ኤርትራውያን ንጉዳይ ዲሞክራሲ ሕምረት ጌሮም ዘካይድዎ ቃልሲ ዝድህስስ ኣህግራዊ ርክብ ኣብ ቦሎኛ ኢታሊ ካብ 30 ነሓሰ ክሳብ 1 መስከረም 2013 ክካየድ’ዩ።

ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (ስ.ኤ.መ.ለ.) ንኩሎም ውልቀ-ሰባትን ጉጅለታትን ኣብዚ ነጻ ክፉት ዘተ ንክሳተፉ ንህሉው ኩነታት ተቓወምቲ ሓይልታትን መጻኢ ዕድል ሃገርናን ክዝትዩ ጻውዒት የቕርብ። “ንሕና ዝኾነ ሰብ ነጻ ኮይኑ ኣብዚ ኣጋጣሚ ክሳተፍ ኢና ንደሊ፣ ስለዚ ብሓባር ኮይና ፍታሕ ንምንዳይ ከኣ ከኽእለና’ዩ” ይብል ሓደ ኣባል ናይታ ካብ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ዝወጸት ወዳቢት ኮሚተ።

እዚ ርክብ ቦሎኛ፡ ኪኖ ውዳበን ክትዕን ብምሕላፍ፡ ብሕብረት ሓደ ዝተጨበጠ ለውጢ ንምምጻእ ንቃልሲ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምስጓሙን መስርሕ ዲሞክራሲ ንምስሳንን ዝዓለመ ክኸውን’ዩ።

ቀንዲ ዕላማታት ርክብ ቦለኛ ሰለስተ’የን፡-

1.      ዓቕሚ ተቓወምቲ ሓይልታት ምሕያልን ካብ ዝኾነ ጣልቃ ደጋዊ ሓይልታት ነጻ ንክኸውን ምርግጋጽ።

2.     ንኡስ ወለዶ መሪሕ ተራ ንክጻወት ምሕያል

3.     ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ ተሓለቕቲ ዲምክራሲ ስጉምቲ ክወስዱ ምትብባዕ

ታሪኽ ከተማ ቦሎኛን ኤርትራን

ፈስቲቫል ቦሎኛ ኣብ 80ታትን 90ታትን ካብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም ዝመጽኡ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ኤርትራውያን ነቲ ነጻነት ንምምጻእ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኣንጻር ግዙፍ ሰራዊት ደርግ ዝቃለስ ዝነበረ ሓይሊ ንምድጋፍ ዝራኸቡላ ቦታ’ያ ኔራ።

ኣብዚ ኤርትራዊ ሓበንን ተኣማንነት ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ወሪድሉ ዘሎ እዋን፡ ተቓዋሚ ሓይሊ ድኹምን ዘይጡርኑፍን ኣሎ፣ እቲ ዝበዝሐ ኣጽቂጡ ዝዕዘብ ጌና ኣጽቂጡ ኣሎ። ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ስለ ዲሞክራሲ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ብርኡይ ወይ ዝተወደበ መንገዲ ክሕግዝ ኣይክእልን ኣሎ። ነዚ ኩነት’ዚ ንምቕያር ከኣ ናትና ሓላፍነት’ዩ። ዲሞራሲያዊ ክብሪን ነጻነት ሱር-ተከላዊ ምንቅስቓሳትን እናዓቀብና፡  ታሪኻዊ ቅያ ቦሎኛ ዳግማይ ኣበራቢርና ቃልስና ኣንጻር ጨፍላቒ ስርዓት ተበራቲዑ፡ ነብሰ-ተኣማንነትን ተስፋን ዳግማይ ኣብ ህዝብና ከስርጽ ትጽቢት ይግበር።

ምዝገባ፡-

ምዝገባ ተኸፊቱ ኣሎ። ክትሳተፉ ትደልዩ ግዱሳት ኣብ መርበብ ሓበሬታ http://goo.gl/peMhw ብምኻድ ክትምዝገቡ ትኽእሉ። ቅድሚ ሓምለ 25 እንተተመዝጊብኩም EUR 95 ጥራሕ ክትከፍሉ ክትሕተቱ ኢኹም። ድሕሪ ሓምለ 25 ግን እቲ ዋጋ ናብ EUR 110 ክብ ክብል’ዩ። እዚ ዋጋ’ዚ ናይ ኮንፈረንስ ዋጋ፡ ክልተ ምሳሕ፡ ሓደ ድራር፡ ቡንን ኣብ ዓርቢን ቀዳምን ዝግበር ካልእ መዘናግዒታት ክሽፍን’ዩ።

ድሕረ-ባይታ

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ጨቋኒ ስርዓት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ይመሓደር ኣሎ። ኣብ ዓለም ብደረጃ ጨቋኒ ምሕደርኡ 2ይ ደረጃ (ድሕሪ ሰሜን ኮርያ) ይስራዕ። ነጻነት ኤርትራ ካብ ዝጓናጸፍ ልዕሊ 20 ዓመታት ሓሊፉ’ሎ፡ እታ ሃገር ግን ክሳብ ሕጂ ብሓደ ሰልፊ ጥራሕ ትመሓደር ኣላ። ገባቲ ስርዓት ኢሳያስ ነታ ሃገር ናብ ፍጹም ተነጽሎ ብምምራሕ ኣብ ዓለምና ዝደኸየትን ዝተጨቆነትን ሃገር ከምትኸውን ጌርዋ ኣሎ። ሓደ ካብቲ ረባሺ ብመንገዲ ው.ሕ.ሃ. ዝወጽአ ዜና፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት ህግደፍ ኣብ ንግዲ ሰብን ህዋሳት ኣካላት ዕሸላት ኤርትራውያንን ብንጥፈት ይዋስኡ ምህላዎም’ዩ። እቶም ቀንዲ ግዳያት ናይዚ ድማ ነቲ ስርዓት ዝቃወሙን ዕቑበኛታትን ኢዮም።

ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (ስ.ኤ.መ.ለ.)፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝመደበሩ ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ ኮይኑ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስን ፍትሕን ንክሰፍን ኣንጻር ጽልዋ መላኺ ስርዓት ዝቃለስ ጥርናፈ’ዩ።

ርኸቡና፡-

ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (ስ.ኤ.መ.ለ.) Eritrean Youth Solidarity for Change (EYSC)
Email: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Facebook: http://www.facebook.com/groups/eritreanyouth
Website: www.eysc.net


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...