ዕላዊ መግለጺ
ሓምለ 4፡2010

ታሪኻዊ ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ፡ ሓምለ 3 2010 ኣብ ከተማ ሺካጎ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ፡ ብዕሊ ተመስሪቱ። ቅድም ኢሉ፡ ኣሳናዳኢት ሽማግለ ንምስንዳእ መስራቲ ጉባኤ ንምቛም ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ንምቅናዕ ኣብ ምንቅስቓስ ጸኒሓ።  ኣሳናዳኢት ሽማግለ፡ ማሕበር ዝምራሓሉ ውሽጣዊ ሕጊ፡ ፖሊሲ፡  ቅርጻ ኣመራርሓ  ነዲፋ ናብ ጉባኤ ኣቕሪባ። ጉባኤኛ፡ ንዝቐረበሉ ንድፊ ዘትያ፡ ዘድሊ ምምሕያሻት ድሕሪ ምግባር ውሳኔታት ኣጽዲቑ። ጉባኤ፡ ንክልተ ዓመት፡ ማሕበር ንዝመርሕ ቦርድ መዚዙ።

ጉባኤ፡ ብተሳትፎ ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ዋና-ጸሓፊ ተስፋይ ተኽለዝጊ ካብ ሃገር ፈረንሳ፡ ብምክትል ዋና-ጸሓፊ ኣፈወርቂ ኣባይ ካብ ሃገር ጀርመን፡ ብናይ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ምምራሕ መደበር ውጉኣት ሓርነት ዓቢ ግደ ዘበርከተ መዓሾ ኣስራት ካብ ሃገር ጀርመን፡ ብካብ ትሻዓተ ስተይትስ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ፡ ብካብ ሃገር ካናዳ፡ ዝመጹ ጉባኤኛታት ኣዝዩ ድሚቑ ውዒሉ።

ጉባኤ ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ፡ ብዕላምኡ ይኹን ብተልእኽኡ ታሪኻዊ ዕዘት ኣለዎ። እዚ ንኣካለ-ጽጉማን ኣሕዋትን ኣሓትን ዝቖመ ዘይመኽሰባዊ ማሕበር’ዚ፡ ኣብ መስራቲ ጉባኤኡ፡ ከም

  1. ካብ ኩሉ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ጽልዋታትን ናጻ ኮይኑ ይንቀሳቐስ
  2. ብመትከል፡ ካብ ብብሄራዊ፡ ብሃይማኖታዊ፡ ብፖለቲካዊ እምንቶታት፣ ብጾታዊ፡ ፍልልያትን፡ ጸጊዕነትን ከምኡ’ውን ካብ ካልእ ናይ ኣድልዎን ሻራነትን ዝምባሌታት ናጻ ኮይኑ ክነጥፍ
  3. ንኩሎም ኣብ ዕላማን መትከላትን ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ዝኣምኑ ክፉት ክኸውን
  4. ማሕበር፡ ንኣባላቱ፡ ንዕላማን ተልእኾን ናይ ማሕበር ተረዲኦም ዘድሊ ወፈያታት ንዘበርክቱ ኣካላትን ውልቀ-ሰባትን፡ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ፖሊሲ ከዘውትር ይህልዋ
  5. ፈጻሚት ኣካል፡ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ፡ መጽናዕትን ዝምድናን ዘካይድ(ዱ) ሽማግለ/ኣካል ናብ ሱዳን- ክትልእኽ ወዘተ… ዝኣመሰሉ ውሳኔታት ከጽድቕ ክኢሉ።

ጉባኤ፡

  • ንናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን፡ በብጊዜኡ- ዘድልዮም ምሕደራዊ፡ ገንዘባዊ፡ ማሕበራውን ሞራላውን ሓላፍነት ወሲዶም ክፍጽሙ ንዝጸንሑን ዘለዉን ኣካላትን ውልቀ-ሰባትን፡
  • ንጸገማት ኣካለ-ጽጉማን ኤርትራ ናብ ህዝቢ ኣብ ምቅላሕ ግደታት ንዝፈጸሙ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ትካላት ዘርዚሩ፡ ዕዙዝ ምስጋና ኣቕሪብሎም።

ንምሸቱ፡ ብወናማት ሙዚቃኛታት፡ ኣስመላሽ ክፍለማርያም- ውጉእ ሓርነት፡ ኣሮን ነጋሲ፡ ፋሲል መኮነንን፡ ቢንያም ካሕሳይን ተሰንዩን ደሚቑን፡ ንታሪኻዊ ምስረታ ማሕበር ዘንጸባርቕ ወንታት እናገንፈለ ክሳብ ሰዓት 2፡00 ወጋሕታ ቀጺሉ።

ዓወት ንኣሳልጦታት ዕማማት ማሕበር
ዘልኣለማዊ ክብሪ ንስውኣትና


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...