ጋዜጣዊ መግለጺ
ዓመታዊ ኣኼባ መርበብ ሲቪሊዊ ማሕበራት ኣብ ኤዉሮጳ

መርበብ ሲቪላዊ ማሕበር ኣብ ኤዉሮጳ ካብ ሰነ 12 ስጋብ 13 2010 ዓመታዊ ጉባኤኡ ኣብ ሃገረ ሆላንድ ከተማ ኣምስተርዳም ካብ መላእ ሃገራት ኤዉሮጳ ካብ ዝርከባ ኣባላት እዚ መርበብ ዝኾና ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ዝተረኸባሉ ኣጋጣሚ ተሳሊጡ።

ህሉዉ ኩነታት ሃገርና

ዓመታዊ ጉባኤ መ.ሲ.ማ.ኤ. ኣብ ናይ ሎሚ ዘመን ርክቡ ንኩነታት እቲ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ግብረሽበራዊ ምሕደራ ተረጊጹ ሰብኣዉን ደሞክራሲያዉን መሰላቱ ተረጊጹ ህሱም መዋእል ንዘሕልፍ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ብምዝካር፡ ህዝብና  ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ዘሎዎ ሰብ ዝሰርሖ ጥምየት፡ ስደት፡ሞትን ማእሰርቲን፡ ወዘተ… ንምንጋፉ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ንለዉጢ ኣብ ዛዕብኡ ሰሪዑ ካብ ዝዘተየሎም እዋናዊ ጉዳያት እዮም ኔሮም፡፡ ብዘይካ እዚ ኣኼባ መሲማኤ ብሰንኪ መራሕቲ ህግደፍ ዝተኸተልዎ ናይ ግዳምን ዉሽጥን  ህዉከተኛ ፖሊሲ፡ ሃገርና ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ብኣሉታዊ ገጽ ተለልያ ምህላዋ ብምግንዛብ፡ ነዚ ንምቕያሩ ኤርትራዉያን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ከበርክቶ ዘሎዎ እጃም እዉን ኣኼባ ካብ ዝዘተየሎም ዛዕባታት ሓደ እዩ ኔሩ፡፡

 

ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ

ዓመታዊ ኣኼባ መሲማኤ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ናይ ሎሚ ዓመት ርክቡ ንዘተ ካብ ዝቐረቦም ዛዕባታት ሓደ፡ ጉዳይ እቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ 2010 ክግበር ምድላዋት ዝግበረሉ ንዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ እዩ። ኣብዚ ዛዕባ እዚ ንኣገዳስነት ዋዕላን፡ መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳ ኣብቲ ዋዕላ ንዝህልዎ ኣገባብ ኣሰታትፋን ከምኡ እዉን መርበብ  ኣብ ዙርያ እዚ ዋዕላ ብዛዕባ ዝህልዎ መርገጺ ንምንጻር ዝዓለመ ዘካተተ ነጥብታት ብዕምቆት ዘትይሎም፡፡ በዚ መሰረት ተጋባእቲ ብባይቶ መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ንሃገራዊ ዋዕላን ኣገዳስነቱን ብምትንታን ዝተዳለወ ሰነድ፡ ሰፊሕ ዘተን ክትዕን ድሕሪ ምክያድ  ብስም መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ኤዉሮጳ ንህዝቢ ክዝርጋሕ ዓመታዊ ኣኼባ ዉሳነ ኣሕሊፉ፡፡      

ንዉሽጣዊ ኩነታት መርበብ ብዝምልከት

መርበብ ሲቪላዊ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ኤዉሮጳ ኣብ ዓመተ 2009-2010 ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ዘመን ብፍላይ ከኣ ኣብ ዓመተ 2009 ኣብ ሃገረ ጀርመን ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ እምነት ኣንቢሩ ዝመረጾም ክልተ ኣባላት ኣዋሃሃዲ ሽማግለ መርበብ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ንመንፈስን ኣሰራራሓን መርበብ ብምጥሓሶምን ከምኡ እዉን ግቡእ ዝተነበረሎም እምነትን ሓላፍነትን ብምዝንግዖም፡  ብኡ መጠን እዉን ዝበዛሓ ኣባላት መርበብ ዝኾና ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ኤዉሮጳ ኣብ ርእሲኦም ዝነበረና እምነት ስሒብና ብምባለን ስዒቡ ኣብ ስራሕ ምዉህሃድ መርበብ ተፈጢሩ ንዝጸንሐ ሒቕታ ንምዕራይ፡ ስጋብ እዚ ዓመታዊ ኣኼባ ዝካየድ፡ ብሞግዚትነት ሓላፍነት ምምራሕ መርበብ ተሰኪማ ንዝጸንሐት ሽማግለ ስጋብ ዝመጽእ ስሩዕ ጉባኤ መርበብ ዓመተ 2011፡ ሓላፍነት ምዉህሃድ መርበብ ሒዛ ክትቕጽል፡ ዳግማይ ብምምራጽ ዓመታዊ ኣኼባ መሲማኤ ሓላፍነት ኣሰኪምዋ፡፡

መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ኤዉሮጳ ህዝብና ሎሚ ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ንዘሕልፎ ዘሎ መዘና ዘይብሉ ኩሉ መዳያዊ ስቃይን ብርሰትን ብምዝካር፡ ንዝካየድ ዘሎ ደሞክራሲያዊ ቃልሲ ንለዉጢ ብሰፊሕ ተሳታፍነት በርገሳዊያን ወነንቲ ክብርናን መጻኢ ዕድልናን ክንከዉንኣኣሎና ካብ ዝብል ጽኑዕ መትከሉ ብምብጋስ፡ ኩሎም በርገሳዉያን ኤርትራዉያን ጉዳይ መጻኢ ዕድል ሃገርና ንፖለቲካዊ ሰልፍታን ዉድባትን ጥራይ ከይገድፍና፡  ኣብ ጉዳይ ሃገርና ወሰንቲ ንምኻን ዘኽእለና ኣብ ኩሉ ሃገራዊ ጉዳይ  ከይታሓለልና ዜግነታዊ ምንቅስቓስን ተሳትፎን ብምግባር፡  ምእንቲ መሰልናን ክብሪ ሃገርናን ቅኑዕን ፍትሓዉን መርገጺ ብምዉሳድ ዓቕምታትና ብሙሉኡ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ከቕንዕ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ኤዉሮጳ ይምሕጸን፡፡

መደምደምታ
ዓመታዊ ኣኼባ መርበብና ንምምዕራግ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ዝጣበቕ ነርወጃዊ ትካል (The house of Human Rights Foundation) ምስ መርበብ ሓቢሩ ንምስራሕ ብምዉሳን ወኪሉ ንዝኾነ ሚስተር ኒልስ ጃኮብስ ናብ ዓመታዊ ኣኼባ ብምልኣኽ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ኣብ መንጎ ትካሉን መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራትን ኤዉሮጳን ኣብ መዳይ ምጥባቕ ሰብእዊ መሰላትን ብዝምልከት ንኣኬበኛታት ሓሳቡ ንምክፋል፡ ኣብ መኽፈቲ ዓመታዊ ኣኼባና ተረኺቡ ዝሃቦ ሓሳብን ቅሩቡነቱን መርበብ ብስም ኩለን ኣባላቱ ብሓፈሻ፡ ብስም ኣብ ነርወይ ዝመደበሩ ኤርትራዊ ሲቪላዊ ማሕበር ምስጋና የቕርብ፡፡

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ናይ ሎሚ ዘመን ዓመታዊ ኣኼባ መርበብ ንምስላጥ፡ ኩለን ኣባላት መርበብ ዝኾና ሲቪላውያን ማሕበራት ኣብ ኤዉሮጳ ብሓፈሻ ብፍላይ ኸኣ፡ ኣባላት ሲቪላዊ ማሕበር በነሉክስ ኣብ ምድላዉ እዚ ኣኺባ ዘርኣይዎ ዉሕልነት ብስም ተሳተፍቲ በዚ ኣጋጣሚ ምስጋና የቕርብ፡፡

ኣምስተርዳም - ሆላንድ 13 ሰነ 2010
መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ኤዉሮጳ


ዉሳነታት ዓመታዊ ኣኼባ መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ኤዉሮጳ

መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት እብ ኤዉሮጳ ህዝብና እብ ትሕቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ንዘሕልፎ ዘሎ መሪርን ዘሕዝንን መዋእል ከምኡ ዉን ሃገርና ብደረጃ ዞባዊን ኣህጉራዉን ወዲቓቶ ዘላ ተሃዋሲ ኩነታትን ብምግንዛብ፡ መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ኤዉሮጳ ካብ ዕለት 12-13 ሰነ 2010 ኣብ ሃገረ ሆላንድ ከተማ ኣምስተርዳም ተጋቢኡ ነዚ ዝስዕብ ዉሳነታት ኣሕሊፉ።

1. ሃገርና ኤርትራ ስጋብ እዚ ሕጂ እዋን መጻኢ ኩሉ መዳያዊ ሃገራዉን ህዝባዉን ሕቶታት ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ዉድባትን ተሓጺሩ፡ ከምቲ ንቡር ህዝቢ ኣብ ምዉሳን መጻኢ ዕድሉ ኣብ ምዉሳን መሰሉ ስለዝተረግጸ ሎሚ ንሕና ኤርትራዉያን በጺሕናዮ ዘሎና ኩነታት እኩል ምስክርነት ምኻኑ ዓመታዊ ኣኼባ መዚኑ፡፡ በዚ መሰረት ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ኩሉ ሃገር ንምድሓን ንዝግበር ዘሎ ቃልሲ ደሞክራሲያዊ ለዉጢ ብምድጋፍ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ብዝመስሎ ኣገባብ ብምስታፍ ዜግነታዊ ተርኡ ክዋጻእ ብምምሕጻን፡ ነዚ ዝሕግዙ መደባትን ጻዊዒታትን ብቐጻሊ ብኣባላት መርበብ ዝኾና በርጌሳዊ ማሕበራት ተሓጺጾም ክስራሓሎም ዓመታዊ ኣኼባ መሲማኤ ወሲኑ።

2. መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ኤዉሮጳ ነቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ 2010 ዓ.ም. ክግበር ንዝዳሎ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ዘሎዎ ሙሉእ ደገፍ ብዓይኒ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ረብሓ ደሞክራሲያዊ ለዉጥን ኣብ ኤርትራ ብምብጋስ፡ ብፍላይ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ መጻኢ ዕድል ሃገርን ህዝብን ኣብ ምዉሳን ህዝቢ ብዓብላሊ ድምጺ ዝሳተፈሉ ናይ መጀመሪያ ፈተነ ምኻኑ መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ስለዝኣመነ፡ ኣብ ምድላዉ እዚ ዋዕላን ኣብ ምስታፍ እዚ ዋዕላን ዘሎዎ ቁሩብነት ብግብሪ ክሰርሕ ጸኒሑን ኣሎን፡ ከም መቐጸልታ ናይዚ፡ መርበብ ኣብ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ብደረጃ መርበብ ንዝዋሃቦ ቦታ ክሳተፍን ንተርኡ ብኣድማዕነት ክዋሳኣሉ ዓመታዊ ኣኼባ መሲማኤ ወሲኑ።

3. መርበብ ንኣገዳስነትን መጻኢ ዕድል ሃገርና ኤርትራዉያን ኣብ ኩሉ ንሃገራዊ ጉዳያት ብዕቱብ ብምስታፍ ጥራይ ወነንቲ መሰላትና ከነረጋግጽ ንኽእል ኢና፡ ካብ ዝብል ዘይንቕነቕ እምነት ተበጊሱ ኩሉ ኤርትራዊ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ኣብ ስደት ዝርከብ ኤርትራዊ ተመክሮ ተደሊቡ ስሙር ራኣይ ዘሎዎ ደሞክራሲያዊ ለዉጢ ንምርግጋጽ እጃሙ ከበርክትን፡ ነዚ ዝሕግዝ ተሳታፍነቱ ኣብ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ከዕዝዝን፡ ከምኡ እዉን ኩለን ኣባላት መርበብ ዝኾና ሲቪላዊ ማሕበራት ናይ መላእ ኤዉሮጳ ነዚ ዝዕዉት ቀጻሊ ስራሕ ክዓማ ዓመታዊ ኣኼባ መሲማኤ ወሲኑ።

4. መርበብ ሲቪላዊ ማሕበር ኣብ ሕቶ ስደተኛታት ዘሎዎ ተመክሮን ዝተዓሙ ንጥፈታትን ብምግምጋም፡ ንቐጻሊ ኣብ ሕቶ ስደተኛታት መርበብ ብመገዲ ኣብ መላእ ኤዉሮጳ ዝርከባ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ዝርከባሉ ዓድታት ብቐረባ ብዕቱብ ክሰርሓሉ ወሲኑ።

5. መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ኤዉሮጳ ጉዳይ ስነዳ ናይቶም ግዳያት ግፍዒ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኮይኖም፡ ንዝተቐተሉ ይኹኑ ሃለዋቶም ናይ ዝጠፍኡ፡ ዝተሳቐዩን ዝተበደሉን ወዘተ… ዜጋታት ከካይዱ  ንዝጸንሑ ኣባላት እዚ መርበብ ስጋብ ሕጂ ንዛካየድዎ ዕማም ብምንኣድ፡ ኣገባብ ስነዳ ብዝሰፈሐ መልክዑ ምእንቲ ክካየድ ዜናዊ ዘመተን ምዉዕዋዕን ክግበረሉ ወሲኑ።

6. መርበብ ኣብ ትሕቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ንዘሎ ሰራዊትን ኣብ ደገ ኾይኖም ንህ.ግ.ደ.ፍ. ብምድጋፍ ንዝንቀሳቕሱ ዜጋታት ቅኑዕ መስመር ንምትሓዞም ምእንቲ ክካኣል ብቐጻሊ ትምህርታዊን ዜናዉን ዘመተ ክገብር ዓመታዊ ኣኼባ ወሲኑ።

7. ዓመታዊ ኣኼባ መሲማኤ ሃገርና ህዝብናን ብሰንኪ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝተኸተሎ ሜላ ኣትይዎ ዘሎ ቅልዉላው ንምድሓን ዘኽእልን፡ ኤርትራዉያን ወነንቲ መጻኢ ዕድላትና ምእንቲ ክንከዉን፡ ተስታፍነት ህዝብን ሃይልታት ፖለቲካን ብሓበራ ምኻኑ ብምእማን፡ ኩለን በርገሳዊ ማሕበራትን ህዝብን ሓይልታት ፖለቲካን ነቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2010 ክግበር ምድላዉ ዝግበረሉ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ብሙሉእ ንያትን ኒሕን ብምድጋፍ ተስታፍነቶም ከዕዝዙ ዓመታዊ ኣኼባ መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ኤዉሮጳ ይምሕጸን፡፡

ዓመታዊ ኣኼባ መሲማኤ ብዘይካ እዞም ልዕል ኢሎም ዝተጠቕሱ ዉሳነታትን ምሕጽንታን፡ ኣብ ካልኦት ዓበይትን ንኣሽቱን ጉዳያት ዉሳነታትን ለበዋታትን ብምሕላፍ ዓመታዊ ኣኼብኡ ዛዚሙ፡፡   

ኣምስተርዳም - ሆላንድ 13 ሰነ 2010
መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ኤዉሮጳ

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...