ትንቢት ኢስያስ ምዕራፍ 40

ብ1979 ኣቢሉ፤ ኣንጻር ተ.ሓ.ኤ. ዝካየድ ዝነበረ ናይ ጸለመ ወፍሪ፣ ኣብ ቅርዓቱ ዝበጽሓሉ ዝነበረ እዋን እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ፣ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፣ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ “እዞም ‘ዓማ’፣ እዞም ‘ተለክይቲ ዘይቲ’፣ ‘እዞም ሓረድቲ’….” ወዘተ ክትብል ተዋግዖ። ንሱ ድማ “ኣጆኺ ድሓን እዚኦም “ዝተ” ኾይኖም ክተርፉ እዮም” በላ ይበሃል። ብ1981 ኮነ ኸኣ። “ትንቢት” ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብኣካል ህ.ግ.ሓ.ኤ.፣ ንተ.ሓ.ኤ. ካብ ምድሪ ኤርትራ ሰጒጎም ኣውጽእዋ። እዚ ተግባር ኤርትራውያን እዩ። እታ “ዛንታ” ዝተዘርገሐላ ቀንዲ ምኽንያት፣ ኢስያስ ኣፈወርቂ ለባም ኣዘራርባ ኣለዎ ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ቃላት ኪኢላ እዩ ንማለት እዩ። “ዝተ” “ዝነበረ” “ዝሓልፈ” “ዝተባህለ” ኮታ ሕሉፋት ክኾኑ እዮም ንምባል እዩ። እዚ ጥራሕ ኣይኮነን። ነዚ ሰብ እዚ ናይ “መሪሕነት” ካባ ንምልባሱ፣ ብዘመተ ቃላትን ናይ ሓሶት ዛንታታት ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ.ን ኣብ መላእ ኤርትራን ወጻእን ተኻይዱ እዩ። እዚ “ሚት” (Myth) ከመይ ጌሩ ከምዝተዘርገሐን ስለምንታይ ክስፍሕፋሕ ኪኢሉን፣ ነዊሕ እዩ ታሪኹ። ግን ንኽዝንቶ መዓልቱ ኣኺሉ እዩ። ስለዚ በቲ “ትንቢት ኢሳያስ” ዝብልዎ መናውርቱን ኣብ መንጎ እቲ ምስኡ ክወዳደር ተባሂሉ ዝተጠቕሰ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፍ ንጀምርን ንመልከትን። እዚ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝተባህለ ውድብ እኮ ንተጋዳላይ በቲ ሓደ ወገን ከጥፍእን ከሽርብን እንከሎ፣ ነቲ ዘጥፍኦን ዘሳቕዮን ተጋዳላይ ክንዲ ናይ ኣምላኽ “ይከኣሎ” ኢሉ ዝሰመየ ኣካል እዩ።

ትንቢት ኢሳይያስ
መበል 40 ምዕራፍ

1- ንህዝበይ ኣጸናንዑ፡ ኣጸናንዑ፡ ይብል ኣምላኽኩም።

2- ንልቢ የሩሳሌም ተዛረቡ፡ ጸበባኣ ኸም እተፈጸመ፡ ኣበሳኣ ኸም እተሐድገላ፡ ስለ ዂሉ ሓጢኣታ ድማ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ካዕበት ከም ዝረኸበት ኣውጁ።

3- ድምጺ ኣዋጂ ይኣውጅ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ኣዳልው፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ንኣምላኽና ጽርግያ ኣቕንዑ።

4- ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ኲሉ ኣኽራንን በረኽትን ድማ ለጠቕ ይበል፡ ቄናን ይቕናዕ ድንጒር ከኣ ሰጥ ዝበለ ስፍራ ይኹን።

5- ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ኪግለጽ፡ ኲሉ ስጋ ኸኣ ሐቢሩ ኺርእዮ እዩ።

6- ድምጺ፡ ኣውጅ፡ ይብል። ሓደ ኸኣ፡ እንታይ ኢለ ኽእውጅ? በለ። ስጋ ዘበለ ዂሉ ሳዕሪ እዩ፡ ኲሉ ኽብሩ ኸኣ ከም ዕምባባ መሮር እዩ።

7- ትንፋስ እግዚኣብሄር ነፉስዎ እዩ እሞ፡ ሳዕሪ ይነቅጽ፡ ዕምባባ ይቕምስል። ብሓቂ እቲ ህዝቢ ሳዕሪ እዩ።

8- ሳዕሪ ይነቅጽ፡ ዕምባባ ይቕምስል፡ ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር።

9- ኣቲ ብስራት እተበስሪ ጽዮን፡ ናብ ነዊሕ ከረን ደይቢ፡ ኣቲ ብስራት እተበስሪ የሩሳሌም፡ ድምጽኺ ብሓይሊ ዓው ኣብሊ፡ ብዘይ ፍርሃት ዓው በሊ፡ ንኸተማታት ይሁዳ፡ እንሆ ኣምላኽኩም፡ ኢልኪ ንገሪ።

10- እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብሓይሊ ይመጽእ፡ ብቕልጽሙ ድማ ይገዝእ። እንሆ፡ ዓስቡ ምስኡ ኣሎ፡ ካሕሳኡ ኸኣ ቀቅድሚኡ ይኸይድ።

11- ንመጓሲኡ ኸም ጓሳ ኼውፍር፡ ንዕያውቱ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክብ ኣብ ሕቚፉ ኸኣ ኪስከሞም፡ ነተን ዜጥብዋ ድማ ብህድኣት ኪመርሔን እዩ።

12- ንማያት ብኢዱ ዐሚኹ ዘሰፈረ፡ ንሰማያት ከኣ በጻብዑ ዝሰደረ መን እዩ? ንሓመድ ምድሪ ኣብ ሚዛን ዝኣከበ፡ ነኽራን ብሚዛን፡ ንዀረቢት ድማ ብነጥሪ ዝመዘነኸ መን እዩ?

13- ንመንፈስ እግዚኣብሄር ዝመርመረ፡ ወይስ መኻሪኡ ዀይኑ ዝመሀሮኸ መን እዩ?

14- ምስ መን ተማኸረ? ኣእምሮ ዝሀቦ፡ እቲ ቅኑዕ መገዲ ኸኣ ዝመሀሮ፡ ፍልጠት ዘፍለጦ፡ መገዲ ምስትውዓል ድማ ዘርኣዮኸ መን እዩ?

15- እንሆ፡ ኣህዛብ ከም ሓንቲ ነጥቢ ኣብ ዕትሮ፡ ከም ሓንቲ በሰር ኣብ ሚዛን ይቚጾሩ፡ እንሆ፡ ንደሴታት ከም ተጐጓ የልዕል።

16- ሊባኖስ ንምንዳድ ኣይኣክልን፡ እንስሳኡውን ንመስዋእቲ ምሕራር ኣይኣክልን።

17- ኲሎም ኣህዛብ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ሓደ ግዛዕ ኣይረኣዩን፡ ሓንቲ ኸም ዜልቦ፡ ከም ከንቱነት ገይሩ ይቘጽሮም።

18- እምበኣርሲ ንኣምላኽ ምስ መን ተማሳስልዎ? ምስ ኣየናይ መልክዕከ ኸተመዓራርይዎ ኢኹም?

19- ገባር ምስሊ ፍሲ ገይሩ ጣኦት ይገብር፡ ኣምካኺ ድማ ብወርቂ ይልብጦ፡ ብሰንሰለት ብሩር ከኣ ይስልሞ።

20- እቲ ኽሳዕ ክንድዚ ኺስውእ ዓቕሚ ዜብሉ ድኻስ ዘይቊንቊን ዕጨይቲ ይሐሪ፡ ዘይነቓነቕ ምስሊ ዚገብረሉ ኸኣሊ ድማ ይደሊ።

21- ኣእምሮ የብልኩምን? እኳዶ ኣይትሰምዑን ኢኹም? ካብ ጥንቲዶ እዚ ኣይተዘንተውውልኩምን? መሰረታት ምድሪ ዚነግርዎዶኸ ኣየስተውዐልኩምን ኢኹም?

22- ንሱ እዩ ኣብ ልዕሊ እታ ኸባብ ምድሪ ዚቕመጥ፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ኸኣ ከም ኣንበጣ እዮም፡ ንሰማያት ከም ጋንጽላ ዜስጥሖ፡መሕደሪ ኪኸውን ድማ ከም ድንኳን ዚገብሮ ንሱ እዩ።

23- ንመሳፍንቲ ገለ እኳ ኸም ዘይኰኑ፡ ንፈራዶ ምድሪ ኸም ምናምን ዚገብሮም ንሱ እዩ።

24- ብኡብኡ ሱር ኣብ ምድሪ ምስ ሰደዱ፡ ንሱ ኡፍ ይብለሎም እሞ ይነቕጹ፡ ዘራጊቶ ኸኣ ከም ብቚበቚ ይወስዶም።

25- ክመዓራረዩስ፡ ምስ መን ከተማሳስሉኒ ኢኹም? ይብል እቲ ቅዱስ።

26- ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርኣዩ፡ ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ? እቲ ንሰራዊቶም ብፍቕዲ ዜውጽኦ፡ በብስሞም ዚጽውዖም እዩ፡ ካብ ዕቤት ምልኩን ካብ ብርትዔ ሓይሉን እተላዕለ ሓደ እኳ ኣይተርፍን።

27- ኣታ ያእቆብ፡ ከመይ ደኣ ኸምዚ ትብል፡ ኣታ እስራኤልሲ፡ ከመይ ኢልካ ኢኻ፡ መገደይ ካብ እግዚኣብሄር ሕብእቲ እያ፡ ፍርደይ ከኣ ካብ ኣምላኸይ ሐሊፉ እዩ፡ ኢልካ ትዛረብ?

28- እቲ ንወሰናት ምድሪ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ከም ዘይደክምን ከም ዘይሕለልን፡ ኣእምሮኡ ኸም ዘይምርመርን፡ ኣይትፈልጥንዶ ኣይሰማዕካንዶኸ ኢኻ?

29- ንድኹም ሓይሊ ይህብ፡ ንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ።

30- ኣጒባዝ ይደኽሙን ይሕለሉን፡ ኣባጽሕ ድማ ሰንከልከል ኢሎም ይወድቁ፡

31- እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።

ስለዚ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ኣምላኽ ብ”ይከኣሎ” ጥራሕ ዘይኮነ፣ ምስቲ ቅድሚኡ ንዝነበረ ሜት (Myth) ናይ ኢድሪስ ሓመድ ዓዋተ እውን ን”ምትካእ” ተባሂሉ ብኣባላት ህ.ግ.ሓ.ኤ.ን ሰማዕቶምን ዝተዘርግሐ ኣሎ። ብ1970ታት መንእሰያት፣ “ጀነራል ኢስያስ” ኣብዚ ዊዒሉ፤ ኣብዚ ሓዲሩ፤ ዝቐተልዎ መሲልዎም ግን ኣይሞተን ዝብሃል ዛንታት እናሰምዑ ዝዓበዩ ሎሚ ኣብ መንጎና ኣለዉ። እቲ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ዝመጽአ ናይ “መወዳእታ” “ዛንታ” ድማ እዚ ሎሚ ናይ “ናቕፋ ኣንበሳ” ኢሎም ዝዘርግሕዎ እዩ። ነዝን ከምዝን ንምዝርጋሕ ባዕሉ ኢሳያስ ጥራሕ ኣይኮነን ተሳቲፉ፤ ኣተግበርትን ሰማዕትን ኣለይትን፣ ነዚ ዝተቓወሙን ሕቶታት ዝሓተቱን መጥፋእቲን፣ ድማ ነይሮምዎን ኣለውዎን። 

*1970 ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምክትል ዋና ጸሓፊ ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝኾነሉን ብወግዒ ካብ ተ.ሓ.ኤ. ዝተፈለየሉ ዓመት።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...