02 ግንቦት 2012

ዝኸበርካ ጅግና ህዝቢ ኣብዚ ሕጂ እዋን’ቲ ማእኸላይ መሪሕነቱ ዘይፍለጥ ተዋጃቢርዎ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ብፍንው ኩሉኻ ኣብ ዓዲ ትርከብ መራሒ ሃይማኖት ኮነ ሽማግለ ዕጠቕ! ተዘይዓጢቕካ ካብ ኩፖን ክትበኩር ኢካ፡ ትካላትካ ክዕሸግ’ዩ ኢሉ የገድደካ ከምዘሎ ንስኻ ከኣ ኣይዓጥቕን ኢልካ ኣብ ምፍጣጥ ከምዘለኻ ዝፍለጥ’ዩ።

ተኾነ ግዳ ዕጥቂ ንመከላኸሊካን ነቲ ደንበርበር ዝብል ዘሎ ጉጅለ ትገጥመሉ መሳሪሕኻ ስለዝኾነት ተቐዳዲምካ ተረከባ ኣጠቓቕምኣ ከኣ ተምሃራ እዚ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ኩፉእ እዋን ሃገርካ ክትከላኸለላ ኢካ ሕጂ ከኣ ነቲ ዘሎ ኣባይ ጉጅለ ኮነ ንዕኡ ፈንተት ኣቢሉ ጽገናዊ ለውጢ ክገብር ዝጓየ ዘሎ ጉጅለ ስልጣኖም ናብ ህዝቢ ከረክቡ ክተገድደላ ኢኻ። ስለዚ ዝወሃበካ ዘሎ ዕጥቂ ዕጠቆ ዝውሃበካ ብረት ናይ ምፍታሕን ምግጣምን መባእታዊ ታዕሊም’ውን ኣቕሊብካ ሓዘን ኣብ ግዚኣን ኣብ ቦትኣን ኣብ ረብሓ ንምውዓል ከኣ ተዳሎ።

ዝኸበርካ ሓይልታት ጸጥታን ምክልኻል ሃገርን ካብን ናብን ኮለል ክትብልን ኣብ ከተማታት ክትዕርድን ዝወሃበካ ዘሎ መምርሒ ንምንታይ ዕላማ’ዩ ኢልካ ሕተት ምስቲ ሰራዊት ናብ ዶባት ክግዕዝ ኣብ ማእከል ዓዲ ከኣ ወለድና ጸጥታ ክሕልው ተባሂሎም ካብ መራሕቲ ሃይማኖት ክሳብ ሽማግለታት ክዕጠቑ ዝወጸ ኣዋጅ ዝተሃራረም’ዩ በሎም።

መምርሒታት ካበይን ካብ መንን ይወርድ ከምዘሎ ሕተት፡ ንህዝብኻ ረብሓ ዘይውዕል ዋላ ሓንቲ መምርሒ ከይትቕበል ጊዚኡ ሕጂ እዩ’ሞ ኣብ ልዕሊ እቶም ረሃጽካን ደምካን ዝማጸዩ ገበነኛታት ብረትካ ኣቕነዓዮ። እምቢ ንምልኪ ሕቶ ህዝብን ሰረዊትን ይመለስ ኢልካ ብሕብረት ጠጠው በል። ኣባይካ ብዓቅሚ ኮነ ብሞራል ሃደሽደሽ ኢሉ’ዩ ዋላ ሓንቲ ናይ ምግባር ዓቕሚ ስለዘይብሉ ዳግም ክጸጋግን ዕድል ኣይትሃቦ።
ዝኸበርኩም ጀጋኑ ሓቀኛ ደንበ ተቓውሞ ሃገር ጉጅለ ኢሳይያስ ክኽውሎ ዘይከኣለ ኣሰንባሪ በትሪ ኣብ ልዕሊ እቲ ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ምዕራፍኩም ዮሃና እንቋዕ ነፋዕኩም ነፋዕና ንብል። ኢሳይያስ ብህልው ኮነ ብምህሙኑ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንሕቶታት ደንበ ተቓውሞን ህዝብን  መልሲ ክህብ’ዩ ዝብል ትጽቢት ሃልዩና ኣይፈልጥን ዝነበረ። ከመይ’ሲ ኣሸንባይ ንሳቶም ዝተዛረብዎ ሓቂ ወይ ሓሶት ኢሉ መብርሂ ክህብ ህልውነኦም ከማን ኣይፈልጥን ክብል ዝጸንሐ ሓይሊ ስለዝነበረ። ሕጂ ግን ብድራማዊ መልክዕ ይኹን ብኽውን ብዘየገድስ ተገዲዱ ነቲ ዝበሃል ዘሎ ኣይቅበሎን እየ ክብል ብተዘዋዋሪ ሓበሬታ ኣይትዓባብጥ ህልዊ ኩነታትካ ኣብርህ ንዝተብሃሎ ኣዋጣሪ ሕቶ ክምልስ ተገዲዱ’ሎ።

እዚ ካብ ተወዲብካ ብረታዊ ቃልሲ ምክያድ ክሳብ ብመርበብ ሓበሬታ መራኸብቲ ብዙሃንን ፓልቶካትን ወቃዒ ናይ ህዝባዊ ርክባት ስራሕቲ ብዝተወደበን ብሕብረትን ክነካይድ ብምኽኣልና ኣውራ’ኳ ናይቲ ርሱን ሓይሊ መንእሰይ ብደገን ብውሽጥን ብመዓስከራት ስደተኛታትን ግንባራትን ዓበይትን ስጡማትን ውዳባታትን ተሰንዩ ዝግበር ዘሎ ተቓውሞ ህላወ ኣባይና  ናብ ቀልቀል ገደል ስለዘገማገሞ “ትም ምስበለ’የ ዝቐበርኩዎ” ዝዓይነታ ክስተት ክትመጽአና’ያ ኢሉ ብዝተፈላለየ መገዲ ዘርባዕባዕ ዝበለ መልሲ ዝተሰመየ ብቁም-ነገሩ ግን የለኩን ተነቃኒቐ’የ ዝሕመረቱ መረጋገጽታት ክህብ ኣገዲድዎ ኣሎ።

ስለዚ ሕጂ’ውን ኣጆና ኣጆኹም ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና እቲ ነቀይ ነቀይ ዝብል ዘሎ ጉጅለ ብምእላይ መሰረታዊ ጠለብ ህዝብን ሃገርን ብምምላስ መሬታዊ ናጽነትና ብሙሉእ ሓርነት ነጸንብሎ።

እታ ዘይትተርፍ ጊዜ ዓወት ቀሪባ’ላ።
ነቒሕና ንቃለስ ዳግም ከይትጭወየና
እምነትና እምኒ ዓረ ሳውያና ዝተረረ’ዩ!!

ኤዲቶርያል ቦርድ ወጋሕታ/ሳሊና
02 ግንቦት ዓመተ 2012

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. : This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...