት ጥይት ዝቅርበሉ ስኢኑ  ብእምኒ ተዋጊኡ ምስ ተሳዕረ ተነጺሩ ኢዩ። ስነምግባርካ፡ ባራት ጎደናታት ኣስመራ ይግለጹ ዎ ። ጠባይካ፡ ዘላፊ መልሓስካ ዝበሎ ስኑድ ኢዩ። ተግባርካ ድማ፡ እንሆ፡ ስለወግዒን ኣገባብን ተጻርዩ ክረጋገጽን፡ ነቲ ዘይቁጸር ዝመስል ገበናት፡ ወላ ክሳብ ሚልዮን፡ ሓደ ክልተ ኢልካ ንምዝርዛሩ ኣብ ዝግበር ፈተነ ንርከብ ኣለና። ሕጂ ግን፡ ናብ ካልእ ዓቢ ኣርእስቲ ከስግረና ዝተወጠነ ሕቶ ኢየ ክሓተካ። 

እዚ ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ባዕልኻ ትጭርሓሉ “ነብስኻ ምኽኣል” ዝብል ንስኻ ትደጋግሞ ዝነበርካ ዘረባ ኢዩ። ግዜኡ ኣብ ሓለዋ ሃገር ስለዝውዕል፡ ነቲ ፈጺሙ ዘየፍሪ ወተሃደርን ወጻኢታቱን ንምሽፋን፡  ገለ ክሓርስ" ገለ ክቕጥቅጥ" ገለ ክጽሕፍ - ክነድቕ፡ ገለ ድማ፡ ብሕሱር ጉልበት ኣፍርዩ ናብ ወጻኢ ሃገራት ክልእኽን ሃብቲ ሃገር ከዕብን ነገራት ብምጥጣሕ ድዩ ነብስካ ዝከኣል ወላ ብከመይ? 

ብከመይ ኢዩ ሃገር ነብሳ ንክትክእል ዝምራሕ?  ሓራሲ ኣይገደፍካ ኣፍራዪ፡ ንኩላ ጠበንጃ ኣሰኪምካ ኣብ ግምባር እንተብሊኻያ ድዩ ነብስካ ዝከ ኣል? ብከመይ ኢዩ “ነብስካ ምኽኣል” ዝትግበር? ስርናይ ብምልማን? ኣብ ወጻ ኢ ንዝነብር ህዝቢ፡ ብምፍርራሕ ዘይሕጋዊ ግብሪ ብምእካብ? 

እዚ ድኣ'ሞ፡ መን ዘይክእሎ? ምልማን? ዘይገንዘብካ፡ ንሰብ ኣፈራሪሕካ ብምርሳይ? መሬት እንዳማትካ መንዚዕካ፡ ብዶላር ብምሻጥ? ዋጦት ዓዲ፡ ዕስራ ዓመት ዝበለየ ሕሉፍ ቅያ ሰማእታት ነጊሮም ሰልዲ ክእክቡ ብምውፋር?

እዚ ድኣ መን ዘይክእሎ? 

ምልማን ንዘየሕፍሮ፡ ቀሊል ኢዩ።  ንዓይ ከምዚ ከማይ ግን፡ ብርሃጽካ ምንባር ኢዩ ሓበነይ። ምውጣይ፡ ንዓካ፡ ፋብሪካ ሰልዲ ምኳኑ ተራእዩ ኢዩ።  ንዓይ ግን፡ ምውጣይ፡ ነውሪ ኢዩ።  እቲ ኮይኑ እቲ ግን፡ ሕልና እንተዘይቀይዱ ዎ ፡ ምልማንን ዘይመሬትካ ምሻጥን ዘይክእል ሰብ ኣብ ዓለም ኣሎ ድዩ? እዚ ኢዩ'ሞ ከም መንግስቲ ትሰርሖ ዝነበርካ? 

ካብ መሸጣ ዝመንዛዕካዮ መሬት ዝተረኽበ እቶት እሞ ረስዓዮ።  ምኽንያቱ፡ እቲ መሬት ናይ ደቂባት ዋናታቱ ስለኾነ፡ እቶም መሬት ዝሸጥካሎም በለጸኛትት ረጎድቲ ቖርበት፡ ከምቲ ዝወጸ ቅኑዕ ኣዋጅ፡  ወይ፡ በቲ ዝህሉ ዋጋ ዕዳጋ መሬት፡ እንደገና ንዋና ክከፍሉ ኢዮም" ወይ ድማ፡ ወለንታን ሰልድን ካብ ዘይብሎም፡ መሬት ዓዲ ሃገር ምስ ጉሒላ ተጸጊዕካ ምርሳይ ሽፍትነት ስለዝኾነ፡ ዋና መሬት ነቲ ገዛወቲ ብነጻ ክወስዶ ኢዩ። 

ኣብ ስደት ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣገዲድካ ተኣከበ ዘይሕጋዊ ግብሪ ድማ፡ እቶም ከፈልቲ ግብሪ፡ ኣብ ዓዲ ሕጊ ተቐሚጦም፡ ብሕጊ፡ እምቢ ክብሉ እናኸኣሉ ዝኸፈሉ ዎ  ስለዝኾነ፡ ገንዘብ ዓሻ፡ ወላ ብላሽ እንተጠፍአ ኣይሕዘኖን ኢዩ።  

ስለዚ፡ እስከ ኣብርሃልና፡ ዘይመሬትካ ምሻጥን ምእካብ ዘይሕጋዊ ግብርን ገዲፍካ፡ ነብስካ ንምኽኣል” ንዝብል ጭርሖካ ንምትግባር ዝፈጸምካዮም ዕማማትን ዝሓንጸጽካዮ ትልምታትን? 

ያስ፡  ወያኔ ስለዝዓናቐፉ ዎ ፡ ኩሉ ዝተሓስበ መደባት፡ ክትግበር ስለዘይከኣለ'ምበር፡  ብዙሕ መደባት ኔሩ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ኣብነት ዶ ክትህበና?

ኢሳያስ፡  በብሚኒስትሪኡ ተሓቲቶም እንተመለሱዎ  ዝበለጸ ክበርህ ዝክእል ይመስለኒ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ሕራይ።  እቶ ሕቶ ግን፡ ክትምልሶ ትሕተት ኣለካ። ኣብነት ሃበና። 

ኢሳያስ፡   ሕክምናታት ተሰሪሑ። ቤት ትምህርታት ተሃኒጹ። ዲጋታት፡ ከም ኣብነት ናይ ኣስመራ ተሃኒጹ። መምንጨዊ ሓይሊ ኤለትሪክ ሕርጊጎ ተሃኒጹ። መዕርፎ ነፈርቲ ባጽዕ ተሃኒጹ። ጽርግያትት ተሰሪሑ። ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ፡ ኣባይቲ ሰምበል ተሃኒጹ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ሕራይ። ዲጋ ኣስመራ ጽቡቕ ስራሕ ተሰሪሑ።  ምንጪ ሓይሊ ኤለትሪክ ሕርጊጎ'ውን፡ ብሓቂ ዝንኣድ ስራሕ ሰሪሕኩም። በዚ፡ ሞሳ ይግብኣኩም። 

ናይ ጽርግያታት ነገር፡ ግን፡  ኤርትራ፡ እንኮ በዓል ርእሰማል ከይረኸበት ተሰሪሑ ዝኣረገ ጽርግያታት፡ ርኢናዮ ኣለና። ሰረገላ ቅድሚ ፈረስ ዝብሃል እዚ ኢዩ። ኣልሜኖ፡ ነቲ ጽርግያ ክትጥቀመሉ ዝከኣለት ንእሽቶ ፋብሪካ መርፍእ'ውን እንተትህሉ፡ ጽርግያ ምስራሕ ምኽኑይ ምኾነ።  ሕጂ ግን፡ ረብሓን ክሳራን ዝተሰርሐ ጽርግያታት ስለዘይዛመድ፡ ገንዘብ ዓለማዊ ባንክን ካልእን፡ መመኽነይታ ጽርግያ ጌሩ፡ ነቲ ገንዘብ ክእክብ፡ ህግደፍ ዝመሃዞ ሚላ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ጠቕሚ የብሉን። 

ናብ ሕክምናታት ምስ እንሰግር'ውን ዝገደደ ኢዩ። ንስሩሕ ሕክምና ኢናይል፡ ክኸስበሉ ሓሲቡ መላይን ምስ ኣፍሰሰሉ፡ ቤት ጽሕፈት ሰለይቱ ክኾኖ ዝዓጹ ህግደፍ፡ ሓደሽቲ ክሰርሕ ከሎ መስሓቕ ጥራይ ኢዩ ዝኸውን። ሓካይም ከይተረፈ፡ ሕሙም ኣብ ክንዲ ዝሕክሙ፡ ተሰከምቲ ጠበንጃ ክኾኑ ንሳዋ እናወሰድካ፡ ሕክምና ምስራሕ፡ ዕላምኡ፡ ከም ምስጢረ ስላሴ ዘደናግር ኣይኮነን። ስሩሕ ዝፍንጥሑ" ክፉት ዝዓጽዉ እንድሕር ርኢኻ፡ ኣይትኣምኖምን ኢኻ። 

ስለዚ፡ ተለሚኑ ዝመጸ ገንዘብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብመመኽነይታ ሕክምናታት፡ ነጸ ጉልበት ኣገልግሎት ጌርካ ዝተሰርሐ ህንጻታት ዋጋ ጉልበት ከም ዝተኸፍሎ ኣምሲልካ ናብ ቖፎ ህግደፍ ንምእካብ ዝተማህዘ ሽርሒ ኮይኑ ኢዩ ተሪፉ።  ሕክምና ሰሪሕካ፡ ሓካይም ሃዲሞም ዓዶም ዝገድፉሉ ሃዋህው እንተፈጢርካ፡ ሕክምና ሰሪሐ ኢልካ ክትጅሃር፡ ምስሉይነት ኢዩ። 

ናይ ኣባይቲ ሰምበልዶ ገለዶ ዝብሃል ድማ፡ ወዲ ሰብ፡ ሓጎስ እንተለይ ዎ ፡ ወላ ኣብ ኣጉዶ፡ ኣብ ኣግነት፡ ኣብ ጥራይ ጎልጎል ክድቅስ ይክእል ኢዩ። ኣባይቲ ሰምበል፡ ኣብ ምቅላል ጸገም ኣባይቲ ጽልዋ እንተዝንበሮ፡ ክራይ ገዛ፡ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ኣይምነሃረን።  ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ሰባት ክዕድጉ ዎ  ዝተሰርሐ ገዛውቲ፡ ምስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝቢ ምትእስሳር የብሉን። ስለዚ፡ ማንም ሰብ ሓንቲ ሎታ ሂብካዮ ክሰርሖ ዝኽእል ኣባይቲ ሰሪሕካ፡ ሰሪሐ ክብሃል ኣይከኣልን። 

ስራሕ መንግስቲ ንዘይፈልጥ፡ ምናልባት፡ ገዛውቲ ምስራሕ ቁም ነገር ይመስሎ ይኸውን። ዝኾነ ሕሱር ኮንትሮባንዲስታ ዝገብሮ፡ መላይን ገንዘብ ኣዋፊርካ ስምስም ኢትዮጵያ ሸይጥካ ክትህብትም ምፍታን ውርደት ምዃኑ ንዘይፈልጥ፡ መንግስቱ ዝሰርሕ ዘሎ ይመስሎ ይኸውን። 

እዚ ግን፡ ስራሕ መንግስቲ፡ ምስላጥ" ዕንቅፋት ምእላይ" ወዲ ሃገር ረብሓ ክረክብ ምትብባዕ" ከፍሪ ምትብባዕ" ክሓርስ ምትብባዕ" መደብ ምሕንጻጽ" ምውጣን፡ ምዃኑ ንዘይፈልጥ ስሑው ጥራይ ኢዩ።  

ነቲ፡ ኣይምህሮ ኣየእምሮ፡ ኣብ ወጻኢ እናተቐመጠ ሰሪሑ ህይወቱ ማዕረ ዓለሙ ክገብራ ንዘይከኣለ መስኪን፡ እወ፡ ብርግጽ፡ መንግስቲ ገዛውቲ ክሰርሕ ከሎ፡ ሰሪ ዓቕሙ፡ ስራሕ መንግስቲ ንሱ ይመስሎ ይኸውን።  ምኽንያቱ፡ እቶም እንተጠመየ ብገንዘቦም ዘንብሩ ዎ  ህዝቢ፡ ከመይ ኢሎም ዓብዮም ስለዘይፈልጥ።  

ናይ ኣብያተ ትምህርቲእሞ፡ ዘረባ ኣብሉን። ሕልፈት መንእሰያት ሃገር፡ ካብ ሻሙናይ ክፍሊ ጅሚሮም ህግደፍ ከም ዝደለዮ ክግብሩ ዝነብሩ እንተኾይኖም፡ ትምህርቲ እንታይ ይዓብሰሎም? ባርያ ኮይንካ ንክትተርፍ፡ ትምህርቲ እንታይ ይገብረልካ? 

ሓደ ኣባሉ፡ 18 ዓመት መሊእካ ምንጋጋ ሳዋ ክሳብ ትቁርጥመካ፡ ስድራኻ ንምሕጋዝ፡ ሓረስታይ ምዃን፡ ወይ ድማ፡ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ፉልን ማስቲካን ምሽቃጥ ዶ ኣይሓይሽን? 

ስለዚ፡ መንእሰያት ሃገር ኣብ ባርነት ቀፊዱ ዝሕዝ መንግስቲ፡ ቤት ትምህርቲ እንተሰርሐ፡ ብምኽንያቱ ኢዩ።  ኩሉ ተለሚኑ ዝመጸ ገንዘብ ለገስቲ ሃገራትን መለቃሕትን፡ ብኢድ ኣዙር ህግደፍ ኢዩ ወሲዱ ዎ ።  ህግደፍ ድማ፡ መዛወሪ፡ ንቲኬት ነፈርቲ፡ ንመደለሊ ሓሰውቲ፡ ንመባዕለጊ መንእሰያት፡ ንብላዕ ኣዘዝቲ ሰራዋትን ካልእ ትርጉም ዘይብሉ ኣጸላሚ ዘመተታት ኣንጻር ፍትሓውያን ከካይድን ኣጽኒቱ ዎ ።  ከም ውጽ ኢት፡ ኤርትራ፡ ዘይተኣደነ ዕዳ ተሰኪማ ተሪፋ።  

ብኣንጻሩ፡ ዜጋ ምዕቡላት ሃገራት፡ ሳላ ቅኑዕ ምሕደራ መንግስቱ፡ ቀሲኑ ሰሪሑ ዘፍረዮ ስርናይ ብምልማን፡ ንኤርትራዊ ፍርቂ ከብዱ እናረገጽኩም፡ “ሃገር ጽቡቕ ኣላ። ምምሕዳርና ጽቡቕ ኣሎ። ነቐፍትና ጸላእትና ኢዮም" ጅሃድ...ከድዓት” ካብ ምባል ኣዕሪፍኩም ኣይትፈልጡን።  

ስለዚ፡ ኣቶ ኢሳያስ፡ ንህይወት ኤርትራዊ፡ ወላ ብሳንቲም - ብስድሪ ዝሕግዝ፡ ፋይዳ ዝተረኽቦ፡ ቅርሺ ዘኽስብ ስራሕ ተሰሪሑ ትብል እንተኮይንካ፡ ክትነግረና ትሕተት ኣለኻ።  

ኢሳያስ፡   ዝብሎ የብለይን። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  የቐንየልና። ናይ ሎሚ መወዳእታ ኣርእስትና" ንብላሽ ጠፊኡ ብዛዕባ ዝብሃል ገንዘብ ኢዩ። እዚ ሪፖርት ከም ዝሕብሮ፡ 

  • ኣብ ከበሳ ክስራሕ ዝግብኦ፡ ብትእዛቅዝካ ኣብ ከረን ተሰሪሕሪ ብላሽ ዝተረፈ፡  10 ሚልዮን ዶላር ዝፈሰሶ ፋብሪካ መድሃኒት ከረን፣
  • ኣብ ማኣከል ኣስመራ፡ 7 ሚልዮን ዶላር ኣፍሲስካ ዝተሰርሐ መምከኺ ሓጻውን፣
  • ሰኣን ዝሸጦ ዝመሽመሸ ዋጋ 50 ሚልዮን ዶላር ሮታመ፣
  • ካብ ባረንቱን ዓዲ ቕይሕን ደናጉላ ተሰኪምካ ብምምጻእ ማርሞ ክሰርሕ ዝተሓስበ፡ ከንቱ ምዃኑ ዝተረጋገጸ፡ ዋጋ 5 ሚልዮን ዶላር ፋብሪካ እምነ በረድ፣
  • ክሳብ ዘሎ ከይሰርሕ፡ ሓላሚ መንግስቲ፡ ንፋብሪካ ጥርሙዝ መሬንጊ “ኣሪጉ” ብምባል ስለዝዓጸ ዎ ፡ ኤርትራ ዝኸሰረቶ ዓሰርተታት መላይን ዶላር፣
  • ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ዝተኸልከለ፡ 7 ሚልዮን ዶላር ኣፍሲስካ ዝተዓደገ ሕማም ፋብሪካ ፈሬዶ ኣስመራ" ...ወዘተ፡ ክድመር ከሎ፡ ንስኻ ፕረዚደንት ኣብ ዝነበርካሉ ዘበን፡ በቲ ንስኻ ካብ ስልጣን ክትወርድ ዝነበረ ክብሪ ሸርፊ ዶላር፡ 4 ቢልዮን ናቕፋ ዝግመት ገንዘብ፡ ንብላሽ ከም ዝጠፍአ ኢዩ ዘርኢ። 

እዚ ብከመይ ትርእዮ ኣቶ ኢሳያስ?

ኢሳያስ፡ እዚ፡ ብምንዋሕ ግዜ ክዝክሮ ስለዘይከኣልኩ፡ ሰነዳተይ ተወኪሰ ክምልሰሉ ክፍቀደለይ እሓትት። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  የቐንየልና። ኣብ ዝቕጽል መደብና ናይ ፈለማ ኣርእስትና እዚ ክኸውን ብምርዳድእ፡ ንሎሚ ኣብዚ ወዲእና ኣለና። 

ይቅጽል

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...