ኣብ ጽላል ኩናትን ወረ ኩናትን ኣዕቒብካ ምንባር የብቅዕ።
መንግስቲ’ዚ ሃገር ኣብሓያል ላዕልን ታሕትን ጸደፍደፍን ተርባጽን ከምዝርከብ ንዕዘብ ኣለና። ኮታ ሕጂ’ውን “ኣብ ኩናት ኢና ዘለና” ዝመልእኽቱ ፍልይ ዝበለ ጸፋዕፋዕ ኣብዚ እዋን ጉልሕ ኢሉ ይረኣ ኣሎ።

እቲ ኣብ ግንባራት ዝረኣ ዘሎ ካብን ናብን ምግልባጥ ኣሃዱታት፡ ኣጽዋርን ሓለፍትን ገዲፍካ ካብ ውሽጢ እተን ኣሃዱታት ዝረኣዩ ዘለው ሓደሽቲ ምንቅስቃሳት ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ኣደባባይ ሚስጢር ኮይኖም ቀንዮም ኣለው። እንታይ ዝተፈጠረ ሓዱሽ ኮን ሃሊዩ’ዩ? ግን እንድዒ!

ነብሲወከፍ ኣሃዱታት ምክልኻል ኤርትራ ኮብለሎም ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝርከቡ ኣባላተን ብህጹጽ ኣኻኺበን ሃጓፋት መስርዓተን ክውትፋ፡ ካብ መንግስቲ ቀጢን ትእዛዝ ወሪድወን ድሮ ጀሚረንኦ ከምዝቐነያ ድምጺ ራድዮ ወጋሕታ ብኣግኡ ናብ ህዝባ ከምዝፈነወቶ ሰሚዕና።
ሕድሕድ ክ/ሰራዊት ከኣ እሙናት እትብሎም ኣባላታ ወዲባ ብምውፋር ኣብ ከከባቢኡ ምስዝርከቡ ሓይልታት ጸጥታ ተወሃሂዶም ንመሳኪን ኮብለልቲ ወታደራት ክኣርዩን ዘዝተኣረዩ ብበጣሓት ተተሳፊሮም ብሓለዋ ነናብ ኣሃዱታቶም ክፋነው ንርኢ ኣለና።

እቲ ኣዝዩ ዘስደምም ግን ንኣፈጻጽማ እቲ ስርሒት’ዩ። ብርግጽ ዝኾብለለ ወታደር ምእራይ ወይ ምዕፋን ዝጸንሓ ንቡር ተግባራት ህግደፍ እኳ እንተነበረ እቲ ሕጂ ፍሉይ ዝገብሮ ግን ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዘዝተዓፈኑ ኩብሉላት ናብተን “ተሃድሶ” ዝመጸውዒዐን ቤትማሕዩራት ዘይኮነስ ብቀጥታ ናብ መሳርዖም ክኣትው ይግበር ምህላው’ዩ።  እቲ ካልእ ሓዱሽ ተርእዮ ድማ ኣየነይቲ ኣሃዱ ክንደይ በዝሒ ዘለዎም ኩብሉላት ኣኪባ፡ ቡኮታት መሳርዓ ወቲፋን ኣብ ሓያል ናይ ውድድር ጉያ ምህላወን’ዩ።

ናይ መወዳእታ ትዝሕቶን ዓይነትን ዝተኣትወለን መብጽዓ ሽልማት ደኣ ኣይፈለጥናዮም’ምበር ንሓደ ዓቢ ዝተኣትወለን ቃል መብጽዓ ከተግብራ ናይ መን ቀደመ ዝዓይነቱ ውድድር ስርሒት’ዩ ዝካየድ ዘሎ። ምኽንያቱ ካብ ናይ ስራሕ ቦታይ ይርድኦ ከምዘለኹ በቢመዓልቱ ኣየነይቲ ግንባር፡ ኣየነይቲ ክ/ሰራዊት፡ ብዙሓት ኮብሉላት ኣከበት? ኣየነይቲ ከ ደሓረት? ሕቶታት መዛረቢ ዛዕባ ሓለፍቲ ምክልኻልን ጽዑቕ ስራሕ ስታፍ መራኸቢታትን ኮይኑ ቀንዩ ኣሎ።

ስለዚ ግፋ መሳኪን ኩብሉላት ኣዝዩ ጽዑቅን እዋናዊን ዕዮ ገዛ ኣሃዱታት ኮይኑ’ዩ ቀንዩ ዘሎ። መወዳእታ ዓስቢ ብዙሓት ናይ ዝገፈፈት ኣሃዱታት ኣዘዝቲ ክፍላተ ሰራዊትን ግንባራትን እንታይ ምኳኑ ዋላ ኣይረጋገጽ እንታይ ግድኹም ንዝተኣትወሎም ዓቢ መብጽዓ መን መንጠለ ኣብ ሓያል ውድድር ከምዝርከቡ ግን ጋህዲ’ዩ ዘሎ። ሓለፍቲ ስታፍ መራኸቢታት ክፍላተ ሰራዊት፡ ግንባራት ብሓፈሻ ቤ/ጽ ሚኒስትሪ ምክልኻል ድማ ብፍላይ ኣብ ጽዑቕ ስራሕ ተጸሚዶም ኣለው።

ጸፋዕፋጽ እዚ እዋን ቀንዲ ዕላምኡ እንታይ’ዩ? “ዓቕሚ ሰብ ዘይብለን መሳርዕን ጋንታታትን ሒዝና ንብድሆታት ኩናት ከመይ ንምክት?” ንዝብሉ በዳህቲ ሕቶታት ሓለፍቲ ሰራዊት ንምምላስ’ዶ ዋላስ መወዳእታ ኣልቦ ዕስክርና ጸሊኡ ንዝኾብለለን ምጥያስ ሓሪምዎ ብስንክልና ብጥዕናን ዕድመን ምኽንያት መዓልቦ ክሳብ ዝገበረልካ ኣብ ገዛኻ ጽናሕ ካብ ኣሃዱታትካ ወርሓዊ መሃያ ውሰድ ንዝተብሃለ ተመላላሲን ኣኻኺብካ ብኮታት መሳርዕ ብምውታፍ ዝመጽእ ለውጢ ኣሎ ኮይኑ’ዩ? ኣይተረደኣንን።

ኣንተ’ቲ “መን ሒዝና ንዋጋእ?” ዝብል ተደጋጋሚ ሕቶ ማእከለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ግን ክወሃቦ ዝጸንሓ መልሲ ብዛዕባ’ዚ ኣይትሕሰቡ ኣብ ትካላት መንግስትን ህግደፍን ዝሰርሑ ዘለው ጥዩሳትን ዘይጥዩሳትን ኣባላት ሃ/ኣገልግሎት ኣብ ኩለን ኮሌጃትን ሞያዊ ቤት ትምህርታትን ዝርከቡ ተምሃሮ፡ ኣብ ዕቑር ክፍላተ ሰራዊት ዝርከብ ኩሉ ዕሉም ወታደር ትሕጃኹም እዩ ናይ ዜሮ ስዓት ምስኣከለት ናባኹም እዮም እንተኾነ ንስኻትኩም ኣይትሕመቑ ምስ ኒሕን ሓቦኩምን ተጸበይዎ” ዝብሉ ዒቕ ክሳብ ዝብሎም ተደጋጋሚ መልስታት እዮም ክወሃቡ ጸኒሖምን ዘለውን።

ካልእ እዋናዊ ዛዕባ ድማ ሚዛን ውግእ ወገንን ጸላኢን ናይ ምንጽጻር መገምገሚ ቅጥዒ ናብ ነብሲወከፍ ኣሃዱታት ምዝርጋሕ’ዩ። ኣሃዱታት ንሚዛን ውግእ ሰራዊትናን ሰራዊት ጸላኢን በዞም ዝስዕቡ መምዘኒታት ተወፋይነት፡ ትብዓት፡ መሃዝነት፡ ተጻዋርነት፡ ብቕዓት ስልጠና፡ ነዊሕ ናይ ምጓዓዝን ኣካለዊ ብቕዓትን ተኽእሎን ኣስታት ዓሰርተው ብዝኾኑ መገምገሚ ሕቶታት መሰረት ኣሃዱታት ንባዕለንን ኣብ ቅድሚኤን ንዝርከብ ኣሃዱታተ ጸላኢን ክምዝና ተኣዚዘን።

እዚ መደብ ዕዮ እዚ ኣሃዱታት ብደረጃ ኣዘዝቲ ቦጦሎኒ ገምጋም ሚዛን ውግእ ኣሃዱታተንን መሰታታተን ምስ ዝኾና ኣሃዱታት ጸላኢን ሚዛን ኣካይደን ጸብጻባተን ናብ ቤ/ጽሕፈት ሚኒስትሪ ምክልኻል ሊኢኸን።

ካብ እዚ ቦጦሎኒ ንላዕሊ ዝኾኑ ሓለፍቲ ኣሃዱታት ኩሎም ነቲ ሚዛን ውግእ ዝብል ሕቶ ኣብ ዘመነ ደርጊ እዋን 6ይ ወራር ኣብ ሞንጎ ህዝባዊ ሰራዊትን፡ ሰራዊትን ደርግን ዝተገብረ ኣገባብ ሚዛን ውግእ ገምጋም ኣካይደን። እቲ ገምጋም 150 ዓቕሚ ሰብ ንዘለዋ ናይ ወገን ቦጦሎኒ ምስ 700 ዓቕሚ ሰብ ንዝሓዘት ናይ ጸላኢ ቦጦሎኒ  (ሬጆሜንት) ኣነጻጺረን 1 ወታሃደር ኤርትራን ን10 ወታሃደር ኢትዮጵያ (1፡10) ሬሾ ሰሪዐን ጸብጻባተን ኣመሓላሊፈን። ትሕዝቶ እቲ ሚዛን ንሽውሃትን ባህግታትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ንምሕጓስ እንተዘይኮይኑ ቅድሚ  30 ዓመታት ንዝነበረ ኩነታትን ሕጂ ንዘሎ ኩነታት ዘየመዛዝን ሚዛን ምዃኑ ነቶም መዘንቲ’ውን ዝተሰወሮም ሚስጢር ከምዘይኮነ ግን ርጉጽ’ዩ።

ብዝኾነ ናይ ኩለን ኣሃዱታተ ጸብጻብ ናብ ቤ/ጽሕፈት ሚኒስትሪ ምክልኻል ድሕሪ ምብጽሑ ንትሕዝቶ እቲ ጸብጻብ ዝገምገሙን ዝተንተኑን ላዕለዎት ሓለፍቲ ምክልኻል ኣብ ኣገማግማ ሚዛን ውግእ ኣሃዱታት ወገንን ጸላኢ ጌጋታት ከምዘሎ ብሕልፊ ኣብ ኣመዛዝና ኣሃዱታት ጸላኢ ዓቢ ጌጋ ከምዝተፈጸመ ተደምዲሙ። እቲ ፍታሕ ድማ ግዜ ብዘይህብ ናብ ኣሃዱታት ወሪድካ ካብ እዚ ቦጦሎኒ ንላዕሊ ንዘለው ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣኪብካ ጎስጓሳት ክካየድን ዳግማይ ሚዛን ንክግበርን ተኣዚዙ።

ብመሰረት’ዚ ዳግማይ ትእዛዝ ካብ ቤ/ጽሕፈት ሚኒስትሪ ምክልኻል ከም በዓል ኮነሬል ዓብዱ እድሪስ ዑሞር ዝኣመሰሉን ካልኦትን ወታደራዊ ክኢላታት ናብ ኩለን ኣሃዱተት እንዳዞሩ ክጉስጉሱ ተላኢኾም። ነቲ ሕሉፍ ጸብጻብ ጌጋ ምዃኑ ነቒፎም ብዛዕባ ዳግም ክኽለስ ዘለዎ ጸብጻባት ከምዝስዕብን ከርድኡ ተላኢኾም።

ኣብ ሰራዊት ጸላኢ ክካየድ ብዛዕባ ዝግብኦ ኣገባብ ኣመዛዝና ኣብ ቦጦሎኒ ይኹን  ክፍላተ ሰራዊት ጸላኢ ንዝርከብ ጠቕላላ ዓቕሚ ሰብ ዘይኮነ ኣብ ውሽጡ ንዘሎ “ወያነ” ወይ ከኣ ትግራዋይ ጥራይ’ዩ ምስ  ሰራዊት ወገን ከነጻጸር ዘለዎ እቲ ኣምሓራይ፡ ኦሮሞታይን ካልእን ግን ሓድነት ስለዘይብሉ ክዋጋእ ስለዘይደሊ ኣብ ሚዛን ክኣቱ ኣይግባኦን።  ንኣብነት 700 ጠቕላላ ዓቕሚ ሰብ ዘለዎ ናይ ጸላኢ ቦጦሎኒ (ሬጅመንት) ምስ 150 ዓቕሚ ሰብ ዘለዋ ናይ ወገን ቦጦሎኒ ዝምዘን ክንደይ “ወያነ” ኣሎ ተባሂሉ ክግምገም ከምዘለዎ ተሓቢሩ።

“እቲ ናትና ሰብ’ከ እንታይ ይዕዘበና” ዘይብሉን ብዘይ ሕንከት ዓይኖም ብጨው ሓጺቦም ተጠሊዖም ዝሕስዉን ሓለፍትና ሓቆም እንታይ ዘይገበሩ ትማሊ ኣብቲ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ነቲ ሓርበኛ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ”ደቂ ቆነንቲ፡ ደቂ ሸፍንቲ” እንዳበሉ ይኸፋፍልዎ ከምዝነበሩ ሎሚ’ውን ወዲ ሓማ፡ ወዲ ኣከለ፡ ሰራወታይ፡ መታሕት ፡ ከበሳ እንዳበሉ ከምልማዶም ብኣውራጃ፡ ብሃይማኖት፡ ብውግንና ብኣያነት ነንሕድሕዱ ጎዛዝዮም ክተፋነን ብምግባር ዕምሪ ስልጣኖም ክናዋሕ ኣብ ምግባር ዝርከቡ ሰባት ነቲ ካልእ ወገን ብመነኮሊኦም እንተጠመትዎ ዝገርም ኣይኮነን። እቲ ዝገርም ብዘስደምም ጉዳመኛ ሽርሒታቶም ክሳብ መዓስ ኢና ክንታለል’ዩ።

እቲ ካልእ ኣብ ሚዛን ውግእ ክኣቱ ዝበሉዎ ነጥቢ ታንኪ ምስ ታንኪ ዘይኮነስ ሓንቲ ናይ ወገን ታንኪ ን1,100 ወተሃደራት ኢትዮጵያ ክነጻጸር ኣለዎ። በዚ መሰረት ሚዛን ውግእ ጸብጻብኩም ኣማዓራሪኹም ለኣኹን ምድላዋትኩም በዚ ኣጻፍፉን ዝብል ትእዛዝ ተዋህብዎም ኣሎ።

ዝገርም’ዩ እቶም “ጸላእቲ” ዝብልዎም ኢትዮጵያውያን ታንክታት የብሎምን ድዮም? ንምኳኑ ታንኪ  ምስ ታንኪ’ዶ ዋላስ ታንኪ ምስ ኣጋር ሰራዊት? ወይ ከኣ እተን ናይ “ወያነ” ታንኪ ከም ውግእ ደምበ ገዳሙ ሰሊኾን ክሓልፋ ጥራይ’ዩ ተፈቒድወን….? እቲ ቀዲሙ ዝመጻልካ ሕቶ ኮይኑ እቲ ኣብ ቅድመ ግንባራት ተሰሊፉ ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ’ከ ሃገራዊ ስምዒት ኣይብሉን ድዩ…? ካብ 1998-2000 ዝነበረ ደማዊ ኩናት ንመሃሮ’ዶ የብልናን ኢና? ከመይ ከመይ’ዩ እዚ ነገር…..? ዶ ዋላስ! ሕጂ’ውን ምስ ስነ-ሞጎት ኣብ ባእሲ ኢና ዘለና? ኣንቱም ሳባት! እዛ ናይ ሃገርና ጸሓይ ሕጂ’ውን ኣይትበርቕን’ያ ማለት ድዩ?

እንተ ኣነ ብወገነይ ህዝብና ከስተብህለሉ ዝግባእ ነገር ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ገዚፍ ሓደጋ ኩናት እንትርፎ ህልቂትን ምብስባስን እንረኽቦ ሓርነት ይኹን ካልእ ፍጹም ኣይክህሉን’ዩ። እንተ እቶም ኣብ ትሕቲ ኩናትን ዕግርግርን ተኸዊሎም ዕድሚኦም ከናውሑ ዝምነዩን ምፍሳስ ደም ህዝቢ ዘይንታዮም ገበነኛታት ግን ኣቐዲምና ባህግታቶም ነበርዕኖ። ካልእና ይኣኽለና ለኪሞምና ከይኸዱ ቀዲምና ዝከኣለና ኩሉ ምግባር ይጽነሐለይ ዘይበሃሎ ናይ ህልውና ሕቶ ኮይኑ ኣሎ። ኩናት ኩናት’ዩ። ሃልሃልታ ባርዕ ኩናት ካብ ዝለብለቦም ህዝብታት ዓለም ሓደ ንሕና ኢና።

ወደሓንኩም!

21/03/2012


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...