ሓርበኛነት ሕዋስ ነፍሰ ፍቕርን ቅድመ ፍርድን እዩ።
ቮልቴር

{autoremote linkfromdisplay="false" height="20" width="620"  shuffle="false" autostart="true" plthumbs="false"}http://blip.tv/file/get/Asmarino-bshmHagerenWHsnetHagerenMdngar503.mp3{/autoremote}

“ሃገርን፡ ውሕስነት ሃገርን”  ክልተ ቀለልቲ፡ ኣረ ምቍራት  ሓረጋት ይመስላ። ብዙሕ ይደጋገማ እምበኣር  ቀለልቲ። ብዙሕ ይደጋገማ። ኣማን ብኣማን  ምቍራት። ኣደን ጓልን ይመስላ 'ተን ሓረጋት ምዕሩጋት'የን  ክትርእየን ትህነን። እታ ሓንቲ መሬትካ እታ ሓንቲ ፍረ መሬትካ፡ መጻኢኻን'ዬን። ክስሕቃ፡ ክዝምራ ክትሰምዐን ትስለብ። ክሓዝና፡ ክነብዓ፡ ክልምና ከመሕጽና ክትርኢ ከብድኻ ይበልዓኻ።  ደምካ ይፈልሕ ልብኻ ትምሸት ንድሕንነት መሬትካ ክትቀትል ክትቅተል ይብርሃካ። መሬት ኣደ’ያ:  ህይወት ሂባትካ።  መሬት መርዓት'ያ:  ውላድ ሂባትካ።


እታ ኣደን መርዓትን  መሬት እታ ዝጸበቐት፡ እታ ዝመቕለለት፡ እታ ዝለዓለ ዘፍቀረት ካብ ኣዴታት እያ። ንስኻ እቲ ፍቑርን ኣፍቃሪን  ወዳ ከኣ እቲ ሓላዊ ድሕንነታ ኢኻ።

ስለ'ዚ ድማ'ዬን መብዛሕተን ሃገራት እመቤታት ዝኾና። ስለ'ዚ ከኣ'ዩ   ፍቕሪ ሃገር፡ መቐጸልታ ወይ ከኣ ብኵራት  እናታዊ ፍቕርን ስምዒታትን ዝኸውን። 

ፖለቲካውያንን ሞያውያን መለዓዓልትን  ኣብዛ ኣሉታውን ኣዎንታውን ክኸውን ዝኽእል ግዙፍ ሓይሊ ዝምንጭወላ ነጥበ ስንኵፍና ኣብ መንፈሳዊ ኣእምሮ  ሰብ ኣተኵሮም ዓላምኦም ንምዕዋት፡ ንምክልኻል ንምንዋሕ ይዝውሩዋ። ብርቱዕ ሓይልን ድኽመትን ኣብ ሓደ እዋን ዝተዓቝሩላ ሓደገኛ ጕድጓድ ነፍስና'ያ።

'ሃገርን ሃገራዊ ውሕስነትን' ከኣ መፋትሕ ናብ'ቲ ጉግዳ`ድ'የን።  ስለ'ዚ ከኣ'የን  ፍቱዋት። ኣብ ዲክታቶራት ዓለም ከኣ ህቡባት። ተኣምራታት ዝሰርሓ ቃላት'ዬን። 

'ሃገርን ሃገራዊ ድሕንነትን'፡ ሂትለር፡ ንዓለም ንኽጎብጥ ኣለዓዒሉለን'ዩ። ይዋኣት'ዬን  ክሳብ ዓንቀረን ዝነቅዕ ግዒሩለን። ንምሉእ ሃገር ድማ ኣስከረ።


ቸርችል'ውን ንዓባይ ብሪጣንያ ካብ'ቲ ጎበጣ ሂትለር ክከላኸል ገዓረለን። ንሱ'ውን ንምሉእ ሃገር ኣስከረ።

ስታሊን'ውን፡ ነቲ ድሒሩ እቲ ዝዓበየ ሰራዊት ዓለም ዝኾነ ቀይሕ ሰራዊት ወደበለን። ንሱ'ውን ንምሉእ ሃገር ኣስከረ። ንምልእቲ ዓለም'ውን ኣስከረ። ኣብ ፍርቂ ዓለም ነገሰ።  ሊቀ መንበር ማኦ'ውን  ገዓረለን ሚልያርድ ከኣ ኣስከረ። ኣብ ልዕሊ ሚልያርድ'ውን ነገሰ። ሃይለ ስላሴ'ውን። መንግስቱ፡ ቦካሳ፡ ሞቡቱ፡ ኢሳያስ … ክንደይ'ይ ኢልካ እሞ ክጽብጸቡ በተን ተኣምራታዊ ቃላት ሓመድ ሓፋሽ ኣላዓሉ። ትኣምራታዊ ቃላት'ዬን ግድን ኵሉ ይፈትወን። ብፍላይ ዲክታቶራት ይፈትውወን። ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ከኣ ዲክታቶራት ኣፍሪቃ ብፍላይ ኣፍቂሮመን  ኣብ ከናፍሮም ክሳብ ተጠቢቐን። ዲክታቶር ኢሳያስ'ውን ማዕረ ኣረቂ  ይፈትወን። ኮራኵሩ'ውን ማዕረ ጮማ ይፈትውወን። 

እቲ ኣዳ ካዳብራ  ተኣምራታት ግን ኣዳ ካዳብራ ጥራሕ ኣይኮነን ገዛእ ስነሞገት ኣሎዎ። መስርሕ'ዩ። ከም ዝኾነ መስርሕ ከኣ መፈለምታን ጠረርን መወዳእታን ኣሎዎ። ንወርትግ ዝሰርሕ ተኣምር የሎን።  

ኣብ ኮረሻ ስልጣን ሓዅሮም ኣይወርድን ዝበሉ መራሕቲ ኵሉም፣ ሃይለስላሴ፡ መንግስቱ፡ ኑመሪ፡ ኤል ማህዲ፡ ሲያድ ባረ፡ ኢዲ ኣሚን፡ ሞቡቱ፡ ቦካሳ …  ብማዕበል ተቓዉሞ ህዝቢ ወይ ሓይሊ ብረት ተጎኒጾም ክሳብ ዝወድቁ፡ ን”ሃገርን ውሕስነት ሃገርን” ከም ምቍር ሕብስቲ ንግሆን ምሸትን ኣኮማሲዖመንን ነቲ ህዝቢ'ውን ኣኮማሲዖሞን እዮም፡፡ ዕድሜኦም ክሳብ'ቲ ዝለዓለ ዝከኣል ኣናዊሐን። ንመጠረስትኡ ብብዝሒ ተጠቃምነት በልየን ላሕሊሐን  ኣድማዕነተን ተጀሊሑ ከም ኵሉ ኣሃዱ ምልዕዓል ይሞታ። ተጠቐምቲ ይግለጹ። ይወድቁ። ናብ ጕሓፍ ታሪኽ ይድርበዩ።

እቲ ኵሉ ኣውያት ብዛዕባ ሃገርን ድሕንነታን ነቲ ስንኵፍ ስምዒት ፍቕሪ ሃገር ንምትንኳይ እዩ። ንምልዕዓሉን ምቍጽጻሩን።    

ነቲ ስምዒት ከላዕሎ ፈለማ የፍርሖ፡ የስግኦ። ጸላእቲ ይፈጥር። ክዉናትን ዘይክዉናትን ብዙሓት ጸላእቲ ይፈጥር። ሃገር ተወሪራ፡ ኣደ ተደፊራ የርድእ። ንፍቑራት ደቂ ሃገር ንኣፈርክቡ ይጽውዕ። ሃገር ልዕሊ ኵሉ እያ። ኵሉ ሓዲግካ ሃገርካ ኣድሕን! ይእውጅ።

እቲ ብፍቕረ ነብሱ ዝሰኸረ ሃገራዊ ከኣ ሃገሩ ከድሕን ይለዓል።

እቲ ምትእስሳር ሰብን  መሬትን፡ ብርቱዕን ሕልኽልኽን ኴይኑ እቲ ሜላ ብዙሕ ሳዕ ይሰርሕ። ይደጋገም ግን ይበዝሕ እሞ፡ ሃገር መን? ድሕነት መን ? ዝበሉ ሕቶታት ይለዓሉ።

ይቅጽል...


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...