ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ሓንቲ ካብተን ብትምህርታዊ ኣገልግሎተንን ኣፍራይነተንን ጎሊሐን ዝረኣያ ቤት ትምህርታት ሃገርና ምኻና ዘየካትዕ ሓቂ እዩ። ይኹን እምበር ኣብ’ዚ ናይ ልዕሊ 100 ዓመት ዕድሚኣ ጽገና ተጌሩላ ስለዘይፈልጥ፥ ናብ ዑና ተለዊጣ ከምትርከብ ካብ ማንም ክዉል ኣይኮነን።

ናብ ዝኸበርክን / ዝኸበርኩም ……………………………………………………………………………………………………………………………

 

ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ሓንቲ ካብተን ብትምህርታዊ ኣገልግሎተንን ኣፍራይነተንን ጎሊሐን ዝረኣያ ቤት ትምህርታት ሃገርና ምኻና ዘየካትዕ ሓቂ እዩ። ይኹን እምበር ኣብ’ዚ ናይ ልዕሊ 100 ዓመት ዕድሚኣ ጽገና ተጌሩላ ስለዘይፈልጥ፥ ናብ ዑና ተለዊጣ ከምትርከብ ካብ ማንም ክዉል ኣይኮነን።

ገዳይም መማህራንን ተማሃሮን ናይ’ታ ቤት ትምህርቲ፥ ናይ መበል 50 ዓመት ትምህርታዊ ኣገልግሎታ ክጽንብሉ ምስ ተራኸቡ፥ እዚ ዑና ዳግም እንተዘይተሃኒጹ፥ ታሪኽ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተደምሲሱ ክተርፍ እዩ ናብ ዝብል መደምደታ ይበጽሑ። በዚ ድማ ፕሮጀክት ዳግመ-ህንጻ ሳንጆርጆ ዝበሃል ሓሳብ ይውለድ። እዚ ሓሳብ ብምምሕዳር ዞባ ደቡብ ወግዓዊ ተቐባልነት ምስ ረኸበ፥ ማስተር ፕላን ሲኢሎም ብሚኒስትሪ ትምህርትን ሚኒስትሪ ህንጻን ተባሪኹ ናብ ተግባራዊነት ከምዝሰጋገር ይገብሩ።

ማሕበር ትምህርታዊ ልምዓት ሳንጆርጆ ኣብ ጀርመን፥ ነዚ ፕሮጀክት’ዚ ካብ ዝውለድ ኣትሒዙ ከሰንዮ ዝጸንሐ ሕጋዊ ማሕበር እዩ። እዚ ፕሮጀክት’ዚ ሕጂ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ይርከብ ኣሎ ? እቶም ዘጋጥሙዎ ዘለዉ ብድሆታት’ከ እንታይ ይመስሉ ? ማሕበር ትምህርታዊ ልምዓት ሳንጆርጆ ክሳብ ሕጂ ዘሳለጦም ስራሓት ከመይ ይመስሉ ? መጻኢ ንጥፈታቱኸ ብኸመይ ክቕጽሉ እዮም ? እቲ ክሳብ ሕጂ ብማሕበር ክእከብ ዝጸንሐ ገንዘብ’ከ ኣበይ ኣሎ ? ግዳይ ሌብነትን ቅጥፈትን ኮይኑ እዩ ዝበሃል’ከ ክሳብ ክንደይ ሓቅነት ኣለዎ ? መንግስቲ ኤርትራ ንሳንጆርጆ ዳግም ሃኒጹዋ እዩ ዝበሃል’ከ ሓቂ ዲዩ ወይስ ተወሳኺ መብርሂታት ዘድልዮ እዩ ?

ማሕበር ትምህርታዊ ልምዓት ሳንጆርጆ ኣብ ጀርመን ፥ ነዚኦምን ካልኦት ሕቶታት ህዝቢን ኣብ’ዚ ሳልሳይ ጽንብል ብሰፊሕ መግለጺ ክምልስን መብርሂታት ክህብን ቁሩብ ምኻኑ እንዳሓበርና፥ ንኹሎም ኤርትራውያንን ፈተውቲ ኤርትራን ኣብቲ ጽንብል ንኽሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም።

መእተዊ ፡ ንፕሮጀክት ዳግመ ህንጻ ሳንጆርጆ ኣታዊ ዝኸውን 10 € (ተማሃሮ : 5 €, ትሕቲ ዕድመ : ነጻ)

 

ዕለት ፡ 22.09.2012

ሰዓት ፡ 2 ድሕሪ ቀትሪ ( 2:00 PM ) 14:00 Uhr

ኣድራሻ ፡ J.W. Goethe Universität, Mertonstr. 26-28, 60325 Frankfurt a.M.

ሓበሬታ : ካብ Hauptbahnhof ብ-ኡ-ባን (U4) ጌርኩም ኣብ Bockenheimerwarte ትወርዱ።

 

ብደሓን ምጹ !

ማሕበር ትምህርታዊ ልምዓት ሳንጆርጆ ኣብ ጀርመን

ፍራንክፈርት

 


Latest

ምስጋና ካብ ስድራቤት ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣቦይ ተስፋጊዮርጊስ ብዓታይ

ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣዚና እነፍቅሮን እነኽብሮን ኣቦና ኣቦይ ተስፋግዮርጊስ በዓታይ፡  ብኣካል ኣብ ቤትና መጺእኩም፡ ከምኡ’ውን ብዝተፋላለየ መንገዲ ናይ...

Eritrea: ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ሎሚ ንጉሆ ሓይልታት ጸጥታ ጨውዮም ኣበይ ከምዝወሰዱዎ ከምዘይፍለጥን

ሎሚ ኣብ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክቃላሕ ንሰምዖ ዘለና ትርጉም ኣልቦ ናይ ሰላም ስምምዕ፡ ክምቲ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ናይ ሕልና እሱራት ኣብዚ ቀረባ እዋን...

ንደመር ብኣምሓርኛ፡ ንጥፋእ ማለት’ዩ ብትግረ።

Hidden Motives in Every Day Life: The Elephant In the Brain – Kevin Simler Robin Hanson 2018 ትብል...

ካልኣይ ቅሉዕ ደብዳበ ናብ ክቡር ዶክተር አብይ ኣሕመድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ረፓብሊካዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ።

ብዕለት 5 ሰነ 2018፡ ነዚ ብኣኻን በቲ ብመንግስትኻን ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝቐረበ ንብይን ኣልጀርስ ብዘይ ገለ ቅድመ ኩነት ተቐቢሉ ከፍጽም...

Eritrea: ፐሮጀክት ዓርቢ ሓርነት - ኣብዚ ሰሙን ካብ ዝበጹሑና ዜናታት:

እቲ ዕሉል ተለኣኣኪ ክፍእ ኮይኑ ኣሽሓት ሰባት ከበሳብስ ዝጸንሔ ወዲ ከበደ (ሓላፊ ቤት ምእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ) ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣቲዩ። እዚ ብጭካኒኡ ዝልለ ንጽሃት...

Eritrea: ምድማር'ዶ ወይስ ምፍዃስ?

ማንኪ፡ ክቡር ጠቅላይ ሚኒስተር፡ ምሳኹም ክንድመር ንወያነ ኣጥፉኡልና። ዶ/ር ኣብይ፡ ክቡር ማንኪ፡ ጀመርቲ ስለ ዝኾና ገና ምድማር ኢና ዘለና። ንስኹም ግን ቀዲምኩም ኣብ ምፉዃስ (elimination) ኢኹም በጺሕኩም። ግዜ ሃቡና...