ኣሰናዳኢት ሽማግለ
ህዝባዊ መጸዋዕታ
ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብዚ መድረኽ እዚ ስትራተጂካዊ ኣድላይነት ከም ዘለዎ ኩሉ ተቓላሳይ ህዝብና ዝጽበዮ ኢዩ። እዚ ዝኾነሉ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ፡ ፖለቲካዊን፣ ስነ-ሓሳባውን፣ ሃይማኖታዊን፣ ባህላውን፡ ብሄራውን፣ ስናህሎን (ecology)፣ ኮታ ኩሉ ህዝቢ ብስምረት፡ ኣብ ሓደ ሓባራዊ ባይቶ ክምልሶም ዝግብኦም ዝተፈላለዩ ሕቶታት ተንጠልጢሎም ስለ ዘልዉ ኢዩ፡፡ እዚ ዋዕላ ብዕምቆት ክዝትን፡ መሰረታዊ መልሲ፡ ንሕቶታትናን፡ ንመሰላትናን፡ ንመገዲ ቓልስናን፡ ንመጻእናን፡ ክምልስ፡ ኣበርክቶ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ኪኢላ የድሊ። ካብ’ዚ ተረድኦ ተበጊሳ፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ኩሎም ኤርትራውያን ደረስትን፣ ጋዜጠኛታትን፣ ፖለቲከኛታትን፣ ወዘተ.. ኣብዞም ኣብ ታሕቲ ተመልኪቶም ዘለዉ ዓንቐጻት ብሙሉእ ወይ ብኸፊል ከምኡ’ውን ብፍሉይነት ንመጽናዕትን ንዘተን ዝሕግዙ ጹሓፋት ክትልግሱ ብትሕትና ትጽውዕ። ጽሑፋትኩም፡ ኣብ መደምደምታ፣ ናይ ኣፈታትሓ ሓሳባት ዘካተተ እንተድኣ ኮይኑ ዝበለጸ ይኸውን፡፡ ምርጫኡ ቋንቋታት ትግርኛ፡ ወይ ዓረብ፡ ወይ እንግሊዘኛ፡ ክጥቀም ይኽእል፡፡

ቀዳማይ ኣርእስቲ፡ ሃገራዊ ሓድነት፡

ሀ/ ትርጉም ሃገራዊ ሓድነት፡
ለ/ ታሪኻዊ ጽልዋ ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ሓድነት፡
ሐ/ ጂኦግራፋዊ ጽልዋ ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ሓድነት፡
መ/ መድረኽ ብረታዊ ተጋድሎ ሳዕቤናቱ ኣብ ሃገራዊ ሓድነት፡
ሠ/ ስርዓት ህግደፍ ዕንቕፋታት ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ሓድነት፡ (እምነታት፡ መሬት፡ ቅዋም፡ ትምህርቲ፡ ቋንቋ፡ ስቪላዊ ኣገልግሎት፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ናይ ወጻኢ ፖሊሲታትን ቁጠባን ፖሎቲካን
ረ/ ተቓውሞ ሓይልታት ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ሓድነት፡
ሰ/ ብሄራዊ ቓልሲ ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ሓድነት፡
ሸ/ ኣገዳስነት ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ሓድነት፡

ካልኣይ ኣርእስቲ፡ ክንውንኖም ዘሎና ኣገባባት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ፡

ሀ/ ንፖለቲካ፡ ዝምልከት፡
ለ/ ንዜና መዳይ፡ ዝምልከት፡
ሐ/ ንዲፕሎማሲያዊ መዳይ፡ ዝምልከት፡
መ/ ንህዝባዊ መዳይ፡ ዝምልከት፡
ሠ/ ንሰላማውን ጎነጽን መዳይ፡ ዝምልከት፡
ረ/ ካልኦት ተወሰኽቲ መሳርሒታት፡

ሳልሳይ ኣርእስቲ፡ ንመሰጋገሪ መድረኽ ክነረጋግጾም ዘሎና፡

ሀ/ ቅድሚ መሰጋገሪ ክግበሩ ዘለዎም ምድላዋት፡
ለ/ መሰጋገሪ መድረኽ፡
ሐ/ ዕማማት መሰጋገሪ መድረኽ፡
መ/ መስርሕ መሰጋገሪ መድረኽ፡

ጽሑፋትኩም፡ ቅድሚ ሚያዝያ 30.04.2010፡ ብኢንተርነት፡ This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. ወይ ብኣድራሻ፡ P.O. 1143 (1110) Addis Ababa Ethiopia ክበጽሑ ነተሓሳስብ።

ንእሽቶ ተግባር ንሓደ ቃል ወይ ሓደ ንሓሳብ ኣብ ግዙፍ ፍጻሜታት ይቕይር!!
ኣሰናዳኢት ሽማግለ
ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...