ዝኸበርኩም ኤርትራውያን

 

የሕዋትናን ኣሓትናን ኣብዝተፈላለያ ሃገራት ዘጋጥሞም ዘሎ ሽግር ትስሕትዎ ኣይንብልን።  ብፍላይ ድማ ኣብ ሊብያ ዘጋጥምም ዘሎ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ካብኡ ዝገደደ ድማ ስጋብ ንኤርትራ ናይ ምምላስ ዕድል ኣጋጢሙ እዩ።  ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ሳምንታት ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኣባላት ኤምባሲ ኤርትራ ናብዘን ኤርትራውያን ተኣሲሮምለን ዘለው ቦታታት ብምብጻሕ መዝጊቦሞም ኣለው።  ቕድሚ ሒደት ኣዋርሕ ድሕሪ ኣባላት ኤምባሲ ተመሳሳሊ ምብጻሕ ምግባሮም ኤርትራውያን ካብ ሊብያ ናብ ስርዓት ህግደፍ ከምዝተመልሱ ዝዝከር እዩ።  ኣብዚ እዋን ድማ እዞም ኣብ መሓዩር ሊብያ ዝርከቡ የሕዋት ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከም ዘለው ክንሕብር ንደሊ። 

ካብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት አትሒዝና ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝርከብ ናይ ሊብያ ኤምባሲ ክንራኸብ ጸኒሕናን አሎናን። በቲ ኩሉ ኤርትራዊ ዝገበሮ ጸቕጢ ኩነታት ናይዞም እሱራት ቁሩብ ንጊዚአኡ ተመሓይሹ እንተነበረ ንሓዋሩ ዝኾነ ፍታሕ ኣይተረኸበን።  ንሓዋሩ ዝኸውን ፍታሕ ንምምጻእ ኩላትና ነተን ኣብ ከባቢና ዝርከባ ናይ ሊብያ ኤምባሲ  እንዳደወልና ፍታሕ ንኽገብሩልና እጃምና ከነበርክት ብሽም እዞም ኣብ ሊብያ ተኣሲሮም ዘለው ጻዊዒት ንገብር።  እዚ ጻዊዒት ከም ናይ ውልቃዊ  ሓላፍነትና ወሲድና ፍታሕ ስጋብ ዝግበረሎም ድካምና ከይጸብጸብና ክንድውልን ክንጽሕፍን ንላቦ። ስልኪ ቁጽሪ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝርከባ ናይ ሊብያ ኤምባሲታት ኣብዚ ተወከሱ፡

http://www.libya-watanona.com/libya1/embassy.htm

ኣብዚ እዋን ኣስታት 180 ዝኾኑ ኤርትራዊያን ካብ ሰባሕ ንምዕራብ ኣብ እትርከብ ኣል-በራቅ ዝበሃል ቦት ኣብ ኣብ ትሕቲ መሪት፡ ንፋስ ዘየእቱ፡ እኩል መግብን መስተን ዘይብሎም ኣብ ክልተ ክፍሊ ተጨፍሊቆም ከምዘለው ንሕብር።  ካብዞም 180 እቶም 10 ትሕቲ ዕድመ ክኾኑ ከለው ገለ 3 ድማ ልዕሊ 50 ዝዕድሚኦም እዮም።  ካብኣቶም ኣስታት 35 ዝኮኑ ብሰንኪ ኩቱር ማሕረምቲ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ክርከቡ ከለው 2 ኤርትራዊያን ድማ ተጨውዮም ምስ ተወስዱ ኣበይ ከምዘለው ሓበሪታ የልቦን። 

ሂወት የሕዋትናን ኣሓትናን ንምድሓን ኩልና ኢደይ ኢድካ ንበል።  Eritrean Youth for Change
380 Euclid Ave. #6
Oakland, CA 94610  
Email: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
408-603-7040


ሓበሬታ፡ እዚ ጻዊዒት መቀጸልታ ነቲ ብሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝተገብረ ምኾኑ ንሕብር። 

መሰል ስደተኛታት ክኽበር ምእንቲ ኣብቲ መሰልና ተኸቢሩሉን ንባዕልና ስደተኛታት ኮይንና ዝሰጎምናዮ መንገዲ ዘኪርና ብመትከል ናይ ስልኪ ምድዋልን ምክትታልን ደብዳበ ምጽሓፍን ፐትሽን ምግባርን ካምፐይን ነካይድ። ቅድሚ ሎሚ ኣብ ታሪኽ ሲቪካዊ ተግባራት ኤርትራውያን ኣብ ድያስፖሮ ብጉዳኣይ ብማልታ ተዓዊትና ኢና ሕጅውን ብጉዳይ ሊብያ ድሕር ዘይምባል። ኣዝማሪኖ
 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...